ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ 2026: ካብ ሓምለ 30 ክሳብ 2 ነሓሰ (July 30- August 2): ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ ክካየድ እዩ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ምሳና ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብኣኽብሮት ንዕድም።
ሆተል ብርትዓዊ ዋጋ ምርካብ ከቢድ ብምዃኑ፡ ኣቐዲምኩም አብዚ ዝስዐብ ሳጹን መአከቢ ሓሳባት ክንደይ ሰባት ካብ ቤተ ክርስቲያንኩም ከም እትመጹ ኪትሕብሩና ንምሕጸን-> Online Form
ቀዳም 27 መስከረም 2025 ዓ.ም በዓል መስቀል እዩ። ኣምላኽ ቅዱስን ብሩኽን በዓል መስቀል ይግበረልና፡
መሰቀል ጽንእነ
መሰቀል ቤዛነ
መስቀል መድሃኒተ ነፍስነ
ንሕነስ ኣመነ በኅይለ መስቀሉ ድኀነ።
መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ።
![]()
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።
ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ መሕተት (ፎርም) ናይ 1ይ ክፍለ-ዓመት ዓመተ-ትምህርቲ 2026 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ ሰንበት 7 ክሳብ ቀዳም 20 ታሕሳስ 2025 ዓም ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ ኣብ 4 ጥሪ 2026 ዓም ዘሎ ሰሙን ክጅምር እዩ። መላግቦ መመዝገቢ
ክፍሊ ጉዳያት ተመሃሮ
ኮለጅ ስነመለኮት ተዋሕዶ
መንፈሳዊ ሰላምታ ብምቕዳም፥ ኣብ ዕዮኹም ኣሳልጦ፥ ኣብ ሕይወትኩም ሰላምን ጥዕናን ኣምላኽ ክህበኩም ንልምን።
ብሩኽ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ሓድሽ ዓመተ ምሕረት [2018 ግእዝ] ይግበረልና።
ዎ ጎይታ ሰላምካ ሃበና፥ ካብ ኢድ ጸላእትና ኣናግፈና፥ ካብ ሕማምና ፈውሰና፥ ንስኻ ኩሉ እትኽል ኣምላክ ኢኻ'ሞ ንህዝብኻ ባርኮምን ሓልዎምን። ከምኡ'ውን፥ በቲ ዘይውዳእ ፍቕርኻ፥ ኣኽሊል ናይዚ ዓመት ባርኽ፥ ወሓዝን ፈልፋሊ ማያትን ባርኽ፥ ዘርእን ኣታኽልቲ ናይ'ዛ ምድሪ'ውን ባርኸልና። ኣሜን።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።
ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ መሕተት (ፎርም) ናይ 3ይ ክፍለ-ዓመት ዓመተ-ትምህርቲ 2025 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ ሰኑይ 11 ክሳብ ሰንበት 24 ነሓሰ 2025 ዓም ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ 31 ነሓሰ 2025 ዓም ክጅምር እዩ። መላግቦ መመዝገቢ፥ https://forms.gle/
ክፍሊ ጉዳያት ተምሃሮ
ኮለጅ ስነመለኮት ተዋሕዶ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ አሜን።
“ድምጺ ደም ኃውኻ ካብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ።” ዘፍጥረት 4:10
መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ብዛዕባ ምሻም ዘይሕጋዊ 6ይ ፓትርያርክ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ