S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ማዕረ እቲ ንእግዚኣብሔር ዝበደልናዮን ንብድሎን ዘሎና እኳ እንተዘይኮነ፣ ኣምላኽ ብባህርዩ ፍቕሪ ብምዃኑ፣ ካብ ዓመጻና ንኽንምለስ፣ ይቕንጥወና ኣሎ። ዓመጻ ሕዝብና ኣብ ንሓድሕድና ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይመስልን፣ ሕልፍ ሓሊፉ ኣንጻር እግዚኣብሔር ኣጽዋር ተሰኪምና ዝተለዓልና ኢና እንመስል።

“ሕጂ ድማ ደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ በታ ዝመጸላ መዓልቲ’ውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍርሲ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ።” 1ዮሃ 2፡28 ካ.ት

ኣብ ስደትን ኣብ ዓድን እትርከቡ ፍቁራን ምእመናንን ምእመናትን። 

ብምኽንያት 6ይ ዓመት ስሜት ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤክ ኤርትራ ዝወጸ ስነ-ጽሑፍ

"ሕማቅ ዘመን ካብቲ ሕማቕ ዚገብረካስ ሕማቕ ዝምህረካ ይገድድ" ከምዝብሃል ዘይሕጋዊ ሽመት ኣቡን ዲዮስቆሮስ፥ ንሕጊ ኣልቦነትን ግብረ-ኣረማውነትን ናይቶም ወጠንትን ተግበርትን ናይቲ ኣብ መፋርቕ 2005 ዓም ዝጀመረ እኩይ ምኽሪ ናብ ጥርዙ ዚበጽሓሉ ፍጻሜ እዩ።  ሓዊ ወሊዕካ ድቃስ፡ ሕጊ ኣፍሪስካ ሰላምን ህድኣትን ኪርከብ ስለዘይክኣል፡ ሳዕበኑ ኸኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳዓበየን እንዳበኣሰን ይኸይድ ኣሎ። ወዮ ድኣ “ኣምላኽ ኪጸልእ ምኽሪ ይኸልእ” ኮይኑ እምበር እዚ ኸዊልካ ዘይክወል ገበን እንታይ ኪወልድ ምዃኑ ምግማት ከቢድ ኣይነበረን። እዚ ሓደገኛ ፈተና ብኣግኡ ዘስተውዓሉ ብዙሓት ሊቃውንቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካን ካልኦትንውን ካብ ወጻኢ፡ ኣቦታት ጳጳሳት ደው ኢሎም ኪሓስቡ ከም ቀደሞም ብፍቕርን ብምርድዳእን ሽግሮም ኪፈትሑ፡ መሳርሒ ናይቲ ኩሉ እኩይ ስራሕ ኮይኑ ንዝነበረን ዘሎን ኣብ ዘይምልከቶ ቦታ ዝተቐመጠ ዓለማዊ ሰብ ኣቶ ዮፍታሀ ዲሞጥሮስ ኸኣ ኢዱን እግሩን ከውጽእ ብተደጋጋምን ብዓውታን ጻውዒት ተገይሩ ነይሩ እዩ። ሰማዒ እዝኒ ግን ኣይረኸበን። ኣብዚ ጉዳይ ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብሉ ሰብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ (www.tewahdo.org) በብመዓልቱን ከከም ኣፈጻጽማኡን ተቐሚጡ ዘሎ ሰነዳት ኪምልከት ይኽእል እዩ። ጉዳይ ቤተክርስትያን ድቃስ ዝኸልኦም ኣገልገልትን ምእመናንን’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ እቲ ነገር ቅድሚ ኣብ ፍጻሜ ምብጻሑ እንዳተኸታተሉ እዋናዊ ሓበሬታ ይዝርግሑ ኔሮም እዮም (ብፍላይ ካብ መፋርቕ 2005 ክሳብ ሎሚ)። መርገም ህዝብና ግዲ ዘይተወድአ ኮይኑ ግን እቲ መገዲ ጥፍኣትን ዕንወትን ቀጸለ እምበር ደው ኣይበለን።

ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ሃገረ እስራኤል ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ብዕለት 12 ሰነ 2010 ኣ.ፈ (5 ሰነ 2002 ዓ.ም ግእዝ) ብወግዒ ፈላሚ ኣገልግሎቱ ካብ ዝጅምር ንደሓር ብዙሕን ሰፊሕን  መንፈሳዊ ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ። ኣብዚ ቅንያት እዚ’ውን ብምኽንያት በዓል ቅዱስ ዮሓንስ  ምእታው ሓድሽ ዓመት 2003 ዘመነ ሉቃስ መሠረት ብምግባር፥ ኩሎም ውሉደ ክህነትን ብዙሓት ምእመናንን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም

ሎሚ መዛግብቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ገንጺልና ክንርእዮ ዝደለኹሉ ምኽንያት፡ ቁጽሪ ዘይብሎም ነገሥታት ምድሪ ጥርሖም ተወሊዶም፡ ጥርሖም ድማ ከም ዝሞቱ ዝፈለጡ በዓል መን ነበሩ፧ ጸላኢ ክለዓሎም ከሎ “ዎ እግዚኣብሔር፡ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ሰብ ኪሕይለካ ኣይትሕደግ ኢሎም ብምእዛዞም፡ ንህዝቦም ጽላል ዝነበሩ፡ በዓል መን ከም ዝነበሩ፡ ክንፈልጦም ካብ ምእዛዞም ክንመሃርን ስለ ዝደለኹ እየ። እቶም ኣነን ቅልጽመይን ዝበሉ፡ ንልቦም ዘምለኹ፡ ዘይተኣኣዘዙ ድማ ንህዝቦም ጥፍኣት ዘምጽኡ ነገሥታት በዓል መን ነብሩ፡ ካብ ነገሥታት እስራኤል ክንመሃር ጽቡቕ ኰይኑ ይስምዓኒ።

“ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ። እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና’ያ። ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንኢየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን’ዩ፧” 1ዮሃ 5፡4,5

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካን፡ ኣመሠራርታኡን

ድሕሪ ናጽነት ሃገርና: ነቲ ብስደት ምኽንያት ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ዝነብር ህዝብና መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ተባሂሉ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ናብ ወጻኢ ኣገልገልቲ ካህናትን ዲያቆናትን ምልኣኽ ቀልጢፋ እያ ጀሚራቶ።

ካልኣይ ምጽኣት መዓስ እዩ ዝፍጸም

ብኻልኣይ ምጽኣቱስ ብኣዝዩ ዘፍርሕን ዘደንቕን ዘንቀጥቅጥን ኣመጻጽኣ ንጉሠ ነገሥት እዩ ዝመጽእ። በቲ ንሱ ዝምለሰሉ ጊዜያት ብዙሓት ምልክታት ክረኤ

ኣርባዕተ መንእሰያት ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል፡ ብ12 መስከረም 2010 (2 መስከረም 2003 ግእዝ) ዓ.ም መዓርግ ዲቁና (ኣንበብቲ መጻሕፍቲ) ብኢድ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ተቐቢኦም። እቲ

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div