“ሕጂ ድማ ደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ በታ ዝመጸላ መዓልቲ’ውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍርሲ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ።” 1ዮሃ 2፡28 ካ.ት
ሓደ ኻብ’ቲ ነዚ ዕለት’ዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ዝሰርዓቶ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እዚ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ መልእኽቲ’ዩ። እዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ሓቝፍዎም ካብ ዘሎ ኣገደስቲ ኣርእስትታት ሓደ ድማ፡ እዚ ነዚ ዕለት’ዚ ተመዲቡልና ዘሎ፡ “ኣብ ክርስቶስ ንበሩ” ዚብል ኣርእስቲ’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ምስ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚተሓሓዝ ኣገዳስነት ዘለዎ’ዩ። እቲ ኣብ’ዛ ምድራዊት ናይ ህይወት ዘመኑ ኣብ ክርስቶስ ዘይነበረ ክርስትያን፡ ጐይታ ብሰራዊት ቅዱሳን መላእኽቱ ተዓጂቡ ብዓብይን ዜርዕድን ክብርን ግርማን ብኣካል ኪግለጽ ከሎ፡ ብፍርሃትን ብሕፍረትን’ዩ ዚወሓጥ። ምኽንያቱ ድማ ኣብ ክርስቶስ ዘይምንባሩ ንምስሊ ህይወቱ ኣበላሽይዎን ካብ ኵሉ መንፈሳዊ ሓላፍነቱ ኣብኲርዎን ስለ ዝጸንሐ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን ረሲዕዎን ጠሊምዎን’ዩ ጸኒሑ። ጠሊምካዮ ዝጸናሕካ ኣካል፡ ንሰዓብቱ ኬኽብር ንጠለምቱ ኼሕስር ብዜፍርህ ግርማን ክብርን ኪመጸካ ኸሎ ድማ፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ግብርኻ ብሕፍረት ክትወሓጥ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ መጻኢኻ ድማ ብፍርሃት ከተንቀጥቅጥ፡ ከተወግዶ ዘይትኽእል ጽቡይ ሃለዋት’ዩ። እምበኣር እዚ ቕዱስ ሃዋርያ፡ “ኣብ ክርስቶስ ንበሩ” ኢሉ ዚምዕደና ዘሎ፡ ካብ’ዚ ዜሰክሕን ኪእረም ዘይክእልን ኵነታት ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ’ዩ። እግዚአብሔር ብምሕረቱ ፈቒዱሉ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ክብሪ ቅድስት ስላሴ፡ ብፍላይ ከኣ ክብሪ ናይ’ቲ ኺፈርድ ዚመጽእ ገንሸል በቲ ዝተገልጸሉ ራእይ ብገዛእ ኣዒንቱ ኺርእይ ዝተዓደለ ሰብ’ዩ። ጻማ ናይ’ቶም ኣብ ክርስቶስ ዝነበሩን መስጣ ናይ’ቶም ኣብ ክርስቶስ ዘይነበሩን ብዓይኑ ዝረኣየ እሙን ምስክር እናነገረካ፡ እንተ ብሸለልትነት እንተ ብትሪ ልቢ፡ ኣብ ክርስቶስ ዘይምንባር ኣዝዩ ኸቢድ ዕሽነት’ዩ።
ክርስቶስዶ መንበሪ’ዩ፧ ኣብ ክርስቶስ ምንባር ብሓቂ ዚከኣል ድዩ፧ ብቐሊሉ ኽትርድኦ ዘጸግም ኰይኑ’ምበር፡ ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ መልሲ፡ “እወ፡ ክርስቶስ መንበሪ’ዩ፡ ኣብኡ ምንባር ከኣ ይከኣል’ዩ” ዚብል’ዩ። ቀደሙ’ውን’ኮ፡ ኣብ ኣምላኽ ኢና እንነብር’ምበር፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣይኰነን። ንዅሉ ነገራት ብዓይኒ-ስጋ ጥራሕ ስለ እንርእዮ ግን፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኽንርድኦ ይኸብደና’ዩ። እቶም ንዅሉ ነገራት ብዝተኸፍታ ናይ መንፈስ ኣዒንቲ ዚርእይዎ ግን፡ ነቲ ኣካላዊ ህልውናኦምን ቦታኦምን ዘይኰነስ፡ ነቲ መንፈሳዊ ህልውናኦምን ቦታኦምን’ዮም ዚርእዩ። እስራኤላውያን ኣብ ምድረ በዳ ይጐዓዙን ይነብሩን ከም ዘለዉ ይሓስቡሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፡ ሊቀ-ነብያት ሙሴ ግን፦
“ዎ ይሹሩን (እስራኤል)፡ ነቲ ንረድኤትካ ብልዕልናኡ ኣብ ደበናታትን ኣብ ሰማያትን እተወጥሐ ኣምላኽ ዚመስሎ የልቦን፡ እቲ ኣምላኽ ጥንቲ መንበሪኻ’ዩ፡ እተን ዘለኣለማውያን ቀላጽሙ ድማ ኣብ ታሕቲ (ምሳኻ) ኣለዋ።.....” ብምባል ኣረጋገጸሎም (ዘዳ 33፡26,27)። እቲ ህዝቢ ብእግሩ ኸርተት ይብልን ይደክምን ከም ዘሎ እናተራእዮን እናኣጕረምረመን ከሎ፦
“ኣብ ጽምዊ ባድማ በረኻ፡ (ኣብ’ቲ) ኣራዊት ዜድህዩሉ፡ ኣብ ምድሪ በረኻ ረኸቦ። ከበቦን ተኸናኸኖን ከም መርዓት ዓይኑ ሓለዎ። ንስሪ ጨጨውቱ (ጨቓዊቱ) ከም ዜንፍር ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከም ዚዝምቢ፡ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶ፡ ኣብ ክንቲቱ ኸኣ ጾሮ።” ተባሂሉ ተነግሮ (ዘዳ 32፡10,11)። ኣብ እግዚአብሔር ምንባር ማለት እዚ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ እንታይ ደኣ’ዩ፧ እታ ለባም ሰበይቲ፡ ኣቢጋይል፡ እግዚአብሔር መንበሪ ቕዱሳኑ ምዃኑ ትፈልጥ ስለ ዘነበረት፡ ንቕዱስ ዳዊት ክትምርቖ ኸላ፡
“ሰብ’ኳ ኺሰጕጐካን ንነፍስኻ ኺደልይን እንተ ተንስአ፡ ነፍሲ ጐይታይሲ ኣብ እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ኣብ’ቲ ኸረጺት ህያዋን ጥቕልልቲ ትኹን። ንነፍሳት ጸላእትኻ ግን ከም ኣብ ዓውዲ ወንጭፍ ገይሩ ይወንጭፈን።” በለቶ (1ሳሙ 25፡29)። ብኣካላ-ስጋ ኣብ ምድሪ ጸላእቱ እናሳደድዎ ኸለው፡ ነፍሱ ግና ኣብ ውሽጢ ኣምላኽ ክትነብርን ክትስወርን ከም እትኽእል ብዕምቈት ተረዲእዋ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ኻብ ልሳን-ነብያት’ኳ ዘይተሰምዐ ፍሉይ ምርቓ መረቐቶ። ቅዱስ ዳዊት’ውን እዚ ምስጢር’ዚ ተገሊጹሉ ስለ ዝነበረ፦
“ኣብ ጸግዒ’ቲ ልዑል ዚሓድር፡ ኣብ ጽላል’ቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። እግዚአብሔር፡ “ጸግዐይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን’ዩ”፡ እብሎ ኣለኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፡ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ’ዩ’ሞ፡ ብግልግሊኡ ኼጐልብበካ፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረኽብ ኢኻ ....። “ጐይታይ፡ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ”፡ ኢልካ ኢኻ’ሞ፡ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፡ እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፡ ስቓይ’ውን ኣብ ድንኳንኳ ኣይኪቐርብን’ዩ።” ብምባል ብመዝሙሩ ተኣሚኑ ኣሎ (መዝ 91፡1-4,9,10)። ኵሉ’ቲ “መጸግዒ፡ መሕደሪ፡ ዕርዲ፡ መዕቈቢ፡ መጐልበቢ” ዚብል ቃላት፡ እግዚአብሔር መንበሪና ምዃኑ ዚገልጽ ዝተፈላለየ ግስታትን ቅጽላትን’ዩ።
ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ከም መለኮታዊ ኣምላኽ መጠን፡ ነቶም ኣመንቱን ሰዓብቱን መንበሪ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፦ “ኣባይ ንበሩ፡ ኣነ’ውን ኣባኻትኩም ክነብር’የ። ....” ብምባል ክቡር ጽውዓን ትእዛዝን ኣቕረበልና (ዮሃ 15፡4)።፡ እቲ ኣብ’ቲ ቐዳማይ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣባይ ጽንዑ” ዚብሎ፡ “ኣባይ ንበሩ (abide in me)” ማለት’ዩ። መሪሕ ጥቕስና’ውን ከምኡ ኢሉ’ዩ ኣዚዙና።
“ኣብ ክርስቶስ ምንባር” ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧ ብኸመይ ኢናኸ ኣብኡ እንነብር፧ ናይ እምነት ክርስትና ፍሉይነት፡ ምስ’ቲ እንኣምኖ ኣምላኽ ሓደ ኣካል ዚገብረና ምዃኑ’ዩ። ቃል እግዚአብሔር ደጋጊሙ ኸም ዜረጋግጸልና፡ እቶም ብክርስቶስ እንኣምንን ንእኡ እንስዕብን ዘበልና ዅላትና፡ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ኢና።
“እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እምበኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ’የ፧ ያእ ኣይፋለይን፡”1ቈረ 6፡15።
“እምበኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም።” 1ቈረ 12፡27። ኣካላቱ ስለ ዝዀንና ኸኣ ኵሉ’ቲ ንሱ ዝዀኖን ዝሓለፎን ንሕና’ውን ብእኡ ኸም ዝሓለፍናዮን ከም ዝዀንናዮን ተነግረና። ኣካላቱ ኻብ ምዃንና ዝተላዕለ፡ ኪመውትን ኪትንስእን ኪዓርግን ኣብ የማን ኣቦ ኪቕመጥን ከሎ፡ ንሕና’ውን ምስኡ ከም ዝሞትና፡ ከም ዝተንሳእና፡ ከም ዝዓረግና ተነግረና። እዚ ኣካልነት’ዚ ድማ ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን’ዩ ዚፍጸም።
“....ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ (ኣብ ሓጢኣት) ክንነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምውታት ዝተንሰአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።” ሮሜ 6፡2-4።
“ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከለናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና። ....ምስኡ’ውን ኣተንስኣና፡ ኣብ’ቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርእይ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ ኢየሱስ ምስኡ ኣቐመጠና።” ኤፌ 2፡5-7
“ብጥምቀት’ውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ’ቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም። ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን፡ ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም’ውን ምስኡ ህያዋን ገበረኩም።” ቈሎ 2፡12,13
ኣካላት ስጋኡ ዄንና ኣብኡ ዘይንነብር እንተ ዄንና ግን ነዚ ዅሉ ዓበይቲ ግብርታት-ምድሓን ክንካፈሎን ክንሓብሮን ኣይምኸኣልናን ኔርና። ነቲ ብዓብዪ ምሕረቱ፡ ኣካላት ስጋ ክርስቶስ ኴንና ኣብኡ እንነብረሉ ረቀቕቲ ምስጢራት ዝሰርዓልና ልዑል ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ንዘለኣለም ይኹን።
ሓንሳእ ኣካላቱ ዄንና ኣብኡ ምንባር ምስ ጀመርና፡ ንዘለኣለም ዲና ኣካላቱ እንኸውን፧ ኣካላቱ ኻብ ምዃንን ኣብኡ ኻብ ምንባርን ክንዕንቀፍ ንኽእል ዲና፧ ብርግጽ ኣካልነትና ኽንስእን ኣብኡ ኻብ ምንባር ክንዕንቀፍን ንኽእል ኢና። እቲ ቐዳማይ ምኽንያት ባዕላትና ብፍቓድና ካብ ክርስቶስ ተፈሊና ንድሕሪት ምስ እንምለስ’ዩ (2ጴጥ 2፡20-22፣ እብ 10፡38,39)። እቲ ኻልኣይ ምኽንያት ድማ ኣብኡ እናነበርናስ ምስ ናቱ ዚሳነይ ፍረ ምስ ዘይንፈርይ ባዕሉ ቘሪጹ ምስ ዚድርብየና’ዩ። ኣብ’ቲ ምስላ ተኽሊ ወይኒ ኺምህረና ኸሎ፡ ጐይታና ባዕሉ፦ “ኣነ ናይ ሓቂ ጒንዲ ወይኒ’የ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ’ዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር (ኣቦይ) የርሕቖ። ነቲ (ኣባይ ዘሎ) ፍረ ዚፈርይ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈርይ፡ የጽርዮ።” ብምባል፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣረጋጊጹልና’ሎ (ዮሃ 15፡1,2)። ኣብ’ቲ ጒንዲ ወይኒ እናነበረ ኽነሱ፡ ጥብ እትብል ፍረ ዘይፈርይ ጨንፈር፡ ንምንታይ’ዩ ኺነብር ዚድለይ፧ ዋላ’ቲ ጨንፈር ነቲ ማራ (sap) ናይ’ቲ ጒንዲ እናመዝመዘ ኺነብር ዚደልይን ዘይከፍኦን’ኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ፍረ ዚደልይ ተኻሊ (እግዚአብሔር ኣቦ) ግን ከቶ ኣይዕገሶን’ዩ። ኣብ ክርስቶስ እናነበረ፡ ጽድቂ ዘይፈርይ፡ ካብ ሓጢኣት ዘይፍለይ (ዘይመውት) ክርስትያን ድማ፡ ኣብ ክርስቶስ ኪነብር ብእግዚአብሔር ኣቦ ኣይድለይን’ዩ። ስለ’ዚ ብምስጢራት ስለ ዝሓለፍናን ሓንሳእ ኣካልነትን ኣብ ክርስቶስ ምንባርን ስለ ዝረኸብናዮን፡ ንዘለኣለም ከም ውሁብ (forgranted) ክንወስዶ ኣለና ማለት ኣይኰነን።
ሕጂ ናይ ብሓቂ ኣብ ክርስቶስ ንነብር ከም ዘለና ደኣ ብምንታይ ኢና እነረጋግጽ፧ ብሓጺሩ፡ ኵሉ’ቲ እግዚአብሔር ክንኰኖን ክንገብሮን ዚደልየና ብምዃንን ብምግባርን ኢና ኣብ ክርስቶስ ንነብር ምህላውና ኸነረጋግጽ እንኽእል። ብቐጥታ ምስ’ቲ “ኣብ ክርስቶስ ምንባር” ዚብል ሓሳብ ተተሓሒዞም ዝተገልጹልና ሒደት ኣብነታት ግን ኣለዉና። እቲ ቐዳማይ ስጋን ደምን ናይ ጐይታ እንወስድ ምዃንና’ዩ። ነዚ ኣገዳሲ ረቛሒ’ዚ ጐይታና ባዕሉ፡- “እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰትይ፡ ኣባይ ይነብር፡ ኣነ’ውን ኣብኡ።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 6፡56)። እቲ ተገቢእዎ ስጋን ደምን ናይ ጐይታ ኣዘውቲሩ ዚወስድ ክርስትያን፡ ምስ ክርስቶስ ዘለዎ ኣካልነት የሐድስን የጽንዕን ስለ ዘሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ይነብር ከም ዘሎ ርግጸኛ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ነዚ ቓል ጐይታን ነቲ ጐይታ ዝኸፈሎ ናይ መስቀል መስዋእትን ንዒቑ ካብ’ዚ ምስጢር’ዚ ዘይካፈል፡ ወይ’ውን ከይተገብኦ ዚወስድ ግና፡ “ኣብ ክርስቶስ ይነብር ኣሎ” ኺበሃል ኣይከኣልን’ዩ (1ቈረ 11፡26-31)። እቲ ኻልኣይ ኣብ ክርስቶስ ንነብር ምህላውና ዜረጋግጽ ረቛሒ ድማ፡ ትእዛዛቱ ንሕልው (ንፍጽም) ምህላውና’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ድማ፦ “እቲ ትእዛዛቱ ዚሕልው ድማ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱ’ውን (ክርስቶስ’ውን) ኣብኡ ይነብር። ንሱ ኣባና ኸም ዚነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ ዝሃበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና።”ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 3፡24)። እዚ ትእዛዛቱ ድማ ብዅሉ’ምበር፡ ንገሊኡ ሓሊና ንገሊኡ ነፍርሶ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ሃዋርያ ያእቆብ፦ “ንብዘሎ’ቲ ሕጊ ሓልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል፡ ብዅሉ’ዩ በደለኛ ዚኸውን። እቲ፡ “ኣይትዘምው” ዝበለ፡ “ኣይትቕተል” ድማ በለ። ስለ’ዚ እንተ ዘይዘሞኻ’ኳ፡ ካብ እትቐትልሲ መፍረስ ሕጊ ኢኻ።” ኢሉ ኣፍሊጡና’ዩ (ያእ 2፡10,12)። ጐይታ እቲ ትእዛዛቱ ዚሕልው ጥራይ ከም ዜፍቅሮ ስለ ዝገለጸ፡ እቲ ትእዛዛቱ ዘይሕልው ጸላኢኡ፡ ኣብኡ ኪነብር ኣየፍቅድን’ዩ (ዮሃ 14፡15,21,23,24፣ 1ዮሃ 5፡3)። እቲ ሳልሳይ ኣገዳሲ ረቛሒ ድማ ፍቕሪ’ዩ። ፍቕሪ፡ ካብ’ቲ ትእዛዛት ሓንቲ ኽነሳ፡ ንዅሉ’ቲ ትእዛዛት ሓቚፋ ዝሓዘትን ንትግባረኡ (ፍጻሜኡ) ዚከኣል (ርጉጽ) እትገብርን ስለ ዝዀነት’ዩ ኵሉ ጊዜ ብፍሉይነት ክትጥቀስ ዚገብራ (ማቴ፡ 37-40፣ ሮሜ 13፡8-10፣ ገላ 5፡14 1ዮሃ 2፡5)። ሃዋርያ ዮሃንስ ከኣ ፍቕሪ ኣብ ክርስቶስ ናይ ምንባርና መረጋገጺት ምዃና፡
“.....ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽ’ውን ኣብኡ ይነብር።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 4፡16)። ስለ’ዚ ኣብ ክርስቶስ ጸኒዕና ንነብር ምህላውና ንኸነረጋግጽ፡ ንፍቕሪ ለቢስናያን ኣብ ፍቕሪ ጸኒዕና ምህላውናን ከነረጋግጽ ይግብኣና። እቲ ራብዓይ መረጋገጺ ረቛሒ ድማ ብናይ ክርስቶስ ኣምላኽነት እንኣምን ምዃንና’ዩ። ነዚ’ውን ባዕሉ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፦ “ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመን፡ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱ’ውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር።”
ብምባል ገሊጹልና’ዩ (1ዮሃ 4፡15)። “ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ’ዩ” ማለት “ኣምላኽ’ዩ” ማለት’ዩ። ኣይሁድ ጐይታና “ወዲ ኣምላኽ’የ” ኺብል ኪሰምዕዎ ኸለው፡ “ርእሱ ምስ ኣምላኽ ኣመዓራርዩ” ማለት “ኣምላኽ’የ” ኢሉ ኢሎም ብዳርባ እምኒ ኺቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ (ዮሃ 5፡17,18፣ 10፡31-36፣ ማቴ 26፡62-67)። ጐይታ ባዕሉ ድማ፡ እቶም ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኑ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሎም ብጹኣን ምዃኖምን ከም ከውሒ ጽኑዓት ምዃኖም፡ ደጌታት ሲኦል ከም ዘይሕይሎምን ደገ መንግስተ ሰማያት ንኣታቶም ክፉት ምዃኑን ኣረጋጊጹሎም’ዩ (ማቴ 16፡15-19)። ዓለምና ድማ ሎሚ ንኣምላኽነት ክርስቶስ ብግሁዶ ብዚኽሕዱ ሰባትን ሃይማኖታትን መሊኣ ኣላ (1ዮሃ 2፡18፣ 4፡1-3፣ 2ዮሃ፡ 7-11)። ዋላ ኣብ’ተን ኣምላኽነት ክርስቶስ ብጽኑዕ ዚኣምና ኣብያተ ክርስትያን ዘለና’ውን ንኣምላኽነቱ ዚግባእ ፍርሃትን ተኣዝዞን ዘይብልና ብምዃን ብኣፍና እናተኣመንና ብግብርና እንኽሕዶ ሰባት ንበዝሕ ኣለና (ቲቶ 1፡16፣ ኢሳ 29፡13,14፣ 58፡2፣ ህዝ 33፡30-31)። ስለ’ዚ ኣብ ክርስቶስ ንነብር ምህላውና፡ ክርስቶስ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብልሳናዊ ተኣምኖ ዀነ ብግብራዊ ናብራና ኸነረጋግጽ ይግባእ።
ኣብ ክርስቶስ ናይ ምንባር ረብሓኸ እንታይ’ዩ፧ ኣብ’ዚ ሓጺር ዓምዲ’ዚ ዘርዚርካ ኺውዳእ ክሳዕ ዘይክእል ብዙሕ’ዩ። ንመእተዊ ዚኣክል ንምጥቃስ ግን፡ እቲ ቐዳማይ ረብሓ፡ ብዙሕ ፍረ ኽትፈርይን ብፍሬኻ ንኣምላኽ ከተኽብርን ምኽኣል’ዩ።“ኣባይ ንበሩ፡ ኣነ’ውን ኣባኻትኩም ክነብር’የ። ጨንፈር ኣብ’ቲ ጒንዲ ወይኑ እንተ ዘይነበረ ኻብ ርእሱ ኺፈርይ ከም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይነበርኩም ከምኡ ኢኹም። ....እቲ ኣባይ ዚነብር፡ ኣነ’ውን ኣብኡ ንሱ’ዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈርይ። ምኽንያቱ ብጀካይ ሓንቲ’ኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም።” ዮሃ 15፡4,5 ካ.ት
እቲ ኻልኣይ ረብሓ ድማ ዝለመንናዮ ዚዀነልና ምዃኑ’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ኸኣ ባዕሉ ጐይታ፦
“ኣባይ እንተ ነበርኩም፡ ቃለይ’ውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ’ሞ ይዀነልኩም። ....ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዮን ፍሬኹም’ውን ነባሪ ኪኸውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም ነዚ መደብኩኹም።” (ዮሃ 15፡7,16 ቀ.ት)
“ኣባይ እንተ ነበርኩም፡ ቃለይ’ውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ’ሞ ይዀነልኩም። ....ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹም’ውን ነባሪ ኪኸውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም።” ብምባል ብንጹር ኣረጋጊጹልና’ዩ (ዮሃ 15፡7,16(ቀ.ት+ ካ.ት)
እቲ ሳልሳይ ረብሓኡ ድማ ናይ ጐይታ ደቀ መዛሙርቲ ምዃንና’ዩ።
“.....እቲ ኣባይ ዚነብር ኣነ’ውን ኣብኡ፡ ንሱ’ዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈርይ። .....ብዙሕ ፍረ እንተ ፈረኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይ’ውን ኽትኰኑ ኢኹም።” ዮሃ 15፡5,8 ካ.ት
ናይ’ዚ ዝተጠቕሰን ዘይተጠቕሰን ረብሓታት ድምር ውጽኢትን ረብሓን ከኣ ኣብ መንግስተ ሰማያት ኣብ የማን ኣቦ ዜቚመና፡ ምዃኑ’ዩ። እቲ ኣብኡ ዘይነብርን ኣብኡ እናነበረ ኸሎ ዘይፈርይን ግና፡ ካብ ክርስቶስ ተቘሪጹ ናብ ሓዊ ገሃነም’ዩ ዚድርበይ።
“ኣባይ ዘይነብር ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ድማ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ’ሞ ይነድድ።” ዮሃ 15፡6 ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ነዚ ኣብ ክርስቶስ ምንባር ዚምልከት ደምዳሚ ሓሳብ ኪህብ ከሎ፦
“እቲ፡ “ኣብኡ እነብር ኣለኹ” ዚብል፡ ከም’ቲ ንሱ (ክርስቶስ) ዝተመላለሶ (ዝነበሮ)፡ ንሱ’ውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ (ኪነብር) ይግብኦ’ዩ”
ኢሉ ጸሓፈልና (1ዮሃ 2፡6)። ብኻልእ ኣዘራርባ’ምበኣር፡ “ኣብ ክርስቶስ ንበሩ” ኺበሃል ከሎ፡ “ከም ክርስቶስ ኩኑ ንእኡ ምሰሉ” ማለት’ዩ። ናይ ህይወትና ጽውዓን ተልእኾን ከኣ ንሱ’ዩ። ከም ክርስቶስ ክንሓስብ፡ ከም ክርስቶስ ክንዛረብ፡ ከም ክርስቶስ ክንገብር እንተ ኽኢልና ብርግጽ ኣብ ክርስቶስ ንነብር ኣለና፡ ኣካል-ሰብነቱ ኢና ማለት’ዩ። ኣብ ምጽኣቱ ብኣካለ-ስጋ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዱ ደው ምስ በልና፡ ልዑል ትብዓት ኪስምዓና’ዩ፡ ከቶ ኣይክንሓፍርን ከኣ ኢና። “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት ንዑ” ኢሉ ብኽብሪ ኪቕበለና’ዩ (ማቴ 25፡34)። ነቶም ኣብኡ ዘይነበሩ ግን፡ “ኣቱም ርጉማት፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሓቑ” ኢሉ ናብ ስቓይን ሕፍረትን ኪድርብዮም’ዩ (ማቴ 25፡41፣ 7፡23፣ ሉቃ 13፡25-27)። እቶም ኣብ’ዛ ምድሪ ኸለው ኣብኡ ዝነበሩ’ዮም፡ ኣብ ሰማያት’ውን ምስኡን ኣብኡን ዚነብሩ’ሞ፡ ኣብ ክርስቶስ ንነብር ምህላውና ወርትግ ነረጋግጽ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ጥር ፳፪, ፳፻፲፬ ግዕዝ (30 ጥሪ 2022 ፈ). መበል 21 ሰንበት: ቊ.28/፳፰ |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
2ቈረ 1፡13-ፍጻመ |
1ዮሃ 2፡22-ፍጻመ |
ግብ 13፡20-27 |
ሉቃ 2፡41-ፍጻመ |
ዘዲዮስቆሮስ |
መዝ ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፮-፳፯ “እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ። ግበሩ በዓለ በትፍሥሕት በኅበ እለ ያስተሐምምዎ። እስከ አቅርንቲሁ ለምሥዋዕ።” “እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ’ዩ፡ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና። እግዚኣብሄር ኣምላኽ’ዩ፡ ንሱውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ። |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ