ብመሠረቱ ክርአ ከሎ ቤተ-ክርስቲያን ቤት ጽድቅን ቅድስናን እያ። ስለ ዝኾነት ድማ ካብ ቅድስና ወጻኢ፥ ናይ ዝኾነ ዓለማዊ-ተግባር መጋበሪያ ኮይና ክትርከብ ፥ ምስቲ ብቕድስና ዝፍለጥ ዕላማኣ ዝሳነ ኣይኮነን። ኣብቲ ነዊሕ ዝኸይድ ታሪኻ እንተረኣና ግን፥ ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ብዝነበሮ ከቢድ ፈተና ሓሊፋ ከምዝመጸት ኢና ክንርዳእ ንኽእል። ዘይተቐበለቶ ፈተና’ውን ኣሎ ኣይበሃልን። እቶም ኩሎም ዝሓለፉ ቅዱሳን ኣቦታትና ብዝኸፈሉዎ ናይ ሠማዕትነት ዋጋ ድማ፥ እንሆ ህልውናኣ ዓቂባ ንኽትነብር ኣብ ከቢድ ቃልሲ ትርከብ ኣላ።
እዚ ሻብዓይ ሰንበትን ሳምንትን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓብይ ጾም፡ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያን “ኒቆዲሞስ”ተባሂላ ትጽዋዕ። አብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ ረቢ ሊቅ ንሕነ ነአምን ብከ። ከመ እምኀበ አብ መጻእከ ከመ ትኩን መምህረ። ትርጉም “ ኒቆዲሞስ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን። ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ።” እዚ ዕለት እዚ ኒቆዲሞስ ተባሂሉ ዝስመይ ኰይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ካልኣይን ዓብይን ልደትና ክንሓስብን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ።” (መዝ 17፡3)።
ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሑ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (ጥሪ 29 - 31/ 2010 ፤ ጥሪ ፳፩ - ፳፫ 2002 ዓ.ም. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ።
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ” (ዮሓ 14፡5-6) ምስ በለ፥ ንዓና ከኣ ብቅኑዕ መገዲ ክንጓዓዝ፥ ኣብ ሓቂ ክንጸንዕን፥ ክብሪ
እዛ ሻዱሸይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓቢ ጾም እዋን ‘ገብርሄ’ ተባሂላ ትጽዋዕ። አብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “መኑ ውእቱ ገብር ኄር ወምእመን፡ ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ ወይሠይሞ ዲበ ኵሉ ንዋዩ። ትርጉሙ ከአ፡ እሙን ባርያ መን እዩ፧ ሰናይ ክገብር ንዝጸንሖ ጐይታ ኣብ ኩሉ ንብረቱ ክሸሞ እዩ።” ኣብዚ ዕለት እዚ ብዛዕባ እሙን አገልጋሊ፡ ንኣገልገልቲ ዘገልግለሉ ጸጋ ዝሃበ እግዚአብሄር፡ ንሰባት ኵሎም ፍጡራት ዝሃቦም ውህበት ጸጋ፡ ንእሙናት ኣገልገልቱ አምላክ ዝህቦ ውዕለት እንዳ ተዘከረ ዝዝመረሉ፡ ዝስበኸሉ፡ ዝሕሰበሉን ሰሙን እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ። ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ፣ እንሆ፣ ከናፍረይ ኣይዐጾኹን፣ ጐይታየ፣ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ።” መዝ 40፡8-9 ዝበሎ መሰረት ብምግባር ኣብዚ ጾምን ጸሎት ጊዜ ህይወት ንዕኡ ንምግልጋል ድላዋት ክንከው ከመይ በቲ ዝተዋህበና ጸጋ ኣብዚ ከቢድ ጊዜ ሽግር ብእሙንነት ከነገልግል ምሕሳብ ከድልይ እዩ። ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ናብ ምእመናን ሕዝበ ክርስቲያን፡
ብሩኽ በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና። ቀጺልና ንጥሪ/January 30-31/ 2010 (ጥሪ ፳፪ - ፳፫ 2002 ዓ.ም. ግእዝ) ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ እነብዕለሉ ዓመታዊ ብዓልና ተኻፈልቲ ናይ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።
ኣብ ቀዳም ካብ ሓደ ዓቢ ቤት ትምህርቲ: ሓደ ዓቢ ንህይወት ሰብ ዘድሓነ ስራሕ ፈጺምካ: ብዓቢ ማዕርግ እንተትምረቕ’ሞ: ሰኑይ ስራሕ ጀሚርካ: እዚ እቲ ዝነፍዐ ሰራሕተኛና ኢሎም ክንእዱኻን ክሽልሙኻን እንተዝውዕሉ: አብ ራብዕቲ ግና: ኣብ ሓሙስ እዚ ሰብዚ ካብዚ ስራሕና ይውጻኣልና ጥራሕ ዘይኮነስ: ሓንቲ ከይበደልካ: መሳርሕተይ ዝበልካዮም ሓስዮም ሓሳስዮም ይቀተል እንተዝብሉኻ እንታይ ምበልካ? ከምዚ ኸማይ እንተትኸውን: “ኢሎም ይተርፉ” ኢልካ ጠንጢንካሎም ምኸድካ። እንድዒ ንስኻ ኣንባቢ እምበር: ኣነ ብዘይቃል ዓለም ኣንጻር’ቲ ኩሉ ንትዕግስቲ ዝምልከት ዝተመሃርኩዎ ትምህርቲ ከምኡ ምገበርኩ። ግና እቶም ሰብ ነገርካ: እቲ ዝበሉዎ ክገብሩ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ሰራማት እንተዝኾኑ’ሞ ኣብ ዓርቢ ሰብ አኪቦም: ኣብቲ መቕተሊ ፍርዲ ዝወሃቦ ደንደስ ደው እንተዘብሉኻ’ኸ…… የድሕነና።
እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንባብ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ኣብ ዚርከብ ደብረዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ኰይኑ ዝተዛረቦ እዩ። ስለዚ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡ ነዚ ሰንበትን ሰሙንን፡ “ደብረ ዘይት” ኢላ ብምስማይ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን ኪኸውን መዲባቶ ትርከብ። ምጽኣት ጐይታ ኣብ ዓመት ንሓንቲ ሰሙን ጥራሕ ኪዝከር ኣለዎ ማለት ግና ኣይኰነን። መዓልታዊ ኽንሓስቦን፡ ንዅሉ ናብራና ድማ ጐይታ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ከም ዚመጽእ ጌርና ክንነብሮ እዩ ዚግብኣና።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ