ንሕና ከም ህዝበ-ክርስቲያን መጠን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወረደ መከራ፡ ስቅያት፡ መቕጻዕትን ናይ ሞት ፍርድን ብዝርዝር ክንፈልጦን ከነስተውዕሎ ብሓቂ ጠቓምን ግቡእን እዩ። ኣብ ቅዱስ ወንጌልውን ተጻሒፉ ከም
እንረኽቦ፡ ‘’ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኪፍረደኩም እዩ፥ ብዝሰፈርኩምዎ መስፈር ኪስፈረኩም እዩ፥ እሞ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ’’። ማቴ 7፡2 ዝብል ዘለዓለማዊ ቃልን ሕጊ ኣምላኽን ተዋሂቡና እዩ። እንተ ኾነ ግና ወዲ ሰብ ኩሉጊዜ፡ ንሓቂ ረጊጹ ኣብ ሓሶት፡ ሕይወት ሓዲጉ ብመገዲ ሞት፥ ጌጋኡ ገዲፉ ጌጋ ካልኦት፥ ፍትሒ ኣጥፊኡ ብሕጊ ኣልቦነት ክመላለስ ይርከብ ኣሎ። እምበኣር እቲ ኹሉ ዝተጻሕፈ ንዓና መለበምን መምሃሩን ተባሂሉ እዩ እሞ፥ ዓይኒ ዘለዎ ይርአ፥ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ ፥ ልቢ ዘለዎ የስተውዕል፥ እናበልና ኣብቲ ጎይታ ሰማይን ምድርን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሱ ኃጢኣት ከይገበረን፥ ኣብ ኣፉውን ሓሶት ከይተረኽበን ከሎ ብዓመጽ ዝተፈጸመ ኣገባብ ስቕለትን ቅትለትን ንምዝካር እስከ ነዚ ዝስዕብ ሓጺር ጸብጻብ ንከታተል።
ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ሕዝብን è ምስ ወግሐ ንኢየሱስ ኪቕትልዎ ተማኸሩ።
ኢየሱስ ከኣ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ፈተና ከይትኣትዉ ተንሥኡ ጸልዩ! በሎም።
ወተሃደራትን ሕዝብን ድማ ናብኡ መጹ፡ ናብ ሊቃነ ካህናት ሃናን ቀያፋን ከኣ ወሰድዎ።
ኢየሱስ ድማ ከም ከታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም መጺእኩምኒ? በሎም።
ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ‘’ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ እስከ ንገረና! በልዎ።
ኢየሱስ ኸኣ ‘’እንተ ነገርኩኹም ኣይትኣምኑን፥ እንተ ሓተትኩኹም ድማ ኣይትምልሱን ኢኹም። ወዲ ሰብ ግና ካብ ሕጂ ኣብ የማን ሓይሊ ኣምላኽ ኪቕመጥ እዩ’’ በሎም።
ሕዝብን መምህራን ሕግን ‘’እምበኣር ንስኻስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ’’? በልዎ።
ኢየሱስ ‘’ኣነ ኸምኡ ከም ዝኾንኩስ ንስኻትኩም እኳ ትብሉ ኣሎኹም’’ በሎም።
ሊቃነ ካህናት ባዕላትና ኻብ ኣፉ ካብ ሰማዕናኸ ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና’’ በሉ፥ ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ ኣብ ቤተ መንግሥቲ ንጲላጦስ ኣሕሊፎም ሃብዎ።
ጲላጦስ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰብኣይ እዚ ዘሎኩም ክሲ እንታይ እዩ? በሎም።
ሕዝቢ ድማ ‘’እዚ ገባር ክፉእ እንተ ዘይከውንሲ ናባኻ ኣይመምጻእናዮን ኔርና’’ በልዎ። ጲላጦስ እንታይ ክፉእ ገበረ? በሎም።
ሕዝቢ ‘’እዚ ንሕዝብና ኬስሕቶም፥ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኪኽልክሎም፥ ባዕሉ ‘’ክርስቶስ ንጉሥ እየ’’ ኢሉ ክዛረብ ረኺብናዮ ኢሎም ከሰስዎ።
ጲላጦስ ከኣ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ? ኢሉ ሓተቶ።
ኢየሱስ ድማ ስኻ ባዕልኻ እኳ ትብል ኣሎኻ በሎ።
ሊቃነ ካህናት ንኢየሱስ ምእንቲ ኪቕትልዎ ምስክር ሓሶት ይደልዩ ነበሩ፡ ግና ኣይረኸቡን። ብዙሓት ብሓሶት እኳ ኣንጻሩ እንተ መስከሩ ምስክርነቶም ግና ኣይተሰማምዐን።
ጲላጦስ እቲ ገዛኢ ብበዓል ነቶም ሕዝቢ ዝደለይዎ ሓደ እሱር ኪፈትሓሎም ልማድ ነበሮ።
ሊቃነ ካህናት ነቲ በርባን ዝበሃል ብምቕታል ነብስን ብምብዓድ ከተማን ተኣሲሩ ዝነበረ ክፈትሓሎም ለመንዎ።
ጲላጦስ ንመኖም ክፈትሓልኩም ትደልዩ? ነዚ ንጉሥ ኣይሁድ ዝበሃል ሰብዶ? በሎም።
ሕዝቢ ኵሎም ‘’ነዚ ንየው በሎ፡ ንበርባን ደኣ ፍትሓልና’’ በልዎ
ጲላጦስ è ነዚ ሰብ እዚ መርሚረዮስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን። ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓንቲ ነገር እኳ ኣይገበረን። ስለዚ ኪፈትሖ እየ’’ በሎም።
ሕዝቢ ድማ ኵሎም ‘’ነዚ ንየው በሎ ንበርባን ደኣ ፍትሓልና ‘’ እናበሉ ኃቢሮም ጨደሩ።
ጲላጦስ è ከኣ ንኢየሱስ ብቕንኣት ከም ዘትሓዝዎ ይፈልጥ ነበረ። ገሊላዊ ምዃኑውን ስለ ዝሰምዐ ናብ ሄሮድስ ለኣኾ።
ሄሮድስ ንኢየሱስ ክርእዮ ሃረር ይብል ስለ ዝነበረ ንኢየሱስ ምስ ረኣዮ ተሓጎሰ።
ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ሄሮድስ ኣፉ ኣይከፈተን።
ሄሮድስ ምስ ገላዉኡ ኮይኑ ኣቃለሎን ኣላገጸሉን። ጽቡቕ ክዳን ከዲኑ ናብ ጲላጦስ መለሶ።
ጲላጦስ ደጋጊሙ ካበይ ኢኻ? ንዓይውንዶ ኣይትዛረበንን ኢኻ? እናበለ ሓተቶ።
ኢየሱስ ሱቕ በለ
ጲላጦስ ክሰቕለካን ኪፈትሓካን ሥልጣን ከም ዘሎኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? በሎ
ኢየሱስ ካብ ላዕሊ ሥልጣን እንተ ዘይወሃበካስ ኣባይ ሥልጣን ኣይምሃለወካን ነይሩ’’ መለሰ።
ንጲላጦስ ሰበይቱ ድማ ሎሚ ለይቲ ብሕልሚ ብዛዕብኡ ብዙሕ ተሳቕየ እየ እሞ ኣብ ልዕሊ እቲ ጻድቕ ሓንቲ ከይትብድል ተጠንቀቕ’’ ኢላ ለኣኸትሉ።
ኣይሁድ ግና ኣመና ዓው ኢሎም ‘’ስቐሎ! ስቐሎ!’’ እናበሉ ጨደሩ።
ጲላጦስ ‘’ንስኻትኩም ውሰድዎ ከምቲ ሕግኹም ጌርኩምውን ፍረድዎ’’ በሎም።
ኣይሁድ ከኣ ‘’ንኣናስ ንሓደ እኳ ኽንቀትል ከቶ ኣይተፈቕደልናን’’ በልዎ።
ጲላጦስ ማይ ወሲዱ ኣነ ካብ ደም ናይዚ ጻድቕ ሰብ እዚ ንጹሕ እየ፥ ባዕልኹም ትፈልጡ’’ እናበለ ኣብ ቅድሚ እቶም ሕዝቢ ኣእዳዉ ተሓጽበ።
ኵሎም ሕዝቢ ‘’ደሙ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን’’ እናበሉ መለሱ።
ጲላጦስ ነቲ ዝለመንሉ ብምብዓድን ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ በርባን ፈትሓሎም ንኢየሱስ ግና ገሪፉ ከም ድላዮም ክሰቕልዎ ሃቦም።
ኣይሁድ ድማ ርእሱ ብዘንጊ ወቕዕዎ፡ ጡፍ በሉሉ። ተንበርኪኾምውን ሰገድሉን ኣላገጽሉን። ከቢድ መስቀል ኣጾርዎ፥ ክዳኑ ገፈፍዎ፥ ብዅርማጅ ኣቑሰልዎ፡ ሓሞት ዝተሓወሶ መጺጽ ኣስተይዎ፥ ብምስማር ሸንከርዎ፥ ኣብ የማናይ ጎድኑ ድማ ብዅናት ወግእዎ። ብኸምዚ ኣሰቃቒ ኣገባብ ድማ ነቲ ንጹህን ጻድቕን ወሃቢ ሕይወት ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ መስቀል ሰቒሎም ቀተልዎ። ነቲ ከታርን ቀታልን ዝኾነ በዳሊ በርባን ከኣ ነጻ ኪኸይድ ፈትሕዎ።
መወከሲ ማቴ 27። ማር15። ሉቃ 22 ን 23። ዮሓ 18 ን19።
ደቂቀ እንጦንዮስ: ተመሃሮ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መንፈሳዊ ኮሌጅ
ቴክሳስ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ