“ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ። እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና’ያ። ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንኢየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን’ዩ፧” 1ዮሃ 5፡4,5
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኻብ ዕለት ገሃድ (ጥሪ 12) ክሳዕ ቀበላ ጾም (ለካ 20) ዘሎ ቕንያት፡ “አንሶሰወ፡ ተወልደ፡ ተጠምቀ፡ አውየኖ ሰማይ” ይበሃል። (ብዛዕባ እዝን፡ ብዛዕባ ገሃድን ቀበላ ጾምን ሓጺር መግለጺ ብመርቈሪ ይገበረሉ)። ካብ’ቲ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ካብ’ቲ ናይ መልእኽቲ ዮሃንስ ንባብ ዝተወስደ’ዩ። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኸም እንነብርን፡ ናብ’ታ ሰማያዊት ሓዳስ ዓለም ክንግዕዝ ከም እንደልይ ሰባት መጠን፡ እዚ “ንዓለም ዚስዕራ መን’ዩ፧” ዚብል ኣርእስቲ ኣዝዩ ዜገድስና’ዩ። ምኽንያቱ ነዛ ዓለም’ዚኣ ኸይሰዓረ ናብ’ታ ሰማያዊት ሃገርን ዓለምን ኪኣትው ዚኽእል የልቦን። ዓለም ልክዕ ከም ታኼላ ወይ ሰልሚ (swamp)’ያ። ነቲ ዘይሰዓራ ሰብ ውሒጣ’ያ እተትርፎ። ስለ’ዚ ነቲ ኻብኣ ኺድሕን ዚደልይ፡ ንዓለም ምስዓር ምርጫ ዘይኰነስ ግዴታ’ዩ። እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም በቲ ጸላእ ኵሉ ሰናያት እትመሓደር ናይ ዓመጻ ዓለም’ያ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ድያብሎስ፡ “ገዛኢ’ዛ ዓለም’ዚኣ” ተባሂሉ እተሰምየ (ዮሃ 14፡40፣ 16፡11፣ 2ቈረ 4፡4)። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ’ውን፦
“ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለም’ውን በቲ እኩይ ተታሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።” ብምባል ኣረጋጊጹልና’ዩ (1ዮሃ 5፡19)። ንክርስትያን ሰብ ዘላቶ እንኮ ኣማራጺ’ምበኣር፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ በዚ እኩይ ድያብሎስ ከይተታሕዘ ፈንጢሱን ጥሒሱን ምውጻእ ጥራሕ’ያ። እቶም ንዓለም ዚስዕርዋ ኸኣ እቶም ብዘይካ ምስዓራ ዝዀነ ኻልእ ኣማራጺ ኸም ዘይብሎም ብንጹር ዝፈለጡን፡ ንምስዓራ ዝቘረጹን ጥራሕ’ዮም።
ንምንታይ’ዩ ንዓለም ክንስዕራ ዚድለይ ዘሎ፧ ዓለም ብኸመይ’ያ ጸላኢትና እትኸውን፧ ትምህርትና መንፈሳዊ ትምህርቲ ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን’ዩ። ስለ’ዚ “ዓለም” ኪበሃል ከሎ ብዛዕባ’ቲ ኣብኣ ዚገዝእ ዘሎ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ስርዓትን’ምበር፡ ብዛዕባ’ዛ ኽብቢ ግእዝቲ ዓለም ንዛረብ ከም ዘየለና ርዱእ’ዩ። ዝዀነ ዓለም፡ ዚመሓደረሉ ናቱ ስርዓትን ስልጣንን ኣለዎ። ስለ’ዚ ኣብ’ታ ዓለም’ቲአ ዚነብር ሰብ ነቲ ስርዓታ ርዒሙ ነቲ ስልጣና ድማ ተገዚኡ’ዩ ዚነብር። ነዚ ኺገብር እንተ ዘይፈቐደ ድማ እታ ዓለም ጸላኢቱ ትኸውን፡ ከቢድ ዋጋ ድማ ተኽፍሎ። “ንዓለም ስዒርዋ” ዚበሃል ከኣ፡ እቲ ኣብ ማእከላ እናነበረ፡ ንስርዓታ ከይረዓመ (adopt) ከይገበረ ነቲ ስልጣና ኸይተገዝአ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ዚጸንዕ፡ ብዘውረደትሉ ኵሉ ፈተና (Temptation) ኸይተታለለ፡ ብዝተቐበሎ ዅሉ መከራ ኸይተጻዕደ ዚሓልፍ ሰብ’ዩ። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ እናነበረ፡ ብሕጊ ናይታ ሓቀኛን ዘለኣለማዊትን ዓለም ዚምራሕን ዚመሓደርን ሰብ፡ ናይ ዓለም ቀንዲ ጸላእን ሰዓርን’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ስርዓትን፡ “ምህሮ’ዛ ዓለም’ዚኣ፡ ምህሮ ቍልዕነት ዓለም” እናበለ’ዩ ዚሰምዮ።
“ከምኡ’ውን ንሕና ቘልዑ ኸለና፡ ኣብ ትሕቲ ምህሮ ቝልዕነት ዓለም ባሮት ኴንና ነበርና። ....ሕጂ ደኣ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳ’ውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ኢልኩም ናብ’ቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቝልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ ኣለኹም፧ ከም ብሓድሽ’ውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩ ኣለኹም፧ ገላ 3፡3,9
“ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት’ዛ ዓለም’ዚኣ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ’ኳ ኸይማርኸኩምሲ ተጠንቀቘ። .....እምበኣርከ ኻብ ምህሮ ቝልዕነት’ዛ ዓለም’ዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብ’ዛ ዓለም ከም ዘለኹምሲ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም.... ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም።” ቈሎ 2፡8,20-22
ስለ’ዚ፡ ንዓለም ምስዓር ኪበሃል ከሎ፡ ነዚ ምህሮ ዓለም’ዚ ከይተገዛእካን ብእኡ ኸይተመለኽካን ምንባር (78) ማለት’ዩ። እቲ ሰይጣን በዚ ምህሮ’ዚ ገይሩ ዜመሓድሮ ስርዓት ናይ’ዛ ዓለም ከኣ፡ ነቲ ብእኡ ዘይመሓደርን ኬፍርሶን ዚጋደል ሰብ ፈጺሙ ይጸልኦ። ጐይታ ነቲ በዚ ዓለማዊ ስርዓት ዘይመሓደር ክርስትያን፡ “ካብ’ዛ ዓለም ዘይኰነ ሰብ” ኢሉ ይገልጾ። ከም ፍጹም ሰብ መጠን ንርእሱ ብኸምኡ’ዩ ዚገልጻ። ንርእሱን ነቶም ካብ ዓለም ዘይኰኑ ሰዓብቱን ድማ ዓለም ከም እትጸልኦም ደጋጊሙ ገሊጹልና ኣሎ።
“ንሱ ኸኣ (ንኣይሁድ)፡ “ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ግና ካብ ላዕሊ’የ፡ ንስኻትኩም ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ኻብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣይኰንኩን”..... በሎም።” ዮሃ 8፡23
“ዓለም ንኣኻትኩም ክትጸልእ ኣይከኣላን’ዩ፡ ንኣይ ግና ግብራ ኽፋእ ምዃኑ እምስክር’የ’ሞ፡ ትጸልኣኒ’ያ።” ዮሃ 7፡7
“ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ’ያ’ሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ’የ ኻብ ዓለም ዝሓረኹኹም’ምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለ’ዚ ዓለም ትጸልኣኩም’ያ።” ዮሃ 15፡18,19
“ኣነ ቓልካ ሃብክዎም፡ ከም’ቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም’ውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን’ሞ፡ ዓለም ጸልኣቶም። ካብ’ቲ ኽፉእ (ድያብሎስ) ክትሕልዎም’ምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ። ከም’ቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ ንሳቶም’ውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።” ዮሃ 17፡14-16
እዚ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቃላት፡ ዓለም ንምንታይ ጸላኢትና ኸም እትኸውንን፡ ንሕና ድማ ንምንታይ ናይ ግድን ክንስዕራ ኸም ዜድልየናን ብንጹር ዜርእየና’ዩ። ኣብ ዓለም እናሃለኻ፡ ካብ ዓለም ዘይምዃን ኣዝዩ ዓብይ መንፈሳዊ ዓወት’ዩ። ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ንዓለም ኣዝዩ ኸቢድ ስዕረት ስለ ዝዀነ፡ ኣዝያ ኽትጸልኣና ትግደድ። ስለ’ዚ ነዚ ታሪኽ’ዚ ገልቢጣ ንሳ ኽትዕወት ንሕና ግን ክንሰዓር ስለ እትደልይ፡ ብብዝሒ መከራን ፈተናን ብዙሕ ትዋግኣና። በቲ እትቕርበልና ፈተና (temptation) ኣስዲዓ ፍቕሪ ዓለም ከተስርጸልና ትጋደል። ከም ዴማስ ዝኣመሰለ ሰብ እንተ ረኺባ፡ ናብ’ቲ ናይ ቍልዕነት ሕማቕን ድኻን ምህሮ ትመልሶ። ነቲ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ካብ ላዕሊ ዝረኸብናዮ ሓድሽ ልደትን መንነትን ከም እንድርብይ ትገብረና። ዴማስ ንዓለም ክሒዱ ንክርስቶስ ዘፍቀረን መስቀሉ ዘልዓለን ዕዉት ጅግና ነበረ። ዓለም ብፈተናን ብመከራን ምስ ተሃላለኸቶ ግና፡ ንዓለም ፈትዩ ንክርስቶስ ከሓደ (2ጢሞ 4፡10፣ ቈሎ 4፡14፣ ፊልሞን 24)። ከተስድዓና ዝገበረቶ ፈተና ኸይሰለጣ ምስ ዚተርፍ ብመከራ ኣሰኪሓ ናብ ግዝኣታ ኽትመልሰና ትጋደል። እዞም “መልእኽቲ ናብ እብራውያን” ዝተጻሕፈሎም ኣይሁድ፡ ካብ ብዝሒ መከራኦም ዝተላዕለ ንድሕሪት ኪምለሱ ዘንቀዱ ነበሩ (እብ 10፡32-39፣ 12፡1-3)። ስለ’ዚ እንተ ብፈተና ኸም እንሰድዕ፡ እንተ ብመከራ ኸም እንስክሕ ብምግባር ዓለም ክትስዕረና እትጋደል ቀንዲ ጻላኢትና’ያ።
ክንዕወት እንተ ዄንና፡ ንሕና ብዛዕባ ዓለም ኪህልወና ዜድልይ ኣረኣእያ ከመይ ኪኸውን ይግባእ፧ እቲ መልሲ ንጹርን ሓጺርን’ዩ። ሕሉፍ (ክቱር) ጽልኢ ኺህልወና ይግባእ። ንዓለም ኣዝዩ ዚጸልኣን ንዅሉ ኽብረታን ረብሓታታን ዚንዕንቅን ሰብ ጥራሕ’ዩ፡ ኣብ ዓለም ብቐሊሉ ነባሪ ዓወት ኪጐናጸፍ ዚኽእል። ስለ’ዚ ሓለፋ’ቲ ንሳ ንኣና እትጸልኣና፡ ሓለፋኡ ኽንጸልኣ እንተ ዘይክኢልና፡ ሓይሊ ሚዛን ናብኣ ስለ ዝዛዘወ፡ ውዒልና ሓዲርና ናይ ስዕረት (ውድቀት) ሓደጋ ኣብ ልዕሊና ኣንጠጥ’ዩ ኣሎ ማለት’ዩ። ኣብ ወተሃደራዊ ቛንቋ፡ ኣብ ውግእ ዚዕወት እቲ ዝለዓለ መጠን ጽልኢ ዘለዎ’ዩ። መጠን ጽልእና እናተሓተ ብዝኸደ መጠን፡ መጠን ናይ’ቲ ንዓለም ዘለና ፍቕሪ እናለዓለ ይኸይድ ከም ዘሎ መብርሂ ዘየድልዮ ግሉጽ ሓቂ’ዩ። ንፍቕሪ ዓለም ኣመልኪቶም እዞም ክልተ ቕዱሳን ሃዋርያት ኣዝዩ መሃሪ ዝዀነ ቓል ጽሒፎምልና ኣለዉ።
“ኣቱም ከሓድቲ፡ ንዓለም ምፍቃር ንኣምላኽ ምጽላእ ከም ዝዀነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ዓርኪ (ፈታው) ዓለም ኪኸውን ዚደልይ ሰብ፡ ጸላእ ኣምላኽ’ዩ ዚኸውን።” ያእ 4፡4 ካ.ት
“ንዓለም ወይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ’ኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የብሉን። ከመይሲ፡ ኵሉ’ቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍትወት ስጋን ክፉእ ትምኒት-ዓይንን ብሃብትኻ ዕቡይ ምዃንን፡ ካብ ዓለም’ዩ’ምበር፡ ካብ ኣቦ ኣይኰነን። ዓለምን እቲ ኹሉ ፍትወታን ሓላፋይ’ዩ፡ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” 1ዮሃ 2፡15-17 ካ.ት
በቲ ንዓለም ዘፍቀርናሉ መጠን ንኣምላኽ ንጸልኦ እንተ ዄንና፡ እቲ ዘለኣለማዊ ክብርን ሓጐስን ኪጐናጸፍ ዚደልይ ሰብ፡ ንዓለም ብዅሉ ሓይሉ ኺጸልኣን ኪዋግኣን ናይ ግድነት’ዩ። ከምኡ እንተ ዘይገበረ ምስታ ሓላፊት ዓለም ኪሓልፍ፡ ዘለኣለማዊ መጻኢኡ ድማ ኣብ ዘየባትኽ መሪር ስቓይ ኪኸውን’ዩ። እዚ ደረቐኛ ሰይጣን ከኣ ይትረፍ ንኣና ነዞም ድኹማት ፍጥረት፡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ከይተረፈ’ኳ ብፍቕሪ ዓለም ኪምርዞ ተፈታቲንዎ’ዩ፡ ኣብ’ቲ ጐይታና ነርብዓ መዓልትን ለይትን ዝጾመሉ ጊዜ ናብኡ መጺኡ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ወሰዶ’ሞ፡ መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርእዩ፦ “ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ’የ።” በሎ (ማቴ 4፡8,9)። ሎሚ’ውን እንተ ዀነ፡ ብፍቕሪ ዓለም ክንምረዝ ዚገብረና ዘሎ፡ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጠባሪ ጣዕምን ክብረትን’ዩ። እዛ ዓለም’ዚኣ ሓላፊት ምዃና ፈቲና ንርስዖ። ካብኡ ዝገደደ ኸኣ፡ ንሳ ኸይሓለፈት ከላ ንሕና ብሞት ክንሓልፍ ምዃንና ዓይንና እናረኣየን ብኣካል ተረኺብና ሰባት ክንቀብር እናወዓልና’ኳ ፈቲና ንርስዖ። ዋላ’ቲ ነዛ ዓለም’ዚኣ ብድኽነትን ስቓይን ዚነብራ ሰብ ከይተረፈ ነዛ ዓለም’ዚኣ ኽቱር ፍቕሪ ስለ ዘለዎ፡ ብሞት ኪፍለያን ሓዲግዋ ኪኸይድን ኣይደልን’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ዝተባህለ ድያብሎስ፡ ነቲ ናይ ፍቕሪ ዓለም መርዙ ብዘይ ምቊራጽ’ዩ ዜስርጸልና። ንዓለም ዚስዕራ ድማ እቲ ነዚ ፍቕሪ ዓለም’ዚ ብጽልኢ ኣብ ምትካኡ ዝተዓወተ ሰብ ጥራሕ’ዩ።
ንዓለም ከም ዝጸላእናያ፡ ኣብ ውሽጥና ፍቕሪ ዓለም ከም ዘይብልና ብኸመይ ኢና እነረጋግጽ፧ እቲ ቐዳማይ ምልክቱ ንምጽኣት ጐይታናን ነታ ሰማያዊት ዓለምን ልዑል ፍቕርን ናፍቖትን ዘሎካ ምዃን’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እዚ ልዑል ፍቕርን ናፍቖትን’ዚ ዘለዎ ሰብ’ዩ ዝነበረ። “ንሕና (እቶም) ብዅርነት መንፈስ ዘሎና’ውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸበና ብውሽጥና ነስቈርቍር ኣለና።” ሮሜ 8፡23
“እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት’ኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ኻብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና። ዋላ’ኳ ልቡሳት እንተ ዀንና፡ ዕሩቓት ኴንና ኸይንርከብ፡ እታ ሰማያዊት ቤትና ኽንለብስ እናናፈቕና፡ ኣብ’ዚ ንደፋነቕ ኣለና። ንሕና ኣብ’ዚ ድንኳን’ዚ ኸለናስ ....ኣብ ልዕሊኡ ኽንለብስ’ምበር፡ ክንቅንጠጥ ስለ ዘይንፈትው፡ ከቢዱና ነስቈርቍር ኣለና።” 2ቈረ 5፡1-4 (ፊሊ 3፡21፣ ፊሊ 1፡23)
ንሕና’ውን እዚ ናፍቖትን ምስቍርቋርን’ዚ ኣብ ውሽጥና መሊኡ እንተ’ልዩ፡ ፍቕሪ ዓለም ኣብ ልብና ኸም ዘየለን ኣብ ልዕሊኣ ዕዉታት ኴንና ንነብር ከም ዘለናን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
እቲ ኻልኣይ ምልክትና ድማ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ዘሎ’ምበር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ (ኣብ ዓለም) ዘሎ ዘይንደልን ዘየብህገናን ሰባት ምዃንና’ዩ። ነብዪ ኣሳፍ፡ በዚ ጸጋ’ዚ ዝተመልአ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ናይ ውሽጡ ባህጊ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፧ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፡ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን። (ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ) ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ’ኳ፡ (እቲ ናይ ሰማይ) ኣምላኽ ንዘለኣለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን’ዩ።” መዝ 73፡25,26
እቲ ነዚኣ ብምሉእ ልቡ ኺብላ ዘይክእል ሰብ፡ እቲ ዓለም ዘሰነፈቶ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ነዛ ጽንዕቲ መርገጺት’ዚኣ ምእንቲ ኸነጥርያ ኸኣ፡ ከም’ዚ ዚስዕብ ሃዋርያዊ ምዕዶ ተዋሂቡና’ሎ።
“ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ’ሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን (ኣእምሮኹም ናብ’ቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ናብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ)።” ቈሎ 3፡1-3
እቲ ብኸም’ዚ ዝዓይነቱ ድልየትን ሓሳብን ዝተመልአ ሰብ፡ ዓለም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ምውትቲ ዀይና’ያ እትርኣዮ። ንምዉት ከኣ ትቐብሮን ተርሕቖን’ምበር፡ ከተፍቅሮን ክትመርጾን ኣይከኣልን’ዩ። ትምክሕትን ክብረትን ናይ ክርስትያን መስቀል ክርስቶስ’ምበር፡ ዓለም ኣይኰነትን።
“ኣነ ግና፡ በቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተ ዘይኰይኑ (ብዓለም) ኣይምካሕን’የ። ከመይሲ በዚ መስቀል’ዚ ዓለም ኣብ ቅድመይ ምውትቲ’ያ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዓለም ምዉት’የ።” ገላ 6፡14 ካ.ት
እምነት ንዓለም ኣብ ምስዓር ዘለዎ ግደ እንታይ’ዩ፧ መሪሕ ጥቕስና እታ ንዓለም እንስዕረላ ቐንድን ዝዓበየትን ኣጽዋርና እምነት ምዃና ኣረጋጊጹልና’ዩ።
እቲ ኻብ ኣምላኽ ካብ ላዕሊ እተወልደ’ዩ ንዓለም ዚስዕራ። ካብ ላዕሊ እንውለድ ድማ ብእምነት’ዩ። ኵላቶም ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ብእምነት ኢና እንፍጽሞም። ኵሉ ሰናይ ግብሪ’ውን ብእምነት ኢና እንገብሮ። ከይኣመነ ኣብ ምስጢራት ዚካፈል፡ ዝበኣሰ ሓጢኣተኛ’ዩ። እቲ ንዘይኣመነ ሰብ ምስጢራት ዚፍጽም ካህን ከኣ ካብኡ ዝገደደ ኣበሰኛ ሰለ ዝዀነ ነዚ ዚውዕሎ ሓደ’ኳ የልቦን። እቲ ንእምነት ዚምልከት ናይ ቤተ ክርስቲያንና መሰረታዊ ትምህርቲ፡ ኣብ’ቲ “ፍኖተ-ህይወት” ዚብል መጽሓፍ ከም ዚግባእ ተገሊጹ ኣሎ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንኣገዳስነት ናይ እምነት ከም ዚግባእ ገሊጹልና ኣሎ።
“ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት’ዩ.....” ሮሜ 14፡23
“ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን’ዩ። .....ብእኣ (ብእምነት)’ዩ ነቶም ዓበይቲ እተመስከረሎም።” እብ 11፡2,6
ናይ ህይወትና ተልእኾን ናይ መወዳእታ ሽቶን ንኣምላኽ ከነስምር’ዩ። እግዚአብሔር ከኣ በቲ ሉኣላዊ ስልጣኑን ፍቓዱን ብዘይካ ብእምነት ብኻልእ ከይሰምር ስለ ዝወሰነ፡ ኵሉ ጊዜ ብምሉእ እምነት ክንመላለስ ይግብኣና ማለት’ዩ። ኵሉ ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ክንፍጽምን ክንካፈልን ከለና፡ ብምሉእ እምነት ኪኸውን’ምበር፡ ከም ልማድን ባህልን ጥራሕ ኪፍጸም ኣይግባእን። ኵሉ ባህርያትናን ግብርናን’ውን ብእምነት ጥራሕ ኪፍጸም ይግባእ። ኵላቶም’ቶም ፍረ-መንፈስ ዚበሃሉ ባህርያት፡ ብእምነት ክንፍጽሞም፡ ማለት እምነታዊ ትዕግስቲ፡ እምነታዊ ፍቕሪ ወዘተ ኪኸውን’ምበር፡ ብባህርያዊ ወይ’ውን ብዅነታዊ ድርኺት ክንገብሮ ኣይግባእን’ዩ። ንኣምላኽ ኢሉ ዘይኰነ፡ ብባህርዩ ምብኣስ ምክርኻር ስለ ዘይፈትው ዚዕገስ ሰብ ኣሎ፡ እዚ ባህርያዊ’ምበር እምነታዊ ትዕግስቲ ኣይኰነን። ገሊኡ ኸኣ ነቲ ሳዕቤን ፈሪሁ ከይህረም ብመጻምድቱ ከይፍታሕ፡ ከይስጐጒ፡ ከይሕደግ ፈሪሁ ዚዕገስ ኣሎ። እዚ ዅነታዊ ትዕግስቲ’ምበር፡ እምነታዊ ትዕግስቲ ኣይኰነን። እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ እተወልደ ሰብ ግና ናይ ባህርይን ናይ ኵነታትን ጕዳይ ኰይንዎ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ስለ ዝኣዘዞ ናይ ህይወት ተልእኾኡ ስለ ዝዀነ’ዩ ዚዕገስ። እቲ ኸም’ዚ ዝበለ ሰብ’ዩ “ካብ ላዕሊ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ’ዩ” እንብሎ።
እቲ ብእምነት ውልድነቱ ኣጽኒዑን ሓልዩን ዚነብር ሰብ፡ ብዓለም ኣይሰዓርን’ዩ። ብዝደለየቶ ዓይነት ኣማጽኣ እንተ መጸቶ፡ ብፍቕራ ኽትማርኾ ብዓመጻኣ ኸተምበርክኾ ኣይትኽእልን’ያ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ፦ “ምስናይ’ዚ ዅሉ (ምስ ዕጣቕ ሓቂ፡ ድርዒ ጽድቂ፡ ሳእኒ ወንጌል፡ ቍራዕ ርእሲ ምድሓን፡ ሰይፊ መንፈስ) ነቲ ናይ’ቲ ኽፉእ (ድያብሎስ) ርሱን መንትግ ከተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ።” ዚብል ሃዋርያዊ ምዕዶን ትእዛዝን ዝተጻሕፈልና (ኤፌ 6፡16)። ኣብ’ቲ ናይ ቀደም ዓይነት ውግእ ዋልታ ኸይሓዝካ ምውጻእ ማለት፡ ኣብ’ዚ ዘመናዊ ውግእ ድፋዕ ከይሃነጽካ ምውጋእ ማለት’ዩ። ገና እቲ ውግእ ከይጀመረ ኸሎ፡ መንትግን ፍላጻን ዚዝርኦ ግራት ዄንካ ኣለኻ ማለት ስለ ዝዀነ፡ እቲ ምስ ዓለም ኪዋጋእን ኪስዕራን ዝቘረጸ ሰብ፡ ዋልታ እምነት ከም ዝተዓጥቀ ርግጸኛ ኪኸውን ይግባእ። ዋላ ውግእ ኣይትግጠምን ኣይትሰዓርን፡ እታ እምነት ዘይብልካ ምዃን ንርእሳ ጥራሕ፡ ዓባይ ውድቀትን ስዕረትን’ያ።
እምበኣር ሰዓርቲ ዲና ስዑራት ክንፈልጥ ርእስና ንመርምር። ካብ’ዛ ሰዓት’ዚኣ ንደሓር ኣብ ዘሎ ህይወትናኸ እናሰዓርና ዲና ኽንነብር እናተሰዓርና፧ ክብሪ ዕዉታት ኣዝዩ ዓብዪ፡ መስጣ ስዑራት ድማ ኣዝዩ መሪር’ዩ’ሞ፡ ኵሉ ጊዜ ሰዓርቲ ዄንና ምንባርና ነረጋግጽ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ጥር ፲፭, ፳፻፲፬ ግዕዝ (23 ጥሪ 2022 ፈ). መበል 20 ሰንበት: ቊ.27/፳፯ |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
እብ 2፡1-11 |
1ዮሃ 5፡1-13 |
ግብ 10፡30-39 |
ዮሃ 2፡1-11 |
ዘዲዮስቆሮስ አው ዘ፫፻ት |
መዝ.፹፫(፹፬)፡፮,፯ "እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ። ወየሐውር እምኃይል ውስተ ኃይል። ወያስተርኢ አምላከ አማልክት በጽዮን።" "ብለሰ ብኽያት ኪሓልፉ ኸለዉ፡ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፡ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፡ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።" |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ