ናይታ ንሕና በዘልማድ ካላሺን እንብላ ብወግዒ ግን ኤኬ- 47 ተባሂላ እትፍለጥ ብረት (ኣፈሙዝ ወይ ጠበንጃ) መሃዚ ዝኾኑ ሩስያዊ ሚኻኤል ካላሺንኮቭ፡ ሒደት ኣዋርሕ ቅድሚ ሞቶም፡ ናብ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ኪሪል፡ ናይ ጣዕሳ ደብዳቤ ጽሒፎም ምንባሮም፡ ትማሊ ሰኑይ 13 ጥሪ 2014 ዝወጸ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ፡ ዝብል ዜና እየ ዘንብብ ዘለኹ። ሓቢርና እሞ ነንብቦ፡-
ካላሺንኮቭ በታ ንሶም ዝመሃዝዋ ብረት ናይ ዝሞቱ ትንፋስ ተሓታቲ ብምኻን ሓላፍነት ዝስከሙ እንተኾይኖም’ዮም ነቶም ፓትርያርክ ሕቶ ብምሕታት ዝጸሓፉሎም። ኣብ መበል 94 ዓመት ዕድሚኦም፡ ዝሓለፈ ወርሒ ብ23 ታሕሳስ 2013 ዝዓረፉ ካላሽንኮቭ፡ ወትሩ ብዛዕባ እቶም ንሶም ብዝመሃዝዋ ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ሰባት ከምዝሓስቡን ከምዝጭነቑን እዮም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝገልጹ ኔሮም። መዛግብቲ ዓለምና ከምዝሕብርዎ፡ ብዝሒ እታ ኣቶ ካላሺንኮቭ ዝመሃዝዋ ብረት፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ተዘርጊሑ ከምዘሎ እዩ።
“ኣብ ነፍሰይ ዘሎ ስቓይ ክጻወሮ ዝኽእል ኣይኮንኩን፡” ዝብል ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ እቲ ደብዳቤኦም “ንገዛእ ርእሰይ ወትሩ ዘይፍታሕ ሕቶ እሓታ…። እንተደኣ እታ ኣነ ዝመሃዚኣ ብረት፡ ህይወት ሰባት ተሕልፍ ኣላ፡ እዚ ማለት ከኣ ኣነ ሚኻኤል ካላሽኒኮቭ… ወዲ እቲ ሓረስታይን ኦርቶዶክስ ክርስቲያንን ዝነበረ ሩስያዊ፡ ብህይወት ናይቶም ዝጠፍኡ ዘለዉ ሰባት ተሓታቲ እየ” ቢሎም’ዮም ጽሒፎም ዝነበሩ።
ካላሽንኮቭ ኣብ መበል 91 ዓመቶም ኣትሒዞም ቤተክርስቲያን ክመላለሱ ከምዝጀመሩን ንቤተክርስቲያን ዘለዎም ኣድናቖት ልዑል ምዃኑን ድማ ነቶም ፓትርያርክ ኣብታ ደብዳቤ ሓቢሮሞም ኣለዉ።
“መንግስተ ሰማያት የዋርሶም!”
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ