S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ርሑስ ሓድሽ ዓመት

ሓደራትኩመ ሓደራትኩመ ሓደራትኩመ፥

ከመዓላትኩመ ከመዓላትኩመ ከመዓላትኩመ፥

እንቋዕነይ ኣብዙ ኣብጻሓኩመ

ኣበባሕቲ ወርኂ መስከረመ፥

ፈቐዶኡ ዘሎኹም ኵላትኩመ

እትምነየልኩም ራህዋ ሰላመ

ቅሳነትወ ክርስቶሳዊ ሰላመ

ኪትሓቚፉ ዕንባባ ሓወንታይ

ንኡሳት ከማኡ እኒ መዓሮይ

ንኡሳነ ከማኡ እኒ ኣያይ

ርኅሩኃት ወለድቲኒ እኖታይ

ኣርኣያ ኵሉ እኒ ኣቦታተይ

ኣይረሳዕኩን እኒ እኖሓጐይ

ከማኡውነ እኒ ኣቦሓጐይ

 

ቈየቛ ይትረፍ ኵራምራ

ኣበስደት ድዩ ኤርትራ

ይንኣስ ይዕበ ብሓበራ

ነዕቢ ነዕዝዝ ሓገራ°

ንሓዋሩ ንሓልነ ንብሃገራ

ክንድኅነ ካብ መከራ

እወኒ ካብ ሓሳረ መከራ

 

ይሓይሽ ዜይምሕውላለ

ካብ ኣማን ዜይምሕካለ

ሓቂ ስለዜይግመስ ምቐለ

ንወግዶ ሓንኳል-መንኳለ

ኵሉ ብተድላ ኬዕልለ

ዜይምባል ኮታ ሃውልለ

ዜይምባል ኮታ ሃውልለ

 

ይዕበ ሕልና ንንስሓ

ምእንታን ኪሕከኽቱ ሰሓ

ናየልቢ መዕገርገሪ ሰሓ

ንልቢ ብዓሕ ዜብርሓ፥

ጸውዓ ዮሓንስዩ ንንስሓ

ኮታ ዜየባትኽ ጸውዓ

ሕጂውነ ዜየባትኽ ጸውዓ

 

ርሑስ ዘመነ ማቴዎስ

እወ ወንጌላዊ ማቴዎስ

ተጋዊ ዝነበረ ማቴዎስ

ብእግዚእ ዝተኃረየ ማቴዎስ፥

ኵላትና ኣኃት ንተሓደስ

ኵላትና ኣኅዋት ንተሓደስ

ብፍቕሪ ሓቒ ንተሓደስ

 

ግዳ ኣይኹን ንዕለት

ወይውነ ንሓንቲ ሳብዕት

ወይኸዓ ነርባዕተ ሳብዕት

ታይድኣ ንምሉእ ዓመት

ምእንታን ክቕጽል ንዓመት

ዓመትወ ዓመት ዓመት፥

እግዚእ ኬውርደልና ምሕረት

 

ንንጻሕ ኪግበሮ መኾታእታ

ወላዲት ትኾኖ ዘላ ጻንታ

ወሊዳወ ከምዜይወለደት ጻንታ፥

ኣምላኽ ኪገብረሉ መወዳእታ

መድኅንወ መድኅን ጐይታ

ኣላታቢላ¹ እወ መወዳእታ

ድራሩ፥ ጥራኅ ውሬታ

 

ይትረፈና ምንቃዝ-ሰዓት²

ነኽብር እሴት ሰዓት³

ንፈልም ቈጸራ ብካልኢት

ብቀዳሚት ዜይኮነሰ ብካልኢት

ውራይናኪረክብ ስልጠት፥

ቈጸራ-ሓበሻዩ ዝብህለት

ቆመናዩ ምልክት ድኅረት፣

 

ይብል ቈጸራ-ሓበሻ

ንባዕሉ ክንሱ ሓበሻ

ይዋእነይ ኃወይ ገብሻ፥

መንዩ ድኣሞቱ ሓበሻ

ንስኻ ኣቢኻያ ንሓበሻ

ንስኺ ኣቢኽያ ንሓበሻ

ኣነውነ ኣብየያ ንሓበሻ።

 

ኬይኣቶኻ ንንስሓ ጣዕሳ

ኬይኣቶኻወ ንንስሓ ጣዕሳ

ውሬታ ኬይሃብካ ሞሳ

ውሬታ ኬይሃብካ ሞሳ

ንእግዚእ ዝግባእ ሞሳ

ንእግዚእ ዝግባእ ሞሳ

ኣይትጸበ ራህዋ መለሳ

 

ኣሰሩ ኬንጠብጥብ ስብሒ

ንዓድና ኬንጠብጥብ ስብሒ

ናይ ልምላመ እወ ስብሒ

ነጥፍእ ጒርሒወዲምርሒ

ኢዩ ንዳኃር መንሻሕታሒ

ጐሳሲ እወ መንሻሕታሒ

ኣልቦወ ጐሳሲ መንሻሕታሒ

 

ንስቡራት ልቢ ኪንዘንነ

ወርትግ ንጒዓዝ ብብርሃነ

ፍሽኽታና ይኹን ናየሕፃነ

ዘይተበረዘ ብዕሲ ሚዛነ፥

ክምስታወ ጥዋፍ ብርሃነ

ናይ ልቢወ ብርሃነ

ኣኽሊል ትኅትና፥ ብርሃነ

 

ርሑስ ሓድሽ ዓመት

ራህዋ ዝመልኦ ቅሳነት

ኣኽልታርፍ ምህርቲ ሰዊት

ኮታኒ ሥልጠት ርብሓት

ክርስቶስ ዝተሓዎሶ ርብሓት

ደጊመ እትምነየልክን ኣኃት

ደጋጊመ እትምነየልኩም ኣኅዋት

 

ራህዋ ንሃገርና ኤርትራ

ራህዋ ንሕዝቢ ኤርትራ

ሰላም ንሕዝቢ ኤርትራ

ኣብ ስደት ኮነ ኤርትራ

ከማኡ ንደቂ ቃዛ ብኃበራ

ንጸልት ኲላትና ብኃበራ

ሰላምወ ናህዋ  ብኃበራ።

 

ኣስተውዕሎ።

ሓገራ  = preconstrived, predesigned

ኣላታቢላ  = immediately

ምንቃዝ፡ሰዓት = chronophage

እሴት ሰዓት  =  value of time

ውራይ = business

 

01 መስከረም 2017

12:10 ድኅሪ ቀትሪ

11 ሴፕተምበር 2024

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div