"እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ሻድሻይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ጾም’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ "ገብርኄር (ሕያዋይ ባርያ)" ይብሃል። እዚ ዘመን’ዚ ኣካልን መቐጸልታን ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተምሃርናዮ ዘመነ ምጽኣት (ወይ ዘመነ ደብረ ዘይት)’ዩ። ኣብ’ዚ ዘሕለፍናዮ ንኡስ ዘመን ብዛዕባ "ምልክታት ምጽኣት ጐይታና" ኢና ተማሂርና።
ኣብ’ዚ ናይ ሕጂ ናይ ገብር ኄር ንኡስ ዘመን ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ ምጽኣት ምስ ኰነ ዚህልው መስርሕ ፍርዲ ’ንምሃረሉን ’ነስተንትነሉን ንኡስ ዘመን’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር ድማ፡ "መኑ ውእቱ ገብር ኄር፡" ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ነቲ ናይ ማቴ 25፡14-30 ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና መሰረት ገይሩ ዝተደርሰ መዝሙር’ዩ። ትርጕሙ ድማ፡ ከም’ዚ ዚስዕብ’ዩ። “እቲ ሰናይ እናገበረ ኸሎ ጐይታኡ ዚረኽቦ’ሞ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገንዘቡ ዚሸሞ ሕያዋይ ባርያ መን’ኰን’ዩ፧ ደጊሙ’ውን እግዚኣብሔር "ኣታ ሕያዋይን እሙንን ባርያ፡ ብሒደት እሙን ስለ ዝዀንካ ኣብ ብዙኅ ክሸመካ’የ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ’ውን እተው" ይብሎ።
ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ ኣብ ውሑድ እሙን ስለ ዝዀንካ ኣብ ብዙኅ ክሸመካ’የ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታካ እተው" ይብሎ። ንሕዝብኻ ብሰላም ተበጆኻ፡ ንዕረፍቲ ሰንበት ሰራዕካ፡ ከማኻ መሓሪ’ሞ መን’ዩ፧
ጐይታና፡ ነታ ንዝኽሪ ስሙ ዝኸለላ (መዓልቲ)፡ "ሰንበተይ" ብምባል ካብ ኵሉ ኣኽበራ። ኦ ባሮት እግዚኣብሔር፡ ናብ ቤተይ ኣቲኹም ሕደሩ።”
ዚብል’ዩ። እዚ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብናን መዝሙርናን፡ እግዚአብሔር ነቶም ኣብ ዘመን ህይወቶም በቲ ዝሃቦም ጸጋ ብሕያውነትን እሙንነትን ዘገልገልዎ ቕዱሳን ባሮቱ ኸመይ ዝበለ ዓብይን ክቡርን ዓስቢ ኸም ዚህቦም ዜረጋግጸልና’ዩ። እዚ "ሕያዋይን እሙንን ባርያ" ዚብል ቃል፡ ሓይሊ መልእኽቱ ናብ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ከም ዚዛዝው ከቶ ዘይክሓድ’ዩ። ምኽንያቱ እቶም ንእግዚአብሔርን ንቤተ ክርስትያንን ኬገልግሉ ዝተመዘዙ ሰባት፡ ሰብ ድርብ ሓላፍነት’ዮም። ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወቶምን ብዛዕባ’ቲ ብሕድሪ ዝተዋህቦም ዕዮን ህዝብን፡ ተሓታትነት ዘለዎ ሓላፍነት ኣለዎም።
ፈጺሙ ኺዝንጋዕ ዘይግብኦ ሓቂ ግን፡ ኵሉ ምእመን’ውን ናይ እግዚአብሔር ኣገልጋሊ’ዩ። ንኣምላኽ ዜገልግሎ ድማ፡ ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ናብራኡን ህይወቱን’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ንዅሉ ምእመን ኣድማሳዊ ኽህነት ከም ዝተዋህበ፡ ብምስጢረ ክህነት እተስተምህረሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። በበቲ ዝተዋህበና ጸጋን ሓላፍነትን ንእግዚአብሔር ሕያዎትን እሙናትን ኴንና ኸነገልግል ድማ፡ ትጽቢት ይግበረልና። ኣቦ ብኣቦነቱ፡ ኣደ’ውን ብኣደነታ ኣብ’ታ ቤቶም ንእግዚአብሔር ናይ ምግልጋል ሓላፍነት ኣለዎም። ኣብ’ቲ ዘለዎም ኵሉ ማሕበራዊ ዝምድናታት’ውን ንእግዚአብሔር ዜገልግሉሉ መኽሊት ጸጋ ተዋሂብዎም’ዩ። ኵላቶም ውሉድ’ውን ከከም ዕድሚኦም ነናቶም ሓላፍነት ኣለዎም። ንገሌና ሓሙሽተ፡ ንገሌና ኽልተ፡ ንገሌና’ውን ሓንቲ፡ ከከም ዓቕምና ተዋሂቡና ኣሎ። በበቲ ዝተዋህበና መጠን ጸጋ ድማ፡ እሙናት ናይ ምዃን ትእዛዝን ግዴታን ኣሎና። እቲ ኣብ ናብራኡ ዀነ ኣብ ኣገልግሎቱ በታ ዝተዋህበቶ ጸጋ ነቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ዘየገልግል ሰብ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱን ኣብ ኣምላኹን ዝጨከነ ሕሱም ሰብ’ዩ። ብኣንጻሩ እቲ እሙን ኰይኑ በታ ዝተዋህበቶ ጸጋ ብብቕዓት ዘገልገለ ድማ፡ ንኣምላኽ ኰነ ንገዛእ ርእሱ ሕያዋይ ሰብ’ዩ። ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ኰነ ተራ ምእመን፡ መዓልቲ መጸ "ኣብ’ዛ ምድራዊት ናይ ውልቀይ ህይወት ብሓቂዶ ንኣምላኽ ብእሙንነት አገልግሎን ሕያውነተይ እገልጸሉን ኣለኹ" ኢሉ ኺሓትትን ኪምርምርን ይግብኦ። እቶም ኣገልገልቲ ዝዀንና’ውን ብዛዕባ ኣገልግሎትና መዓልቲ መጸ ነዚ ሕቶ’ዚ ንርእስና ኽንሓትታን ውዱእ መልሲ ኽንረክብን ይግብኣና። ምኽንያቱ ሕያውነትን እሙንነትን ተሓሲምና፡ ሕሰምን ጥልመትን ምምራጽና፡ ጽቡቕ ኣይፈድየናን’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ቲ ናይ ማቴ25፡14-30 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
እሙናት ናይ ምዃን ሓላፍነትና እንታይ’ዩ መሰረቱ፧ እሙን ምዃን ክብሪ ዚወልደሉ ምኽንያትከ እንታይ’ዩ፧ እሙንነት፡ ኣዝዩ ልዑልን ክቡርን ባህርይ’ዩ። ምኽንያቱ እሙንነት፡ ባህርይ ናይ መለኮት’ዩ። ፍጹም ዝዀነ፡ ኣበር ዘይርከቦ እሙንነት ኣብ ኣምላኽ ጥራሕ ዚርከብ’ዩ ( ዘዳ7፡9 ፣ መዝ36፡5 ፣ 40፡10 ፣ 89፡1,24,33 ፣ 98፡3፣ ኢሳ25፡1 ፣ 49፡7 ፣ ደጒ3፡23 ፣ ሆሴ፡2፡20 ፣ 1ቈረ1፡9 ፣ 10፡13 ፣ 2ቈረ1፡18 ፣ እብ11፡11 ፣ 1ጴጥ1፡19)። እግዚኣብሄር ብዛዕባ እሙንነቱ፡ ንዝዀነ ይኹን ኣካል ተሓታትነት የብሉን። እግዚኣብሄር ብዛዕባ ገዛእ ባህርዩን ንገዛእ ርእሱን እሙን’ዩ። እግዚኣብሄር እሙን እንተ ዘይከውን፡ "ኣምላኽ" ኣይምዀነን፡ ኣምላኽ ኪስመይ’ውን ኣይምበቕዐን ነይሩ። ምኽንያቱ ንኣምላኽነት ካብ ዚገልጹ ባህርያት ሓደ፡ ናይ እሙንነት ባህርይ’ዩ። ህላወ ዅሉ ሰብን ኵሉ ኻልእ ፍጥረትን ካብ ዜውሕሱ ባህርያቱ ሓደ፡ እሙንነቱ’ዩ። ንነፍሲ ወከፍ ባህርዩ ብእሙንነት እንተ ዘየጽንዖ፡ ህላወ ሰብ ካብ ገጽ ምድሪ መብቅዐ ገይሩ። ብመጋብነቱ እሙን እንተ ዘይከውን፡ ሰብን እንስሳን ብጥምየት ምጸነተ (መዝ104፡27,28 ፣ 145፡15,16)። በቲ መሓሪ ባህርዩ እሙን እንተ ዘይከውን ድማ፡ ዝሓጥአ ዘበለ ዅሉ ኸም ቅጽበት ዓይኒ እናተቐዝፈ፡ ህላወና መብቅዐ (ደጒ3፡22-26)።
እግዚኣብሄር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ፡ እሙን ጐይታ’ዩ። ነቲ ዝለኣኾ ኣቦኡ እሙን ብምዃን፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኺፍጽሞ ንዝተዋህቦ ግብሪ ብምልኣት ብምፍጻም ኣኽበሮ (ማቴ3፡17 ፣ 17፡5)። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ እግዚኣብሄር "ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ንሱ’ዩ" እናበለ ይምስክረሉ ነበረ (ዮሃ17፡4)። ከም እሙን ውሉድ መጠን፡ ፍቓድ ኣቦኡ ጥራሕ ብምግባር፡ ካብኡ ዝሰምዖ ጥራሕ ብምምሃር፡ ኰታ ብሓፈሻ ብዅሉ ኣኽበሮ (ማቴ26፡39 ፣ ዮሃ5፡30 ፣ 6፡38-40 ፣ 7፡17 ፣ 14፡10)። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ጐይታና ኺምስክር ከሎ፦
"ስለ’ዚ ኸኣ ኣቱም ካብ’ቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎኩም ቅዱሳን ኣሕዋተይ፡ ከም’ቲ ሙሴ ኣብ ኵላ ቤቱ እሙን ዝነበረ፡ ናብ’ቲ ነቲ ዝሸሞ እሙን ዝዀነ ኢየሱስ፡ ናይ ምእማንና ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ኣቕልቡ። . . . ሙሴ ብዛዕባ’ቲ ደሓር ኪንገር ዘለዎ ነገር ምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ ከም ጊልያ ዀይኑ ኣብ ኵላ ቤቱ እሙን ነበረ። ክርስቶስ ግና ከም ውሉድ ኣብ ልዕሊ ቤቱ’ዩ (እሙን ዝዀነ)፡"
ብምባል ገለጸልና (እብ3፡1,2,5,6)። ንሃዋርያ ቕዱስ ዮሃንስ ኣብ ዝተገልጸሉ ራእይ ድማ፡ ኢየሱስ "እሙንን ሓቀኛን ምስክር" ምዃኑ ተገሊጹልና ኣሎ (ራእ3፡14)። ኣብ ምዝዛም ናይ’ቲ ራእዩ ድማ ሰማያት ተኸፊቱ ረኣየ’ሞ፦
"እንሆ ድማ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ (ኢየሱስ) ከኣ ‘እሙንን ሓቀኛን’ ይብሃል፡ ብጽድቁ’ዩ ዚዳንይን ዚዋጋእን። ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ’የን፡ ኣብ ርእሱ’ውን ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ። . . . ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ‘ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይቶት’ ዚብል ጽሑፍ ስም ኣለዎ።"
ኢሉ መስከረ (ራእ19፡11-16)። እዚ ባህርይ’ዚ መለለይን መጸውዕን ስሙ ኽሳዕ ዚኸውን፡ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ገንዘቡ ዀነ። ናብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዝወረደ ድማ፡ ብቕዱስ ደሙ ኣንጺሁን ዓዲጉን፡ ባህርዩ ኣውሪሱ ንእኡ ናብ ምምሳል ምእንቲ ኼዕብየና’ዩ። ካብ’ቶም ንእኡ ’ንመስለሎም ባህርያት ሓደ ኸኣ፡ እሙንነት’ዩ።
እምበኣር ናይ እሙንነትና መሰረት፡ ናይ እግዚኣብሄር እሙንነት’ዩ። ኪፈጥረና ኸሎ ብመልክዑን ብምስሉን’ዩ ዝፈጠረና። እዚ መልክዕ’ዚ ድማ፡ እቲ ተወራሲ ዝዀነ መለኮታዊ ባህርያቱ’ዩ። ንሱ እሙን ስለ ዝዀነን ንኣና ድማ ነዚ ባህርዩ’ዚ ኣውሪሱ ስለ ዝፈጠረናን፡ ንሕና እሙናት ናይ ምዃን ዓቕሚ ዘሎና ፍጡራት ኢና። ቅዱስ ጳውሎስ፡ "ነቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ" ኺብለና ኸሎ፡ "በቲ ኣምላኽ ካብ ገዛእ ርእሱ ዘውረሰኩም ባህርይ ንበሩ" ማለት’ዩ (ኤፌ4፡23,24)። ስለ’ዚ ሰብ ዝዀነ ዅሉ፡ እሙን ናይ ምዃን ተፈጥራውን መንፈሳውን ሓላፍነት ኣለዎ። እሙን ዘይምዃን፡ ንናይ ኣምላኽን ናይ ገዛእ ርእስኻን ባህርይ ምኽሓድ’ዩ። እሙናት ኴንና ኽንነብር ከለና፡ ነቲ ኣምላኽ ብመልክዑን ምስሉን ብምፍጣር ዝጸገወና ኽብሪ ምዕቃብን ምንጽብራቕን ማለት’ዩ። ክብርና ስለ ዝዓቀብናን ክብሪ ኣምላኽ ስለ ዘንጸባረቕናን ድማ፡ እግዚኣብሄር በቲ ንቕዱስ ወዱ ኢየሱስ ዘኽበረሉ ኽብሪ ኬኽብረና’ዩ።
እሙናት ክንኰነሉ ዚግብኣና ጒዳያትን ገጻት ህይወትን ኣየናይ’ዩ፧ ንምዃኑ እሙንነት ዘይምልከቶ ክፍልታት ህይወት ኣሎናዶ፧ እሙንነት ምግዳፍ ማለት፡ ሰብ ምዃን ምግዳፍ፡ መልክዕ ኣምላኽ ገዲፍካስ መልክዕ ሰይጣን ምልባስ ማለት’ዩ። እሙን ምዃን ዘየድልዮ ናይ ህይወት ክፍሊ ወይ ጒዳይ ድማ፡ ፈጺሙ የለን። ብዛዕባ ስጋውን መንፈሳውን፡ ብዛዕባ ዓብይን ንእሽቶን፡ ብዛዕባ ሕሉፍን መጻእን፡ ኰታ ብዛዕባ ዅሉ ነገር፡ ምስ ኵሉ ኣካል፡ ኣብ ኵሉ ቦታ፡ ኵሉ ሳዕ እሙናት ናይ ምዃን ተፈጥራውን መንፈሳውን ግዴታ ኣሎና። መመሪጽካ ብዛዕባ ገሊኡ እሙን፡ ብዛዕባ ገሊኡ ኸኣ ዘይእሙን ምዃን፡ ካብ’ቲ ጠቕሊልካ ብዅሉ ነገር ዘይእሙን ምዃን ብዕጽፍታት ዝገደደ’ዩ። እግዚኣብሄር ልዕሊ ዅሉ ዚጽየፎ ነገር እንተ’ልዩ፡ ናብ ክልተ ወገን ምሕንካስ፡ ሕውስዋስን ሓዲግን ምዃን’ዩ። ንመራሒ ቤተ ክርስትያን ሎዲቅያ ዝተዋህቦ፦
"ንግብርኻ ዅሉ እፈልጦ’የ፡ ኣይዝሑል ኣይምውቕ ኢኻ፡ ብኻ ዝሑል ወይ ምዉቕ ምዀንካ። ስለ’ዚ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል፡ ልብጥ ዝበለ ስለ ዝዀንካ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ’የ። ‘ሃብታምን ፈሳስን’የ፡ ሓንቲ’ኳ ዝጐድለኒ ነገር የብለይን’ ብምባልካ ሕሱርን ዜደንግጽን ድኻን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ።"
ዚብል ቃል፡ ጐይታናን ኸም’ዚ ዝበለ ሓዲግ ህይወት ፈጺሙ ኺዕገሶ ኸም ዘይክእል ዜመልክተና’ዩ (ራእ3፡15-17 ካ.ት)። በዚ ጥራሕ ድማ ኣይተደረተን። ሕልፍ ኢሉ ኣብ ራእ22፡11-14 ዝገለጾ፦
"እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቕዱስ’ውን ኣዝዩ ይቀደስ። እንሆ ቐልጢፈ እመጽእ ኣለኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ (ሰብ) ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ ዓስበይ ምሳይ’ዩ። ኣብ’ታ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብ’ታ ኸተማ’ውን ብደጌታታ ምእንቲ ኺኣትዉስ፡ እቶም ክዳውንቶም (ካብ ሓጢኣት) ዚሓጽቡ ብጹኣን’ዮም"
ዚብል ቃል፡ ምርጫ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ኣግሂዱልና ኣሎ። ስለ’ዚ ብዛዕባ እሙንነት እንተ ዚዛረብ’ውን፡ "እቲ እሙን ኣዝዩ እሙን ይኹን፡ እቲ ዘይእሙን ጠላሚ ድማ ኣዝዩ ይጥለም" ምበለ ማለት’ዩ። ወካሊ ባህርያት ተጠቒሙ ስለ ዝገለጸ’ዩ’ምበር፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሰናይን እኩይን ባህርይ’ውን፡ ሓደ ዓይነት መግለጺ’ዩ ዚህብ። "ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ፡ ብደም ክርስቶስ ዝደሓነ፡ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ውልድነት ዝተጸገወ ክርስትያን’የ" ዚብል ኵሉ ሰብ’ውን፡ ልክዕ ከም’ዛ ናይ ጐይታ ዝዓይነታ ጽንዕቲ መትከል ኪህልዎ’ዩ ዚግባእ። ብገሊኡ እሙን ብገሊኡ ኸኣ ጠላሚ ምዃን፡ ናይ መንፈሳዊ ምንዝርና ግሁድ መርኣያ’ዩ። ብዛረባኻ፡ ብተግባርካ፡ ብሓሳብካ ዀነ ብስምዒታትካ፡ ምስ ኣምላኽን ሰብን፡ ኣብ ኵሉ ዓይነት ዝምድናታትን ምውሳኣትን፡ ኣብ ኵሉ ዅነታትን ኵሉ ጊዜን እሙናት ክንከውን ዘይልወጥን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትውን መንፈሳዊ ግዴታና’ዩ።
ከም’ዚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣዝዩ ኸቢድ ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ትእዛዝ ከም ዝተዋህበና ጌርና ኽንሓስብ ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ሰባት ኴንና ኽንፍጠር ከለና፡ ኣካል ተፈጥሮና ዀይኑ ዝተዋህበና ኻብ ኣምላኽ ዝወረስናዮ ባህርይ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ስለ’ዚ ዘይእሙን ምዃን’ዩ ኪኸብደና ዚግባእ’ምበር፡ እሙን ምዃን ኣይኰነን። ዓሳታት ኣብ ማያት ኪነብሩ፡ ኣዕዋፍ ኣብ ሰማያት ኪበርራ ባህርያዊ’ዩ። ሰብ ብዅለንተናኡ እሙን ኪኸውን ድማ ባህርያዊ ትዕድልቱ’ዩ። እቲ ንጥፍኣትና ዝተዓጥቀ ጸላኢና ድያብሎስ፡ ብጒርሑ ንሕልናና በኪሉ ሓጥእ ባህርይ ስለ ዘስረጸልና ግን፡ ነቲ ባህርያዊ ትዕድልትና ተጸዪፍና፡ ካልእ ድቓላ ባህርይ ኽንናፍቕን ከነንጸባርቕን መረጽና። ዓሳ ኻብ’ቲ ባህርያዊ ቦትኡ እንተ ወጺኡ ብኡንብኡ ኸም ዚመውት፡ ንሕና’ውን ነቲ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ዘውረሰና ባህርይ ደርቢና፡ ነዚ ናይ ሰይጣን ድቓላ ባህርይ ስለ ዝመረጸና፡ ሞት ዚጓስዮም ደቂ-ሞት ንኸውን ኣለና (መዝ49፡14)። ክርስቶስ ከኣ ካብ’ዚ ድቓላ ባህርይ’ዚ ምእንቲ ኼንጽሃና’ዩ፡ በቲ መሪር መከራ መስቀል ብሞቱ ዝተበጀወና (እብ 9፡14)።
እዚ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ዚዛረበሉ ዘሎ እሙንነት ግን ንመን ዚምልከት’ዩ፧ ንዅላትና ዚዛረብ መልእኽቲ’ዩ ኽንብል ይክኣል ድዩ፧ እዚ ንባብ’ዚ፡ መብዛሕትና ንኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ዚምልከት ጌርና ጥራሕ ኢና ’ንርድኦ። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ፡ በበቲ ዝተዋህበና ጸጋን ሓላፍነትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምዃንና ኻብ ምሕሳብ ኪዕንቅፈና ኣይግባእን’ዩ። ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ምዃን ንውሑዳት ሰባት ዚውሃብ ሓላፍነት’ዩ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምዃን ግን፡ ንዅሉ በርኣያ ቕድስት ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ዝተዋህበ ሓላፍነት’ዩ። ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ኰነ ተራ ምእመን፡ ኵላትና ኣገልገልቲ ፍቓዱ ኢና። እዚ ኣገልግሎት’ዚ ኣብ ኵሉ ቦታን ኵነታትን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉን ምስ ኵሉን ሰብ ኴንካ ዚፍጸም’ዩ። ነዚ ኣገልግሎት’ዚ ንኽንፍጸም፡ እግዚኣብሄር ከከም ዓቕምና ናይ ጸጋ መክሊት ዓዲሉና’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፡ "ግናኸ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተዋሂቡ’ዩ" ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ኤፌ4፡7)። ስለ’ዚ ነዚ ብክርስቶስ ዝተሰፍረልና ጸጋ ኣብ መዓላኡ ኣብ ምውዓል እሙናት ክንኸውን ይግብኣና ማለት’ዩ። እቲ ወንጌል ናይ ምስባኽ፡ ምስጢራት ናይ ምክፋል፡ ንምእመናን ናይ ምጒሳይ መክሊት ኣገልግሎት ዝተዋህቦ ሰብ፡ እሙን ኰይኑ ኺዓይየሉን ነቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ኣብ’ቲ ዜገልግሎ ህዝቢ ኼባዝሖን ይግባእ። እያሱ ተቢዑ "ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና ’ነገልግል" ከም ዝበለ፡ ሓንቲ ስድራ ቤት፡ ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ናብራኣ እምንቲ ዀይና፡ ንእግዚኣብሄር ናይ ምግልጋል ሓላፍነት ኣለዋ (እያ24፡15)። ብደረጃ ውልቀ ሰብ እንተ ዀነ’ውን፡ በቲ ዝተዋህበና ስፍሪ-ጸጋ፡ ንፍቓዱ ብምፍጻም ኣገልገልቲ ፍቓዱ ኽንከውን ሓላፍነት ኣሎና። ንጉስ ዳዊት ናይ ፖለቲካን ናይ ውግእን ሰብ’ምበር፡ ናይ ካህናት ኰነ ናይ ሌዋውያን ኣገልግሎት ኣይነበሮን። ቅዱስ ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ብዛዕባ ንጉስ ዳዊት ዝሃቦ ምስክርነት ግን፡ ኣዝዩ ዜገርም’ዩ።
"(እግዚኣብሄር) ንዳዊት፡ ንጉስ ኪኸውን ኣተንስኣሎም (ብዛዕባኡ ድማ)፡ "ዳዊት ወዲ እሰይ፡ ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር ዝኸም ልበይ ሰብኣይ ረኸብኩ" ኢሉ መስከረሉ። . . . ዳዊት ኣብ ዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዓረፈ።" ግብ13፡22,36
ካብ ነፍስ ወከፍ "ብኣምላኽ እኣምን’የ" ዚብል ሰብ፡ እግዚኣብሄር ዚጽበያ ኣገልግሎት ድማ እዚኣ’ያ። ናይ ፍቓዱ እሙናት ኣገልገልቲ ኽንኰነሉን’ዩ ዚጽበየና። ካብ’ቲ ተራ ሰብ ጀሚርካ፡ ክሳዕ’ቲ ዝለዓለ ጽፍሒ ኣገልግሎት ዘለዎ ሰብ፡ እዛ ኣገልግሎት’ዚኣ ዘይትምልከቶ ሓደ ሰብ’ኳ የለን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ሰፊሩ ዘሎ፡ "ግበር፡ ኣይትግበር" ዚብል ኵሉ ትእዛዛት፡ ናይ’ዚ ኣገልግሎት’ዚ መምርሒና’ዩ። ጐይታና ናይ ከረን ስብከቱ ኺዛዝም ከሎ፦
"ፍቓድ ናይ’ቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ’ምበር፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚኣትው ኣይኰነን።"
ብምባል፡ ንጹርን ዘየወላውልን መምርሒ ሂቡና’ዩ (ማቴ7፡21)። እምበኣር እቲ ዝለዓለ እሙንነት ዚጠልብ ኣገልግሎት፡ እዚ ኣገልግሎት ፍቓዱ’ዩ። ሰብ ኣብ ሓዳሩ፡ ኣብ ዋኒኑ፡ ኣብ ስርሑ፡ ኣብ ትምህርቱ፡ ኣብ መገዱ፡ ኣብ ዝምድናታቱ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኵሉ ነገሩ ዅሉ ጊዜ እሙን ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ኪዳናዊ ዝምድናኡ መዋስብቱ ዜፍቅርን ብቕድስና ዚነብርን እሙን ሰብ ኰይኑ፡ ኣብ ዋኒኑ ግን ብስሰዐ ዚዋሳእ፡ ፍቓድ ንግዲ ዘውጽአ ሰራቒ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ደንበ እሙናት ኺምደብ ብቑዕ ድዩ፧ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንሰብ ዘስተንከረ እሙን ኣገልጋሊ ዀይኑ፡ ኣብ ሓዳሩ ንመዋስብቱ ዜሳቕይ ሕሱም እንተ ዀነ፡ በየናይ መለክዒ "እሙን" ኪብሃል ምተኻእለ፧ ኣብ ሓዳራ ምስግንቲ ዝዀነት ብዓልቲ ኺዳን፡ ኣብ ናይ መውስቦን ጒርብትናን ዝምድናታታ ብጽልእን ቂምታን ትነብር እንተ ዀይና፡ ንናይ እሙናት ደምበ ጓና’ያ ትኸውን። እግዚኣብሄር ሚዛኑ ንዘይሓለወ እሙንነት፡ ከም ዝኸፍአ ጥልመት’ዩ ዚርእዮ። ስለ’ዚ ድማ ንህይወትና ብዘይ ንሕስያ ብዕቱብ መርሚርና፡ ኵለንተናዊ ምልኣት ብዘለዎ እሙንነት ንነብር ምህላውና ኸነረጋግጽ ይግብኣና።
ንእሙንነትናኸ ብኸመይ ኢና ’ንልክዖ፧ ብመንጽር እንታይ ኢና እሙንነትና ኽንምርምር ዚግብኣና፧ ቃል እግዚኣብሄር ብንጹር ከም ዚነግረና፡ ናይ ህይወት ጽውዓናን ተልእኾናን፡ ንምስሊ ክርስቶስ ምምሳል’ዩ (17ሮሜ8፡19 ፣ 1ቈረ 11፡1)። እቲ ኽንመስሎ ዚግብኣና ኢየሱስ ድማ፡ ብእሙንነቱ ፍጹም’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ እሙንነቱ ኽንበጽሖ ዘይንኽእል እንተ ዀንና’ኳ፡ ዕለት መጸ ግን ናብ’ቲ እሙንነቱ ገጽና ኽንቀርብን ክንዓብይን ይግብኣና ማለት’ዩ። ጐይታና ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ፦
"እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ ኣሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር’የ’ሞ፡ በይነይ ኣይሓድገንን’ዩ።
"ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ፡"
ብምባል ብትብዓት ተኣሚኑ ኣሎ (ዮሃ8፡29 ፣ 17፡4)። እዚ ተኣምኖ’ዚ፡ ናይ እሙናት ቋንቋ’ዩ። ስለ’ዚ ንኢየሱስ ’ንመስል ሰባት እንተ ዄንና፡ ነዚ ቓል’ዚ ኽንእመኖ ናብ ንኽእለሉ ደረጃ ዓቢና ኣለና ማለት’ዩ። ጐይታና ኢየሱስ "ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ስለ ዝዀነ’ዩ ከምኡ ኽብል ዝተብዐ" ኢልና ንሓስብ ንኸውን። እቲ ኸማና ዝድኻሙ ቕዱስ ኣቦና እዮብ’ውን ነዚ ቓል’ዚ ብትብዓት ተኣሚንዎ’ዩ።
"(ኣምላኽ) ግና (ኣነ) በየነይቲ መገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ’ዩ። ይፈትነኒ፡ ከም ወርቂ ዀይነ ኸኣ ክወጽእ’የ። ኣእጋረይ ኣሰሩ ሒዘን፡ ተጠንቂቐ’ውን ካብ መገዱ ኣየግለስኩን። ካብ ትእዛዝ ከናፍሩ ኣይዘንበልኩን፡ ካብ መዝገበይ (ሃብተይ) ኣብሊጸ ንቓል ኣፉ ሓለኽዎ . . . እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡ መንፈስ ኣምላኽ’ውን ኣብ (ልበይ) ክሳዕ ዘሎ፡ ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይ’ውን ሓሶት ኣይከተውስእን’ያ። . . . ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ካብ’ታ ብዘይ ጒድለት ምዃነይ ኣየግልስን’የ። ንጽድቀይ ኣጽኒዐ እሕዞ፡ ከቶ ኣይሰድዶን፡ ካብ’ተን መዓልትታተይ ልበይ (ብዛዕባ) ሓንቲአን’ኳ ኣይነቕፈንን’ዩ።" እዮ 23፡10-12 ፣ 27፡3-6
ቅዱስ ዳዊት’ውን ተመሳሳሊ ተኣምኖ ሂቡና’ሎ (መዝ18፡20-24 ፣ 101፡2-4)። ስለ’ዚ ንሕና’ውን ከም’ዞም ቅዱሳን ኣቦታትና፡ ብዓብዪ ኸኣ ከም ጐይታና ኢየሱስ፡ ነቲ ኽንእዘዞን ክንገብሮን ዝተዋህበና ትእዛዛት ብምሕላው፡ ንኣምላኽን ንሰባትን እሙናት ምዃንና ኸነረጋግጽ ይግብኣና።
ረብሓን ዓስብን እሙንነት ግን እንታይ’ዩ፧ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና፡ እቶም ኣብ ሒደት እሙናት ኰይኖም ዝተረኽቡ ባሮቱ፡ ናብ ዝዓበየ ሓላፍነት ብምሻም ከም ዘኽበሮም ገሊጹልና ኣሎ። እሙናት ሰባት፡ እቲ እሙን ኢየሱስ ዝረኸቦ ኽብሪ ኺረኽቡ’ዮም። ጐይታና፡ ነቲ ብኣቦኡ ዝተዋህቦ ግብሪ ፈጺሙ ኸም ዘኽበሮ ምስ ተኣመነ፡ ኣስዒቡ፡ "ዎ ኣቦይ ሕጂ ድማ፡ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ"
በለ (ዮሃ 17፡5)። ነቶም ብእሙንነት ዜኽብርዎ፡ ካብ ቅድሚ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዘዳለወሎም ዕዙዝ ክብሪ ኣሎ። ነቶም እሙናት ሰባት፡ "ሕያዋይ ኣስተውዓሊ፡ ብጹእ" ዚብል መንፈሳዊ ቕጽላት ብምሃብ’ውን የኽብሮም’ዩ (ማቴ24፡45,46 ፣ 25፡21)። ነቲ እሙን ዮሴፍ፡ ኣብ ዘይሃገሩ ካብ እሱር ብኸመይ ናብ ደረጃ ቐዳማይ ሚኒስተር ከም ዘኽበሮ ተነጊሩና’ዩ። እምበኣር ንሕና’ውን ነዚ ንጐይታናን ንዅሎም ቅዱሳኑን ዘኽበረ ቕዱስ ባህርይ’ዚ ብግብሪ እንተ ነበርናዮ፡ መዳርግቲ ኣልቦ ኽብሪ ኼጐናጽፈና’ዩ።
እሙንነት ማዕረ ኽንደይ ክቡር ባህርይ ምዃኑ ኻብ ርኣና’ምበኣር፡ ብመንጽር’ዚ ባህርይ’ዚ ርእስና ብዕቱብ ንመርምር። ካብ እሙንነት ጐዲልና ብጥልመት እንተ ተመሊእና፡ ኣብ ጥፍኣትን ውርደትን ከም ዘለና ነስተውዕል። ስለ’ዚ ናብ ድሕነትን ናብ ክብርን ንመለስን ንተንስእን። እቲ እሙን ኣምላኽ ነቶም እሙናት ሰዓብቱ ጥራሕ ዜኽብር ካብ ኰነ፡ ብምስትውዓል መፈጸምታና ነጸብቕ። ኣብ የማን ናይ’ቲ እሙን ገንሸል ከም ንቐውም፡ ገና ብኣግኡ ነረጋግጽ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
22 መጋቢት 2026 | መጋቢት 13, 2018 ግዕዝ (መበል 28 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: ፴፱(፵)፡፯.፰ "ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ። ወሕግከኒ በማእከለ ከርሥየ። ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዓቢይ።" ዓዲ፡ መዝ.፻፴፫(፻፴፬)፣፩-፪ "ናሁ ይባርክዎ ለእግዚአብሔር።ኵሎሙ አግብርተ እግዚአብሔር።እለ ይቀውሙ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| 1ቈረ 4፡1-9 |
ዲያቆን |
|
| 1ጴጥ 2፡11-19 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 16፡9-18 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ማቴ 25፡14-30 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘባስልዮስ | መዝሙር፦ መኑ ውእቱ ገብር ኄር |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ