መስቀል ክርስቶስ ብኽልተ ኣዕጻው ተሰሚራ ዝቖመት፡
በቶም ገፋዕቲ ቀያፋን ጲላጦስን ውዲት ዝተዳለወት:
ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ ዝተቐበለት ንስቕለት
ኣብ ጉድጓድ ተቐቢራ ኣብ ልዕሊኣ መአከብ ጓሓፍ ዝኾነት
ጸሎት ምስጋና - The prayer of Thanksgiving:- ሠናይ ነገር ንዝገበረልና ይቕረ በሃሊ እግዚኣብሄር፥ ኣቦኡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነመስግኖ ኣሎና። ሰቲሩናን ረዲኡናን፥ ዓቂቡናን ተቐቢሉናን፥ ራሕሪሑልናን ደጊፉናን ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣውን ኣብጺሑና እዩ እሞ ነመስግኖ ኣሎና። ሕጂውን ንዕኡ በዛ ቕድስቲ ዕለት እዚኣን፥ ብዅሉ ዘመን ሕይወትናን ብፍጹም ሰላም ኪዕቅበና ንዅሉ ዝመልኽ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንለምኖ።
ፍቕረይ ደሪኽዎ እቲ ዘይሓምም ሓመመ፣ ዘይተሓዝ ተሰቕለ፣ ዘይመውት ሞተ። ኣየ ፍቕሪ!
![]()
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።
ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ መሕተት (ፎርም) ናይ 3ይ ክፍለ-ዓመት ዓመተ-ትምህርቲ 2026 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ ሰንበት 9 ክሳብ ቀዳም 22 ነሓሰ 2026 ዓም ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ ኣብ 1 መስከረም 2026 ዓም ዘሎ ሰሙን ክጅምር እዩ። መላግቦ መመዝገቢ
ክፍሊ ጉዳያት ተመሃሮ
ኮለጅ ስነመለኮት ተዋሕዶ
ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ሳዕበናቱ ካብ ዘይምግንዛብን ካብ ዘይምርዳእን ወይ ከኣ ካብዘይምግዳስን ካብ ሓልዮት ኣልቦነት ዝተበገሱ ቅሉዕ ቅንኢ፡ ህልኽ፡ ክፋኣት፡ ቅርሕንቲ፡ ኣብ ሕድሕድና ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትን ኣሓትን ቤተሰብን ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሃገር ዝተፈላለዩ በደላትን፡ ግፍዕታትን፡ ወዘተ ይፍጸሙ ኢዮም። ንመረዳእታን መምሃርን ዝኸውን እዚ ሲዒቡ ዝቐርብ ኣብነት ብትግሃት ንከታተል።
ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ብ1951 ዓ.ም ዝጀመረት እንኮ ወግዓዊት ልሳን ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ እያ። በዘይካ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምሃብ ካልእ ዝኾነ ምስ ፓለቲካዊ ይኹን ማሕበራዊ ጉዳይ ዝጻረር ጽሑፋት ኣይነበራን። መበል ሓምሳ (50) ዓመት-ዕድሜኣ ማለት ወርቃዊ-ኢዮቤልዩ ከተኽብር ኣብ ምቅርራብ እንኮላ ብመስከረም 2001 ዓ.ም ብመንግሥቲ ኤርትራ ከይትሕተም ተኣጊዳ። ብዘይ ዝኾነ በደል ን25 ዓመታት ዝኣክል ብምዕጻዋ ድማ ህዝቢ ተዋህዶ ስለምንታይ ኢሉ ክሓትት ግቡኡ እዩ። Read More...
"ኣምላኽ ነቲ በይኑ ዝዀነ ናብ ስድራ የእትዎ፡ ንእሱራት ናብ ራህዋ የውጽኦም፡ ተጻረርቲ ግና ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ይነብሩ። ዎ ኣምላኽ፡ ቀቅድሚ ህዝብኻ ኽትወጽእ ከሎኻ፡ ብበረኻ ኽትሓልፍ ከሎኻ።" መዝ 68፡6-7
እዚ ቃላት`ዚ በዓለ-ትንሣኤ ብዝመጸ ቁጽሪ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያናትና ብጣዕመ ዜማ ተሰንዩ ክበሃል ዝስማዕ ቃል`ዩ። ብርሃንን ሰላምን ቅሳነትን ዘለዎ በዓል ንክኸውን፣ ብምምናይ ወይ ተስፋ ብምግባር ዝበሃል ቃል ምዃኑ ከኣ፣ ከም ርዱእ ክውሰድ ዝከኣል `ዩ። ከመይሲ ካብ ብርሃንን ሰላምን ንላዕሊ፣ ዝምረጽ ካልእ ነገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ብመሠረቱ`ውን ናይ ጎይታና ምምጻእ፣ ነታ ኣብ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ኣትያ ትርከብ ዝነበረት ዓለም፣ ብርሃን ንምዃን ከም-ዝነበረ ኣብቲ ቅዱስ ጽሑፍ ተነጊሩ ኣሎ። (ሉቃ-1/79)
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።
ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ መሕተት (ፎርም) ናይ 3ይ ክፍለ ዓመት ዓመተ ትምህርቲ 2024 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ ሰንበት 11 ክሳብ ቀዳም 24 ነሓሰ 2024 ዓም ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ 01 መስከረም 2024 ዓም ክጅምር እዩ።
መላግቦ መመዝገቢ፥ Registration form
ክፍሊ ጉዳያት ተምሃሮ
ኮለጅ ስነመለኮት ተዋሕዶ
![]()
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።
ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ መሕተት (ፎርም) ናይ 3ይ ክፍለ-ዓመት ዓመተ-ትምህርቲ 2026 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ ሰንበት 9 ክሳብ ቀዳም 22 ነሓሰ 2026 ዓም ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ ኣብ 1 መስከረም 2026 ዓም ዘሎ ሰሙን ክጅምር እዩ። መላግቦ መመዝገቢ
ክፍሊ ጉዳያት ተመሃሮ
ኮለጅ ስነመለኮት ተዋሕዶ
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ