S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መስቀል ክርስቶስ ብኽልተ ኣዕጻው ተሰሚራ ዝቖመት፡

በቶም ገፋዕቲ ቀያፋን ጲላጦስን ውዲት ዝተዳለወት:

ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ ዝተቐበለት ንስቕለት

ኣብ ጉድጓድ ተቐቢራ ኣብ ልዕሊኣ መአከብ ጓሓፍ ዝኾነት

ቅድስቲ ኢለና ሃለዋት ናይታ መስቀል ንምፍላጥ ኣብ የሩሳለም  ከተናዲ  ጀመረት

ካብ ዝነደደት ሽግ ትኪ ተላዒላ ኣብታ መስቀል ዝተቐብረታ ጓሓፍ ወሪዳ ኣመልከተት

ኣብ ትሕቲ እቲ ኩምራ እኩብ ጓሓፍ ተቐቢራ ከምዘላ ብናይ ትኪ ታኣምር ፈለጠት

ብሓገዝ ውላዳ ንጉስ ቆስጣንጢኖስ ኣብቲ ጓሓፍ ኩዕታ ክጅመር ኣዘዘት

ድሕሪ 6 ወርሒ ጻዕራ እታ መስቀል ሳልሳይ ርእሳ ካብ ጓሓፍ ተፋሒራ ወጸት

ካብተን ዝተረኸባ 3 መስቀል 2 መስቀል ናይቶም 2 ሸፋቱ ምዃነን ይትረት፡

ናይ ክርስቶስ መስቀል ኣየነይቲ ምዃና ተፈልጠት

ሕምምቲ ሰበይቲ ሓወየት ነታ መስቀል ምስ ተንከፈት

ሳዓብቲ ክርስቶስ ተኣኪቦም ብዕልልታ ሽግ ወልዑ ናይ ክርስቶስ መስቀል ምስተረኽበት

ብዙሕ ታኣምር ተራእየ ናይ ክርስቶስ መስቀል ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምስተጋህደት

ብምኽንያት መስቀል ክርስቶስ ቅድስቲ ኢለና ኣብ የሩሳለም ዓባይ ቤተክርስትያን ኣስረሐት፡

እታ መስቀል ክርስቶስ ኣብታ ዘስርሓታ ዓባይ ቤተክርስትያን ከምትዕቀብ ገበረት

ካብቲ እዋን መስቀል ክርስቶስ ቀንዲ ምልክት ኮነት ኣብ ናይ ክርስትና እምነት።

 

ካህን ንምእመናን የሳልም ይባርኽ መስቀል ሒዙ ኣብ ኢዱ

ኣማኒ ክርስትና ዝኾነ ማዕተብ ምስ መስቀል ያኣስር ኣብ ክሳዱ

ኣመንቲ ክርስትና ምልክት ናይ መስቀል የማዕትቡ ክጽልዩ ክሰግዱ

ምልክት ናይ መስቀል ኣብ ግንባሮም ይግበረሎም ቆልዑ ምስተወልዱ

ደቂ ኣምላኽ ካብ ርኹስ መንፈስ  ዝተታሕዙ ሰባት ጋኔን ብመስቀል የሳድዱ፡ 

መጽሓፍ ቅዱስን መስቀልን ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ብሓባር ይዋሃሃዱ

እየሱስ ክርስቶስ ብመስቀሉ  ይባርኸና ምሕረቱን በረኸቱን ኣዛሚዱ።

 

ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና

ራህዋን ሰላምን ንውጹዕ ህዝብና

ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብ ኩላህና

ዝተባረኸት ዝተቐደሰት ዓልቲ መስቀል ይግበረልና።

 

ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

27 መስከረም 2024

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div