ኣቦና ካህን ኣትናቴዎስ ካብ ቤተ-ክህነት ስድራቤት ዝተወልዱ ኮይኖም፡ ብንእሽቶ ዕድሚኦም ኣብቲ ተወሊዶም ዝዓበዩሉ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንበረ ፀባኦት ቅድስት ስላሴ ቤተክርስትያን ግብረ ዲቁና ምስ ተማህሩ፡ ካብ ብጹእ ኣቡነ ቴዎፍሎስ ፓትርያርክ ቤተ ክርስትያን ሓበሻ ግብረ ዲቁና ተቐቢሎም። ብድሕሪኡ፣ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቦም ንዝለዓለ አካዳምያዊ ትምህርቲ ናብ አሜርካ ኣምሪሖም፣ ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ አካዳምያውን መንፈሳውን ጽፍሕታት ሰሪሖም።
ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኣብ ዘይነበረሉ መዋእል፣ “ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን” ክርስቲያናት ዝብል ንኤርትራውያን ዘገልግል ሕብረት ካብ ዝሰረቱ ሰባት ሓደ ኮይኖም፣ ኣብ ክፍሊ ስነ ጽሑፍን ካልእ ኣገልግሎትን ብመሪሕነት ደረጃ ኣገልጊሎም።
ድሕሪ ናጽነት: ብቐጥታ ንኤርትራ ብምኻድ ““ኣብ ከተማ ሲንሲናቲ እንርከብ ኣመንቲ፡ ኣገልጋሊ ካህን የድለየና እዩ” ብምባል ካህን ኣብ ምምጻእ ዓቢ ተራ ኣበርኪቶም፣ ከምውፅኢቱ ድማ ኣመንቲ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ሲንሲናቲ ኣገልጋሊ ካህን ክረኽቡ ክኢሎም። ናይ ነዊሕ ዓመታት መሳርሕቶም መምህር ሃይለ ምስግና "ቅድሚ 9 ዓመት ቤተ ክርስትያን ክስርቱ ኮለዉ፣ ካህን ኣትናቴዎስ ዝለዓለ ተራ ከምዘበርከቱ ጠቒሶም፣ "ክህነት ከምዝቕበል ምስ ፈለጥኩ፣ ኣብቲ ሓጎሱ ንምክፋል ንኒዮርክ ብነፋሪት ተጓዒዘ መጺአ" ይብሉ።
መንበረ ጵጵስና (Archdiocese) ሰሜን ኣሜርካ ምስ ተሰረተ ድማ: መንበረ ፓትርያርክ ኤርትራ፡ ንካህን ኣትናቴዎስ ነቲ ሒዞሞ ዝጸንሑ ማዕርግ ዲቁናኦም ኣብ ምግልጋል ምእመናን ክጥቀሙሉ ሕድሪ ከምዝሃቦም ሰነዳት ቤተክርስትያን ይሕብሩ። ከም ውጽኢቱ'ውን ኣቦና ካህን ኣትናቴዎስ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ከገልግሉ ጸኒሖምን ኣለዉን። ምስ'ዚ ኩሉ ዘለዎም ሓላፍነትን ኣገልግሎትን ድማ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ትሕቲ ሊቃውንቲ ግብጻውያን (ንኣብነት፣ እቶም ዓቢ ሊቅ ካህን ዶር ማሕር ሽኖዳ) ግብረ መለኮት ከጽንዑ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 2009 ተመሪቖም። ኣብዚ እዋን እዚ፣ ኣብ ሲንሰናቲ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ግብጺ ብዲቁና እናገልገሉ ኮለዉ፣ቀሺ ኣንጌሎስ ኣንቶን፣ ካህን ናይቲ ቤተ ክርስትያን፣ ኣብ ልዕሊ ዲያቆን ሃብቱ ዘለዎም ኣድናቖት ድሕሪ ምግላጽ ንፕሮፈሶር ሃብቱ ክህነት ክወሃቦም ከምዝሓተቱ ይፍለጥ። ብተወሳኺ፣ ጉባኤ-ካህናት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ'ውን ምሕጽንታ ከምዘቕረበሎም ካህን ኣትናቴዎስ ይሕብሩ።
ኣቦና ካህን ኣትናቴዎስ፡ ፍሉይ ናይ ስብከትን ምጽሓፍን ህያብ ዘሎዎም፡ ትሑትን መንፈሳውን ሰብ፡ ግብረ-መለኮት ዝተማህሩ፡ ዓቢ ራእይ ዘለዎም፡ ውፉይ ኣገልጋሊ-ኣምላኽ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑትን እዮም። ኣብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲንሲናቲ (university of Cincinnati) ንልዕሊ 20 ዓመት ዝመሃሩ፣ ናይ ታሪኽ ምርምር ሊቅ እዮም። እቲ ዝለዓለ ናይ ኣካዳሚያዊ መዓርግ (full professorship) ዝሓዙ ኣቦ፣ ንብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ዩኒቨርሲቲ ብዝልዓለ ነጥቢ ንኽኣትዉ ዝጸዓሩ፣ ሓያሎ መንእሰያት ድማ ንማዕርግ ዲቁና ዘብቕዑ ኣቦ እዮም።
እግዚኣብሔር ኣገልግሎቶም ተቐቢሉ ንብዙሓት ንብረኸት ክኾኑ፡ ነታ ተረሚሳ ዘላ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ድማ ምኽንያት ትንሳኤ ክኾኑ ምእንቲ፡ ምእመናን ብጸሎት ክድግፍዎም ሓደራ ንብል። በዚ ኣጋጣሚ ንበዓልቲ ቤቶም ወ\ሮ ሚካል ተስፋይ እንቋዕ ሓጎሰክን ንብል።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፣ ዶር ደሳለ ድማ መዓርግ ዲቁና ተቐቢኡ። እግዚኣብሔር ነዚ ውሳኔ'ዚ ንኽወስድ ንልቢ ሓውና ስለ ዘነቓቕሐ ስሙ ንዘለኣለም ይመስገን። ብተወሳኺ ኣቦይ ቀሺ ኣርኣያ ተስፋይ ካህን ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ኒው ዮርክ፣ መዓርግ ቁምስና ረኺቦም። ኣቦና ቆሞስ ኣርኣያ፣ 50 ዓመት ብክህነት ኣገልጊሎም። ነዚ ኣብ ዝዘከርሉ ዕለት ድማ እዮም ናይ ቁምስና መዓርግ ካብ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ተቐቢሎም። ንኣቦና ቆሞስ ኣርኣያ ተስፋይ ድማ እንቋዕ ሓጎሰኩም ንብል።
ከምዝዝከር፣ 39 መንእሰያት ኣብ 2009 መዓርግ ዲቁና ተቐቢኦም: 6 መንእሰያት ኣብ 2008: 12 መንእሰያት ድማ ኣብ 2006 ዓ.ም መዓርግ ዲቁና ከምዝተቐብኡ ዝዝከር እዩ። ሎሚ ገለ ካብዞም ዝተቐብኡ ዲያቆናት ምስ "ደቂቀ እንጦንዮስ" ብምትሕብባር ድሮ ግብረ-መለኮት (Theology) ከጽንዑ ጀሚሮም ኣለዉ። ነዚ ነገር'ዚ ክውን ዝገበረ እግዚኣብሔር ስሙ ንዘለኣለም ይባረኽ. ኣሜን።
"ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡… እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብርካን፡ ብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን።"(ዘዳግም 28.13-14)።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ