S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3
ናብ ምእመናን ሕዝበ ክርስቲያን፡

ብሩኽ በዓል ትንሳኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይግበረልና። ቀጺልና April 9- 10 2010 (ሚያዝያ -  2002 .. ግእዝ) ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ ዝኽበረሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ኣብዚ መንፈሳዊ በዓል ንኽትሓብሩና ትዕደሙ።

ዝኾነ ክርድኦ ከምዝኽእል፥ ግፍዕን ንዕቀትን እናተቐበለ ክነብር ዝደሊ ሰብ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይሲ ማይ ዝመልአ ዕትሮ ወይ ገንኢ መሊኡ ከምዝፈስስ፥ ሰብ‘ውን ንዕቀትን ውርደትን ክበዝሖ ከሎ፥ ከም ኣድጊ ዝጸዓንዎ ስቕ ኢሉ ዝጸዓን ኣይኮነን። ስለዝኾነ‘ውን እቲ መስፈር ክመልእ ወይ እቲ ዓቐን ካብቲ ልክዕ ክሓልፍ ከሎ ግን፥ ብሕይወቱ ከሎ ምስ ምዉታት ክቝጸር ዝመርጽ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ዝኾነ እንተኾነ‘ውን እቶም ግቡዛት ደኣ ይመስሎም ይኸውን እምበር፥ ሰብኣዊ ክብሩ እናተረግጸን መሰሉ እናተዓመጸን ዝነብር ሰብ ወይ ሕዝቢ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።


‘ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡’ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም።” ማቴ 23፡38-39። እንሆ፡ ድሕሪ ሾብዓተ ሰናብትን ሳምንትን ናይ ጾም፡ ናብዚ “ሆሳእና” ዝተሰምየ ሓያሎ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ፡ናብ ሕማማት ዜስግረና በዓል በጽሒና ኣሎና። እዚ ናይ ሆሳእና ዕለት’ ዚጽምብል ደኣ ይመስል እምበር ናይ ምህለላን ምሕጽንታን መዓልቲ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ፡ “ሆሳእና” ዚብል ናይ እብራይስጢ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ ድማ “ኣድሕን” ማለት እዩ። እዚ ቃል ትንቢት እዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ብኣፍ ነብዪ ዳዊት፡ “ ዎ እግዚኣብሄር ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣሰልጥን (ኣዐውት) ኰታ። እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡”

ክቡር ክርስቲያን ኣስተብህል፡ ነዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና ትርጉሙ ብምግንዛብ ብጥንቃቔን ብጸሎትን ብምስትውዓልን ኣንብቦ። እንተ ኺኢልካ ድማ ነዛ ኣብ መጀመርታ ወይ መእተዊ ዘላ ጥቕሲ፡ ደጋጊምካ ኣንብባ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣንብራ። ከመይሲ ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሌኻ እንታይ ከም ዝዀነ ከተስተውዕል ምእንቲ።

"እቲ ብኣይ ዝኣምንሲ እንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩ!"
ሥጋዊ ሞት ዘይተርፍ ዕጫ ናይ ኵሉ ሕይወት ዘለዎ ፍጡር እዩ። ስለዚ ጊዜኡ ምስ በጽሐን ሰዓቱ ምስ ኣኸለን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብዛ ዓለም ብሞት ክጽዋዕ ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና። ይኹን እምበር እንጽውዓሉ ጊዜ ፍርቂ መዓልቲ ድዩ ወይስ ፍርቂ ለይቲ፥ ንግሆ ይኹን ምሸት፥

ፍቕሪ ማለት ስም ጥራሕ ከምዘይኮነ ኩልና ንፈልጦ እካ እንተኮነ፡ ግብሪ ምካኑ ግን ንዝንግዖ ኮይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ምክንያቱ ከምቲ ብኣፍና እነድምጾ ብግብርና ስለዘይነጸባርቆ እየ ከምኡ ዝብል ዘለኹ። ንኹሉ ሰብ ግን ኣይኮንኩን ነቶም ዘይነተግብር እንበር። መጽሓፍ ቕዱስ ፍቕሪ ብግብሪ እንበር ብቃል

“በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምድሪ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርሁዎም፡ መዓጹ ተሸጕሩ ነበረ እሞ፡ የሱስ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይዅን፡ በሎም።” ዮሓ 20፡19።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ቤት ማርያም ኣደ ማርቆስ ዮሃንስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብሚያዝያ 6 ሓሙስ ምሸት 30 . ሓቢሮም ከለዉ። ብዛዕባ ርኽክቡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ከመይ ከም ዝዀነ ክገልጸሎም ከሎ ከምዚ በሎም።

ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፣ ብሓላፍነትን ዋንነትን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ንኽትሕተም ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ሕጋዊ ፍቓድ ረኺባ። እዚ፣ ንኹለን ኃይማኖታት ዝውሃብ መሰል'ውን እዩ

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div