S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝኽሪ ፈቃር ኤሪትራዊ ኣቦ: ብዶ/ር ተስፉይ ገብረመድህን

ኤሪትራዊ ኣቦ እንዲኻ፡ ኣንታ ምዕሩግ ሰብኣይ

በዓልቲ ቤትካ ትብለካ፡ ዓይኒ ብርከይ

ደቅኻ ይብሉኻ፡ ተናፋቒ ኣቦይ

ኣሕዋትካ ይብሉኻ፡ ተፈታዊ ሓወይ

ኣዝማድካ ይብሉኻ፡ ሓወቦይ ኣኮይ

ገሊኦም'ውን ይብሉኻ፡ ዝኸበርካ ኣያይ

መሓዙትካ ይብሉኻ፡ ሰናይ ዓርከይ

መሳርሕትኻ ይብሉኻ፡ ክቡር ብጻይ

ምስ ኩሉ ሰላም፡ ምቕሉል ሕያዋይ

ቀላዓለም ዘይብልካ፡ ብጀካ ሕራይ

መልሓስካ እርኑብ፡ ዘረባኻ ሰናይ

ለዋህ ኣቦ ኢኻ፡ ንናእሽቱ ኣላያይ

ሓላል ኣቦ ኢኻ፡ ንዓበይቲ ሓላያይ

ትህኪት ዘይትፈልጥ፡ ዘይትብል ንዳሕራይ

ተዋሂቡካ'ዩ፡ እቲ ጥዑም ጠባይ

ከማኻ ፈቃር ኣቦ፡ የለን ኣብ ትሕቲ ሰማይ።

 

ኳዕናን ሰብኣይ'ዶ ክንብለካ፡ ግሩም ኣቦ ኣንታ

ኣይተረኽበን ንዓኻ ዝገልጽ፡ እኹል ሓበረታ

ዘየጠራጥር'ዩ፡ ከምዝኾንካ ሓየት ጎይታ

ዘየማትእ'ዩ፡ እንተበልናካ ሃብታም ዲታ

ግዜ ኣርኪቡ፡ እንተኣሎኻ ኣብ ዕድመ ጥሮታ

ብምርኩስ ዋላ ሰለይ እንተበልካ ካብ ቦታ ናብ ቦታ

ኣብ ገዛኻ መሊኡ ኣሎ፡ ገንዘብ ብሎቖታ

ገሊኡ ኣብ ባሊጃ፡ ገሊኡ ፈሲሱ ኣብ ባይታ

ቁርስኻ ይዳሎወልካ፡ እንቋቁሖ ፍሪታታ

ምሳሕካ ይቕረበልካ፡ እቲ ጥዑም ፓስታ

ድራርካ ትበልዕ፡ ጥብሲ ሳላጣ ምስ ፍሩታ

ኣብ ርሻን ትቅመጥ፡ ንሓመዱ ኢኻ ኮታ

ኣብ ገዛኻ ይግበር፡ ቀዳመ ሰንበት  ፌስታ

ዘዛውረካ ኣለካ፡ ዋጋ ዘኽፍል ኣውቲስታ

ኣብ ደገ ትናፈስ፡ ጸሓይ ኣብ ዘላታ

ዓለም ወኒንካያ፡ ከየትረፍካ ኩላ ብምልእታ

ኣብ ኩሉ ትርከብ፡ ኣብ ሓዘን ኣብ ደስታ:

ኣለኹ ትብል፡ ኣብ ጸገም ኣብ ጸወታ

ዕላልካን ምኽርኻን፡ መሳጢ ዘለዎ ባህታ

ዓቢ እምባ ኢኻ፡ ናይ ደቂ ሰባት ዋልታ

ሓወልቲ ናይ ስድራ፡ በዓል ሰፊሕ ዛንታ

መን ኣሎ ከማኻ፡ ዋላ ዘይብልካ መሰታ

ዝናኻ ተራፊ'ዩ፡ ንዘለኣለም መዘከርታ::

 

ኣዋልድ ሃገርና ተኣኪበን፡ ብኣኻ ክዝምራ

ኣቦና ጅግና እንዳበላ፡ ኩለን ብሓበራ 

ጅግና ደቀምሓረ፡ ጅግና እምባሶይራ

ጅግና ዓረዛ፡ ጅግና ምድሪ ወዲ ሰበራ

ጅግና ከረን፡ ጅግና መንደፈራ

ጅግና ቀይሕ ባሕሪ፡ ጅግና ቃሩራ

ጅግና ተሰነይ፡ ጅግና ምራራ

ጅግና ባረንቱ፡ ጅግና ጎበዝ ናራ

ጅግና ሓማሴን፡ ጅግና ኣስመራ

ጅግና ኣፍዓበት፡ ጅግና ዓሰብ ኣውራ

ጅግንነትካ ኣመስኪርካ፡ ኢኻ ኣብ እዋን ሰውራ፡

ኩሉ ዘምሕረልካ፡ ዋላ እንተገበርካ ሽራራ

ምስኡ ኣሰኒኻ፡ እንተ ዓተርካ ጭማራ

ንኣቦ ተባሂላ ኢያ፡ እዛ ዓለም ተፈጢራ

ኣብ ጎቦ ተተኺላ፡ ጅግና ኣቦ ዝተጻሕፋ ባንደራ

ሓቀን እየን ኣዴታት፡ ጅግና ኣቦ'ለን ክጭፍራ

ጅግና ኣቦ ኢኻ፡ ሓበን ናይ ኤርትራ::

 

ሞያኻ ክንዝርዝር ኣቦ፡ ሓደ በብሓደ

ጽላል ናይ መንእሰይ ኢኻ፡ ነንዝተወልደ

ንተመሃራይ ተተባብዕ፡ ናብ ትምህርቲ ንዝኸደ

ኮርዒዳ ትብል፡ ብልጫ ንዝወሰደ

ኣጆኻ ትብል፡ ኣብ ፈለማ ሓዳር ንዝተጸመደ

ኣገናዕ ትብል፡ ኣብ ስራሕ ተዓዊቱ ንዝተናእደ

ኮፍ ኣቢልካ ትመክር፡ ከም ገለ ንዝሓንገደ

ትንእድ ትመክር፡ ካብ ሕማቅ ኣበር ንዝተኣበደ

ዓገብ'ባ ግደፍ'ባ ትብል፡ መስተ ንዝለመደ

ገኒሕካ ትመክር፡ ኣብ ዳንከራ ንዝዓበደ

ትሕግዝ ተባራትዕ፡ ኣብ ስደት ንዝሰንበደ

ከማኻ ኣቦ የለን፡ ዝፍጽም እቲ ናቱ ግደ

ክብሪ ይኹና! ንዓኻ ጅግና ንዝወለደት ኣደ

ይመስገን ፈጣሪ፡ መዓልቲ ኣቦታት ከነኽብር ንዝፈቀደ::

 

ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን፡

13 ሰነ 2026

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div