S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝኽሪ ክብርቲ ኣደ፡ ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን፡

ክንዝክርዶ ክንትርኽ ክንዝቲ፡

ብዛዕባ ኣደ እታ ለባም ሰበይቲ፡

ኽፋእ ዘይብላ ቅንጣብ ሓንቲ፡

ጽያፍ ዘይወጻ ሓላል ብርኽቲ፡

ገዛኣ ዝመጸ ዋላ ፍርቂ ለይቲ፡

ተሲኣ ትምግቦ ሙቁር ሕብስቲ፡

ፍትፍት ቂጫ ካብ ድስቲ፡

እንተጸማእካ ጓጉድ ጸባ ተስቲ፡

እንተዓረቕካ ትህበካ ክዳውንቲ፡

እንተ ፋሕሸኻ ትለኽየካ ዘይቲ፡

ኣደ'ያ ኣብዚ ቤት ትኹን ኣብቲ፡

ዘመድ ናይ ኩሉ ለዋህ ሕያወይቲ፡

ሰናይ ኣደ ዘይብላ መወዳድርቲ።

 

ክብርቲ ኣዴና ክንብለኪ ዓው ኢልና፡

ለባም እንተበልናኪ መዓስ ተጋጊና፡

ረዛን እንተበልናኪ መዓስ ሓሲና፡

ሚዛን እንተበልናኪ ኣስተውዒልና እንዲና፡

ለጋስ እንተበልናኪ ኣስተብሂልና እንዲና፡

ዋዕሮ እንተበልናኪ ተረዲእና እንዲና፡

ኩሉ ዘፍቅረኪ ዝዓበና ዝነኣስና፡

ኣደ እንተዘይ ሃሊኺ ጸልማት'ዩ ገዛና፡

ኣደ ኢኺ ዓንዲ ሕቖ ናይ ስድራ ቤትና፡

ቀሲና ንነብር ፈቃር ኣደ ረኺብና፡

ተመስገን ፈጣሪ ብርኽቲ ኣደ ዝሃብካና።

 

በዓል ቤትኪ ይብለኪ ብርሃን ዓይነይ፡

ደቅኺ ይብሉኺ  ተፈታዊት ኣደይ፡

ኣሕዋትኪ ይብሉኺ ተናፋቒት ሓብተይ፡

ኣቦታት ውን ይብሉኺ ፍቕርቲ ጓለይ፡

ገሌታትና ንብለኪ ኣሞይ ሓትነይ፡

ገለኤታትና ኸኣ ንብለኪ ኣብሻይ ሳንዳይ፡

እምቢ ዘይትፈልጢ ብዘካ ሕራይ፡

ሕርኽራኽ ዘይብልኪ ከም ጽሩይ ማይ፡

ክርዳድ እንተሃቡኺ ትህብዮም ስርናይ፡

ብፍሕሹው ገጽኪ ትቕበሊ ንገያሻይ፡

ፈተውቲ ደኣ እምበር ዘይብልኪ ኣባይ፡

ሂወትኪ ትውፍዪ ኣብ ቆልዑ ምዕባይ፡

ለውሃትኪ ዘይተርፍ ንዓበይቲ ምሕላይ፡

ርህራሄኺ ዘይፍለ  ንሕሙማት ምእላይ፡

ንኹሉ ትሓቑፊ እንዳበልኪ መዓረይ ናተይ፡

ካብ ወለድኺ ዝወረስክዮ እቲ ጥዑም ጠባይ።

 

ኣደ ኢያ እታ ፍልይቲ ፍጥረት፡

ኣደ ኢያ ንደቂ ሰባት ዝወለደት፡

ኣደ ኢያ እታ ንኢየሱስ ዘዕበየት፡

ኣደ ኢያ ጠርናፊት ስድራ ቤት፡

 ኣደ ኢያ እታ ዘይብላ ጉድለት፡

ኣለኹ'ያ ትብል ኣብ ዝኾነ ዕለት፡

ንጸገማት ብትዕግስቲ ዝመከተት፡ 

ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ኣደ'ያ ሰረት፡

ኣደ ዘይብላ ቤት ከንቱ'ዩ ሂወት፡

 መምዘኒ ዘይብሉ እቲ ናታ ዓወት፡

ኣምላኽ ይዓድላ እቲ ዝለዓለ ክብረት፡

ክብርን ሞገስን ይዕሰል ኣብ ዝኸበራ ኣዴታት።

 

 

ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን፡

10 ግንቦት 2026

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div