ክቕድሱ ከለዉ፡ በቲ ጐይታና የሱስ ይዛረበሉ ኔሩ’ዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ቋንቋ ኣራማይስጥ (ናይ ሎሚ ሲራይክ) እዮም ዝቕድሱ፡ ወግዓዊ መጸውዒ ስሞም “ኣግናጤዎስ ዘካ ቀዳማዊ” ዝብል ክኸውን ከሎ፡ ወግዓዊ መዓርገ ስልጣኖም ድማ፡ “ፓትርያርክ ዘ ኣንጾክያን ናይ መላእ ምብራቕን” ዝብል ነበረ።

“ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለዉዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል’ዩ’ሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ኬርእዩ፡ ንወለዶም’ውን ውሬታ ኺመልሱ ይመሃሩ። .....ሓደ’ኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሓልይ እንተ’ሎ፡ እምነት ዝኸሓደ፡ ካብ’ቲ ዘይኣምን’ውን ዝገደደ’ዩ።”1ጢሞ 5፡4,8
መበል 11 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ንዕለት 30 ሓምለ -2 ነሓሰ (30 July-August 2) 2009 ዓ.ም ኣብ ቤተ ክርስትያን መድኃኔ ዓለም ዋሺንግቶን ዲሲ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።
ክርስቶስ ናይቲ ዝመጽእ ሕይወት ተስፋና እዩ
ንተስፋ ህይወትና ካብ ክርስቶስ ፈሊና ክንርዮ ኣይንኽእልን፡ ምኽንያቱ ክርስቶስ በይኑ ትንሣኤን ህይወትን ስለ ዝዀነ (ዮሃ፡ 11፡25)። ንሱ ሎሚ ንነፍስና ትንሣኤ
ናብ ኩሎም ምእመናንን ህዝበ ክርስቲያንን
ብመጀመርያ ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትኩም ይኹን እናበልና፤ እንቛዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ ብሰላምን ደሓንን ኣብጽሓና፤ ሓድሽ ዓመት፡ ዓመተ-ራህዋ፡ ሰላምን ጥዕናን ኪገብረልና ኸኣ ናብ ኣምላኽና ንልምን።
ኣባ ዲዮስቆሮስ ብዝወረዶም ወቕዒ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም ኣብ ካርቱም ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ ለውጢ ስለዘየርኣዩ ብህጹጽ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም። ብፁዕ ኣቡን ዲዮስቆሮስ፥ ዝርኣይዎ ዝዛረቡ: ብግርህነቶም ዝልለዩ ሰብ እዮም። እንተኾነ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ከም ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ፥ ኣባ ሉቃስ: ቀሺ ሃብቶም ርእሶም: ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይን ዝበሉ ሰባት ንግርህነት ናይዞም ሽማግለ ኣቦ መዝሚዞም ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሓደጋን ተነጽሎን ኣውዲቖማ እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ህልው ኩነት ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ካብ ኩነት ሃገርና ብዘይፍለ መልክዑ ኣብ ኣሰካፊ ህሞት ይርከብ።
“ስለ ስሙ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ምእዛዝ እምነት ክንተክል ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን ተቐበልና።” ሮሜ 1፡5። እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና፡ ካብ’ቲ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተመደበ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ዝተወስደ’ዩ። ኣብ’ዚ ጥቕሲ’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ተልእኾ ሃዋርያነቱን፡ ብዛዕባ’ቲ ተልእኾኡ ንምፍጻም ኪሕግዞ ዝተዋህቦ ሓይሊ ጸጋን’ዩ ዚገልጽ ዘሎ። ጐይታ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ እምነት ኪተክል’ዩ ዝመጸ። ናይ ምድሪ ተልእኾኡ ፈጺሙ ናብ ሰማይ ዚምለሰሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ ድማ፡ ንሃዋርያቱ እዚ ተልእኾ’ዚ ሂብዎም ከደ። ካብ’ቲ ዘመን’ቲ ጀሚሩ እቶም ኣብ መንበር-ሃዋርያት ዝተቐመጡ ዅላቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ተልእኾ’ዚ’ዮም ዚርከቡ። ነቲ ማዕርግ ናይ ኣገልግሎት ተቐቢሉ ኼብቅዕ፡ እምነት ጥራሕ ዘይኰነ ምእዛዝ እምነት ኣብ ምትካል ዘይተዓወተ ኣገልጋልን መራሕን ናይ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ተልእኾን ዕላማን ዚዕንቅፍ “ኣገልጋሊ”’ዩ ዚኸውን።
እዚ ዓንቀጽ እዚ ምስቲ ዝሓለፈ ዓንቀጽ ዓሰርተው ሓደ፡ ብሓደ ተታሓሒዙ ክንበብ ክኽእል ምእንቲ፡ "ብትንሳኤ ሙውታን ተስፋ ንገብር ነቲ ዚመጽእ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንጽበ፥ ኣሜን ተባሂሉ ክንበብ ይግባእ
ክቡር በዓል መስቀል፡ ብብዝሒ ምእመናን ተዓጂቡ፡ ብኣገልገልቲ ካህናትን ዲያቆናትን፡ መዘምራን መንእሰያትን ዓበይትን ተሰንዩ ኣዝዩ ብዘሕጉስ ድምቀት ተከቢሩ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ