S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ልባዊ ምኽርታት ኣብ ጉዕዞ ሂወት ደቂ ሰባት: ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ኣብ ሃገርና፡ ኣብ እዋን ፈለማ መግዛእቲ ጥልያን፡ ተዓገስ ዝተባህለ ህርኩት ሰብኣይ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ህድኣት ምስ ወለዱ ኣብ ርሑቕ ገጠር ዓዱ ገዲፉ ነዊሕ መገዲ ብእግሩ ተጓዒዙ ናብ ኣስመራ ስራሕ ከናዲ ይመጽእ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ኣብ ሓደ ትካል ቤት-ሕብስቲ ተቖጺሩ ስራሕ ይጅምር። ንነዊሕ ዓመታት ኣብቲ ትካል እንዳ ተቐመጠ ይሰርሕ ነበረ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ነቲ ሓላፊኡ ናብ ዓደይ፡ ናብ በዓልቲ ቤተይ፡ ክኸይድ ስለዝደለኹ ሕሳበይ ሂብካ ኣፋንወኒ ይብሎ። እቲ ሓላፊኡ ከኣ ደሞዙ ሂቡ ሰለስተ ኣገደስቲ ኣባታዊ  ምኽርታት የስንቖ።

እታ ቀዳመይቲ ምኽሪ ብትፈልጦ መገዲ እምበር ብዘይ ትፈልጦ መገዲ ኣይትኺድ ኢያ። እታ ኻልኤቲ ምኽሩ ዘምጽኣካ ጉዳይ እምበር ዘየምጽኣካ ጉዳይ ኣይትግበር ኢያ። እታ ሳልሰይቲ ምኽሩ ከኣ ተቓላጢፍካ ሓጺር ስጉምቲ ኣይትውሰድ ኢያ። እዘን ሰለስተ ምኽርታት ምስ ለገሰሉ፡ ተዓገስ ምስጉን ሰራሕተኛ ስለዝነበረ፡ እቲ ሓላፊኡ ሓንቲ ዝተዓሸገት ፖስጣ ኣብ ዓድኻ ምስ ኣተኻ ከፊትካ እቲ ትሕዝቶ ንኽብርቲ በዓልቲ ቤትካ ሃበለይ ኢሉ ብሰላም የፋንዎ።

ተዓገስ ንዓዱ ኣብ ዝተጓዓዘሉ እዋን ብኣጋጣሚ ካልኦት ሰባት በብመንገዶም ምስኡ ሓቢሮም ዝጓዓዙ ይረክብ። ኣብ ግዜ ጉዕዞኦም እቶም ሰባት በዚኣ ኣቛራጭ መገዲ ኣላ'ሞ ብኣኣ ንኺድ ይብሉ። ተዓገስ ግን እታ ቀዳመይቲ ናይ ሓላፊኡ ምኽሪ ይዝክር። ኣነስ በታ ዝፈልጣ መገዲ እየ ዝኸይድ ኢሉ ካብኣቶም ተፈልዩ መገዱ ቀጸለ። እቶም ካልኦት ሰባት በታ ኣቛራጭ ዝበልዋ መገዲ ነዊሕ ከይከዱ ሸፋቱ ይረኽብዎም'ሞ ንብረቶም ዘሪፎም ንዓታቶም ገሪፎም ኣፋነውዎም ይብሃል። ተዓገስ ከኣ ነዊሕ ግዕዞ ምስ ከደ ስለዝመሰዮ ኣብ ሓንቲ ቁሸት ተኣልዩ ኣብ ወሰን መገዲ ትርከብ ህድሞ ንሰብ-ገዛ ኣብዛ ገበላ ህድሞኹም ኣሕድሩኒ ኢሉ ይሓትት። እቶም ሰብ ገዛ ኣብታ ገበላ ክሓድር ይፈቕድሉ። ኣብቲ ጎኒ ናይቲ ህድሞ ሓያሎ መቓብር ይርኢ። ንግሆ ንሰብ-ገዛ ኣመስጊኑ ክብገስ ከሎ ግርህ ኢሉ ብዛዕባ እቲ መቓብር ኣይሓተተን ኣይተዛረበን። እቶም ሰብ ገዛ ዘየምጽኣካ ጉዳይ ገርካ ወይ ተዛሪብካ እንተትኸውን ከምዞም ትርእዮም ዘሎኻ ኣብ መቓብር ዝሰፈሩ ንስኻ ውን ከምኣቶም ኣብ ትሕቲ መሬት ምሰፈርካ ነርካ፡ ግን ዘምጽኣካ ጉዳይ ጥራይ ስለዝገብርካ ብሰላም ኪድ ኢሎም ስንቂ ሂቦም ኣፋነውዎ። እታ ካልኣይቲ ናይ ሓላፊኡ ምኽሪ ካብ ሓደጋ ከምዘውጽኣቶ ተረድአ። ተዓገስ ብሰላም መገዱ ቀጺሉ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ኣብታ ዝናፈቓ ገጠር ዓዱ ኣተወ።

ኣብታ ዝዓበየላን ዝተመርዓወላን ናይ ወለዱ ህድሞ ምስ ኣተወ ወትሩ ብሃንቀውታ ትጽበዮ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ህደኣት ይረኽባ። ዕልል ተባሂሉ ንህድኣት ሓቑፉ ይስዕማ። ድሕሪ ቁሩብ ዕላልን ጸወታን ኣቡኡን ኣዲኡን ብሞት ከምተፈልዩ ህድኣት ትነግሮ። ናይ ጓል ኣንስተይቲ ተጻዋርነትን እምነትን  ኣብነት ዝኾነት ህድኣት ከኣ ንነዊሕ ዓመታት ቃል ኪዳና ኣኽቢራ ብተስፋ ትጽበዮ ከምዝነበረት ይርዳእ። ኣብቲ ገዛ ኮፍ ኢሎም ቡን እንዳሰተዩ ከለዉ፡ ሓደ ጎበዝ መንእሰይ ካብ ደገ ናብቲ ቤት ይኣቱ። ንህድኣት ሓቑፉ ኣብ ክልተ ምዕጉርታ ደጋጊሙ ይስዕማ። ተዓገስ እዚ ኩሉ ክርኢ ከሎ ብልቡ እዛ ሰበይቲሲ እዚ ጎበዝ መንእሰይ ብድሕረይ ካብ ካልእ ሰብኣይ ዝወለደቶ ደኾን ኮይኑ፡ ኣንታ ኣምላኽ እንታይ ከተስምዓኒ ኢኻ ኢሉ ክሓስብ ይጅምር። ግን እታ ሳልሰይቲ ናይ ሓለፊኡ ምኽሪ ዘኪሩ ዝኾነ ነገር ሃንደፍ ኢሉ ኣይተዛረበን። ህድኣት ንተዓገስ ካባና ክትፍለ ከሎኻ ጥንሲ ከሎኒ ኢኻ ከድካ። ስለዚ ብድሕረኻ ዝተወልደ እዚ ጎበዝ መንእሰይ ፍቓዱ ወድኻ ኢዩ ኢላ ተበስሮ። ህድኣት ኣስዕብ ኣቢላ ንውላዳ ፍቓዱ፡ እዚ እንሆ ኣቦኻ ኢዩ ኢላ ተፋልጦ። ኣቦን ወድን ብታሕጓስ ብድድ ኢሎም ተሓቋቑፎም ተሰዓዓሙ። ተዓገስ እንዳነብዐ ንበዓልቲ ቤቱ ህድኣት'ውን ሓቑፉ ሰዓማ። ኣብቲ ገዛ ወሰን ዘይብሉ ደስታን ሓጎስን መሊኡ ነበረ። ተዓገስ እታ ዝተዓሸገት ፖስጣ ኣምጺኡ ከፊቱ እቲ ትሕዝቶ ካብ ሓላፊኡ ሃባ ተባሂለ ናይ ገንዘብ ሂያብ ኢያ ኢሉ  ንህድኣት ይህባ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ዕላልን ዕረፍትን፡ ተዓገስ ናብ ዕዳጋ ከብቲ ከይዱ በቲ ንነዊሕ እዋን እንዳ ሰርሔ ዘዋህለሎ ገንዘብ ገይሩ ክልተ ኣቡዕርን (ሓደ ጽምዲ)፡ ሓንቲ ንጸባ ትሕለብ ላሕምን፡ ሓንቲ ንጽዕነት ተገልግል ኣድግን፡ ገዚኡ ኣብታ ዓዱ መሬቱ እንዳሓረሰ ምስታ ዘፍቅራ እምንቲ በዓልቲ  ቤቱ ህድኣትን ዝፈትዎም ደቁን ብሰላም ይነብር ነበረ።

እዘን ሰለስተ ምኽርታት ተዓገስ ካብ ሓላፊኡ ዝረኸበን ንኹላትና ደቂ ሰባት ኣብ ጉዕዞ  ሂወትና ኣገደስቲ ምኽርታት ኢየን። ሰለስቲኤን ምኽርታት ነንሕድሕደን ይዛመዳን ይጻላለዋን ኢየን። ከምቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኣቐዲምና ኣብ ሰብ ሓዳር ዝተዓዘብናዮ ትዕግስትን ተጻዋርነት፡ እምነትን ጽንዓትን፡ ፍቕርን ሓልዮትን፡ ከምኡ ከኣ ካብዘን ሰለስተ ልባዊ ምኽርታት ኣብ ሕድሕድና እንታይ ንመሃር ኢልና ቀጺልና ንፈትሽ።

እታ ቀዳመይቲ ምኽሪ ብትፈልጦ መገዲ እምበር ብዘይትፈልጦ መገዲ ኣይትኺድ ማለት መገዲ ጥዕና ዓመት ኪዶ ከም ማለት ኢዩ። ብኻልእ ኣመላኽታ እኹልን ንጽሩን ሓበሬታ ዘይብልካ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ኩንነታት ሃንደፍደፍ  ኢልካ ቀልጢፍካ ኣይትፍረድ ከምኡ'ውን ዝኾነ ነገር ሃነፍነፍ ኢልካ ኣይትግበር ማለት ኢዩ። 

እታ ካልኤቲ ምኽሪ ዘምጽኣካ ጉዳይ እምበር ዘየምጽኣካ ጉዳይ ኣይትግበር ማለት ኣብ ዘይመንጠቢትካ ኣይተእትዋ ኢድካ ከም ማለት ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ኣብ ዘይምልከተካ ጉዳይ ጠብሎቕሎቕ ወጠምጠም ቀንጠብጠብ ኣይትበል ማለት ኢዩ።

እታ ሳልሰይቲ ምኽሪ ከኣ ተቓላጢፍካ ሓጺር ስጉምቲ ኣይትውሰድ ማለት ከምቲ ህውኽ ዝብኢ ቀርኒ ላም ዝነክስ ኣይትኹን ከም ማለት ኢዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ህድእ ከይበልካ: ወሽለኽለኽ፡ ወልከፍከፍ፡  ወልደፍደፍ፡ ከይበልካ፡ ብትዕግስቲ ረጋእ ኢልካ፡ ኣስተብሂልካ፡ ኣስተንቲንካ፡ እምበር ብትምክሕቲ እፈልጦ እየ ኢልካ ንዝኾነ ጉዳይ ቀልጢፍካ ስጉምቲ ምውሳድ ኣብ ዘይተደልየ ጸገም ጥራይ ዘእቱ ማለት ኢዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ገለ ገለ እዋናት ኣብ ናይ ሕድሕድና ዝምድና ኣፍልጦ ኣብ ዘይብልና ገለ ገለ  ኩነታት ምስ ዘጋጥሙና ብታህዋኽ ሃልከፍከፍ፡ ሃተፍተፍ፡ ሃለፍለፍ ኢልና ንደቂ ሰባት ካብ ምዝላፍን፡ ምልካፍን፡ ምጽራፍን፡ ኣፍናን ኢድናን እግርንናን ምእካብ የኽብረና እምበር ኣየሕስረናን ኢዩ።

ስለዚ ንሕና ደቂ ሰባት ከይሃውተትና ብንፈልጦ ቅኑዕ መገዲ ሂወት ክንከይድ፡ ከይሓልከስና ዝምልከተና ጉዳይ ጥራይ ክንገብር፡ ከይተሃወኽና ንዝኾነ ነገር ኣስተውዒልና፡ ሓሲብና፡ ተረዲእና፡ ክንገብር ኣምላኽ ይርድእና።

ብተወሳኺ ብሓደ ወገን መለበሚ ከይኮና በቲ ካልእ ወገን ከኣ መለበሚ ከይሰኣንና መገዲ ሂወትና ከነቕንዕ ከምኡ'ውን ናይ ወለድና ልባዊ ምኽርታት ኣተግበርቲ ኮይንና ንተካእቲ ወሎዶ ከነውርስ ናይ ልዑል ኣምላኽና ረዲኤቱን ጸጋ በረኸቱን ኣይፈለየና።

 

ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ጥቅምቲ 2026

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div