ክቡር ሞቱ ለጻድቅ በቅድመ-እግዚኣብሔር! ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ (ዳዊት 116:15) ።
ዜና ዕረፍቲ መምህር ትሕትናን ትዕግሥትን መምህር ተስፋን ለውሃትን ኣቦና ዘውገ ምሁራን መሪጌታ ይትባረክ በርሀ ምስ ሰማዕኩ ሞት መሪር ስለዝኾነ ብጣዕሚ ስንባደን ዓሚቕ ሓዘንን ተሰሚዑኒ፥
ግናኸ ነቲ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ዮሃንስ 5:24 ''ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ዝብል ክርስቶሳዊ ቃል ዘኪረ በል ፍቓድካ ይኹን ጎይታ ኢለ ሃዲአ።
ምኽንያቱ ነቲ ጻድቃን እለ ኣስመርዎ ለእግዚኦሙ፥ ምድረ ብርህተ ወጽዕዱተ ይወርሱ! (እቶም ንእግዚኣብሔር ዘስመርዎ ጻድቃን፥ ብርሃንን ንጽህናን ዝመልኣት መንግሥተ-ሰማያት ይወርሱ! ዝብል ዝማሬ ሊቃውንት ዘኪርና ክንጸናናዕ ሠናይ እዩ።
ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበኸ ከም ዝበሃል እቶም ክቡራትን ድሙቓትን ከዋኽብቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና በብሓደ ይግዕዙ ኣለዉ። ገለ ንምዝካር 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም፥ መምህር የነታ ዕዝራ፥ መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ ሞባእ፥ መምህር ዓምደብርሃን ገብረማርያም፥ መምህር ኣባ ተወልደብርሃን ዓንደመስቀል ወቦዘተረፈ........ እዚኦምን ካልኦትን፥ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ምኽሮም ደሊናን ትምህርቶም ብሂግናን ክንረኽቦም ከም ዘይንኽእል ንኹልና ብሩህ እዩ።
እቲ ኣብ ምድራዊ ጉዕዞ ሕይወቶም ዝሓለፍዎ ከቢድ ሕልኽላኻትን ዘርዚርካ ዘይውዳእ ፈተና ዓለምን፥ ከም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ''መኑ ያኀድገነ ፍቅሮ ለክርስቶስ! (ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ? ሮሜ 8፥35) ኢሎም ጸርፍን ውርደትን ግፍዕን ማእሰርትን ሓሳርን ስደትን ተጻዊሮም፥ ብተስፋን እምነትን ኣርምሞን ትዕግሥትን ናብ ዓዲ ኩልና ግዒዞም ኣለዉ።
እቲ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዝርንዝሕ ዘንብዕን ከኣ እዚ ኹሉ ዓመታት ዝወረዶም ግፍዕን ዘሕለፍዎ ሓሳረ መከራን ብውዲት ሰይጣን፥ በቶም ኣኅዋቶምን (መገላግልቶም) ኣብ ውሽጢ እታ ዝዓበዩላ ቤተ ክርስቲያንን ብምዃኑ ብሓቂ ዘስደምም እዩ።ንሳቶም በቲ ኣምላኽ ኣብ ልቦም ዘቐመጦ መንፈሳዊ ቅንእን ዝዓደሎም ሰፊሕ ጸጋ ኣእምሮን ንትንሣኤ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ረብሓ ህዝብን ብዘይ ዕረፍቲ ለይትን መዓልትን ክጽሕፉ፥ ክመኽሩ፥ ክጽዕሩን ከመሓድሩን ከለዉ፥ ኣብ ክንዲ ኣጆኹም ኢልካ ምትብባዕን ምሕጋዝን ( መመኽሊትካ ምሽራፍን) ካብ ቅንእን ጽበተ-ኣእምሮን ተበጊስካ ንዕዮኦም ምዕንቃፍ፥ ንሞያኦምን ኣበርክትኦምን ምንእኣስ፥ ምስጓግ፥ ምጽላም፥ ምስዳድን ኣብ ማእሰርቲ ክበልዩ ንመንግሥቲ ኣሕሊፍካ ምሃብን እዮም ተፈድዮም።
ስለ ምንታይ እዩ ግና ከምዚ ዝኸውን? ከምዚ ንዕዘቦ ዘሎና፥ ፈቲና ጸሊእና ንሕናን መጻሕፍትናን ኣይተሳነናን ዘሎና፥ ብኣንጻሩ ከም ምዕራብን ምብራቕን ኢና ዘሎና። 1ይ ጴጥሮስ 2:21 ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። ይብለና፥ ንሕና ኸኣ ኣብ ክንዲ በቲ ጸቢብ መገዲ ሓቅን ጽድቅን ኣስኣሰር ክርስቶስ ምስዓብ፥ በቲ ድኹምን ድኻን ገፊሕ መገዲ ዓለም እንጎዓዝ ውሑዳት ኣይኮናን።
ከም በዓል የነታ ይትባረክ ዝበሉ ጽቡቅ ስምን ክቡር ዝናን ዝኽርን ዝሓዙ መንፈሳውያን ኣቦታት ግና ካብ ክብሪ ሰብን ዓለማዊ ረብሓን ሽመትን፥ ሰማያዊ ዓስብን ትእዛዝ ኣምላኽን ኣኽቢሮም፥ ብርሃን ዓለምን ጨው ምድርን ብምዃን ንብዙሓት ውሉደ-ክህነት ግሩም ኣርኣያን ኣብነትን ኮይኖም ምሂሮምን መኺሮምን ብዕረፍተ ስጋ ደቂሶም '' ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ። (2ይ ጢሞ 4፥7) ብምባል ሓዲጎምና ተፋንዮምና ኣለዉ።
ይቕጽል!
መዘከርታ ጻድቕ ንዘለአለም ይነብር። መዝ 112፥6
2ይ- ክፋል ''ሞት ዘበሥጋሰ ንዋም ዘለምዕር ዘተሠርዓ ለጻድቃን ወለኃጥኣን ‘’ ትርጉሙ ‘’ሞት ናይ ሥጋሲ ቅጽበታዊ ድቃስ እዩ። ንጻድቃንን ኃጥኣንን ድማ ብማዕረ ዝተሠርዐ እዩ’’ ይብል መጽሓፈ-ግንዘት። ስለዚ ሥጋዊ ሞት ዘይተርፍ ዕጫ ናይ ኵሉ ሕይወት ዘለዎ ፍጡር ወዲ-ኣዳም ስለዝኾነ ጊዜኡ ምስ በጽሐን ሰዓቱ ምስ ኣኸለን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብዛ ዓለም ብሞት ክጽዋዕ ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና።
እቲ ዘሕዝንን ክኸውን ዘይነበሮን ግና እቲ ኣብ ልዕሊ ዘውገ-ምሁራን የነታ ይትባረክ በርሀ፥ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኢና ብዝብሉ መሳርሕቶም ዝወርዶም ዝነበረ ተደጋጋሚ ጥልመትን ፈተና ማእሰርትን ንዕኦምን ስድርኦምን ብዙሕ ጎዲእዎም እዩ። ንመንፈሳዊ ዕብየት ቤተ ክርስቲያንናውን ዓንቂፍዎ እዩ።
ኣነ ንየነታ ይትባረክ ካብ 1994 ዓ/ ም/ፈ ኣብ ንኡስ ዕድመይ ገና ዲያቆን ከሎኹ እየ ክፈልጦም ዕድል ዝረኸብኹ። ብጣዕሚ ፈቃር፥ ምቕሉል፥ ዕጉሥ፥ መስተውዓልን በዓል ሠናይ ምኽርን ስለ ዝኾኑ ኩሉ ሥነ-ምግባሮምን ፍሱሕ ፍሽኽታ ገጾም ኣዝዩ እዩ ዝመስጠካ። ብ 1996 ፈ ዋና-ጸሓፊ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ዝነበርሉውን ኣብ ናይ ፍኖተ ብርሃን ሥልጠና ውሉደ-ክህነት ባሕረ-ሓሳብ ምሂሮምና እዮም።
ሽዑ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ቀዳማይ ፓትርያረክ ንምምራጽ 318 ዝኾኑ ኣቦታት ካብ ኩለን ኣሕጉረ ስብከታትን ገዳማትን ምድላዋት ትገብረሉ ዝነበረት እዋን እዩ። ይኹን እምበር ብውዲት ሰይጣን ኣብ ሞንጎ ኣምራጺት ኮሚቴ ምፍልላይን ምሥጢር ኣገባብ ምርጫ ምልሓኹን ስለ ዘጋጠመ፥ መራር ኢድ መንግሥቲ ኣብ ውሽጢ መንፈሳዊ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ኣትያ እቲ ምርጫ ንኻልእ ጊዜ ከም ዝተሰጋገረ ብልሳን ሬድዮ ንህዝቢ ሓበረት።
በዚ ምኽንያት ኣብ ሞንጎ ሰራሕተኛታት መንበረ-ጵጵስናን ብዙሓት ደቂ ተዋሕዶን ዘይምትእምማን፥ ምጉጅጃል፥ ህልኽን ዓለማዊ ወገንነት ተራእየ። ብዙሓት ለባማትውን ሓዘኑ።
ሽዑ ኸኣ እዩ ብገለ ጨካናት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ንዋና ጸሓፊ መሪጌታ ይትባረክ በርሀ ኣሕሊፎም ብምሃብ እሰሩልና ክብሉ ንደራጎን ሃይለመለኮት ሓላፊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ጥርዓኖም ዘቕረቡ። ዋና ጸሓፊ የነታ ይትባረክ ድማ ብዘይ ክስን ፍርድን ንዓመትን ሠለስተ ወርሕን ተኣሲሮም ተፍትሑ።
ብድሕሪ እዚውን ኣቦና መሪጌታ ይትባረክ ብልማኖ ብፁዓን ጳጳሳት ተተባቢዖም ንዝሓለፈ ስቓዮም ብምሕረትን ልቦናን ረሲዖም፥ ንካልኣይ ጊዜ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ምሕደራ መንበረ-ፓትርያረክ ብሓልፍነት ተመደቡ። ብዙሕ ንጥፈታት ዕብየትን ምምሕዳራዊ ተስፋታትን ተራእዩ።
ኣቦናን መምህርናን መሪጌታ ይትባረክ በርሀ ኣብ ዘመን ምሕደራ ኣገልግሎቶም፥ ይዕበ ይንኣስ፥ ሥነ- ሥርዓት ሓዘን ኮነ ሓጎስ፥ ኣብ ዓበይቲ ክብረ በዓላት፥ ኣብ ሲመተ ኤጲስ-ቆጶሳት ይኹን ሽመት ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት፥ ንስም ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብዘንእድ ምዕሩግ ኣገባብ ንኽሓልፉ፥ ድቃስ ለይትን ዕረፍቲ ቀትርን ብምስኣን ጽፉፍ መደባትን፥ ኣገደስቲ ጽሑፋትን ብምድላው መሪሕ ተራኦምን ሞያዊ ብቕዓቶምን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ብግብሪ ዘመስከሩ በዓል ሰፊሕ ራእይን ሃብታም ተሞክሮን ኣብነታዊ መራሒ እዮም ነይሮም።
ካብቲ ዘገርም ክቡርን እሩምን መንፈሳዊ ባሕርይኦም፥ ንዓይ ክጥዕመኒ ዘይብሉ፥ ካብ ስስዐን ክፍኣትን ብምርሓቕ ብተመስገንን ዝገበርኩ የብለይን ዝብል ትሕትና ዝመልኦ ቃል ወንጌል ብምስዓብ፥ ምስ ዓቢይን ንእሽቶን፥ ካህንን ዲያቆን፥ ጳጳሳትን ልኡኻት መንግስትን ብልዙብ ቃላት ዝረዳድኡ ብመገዲ የማን ዝጎዓዙ ሕፉር ገጽን ረዚን ልቦናን ዝተዓደሉ ብፀጋ-ጥበብ ዝተመልኡ መምህር እዮም። ንኣብነት ነታ ብዙሕ ድኻምን ሰፊሕ ምርምርን ኣካይዶም ዝጸሓፍዋ ታሪኽ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ትብል ቀዳመይቲ መጽሓፎም ቁሩብ ገንዘብ ጻማ-ድኻሞም ጥራይ ተቐቢሎም ናይ ምሕታም መሰል ዋንነትን ናይ ሽያጥ እቶትን ንረብሓ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክትውዕል እዮም ንጉባኤ ሲኖዶስ ኣረኪቦማ።
ብተወሳኺ ኣብ ምሉእ ኣሥመራ ናይ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ኣማሓደርቲ፥ ሰበኻ ጉባኤታት፥ ብውሉደ-ክህነትን ህዝብን ፍትውን ተደላይን መምህር፥ በዓል ድርብ ሞያን ክእለትን ሰብ ክንሶም ኣብ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ነጻ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ደኣ እምበር ስሩዕ ደሞዝ ይኹም ማሕድሮ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣሥመራ ኣይነበሮምን። በዚ ምኽንያት ንክብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ፍትዋት ደቆምን ምርቓን ፍቕሪ ሰብን እንተ ዘይኮይኑ ዝገደፉሎም ዝኾነ ዕቑር ሃብትን ንብረትን የብሎም፥ በጀካ በረኸት ኣምላኽ።
ካልእ ድማ ኣብቲ ብዙሓት ውሉደ-ክህነትን ሠራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክን ንወጻኢ ሃገራት ከይዶም ንህዝቢ ከገልግሉ ምእንቲ ረብሓኦም ብዙሕ ጸደፍደፍን ማእለያ ዘይብሉ ልማኖን ከቕርቡ ዝርኣይሉ ዝነበሩ እዋን ብዝያዳ ድሕሪ 2000 ፈ፥ የነታ ይትባረክ ግና ቅድሚ ሰብ ነይሮም ድሕሪ ሰብ እናተሰርዑ፥ ከም ወትሩ ትጉህን ፍሱሕን ሰራሕተኛ መንበረ- ፓትርያርክ ኮይኖም ንኹሎም በብእዋኑ ዝፋነዉ ንዝነበሩ ካህናት ይኹኑ መሪጌታታት ግቡእ ሞያዊ ምኽርን ኣባታዊ ማዕዳን እንዳሃቡ ንሰሜን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ዘፋነዉዎም ብዙሓት እዮም።
የነታ ይትባረክ ግና መገሻ ኣሜሪካን ኤውሮጳንስ ይትረፍ፥ ናብ ግብጺ ይኹን መገሻ ጉባኤ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ንኽሳተፉ ናብ ናይሮቢ ኬንያ እኳ ክጎዓዙ ይፍቀዶም ኣይነበረን። ብሃይማኖታዊ ጉዳያትን ሃገራዊ ድሕነትን ከኣ ኣብ ዕለታዊ ሥርሖምን ኩሉ ጉዕዞኦምን ጽኑዕ ምክትታል ይግበረሎም ነበረ።
ይቕጽል!
መዘከርታ ጻድቕ ንዘለአለም ይነብር። መዝ 112፥6
3ይ ክፋል፡- ኣብ መወዳእታ 2004 ዓ/ም/ፈ. ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ምስ ሕሱማት ኣማኸርቱ ( ቀሺ ሃብቶምን ርእሶም፣ ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይን ካልኦትን) ኮይኑ ዘዳለዎ ንሥልጣን ፓትርያርክ ዝድርት፥ ንዕኡ ከኣ ዋና ኣማሓዳሪ ብምዃን ወሰን ኣልቦ ሥልጣን ዘፍቅደሉ፥ ገባርን ሓዳግን ፈጻሚ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝገብሮ፥ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘይፈልጦ፥ ስኑዕ ሕጊ ኣጽደቐ። ናብ ኩለን ኣብያተ-ክርስቲያንውን ተቐላጢፉ ዘርግሖ። 3ይ ፓትርያርክ ድማ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ብተሳትፎ ኩሎም ደቂ ቤተ ክርስቲያን እምበር ብድሌት ውልቀ-ሰባት ኣይመሓይሽን ኢሎም ነታ ናይ ዮፍታሄ ሕጊ ብውግዘት ህዝቢ ከይጥቀላ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላለፉ። ከምቲ ሰይጣን ዝውሕጦ ደልዩ ኣብ ዙርያኹም ይጓዝም ኣሎ እሞ ንቕሑ! (1 ጴጥ 5፡8) ዝብለና ዲያብሎስ ከኣ ምስ መሣርሕቱ ኣፍ-ደገ ስለ ዝረኸቡ፥ ብማእሰርቲ ዝወሓጡ፥ ዝሳደዱን ዓዲ ዘውዕሉን ሰባት ካብ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን በብሓደ ክመርጽ ጀመረ።
ኣብቲ እዋን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ላዕለዎት ሊቃውንቲ ተዋሕዶ ን3ተ ምሁራን ኣቦታት ማለት፥ ንመሪጌታ ተወልደመድህን መንግሥቱ፥ ንመሪጌታ ይትባረክ በርሀን ንመሪጌታ ሠመረኣብ ወልደገብርኤልን፥ ብምምራጽ ኣብ ክፍልታቶም እናሰርሑ ብተወሳኺ ኣማኸርቲ ቅዱስ ፓትርያርክ ኮይኖም ክሠርሑ ናብ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ሓሳብ ኣቕሪቦም ስለ ዝተፈቕዶም፥ እዞም 3ተ ኣቦታት ንቅዱስ ፓትርያርክ ውሳኔ ኣብ ዘድልዮም ዓበይቲ ጉዳያት ከማኽርዎም ተመዲቦም ነበሩ። ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ከኣ ዓቕምን ሞያን ናይዞም 3ተ ሊቃውንቲ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጦ፥ በዚ ጉዳይ ኣይተሓጎሰን።
ዮፍታሄ ባዕሉ ኣብ ሓደ እዋን፥ ከም መሪጌታ ይትባረክ ክልተ ካልኦት ውፉያት ሓገዝቲ እንተ ንረክብ፥ ዕቤት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓጺር ጊዜ ካብቲ ብዙሓት ዝጽበይዎ ንላዕሊ ምኾነ፥ ክብል ዝስማዕ ዝነበረ፥ ብድሕሪ እዚ ግና ብርኡይ ኣድልዎን ጽልእን ን3ቲኦም ከሳድዶም ጀመረ። ንመሪጌታ ተወልደመድህን (ናይ ሕጊ ምሁር) ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ከይረግጹ፥ ቅዱስ ቁርባን ከይቅበሉ ደብዳቤ ተጻሕፎም። ንመሪጌታ ሠመረኣብ ክሳብ ሰዓቶም ዝኣክል ኣብ ቦትኦም ከም ሓላፊ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ ገደፎም። ብዝያዳ ንመሪጌታ ይትባረክ ግና ብዙሕ ገፍዖምን ምስራሕ ከልኦምን። ገለ ንምጥቃስ ካብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ምምሕዳር (ምኽትል ዮፍታሄ ዝነበርዎ) ኣልዒሉ ናብ ፍሉጥ መደብ ስራሕ ዘይብሉ ሓድሽ ክፍሊ ኣማኻሪ ጉዳይ ገዳማት ኢሉ ዓዲ ከም ዝውዕሉን ምስ ሰብ ከም ዘይራኸቡን ገበሮም።
ብድሕሪዚ መሪጌታ ይትባረክ ፍሉጥ መደብ ሥርሐይ እንታይ እዩ? ብንጹር ኣፍልጡኒ። ኣብዚ ሥራሕ መንበረ ፓትርያርክ ዘየድሊ እንተ ኮይነውን ብሰላም ኣፋንዉኒ። ካብዚ ብዝተረፈ ኣብ ቤት ጽሕፈት ብዘይ ሓደ-ፍረ ኮፍ ኢለ ውዒለ ደሞዝ ቤተ ክርስቲያን ክኽፈል ሕልናይ ኣይቅበሎን እዩ፥ ክብሉ ንዮፍታሄ ኣፍለጥዎ። ዮፍታሄ ድማ ንዕንወት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ሰብ ሞያ መምህራን ክብትንን ብመንግሥቲ ተመሪጹ ዝተላእከ ናይ ፖለቲካ ሰብ ስለ ዝኾነ፥ ምስቶም ክፉኣት ኣማኸርቱ ቀሺ ሃብቶምን ቀሺ ሳሙኤልን ከምኡውን ምስ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ኮይኖም ውዲት ኣለሙ። ንየነታ ይትባረክ ከኣ ካብ ከባቢ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ከርሕቕዎም ይጽዕሩ ብምንባሮም፥ ሓሳቦም ስለ ዝሠመረሎም፥ ሕራይ እምበኣር፥ ብገዛእ ፍቓደይ ካብ ሥራሕ ኣፋንዉኒ ዝብል ደብዳበ ጸሓፉልና በልዎም። መሪጌታ ከኣ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝእለም ዝነበረ ተንኮልን ሸርሕን ብግቡእ ይርድኦም ስለ ዝነበረ ካብ ሥራሕ ኣሰናብቱኒ ዝብል ደብዳቤ ሒዞም ናብ ቤት መዝገብ መጹኒ። ሽዑ ኣነ ባዕሎም ገፊዖም ምስራሕ ከሊኦምኹምስ ንምንታይ ብገዛእ ፍቓደይ ካብ ስራሕ ኣሰናብቱኒ ትብሉ? ንበዓል ዮፍታሄውን ተጸብቕሎም? ኢለ ሓተትክዎም። ንሶም ድማ ካብዚ ዘሎ ሁከትን ሕማቕ ህልኽን ተኣልየ ከዕርፍ እዩ ዝሕሸኒ በሉኒ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ብዘይ ምስጋናን ግቡእ ዓስብን ካብ መንበረ ፓትርያርክ ብ2005 ፈ ተፋነዉ።
ክቡርን እሙንን መሪጌታ ይትባረክ፥ ወላኳ ካብቲ ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ብሰብ እዋን ዝተኣጉደ ሁከትን ሻርነትን ርሒቐ ምዕራፍ ይሕሸኒ ኢሎም እንተ ወጹ፥ ኣብ ጽኑዕ ምክትታል ሃገራዊ ድሕነት ስለ ዝነበሩ ዕረፍቲ ኣይረኸቡን። ሓደ መዓልቲ ድማ ንስድርኦም ኣብዚ ቀረባ በጺሐ ክምለስ እየ! ኢሎም፥ ካብ ቤቶም ምስ ወጹ፥ በቶም ዝከታተልዎም ዝነብሩ ጨካናት ሸፋቱ ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብብርሃን ቀትሪ ካብ ገምገም ጽርግያ ተዓፊኖም ናብ ስዉር ቦታ ተሸርቡ። በዚ ምኽንያት ኣብ ምሉእ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ከቢድ ሻቕሎትን መሪር ሓዘንን ተፈጥረ። ይዝከረኒ ሽዑ ናብ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣጋ ምሸት ናብ ቤቶም ምስ ከድኩ፥ ብዙሕ ጉህዮምን ዝገብርዎ ጨኒቕዎምን ኣብ ጸሎት ጸንሑኒ። ነዚ ለባም ወድና (የነታ ይትባረክ) ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝረኸቦ መከራ ከይኣኽሎስ ሕጂ ኸኣ ባዕልና ለሚንና ኣምጺእና ዳግማይ ከምዚ ኢሉ ክጠፍእ? እንዳ በሉ ኣብ ከቢድ ትካዜ ነይሮም። ሽዑ እቲ ኣዝዩ ዘሻቕል ዝነበረ ከኣ ንመሪጌታ ይትባረክ ንምድላይ ስድራ ቤቶም ብዙሕ ጊዜ እንዳ ፖሊስ ከይዶም እንተ ሓተቱ፥ ኣብዚ የሎን! ዝኾነ ሓበሬታውን ኣይረኸብናን ኢሎም እዮም ዘፋንዉዎም ዝነብሩ።
ናይ መሪጌታ ይትባረክ መዋድቖን ወሳዲኦምን ከይተፈልጠ ድማ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ሓለፈ። ምሉእ ስድራ ቤቶም፥ ብንብዓትን እንታይ ረኺብዎ ይኸውን ዝብል ጭንቀትን ተዋሕጡ። ገለ ሰባት ከም በዓል ቀሺ ገብረመድህንን ቀሺ ዶ/ር ፍጹምን እዮም እሲሮሞም ዝኾኑ ይብሉ። ገለውን ቀቲለሞምዶ ኮይኖም ፖሊስ ኣይረአናን ዝብሉ ዝብል ከቢድ ፍርሒ ዘሕደሩ ነበሩ። ሰብ ኣጥፊእካ ድቃስ ዘለ ዘየሎ፥ ሓደ መዓልቲ ክብርቲ በዓልቲ ቤቶም ናብታ ብዙሕ ጊዜ ዝተመላለሳላ እንዳ ፖሊስ ካርሸሊ ምስ ከዳ ኣብዚ ምሳና ኣሎ ከይበሉ፥ ክዳንን ኣንሶላን ኣምጽእሉ በልወን። ደሃይ የነታ ይትባረክ ተረኽበ። ብሕይወት ከም ዘለዉውን ተፈልጠ። ስድራ ቤት ንብዓቶም ደረዙ፥ ተመስገን ኣምላኽ ተሰምዐ፥ ብዙሕ ሰብውን ሻቕሎቱ ኣራገፈ። ኣምላኽ ከርህዎ እዩ! ተባሂሉ ድማ ገለ ተስፋ-ሓጎስ ተረኽበ። ሎሚዶ ጽባሕ ይወጹ፥ እንዳ ተባህለ ከኣ ማእሰርቲ የነታ ይትባረክ ንልዕሊ 13 ዓመታት ቀጸለ። ኣብ መወዳእታ 2017 ካብ ማእሰርቲ ምስ ተፈትሑውን ኣብ ኣሥመራ ምንባር ስለ ዘይጠዓሞም፥ ኣብ እዋን ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ናብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ስደት ኣምርሑ። ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም 24 ሓምለ 2026 ዓ/ም/ፈ ድማ ኣብኡ ነበሩ።
ይትባረክ ማለት ይባረኽ! ብሩኽ ይኹን! ይኽበር፥ ይመስገን ዝብል ትርጉም እዩ ዘለዎ። ከምቲ እስመ ስሙ ይመርሕ ኀበ ግብሩ! ስም ይመርሕ፥ ጥዋፍ የብርህ! ዝብል ምስላ ዘሎ፥ ክቡር ኣቦናን መምህርናን መሪጌታ ይትባርኽ፥ ብኣምላኽ ስለ ዝተባረኹ፥ ንዓና ንብዙሓት ውሉደ-ክህነትን ህዝብንውን፥ ብግብርን ቃልን ጽቡቕ ኣርኣያ ብምዃን፥ ኣብ ጊዜ ራህዋን ጸበባን፥ ኣብ ጊዜ ሓጎስን ሓዘንን፥ ኣብ እዋን ማእሰርትን ስደትን ከየማረሩን ተስፋ ከይቆረጹን ህያው ታሪኽ ሠሪሖምን ሃብታም ቅርሲ ጽሑፋት ገዲፎምን እዮም ሓሊፎም ዘለዉ። ብዜና ዕረፍቶም ዝያዳ ዘሕዝነና ኸኣ፥ ምድራዊ-ዕድመ ውሒድዎም ዘይኮነስ ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ወርቃዊ-ጊዜኦም፥ ስድርኦምን ህዝቦምን ብግቡእ ከይተጠቕምሎም ብማእሰርትን ስደትን ብምሕላፉ እዩ።
ብሓፈሻ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ እቶም ብቅንዕናን ትግሃትን ንዓመታት ዝሠርሑ ውፉያት ኣቦታት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ከም በዓል የነታ ዝበሉ፡ ምስጋናን ጻማ ድኻሞምን ዘይረኽብሉ፥ ብኣንጻሩ ከኣ ብሓሶትን ክፍኣትን ዝፍለጡ ከንቱ ሰባት ብሽመትን ገንዘብን ዝያዳ ዝረብሕሉ፥ ገፋዕትን በተንትን ዝነኣድሉ፥ ስሙን ግብሩን ዘይራኸብ፥ ኣብኡ እንዳ ሠራሕካውን ብብርሃንን ጸልማትን ዝግበር ዘይትፈልጦ፥ ዕላምኡን ምሥጢሩን ዘይርድኣካ መሽጎራጉር ዝበዝሖ ቤት ጽሕፈት እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ንናይ ዮፍታሄ ዜና ዕረፍቲ ቃላት ኣጸባቢቖም ንሓሶት ሓቂ፥ ንመሪር መዓር፥ ንዕንወት ዕብየት፥ እንዳበሉ ንሕማቕ ታሪኹ ከመላኽዑ ርኢናዮም ኢና። ነቶም ሰብ ረዚን ውዕለትን ግፉዓትን ኣቦታት፥ ከም መሪጌታ ይትባረክ ዝበሉ ምሁራት ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ግና ስሞም ክዝክሩን ዜና ዕረፍቶም ክነግሩን ልቦና ኮነ ሰብኣዊ-ሞራል የብሎምን። ካብኡ ሓሊፉ መቓብር ምኽላእ፥ ጸሎተ-ፍትሓት ምኽልካልን ንዘይንደልዮ ሰብ ቀቢርኩም ኢልካ ውግዘትን መቕጻዕትን ምሃብ ልሙድ ተርእዮ ምምሕዳር መንበረ-ፓትርያርክን ሕማቕ ትእዛዝ መንግሥትን እዩ።
ይኹን እምበር ነቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፥ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም ኣሰእሰር እምነቶም ሰዓቡ! እናበለ ዝጸሓፈልና ቃል ኣምላኽ ዘኪርና ሠናይ ኣብነቶም እናተኸተልና ብመገዲ የማን ክንጎዓዝን ኣብ ወጻኢ ዘሎና ኮነ ኣብ ውሽጢ ብስምምዕ ቤት ኣምላኽና ከነገልግልን እዩ ዝግብኣና። ብተወሳኺ ልዑል ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ግብሩ ዝፈድየሉ መዓልቲ ፍርድን ሓተታን ኣዳልዩ ከም ዘሎ ኩልና ተረዲእና በቶም ገፋዕትን ዓመጽትን ሰብ እዋን ተስፋ ከይቆረጽና፥ ኣብዛ ሓላፊትን መዐሸዊትን ዝኾነት ጽላሎት ዓለም ዘይሓልፍ ጽቡቕ ስምን ሠናይ ግብርን ከነዘውትር ክርስቲያናዊ ግዴታና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።
ኣብ ምዝዛም ጽሑፈይ ነቲ በዓል መሪጌታ ይትባረክ ኣብዛ ምድሪ ከለዉ ዝዓምዎ ዝነበሩ መንፈሳዊ ዕዮታት ብዙሕን ከቢድን ምዃኑ ተረዲእና፥ ነቲ ዝሓደጉልና ሕድሪ እምነት ኣምላኽ በብዝሃበና ጸጋን ጥበብን ኩሉ ዓቕምታትና ኣወሃሂድና ንትንሣኤ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ብተወፋይነት ከነገልግል ኣምላኽ ምሕረቱ የብዝሓልና። ከምኡውን ንስድራ ቤት የነታ ይትባረክ ኮነ ካልኦት ምእንቲ ኦርቶዶክሳዊ-እምነቶም ክብሉ ብማእሰርትን ስቅያትን ዝሓልፉ ዘለዉ ብዙሓት ስድራ ቤታትን ውሉደ-ክህነትን ከም መኣሰርቶም ኮይንና ብጸሎትን ክንዝክሮምን ብዘድሊ ንዋት መነባብሮ ክንድግፎም ከዘኻኽር ይፈቱ። ዕብ 13፡3
መዘከርታ ጻድቕ ንዘለዓለም ይነብር። መዝ 112፡6
ንነፍሲ ኣቦናን መምህርናን ዕረፍቲ ነፍሲ፥ ንምሉእ ስድራ ቤትን ፈተውትን ፅንዓትን ደበሳን፥ ንቤተ ክርስቲያንና ከኣ ዕርቂ መንፈስ ቅዱስ የውርድ ጎይታ።
ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም
ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ሻርሎት, ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ።
31 ሓምለ 2026 ዓ/ም/ፈ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ