ኣብ ሂወት ደቂ ሰባት ወትሩ ከም ዘጋጥም: ሰብ ዘኽበረ ይኸብር ሰብ ዘሕሰረ ይሓስር:: ንሰባት እንተ ኣኽቢርና ንገዛእ ርእስና ንኸብር ንሕፈር:: ግን ንሰባት እንተዘይኣኽቢርና ንገዛእ ርእስና ንሓስር ንድፈር:: እዚ ማለት ከኣ ንዝኾነ ሰብ እንተኣኽቢርና እቲ ዘኽበርናዮ ሰብ የኽብረና:: ንዝኾነ ሰብ እንተዘይኣኽቢርና ግን እቲ ዘየኽበርናዮ ሰብ የሕስረና:: ስለዚ: ንገዛእ ርእስና ክንከብር ወይ ክንሓስር ዝድሩኹ ምኽንያታት ኩሎም ካብ ገዛእ ርእስና ዝነቅሉ እዮም:: ክብረት ኣብ ነፍስወከፍና ክህሉ ዝኽእል ኣብ ሕድሕድና ምክብባር ክህሉ ከሎ ጥራይ ምዃኑ ንረዳእ::
ክዝክረኩም ደቂ ሃገረይ ኩቡራት መኳንንቲ:
ዛንታኹም ኣለኒ ኣያታት ኣቦታት ዓበይቲ:
ዘርዚረ ኣይውድኦን ሞያኹም በብሓንቲ:
እስኪ ፍቐዱለይ ቁሩብ ክዝርዝር ክዝቲ:
ገሌኹም ሰብ ሕጊ ንደቂ ሰባት ተጣበቕቲ:
ገሌኹም ፖሮፌሰራት ሰብ ሰፊሕ ትምህርቲ:
ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ኣዝያ ዝተባረኸት:
ጉንበት ሐደ ኣብ 16 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ገሊላ ዝተወልደት:
ካብ ኣቦኣ ያቄምን ኣዲኣ ሃናን ዝተባረኹ ስድራ ቤት:
ኣብ ሰለስተ ዓመት ዕድሚኣ ንቤት መቕደስ ዝተዋህበት:
ትዕግስቲ (ምጽማም) ኣብ ልዕሊ ቅንኣትን ቅብጥሮትን ናይ ቤተሰብን ዘመድን:ፍቕሪ ኢያ። ትዕግስቲ ኣብ ልዕሊ ኩራን ቆይቁን ናይ ካልኦት ሰባት: ክብረት እያ። ትዕግስቲ ኣብ ልዕሊ ዓቅምን ዓቕሊን ናይ ገዛእ ርእስኻ፡ ነብሰ ተኣማንነት ኢያ። ትዕግስቲ ኣብ ልዕሊ ትጽቢት ንረዲኤት ካብ ልዑል ኣምላኽ: እምነት ኢያ። ትዕግስቲ ግብረ-ሰናይ ናይ ደቂ ሰባት ስነ-ልቦና ኢያ። ትዕግስቲ ከም መንፈሳዊት ልጓም ወይ ቀፊር ናይ ስነ-ምግባር እያ:: ትዕግስቲ መዝሓሊት ናይ ህውከት መቐረት ናይ ሂወት ኢያ። ትዕግስቲ ዝገብር ሰብ ኣብ ሂወቱ ይኸብር።
ክንዝክረኪ ዝኸበርኪ ወላዲት ንስኺ ብርኽቲ አደ:
ኩሉ ዝፈትወኪ ዘፍቅረኪ ካባኺ ዝተወልደ:
ህጻን ቆልዓ ብኣኺ ዝዕንገል ፍቕርኺ ዝለመደ:
ምዕባለ ምስ ማዕርነት ኣብ ገለ ሰባት ገና ዘይተዛመደ:
ንማዕርነት ዝጻረሩ አለናዮ ገለ ሰባት በዓል ዳንደ:
ፖለቲካ ኣንታ ፖለቲካ፡
በል እስኪ ፍቐደለይ ከዕልለካ:
ፖለቲካ'ዶ ክብለካ ፖለቲካ:
ዘይጥዑም እቲ ስምካ:
ካብ መን ተፈጢርካ:
ካብ ምንታይ ፋብሪካ:
ፍጥረት ሰብ ዘይብልካ:
ስደት ትባሃል ስደት፡
ዘይብላ ክብረት፡
ብዘይካ ውርደት፡
ኣብ ደቂ ሃገር ቅትለት፡
ብዝተሳሕለ ካራ ንሞት፡
ናይ ስነ-ምግባር ጉድለት፡
ካብ ዘይምርዳእ ሕውነት፡
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ