ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ሳዕበናቱ ካብ ዘይምግንዛብን ካብ ዘይምርዳእን ወይ ከኣ ካብዘይምግዳስን ካብ ሓልዮት ኣልቦነት ዝተበገሱ ቅሉዕ ቅንኢ፡ ህልኽ፡ ክፋኣት፡ ቅርሕንቲ፡ ኣብ ሕድሕድና ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትን ኣሓትን ቤተሰብን ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሃገር ዝተፈላለዩ በደላትን፡ ግፍዕታትን፡ ወዘተ ይፍጸሙ ኢዮም። ንመረዳእታን መምሃርን ዝኸውን እዚ ሲዒቡ ዝቐርብ ኣብነት ብትግሃት ንከታተል።
ኣብ ሃገርና፡ ኣብ እዋን ፈለማ መግዛእቲ ጥልያን፡ ተዓገስ ዝተባህለ ህርኩት ሰብኣይ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ህድኣት ምስ ወለዱ ኣብ ርሑቕ ገጠር ዓዱ ገዲፉ ነዊሕ መገዲ ብእግሩ ተጓዒዙ ናብ ኣስመራ ስራሕ ከናዲ ይመጽእ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ኣብ ሓደ ትካል ቤት-ሕብስቲ ተቖጺሩ ስራሕ ይጅምር። ንነዊሕ ዓመታት ኣብቲ ትካል እንዳ ተቐመጠ ይሰርሕ ነበረ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ነቲ ሓላፊኡ ናብ ዓደይ፡ ናብ በዓልቲ ቤተይ፡ ክኸይድ ስለዝደለኹ ሕሳበይ ሂብካ ኣፋንወኒ ይብሎ። እቲ ሓላፊኡ ከኣ ደሞዙ ሂቡ ሰለስተ ኣገደስቲ ኣባታዊ ምኽርታት የስንቖ።
ኤሪትራዊ ኣቦ እንዲኻ፡ ኣንታ ምዕሩግ ሰብኣይ
በዓልቲ ቤትካ ትብለካ፡ ዓይኒ ብርከይ
ደቅኻ ይብሉኻ፡ ተናፋቒ ኣቦይ
ኣሕዋትካ ይብሉኻ፡ ተፈታዊ ሓወይ
ኣዝማድካ ይብሉኻ፡ ሓወቦይ ኣኮይ
ገሊኦም'ውን ይብሉኻ፡ ዝኸበርካ ኣያይ
ንጾም ዘበርትዕ ሓይልን ሰውነትን፡
ንጸሎት ዝተግህ ቀልብን ክፉት ልብን፡
ሰናይ ዝገብር ሕልናን ትግሃትን፡
ጽቡቕ ዝሪኢ ብርሃን ዓይንን ባህግን፡
ክንዝክርዶ ክንትርኽ ክንዝቲ፡
ብዛዕባ ኣደ እታ ለባም ሰበይቲ፡
ኽፋእ ዘይብላ ቅንጣብ ሓንቲ፡
ጽያፍ ዘይወጻ ሓላል ብርኽቲ፡
ገዛኣ ዝመጸ ዋላ ፍርቂ ለይቲ፡
ከምቲ ዝፍለጥን ወትሩ ዝገሃድን: ብልሒ እንተሃልዩ ምስትውዓል ይፍጠር: ምስትውዓል እንተተፈጢሩ: ምርድዳእ ይሰምር: ምርድዳእ እንተሰሚሩ: ፍቅርን ሰላምን ይዓዝዝ: ፍቅርን ሰላምን እንተዓዚዙ: ደቂ ሰባት ሰናይ ሂወት የሕልፉ:: ኣብ ሕድሕድ ደቂሰባት ዝተፈላለየ ስነ-ልቦናን ስነ-ምግባርን፡ ስነ-ሓሳብን ምስትውዓልን፡ ምርድዳእን ምስትንታንን፡ ተውህቦታት ክህልዎም ባህርያዊ እዩ:: ካብዚኣቶም ዝነቐሉ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ሕልፍ ዝበሉ ብልሕን ብልሓትን፡ ዓቅምን ክእለትን፡ ካልኦትን ከም ዘለወን ኣብ ናይ ክልቲኦም ናይ ሂወት ዝምድና ተጋሂዶም ይረኣዩ እዮም:: እዞም ዝስዕቡ ኣብነታት ከም መረዳእታ ንከታተል::
ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና ሰንበት መጸ ኣንጊህና ተሲእና፡ ኣካላትና ተሓጺብና፡ ጽጉርና ዘርጊፍና ተመሺጥና፡ ሳእንታትና ወላዊልና፡ ጽሩይ ክዳን ተኸዲና፡ እኽለ-ማይ ከይለኸፍና፡ መኪናና ኣልዒልና፡ ካብ ቤትና ተበጊስና ናብ ቤተክርስቲያን ንኸይድ። ከምቲ ዝሓመመ ሰብ ናብ ቤት ሕክምና ካብ ሓኪም ረዲኤት ሕክምና ክረክብ ዝኸይድ ከምኡ ውን ንሕና ምእመናን ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘኺደና እቲ ቀንዲ ምኽንያት ብጸሎትን ብቅዱስ መንፈስን ምስ ልዑል ኣምላኽና፡ መንፈሳዊ ሓኪምና፡ ንምርኻብ ኮይኑ ካብኡ ኸኣ ጸጋ በረኸቱን ምሕረቱን ረዲኤቱን ክንቅበል፡ ብመንፈስ ቅዱስ ክንባረኽ፡ ቃለ ቅዱስ ወንጌል ክንሰምዕ፡ ሰማያዊ ጽድቅን ሂወትን ንኽንረክብ ተስፋ ብምግባር ኢዩ። ከም ኣመንቲ መጠን ብወገና ከኣ ምስ እምነትናን ግብርናን ተሳኒዩ ዝኸይድ ግቡእን ቅቡልን ባህርያትን ስነ-ምግባር ከነዘውትርን ከነማልእን ከምዘሎና ንርዳእ። እዚ ዕላማን ምኽንያትን መሰረት ብምግባር ንመረዳእታ ዝኸውን ከም ኣብነት ስዒቡ ዝቀርብ ብኣቓድዎ ንከታተል።
ኣነ መንእሰይ ኢየ፡ ካብ ሃገረይ ዝወጻእኩ፡
ናብ ስደት ኣምሪሐ፡ ከርፋሕ ናብራ ምስ ጸላእኩ፡
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ