ሃገር ክበሃል ከሎ ናይ ሓደ ቦታ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኡ፥ ሩባን ኩርባን፥ ጎላጉልን ስንጭሮን ኣዝርእትን እንስሳታትን ባሕርን ኵነታት ኣየርን ወዘተ…
እንተ ኾነ ግና ዲያብሎስ ብሓሶት ንሔዋንን ኣዳምን ኣብ ኃጢኣት ምስ ኣውደቖም ካብታ ክብርቲ ሃገሮም ገነት-ኤደን ናብዚ ናይ ስደት ዓለም ተሰጕጎም ወጹ። ‘’ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን። እሾኽን ቶኾርባን ተብቁለልካ፥ እንጌራኻ ድማ ብጻዕሪ ብላዕ’’ ዝብል ፍርዲ ከኣ ተዋሃቦ (ዘፍ 3፡17)። ብድሕሪ እዚ ደቂ ሰብ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተባዝሑ ንምድሪውን እናመልእዋ ከምዚ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ዓለምና ብምልእታ ከም ግራት-ዓዲ ንነፍሲ ወከፍ ገባር እናተመቓቐለት ብብዙሓት ሃገራት ቆይማ ትርከብ። ወዲ ሰብ ከኣ ሥጋኡ ካብ መሬት፥ ነፍሱ ድማ ካብ ሰማያት ብእስትንፋስ ሕያው እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ስለዝኾነ ‘’መሬት ኢኻ’ሞ ናብ መሬት ድማ ክትምለስ ኢኻ’’ ዝብል ሕጊ ስለ ዝተዋህቦ፥ ሞይቱ ናብ መሬት ክሳብ ዝምለስ፥ ብዛዕባ ሥጋኡ ምድራዊ ነገራት፥ ብዛዕባ ነፍሱ ከኣ ሰማያዊ ነገራት እናሓሰበ ብምስትውዓል ክነብር ሓላፍነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኮይኑ ንረኽቦ።
ሃይማኖት ክንብል ከሎና ከኣ ወዲ ሰብ ምስ ፈጣሪኡ ዘሎዎ ናይ እምነት ሰንሰለትን ናይ ሕይወት ሓድነትን ማለት ‘’እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብኡ ዚነብር ሰብ፥ ሕይወት ኣላቶ፥ እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብኡ ዘይነብር ሰብ ሕይወት የብሉን’’ (1 ዮሓ 5፡12) ንዝብል መለኮታዊ ቃል ኣምላኽ ብምኽባር፥ ንልዑል እግዚኣብሔር ምምላኽ፥ ብልቢ ምእማን፥ ትእዛዛቱ ምሕላው፥ ሓቀኛ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ሰብን ምዝውታር የጠቓልል። ስለዚ፥ ዝኾነ ክርስቲያን ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ብሓቅን ቅንዕናን ክመላለስ፥ ምስ ኩሉ ሰብ ብስምምዕ ክነብር፥ ኣብ ሃይማኖቱ፥ ኣብ ህዝቡ፥ ሃገሩን ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ዓለምን እሙን ብምዃን፥ ንሓቂ ሓቂ፥ ንሓሶት ድማ ሓሶት እናበለ ብእምነት እግዚኣብሔር ጸኒዑ ክነብር ግዴታኡ እዩ። እቲ ሓቂ እዚ ይኹን እምበር፥ ሓደ ሓደ ሰባት ግና ክብሪ ሃገርን ክብሪ ሃይማኖትን ዝሓዋውሱ፡ ሚዛን ፍጡርን ልዕልና ፈጣርን ዘየስተውዕሉ፥ ግብሪ ቄሳርን (መራሒ ሃገር) ግብሪ እግዚኣብሔርን ዘይርድኦም፥ ብስሚዒት ጥራይ ዝጎዓዙ ከም ዘለዉ ማንም ሰብ ዝስሕቶም ኣይኮነን። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ከኣ ‘’ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኮነ ኃይሊ ኣምላኽ ብዘይ ምፍላጦም ዝጋገዩ’’ ንእምነቶም ዘጽርፉን፥ ንሃገሮም ዘዋርዱን ፍርሓት ኣምላኽ ዘይብሎም ከንቱ ሰባት እዮም።
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ግና ኣቐዲሙ ብትንቢት ‘’ሕራይ እንተ በልኩምንን እንተ ተኣዘዝኹምንን ምድሪ እተፍርዮ ሠናይ ዘበለ ክትበልዑ ኢኹም’’ (ኢሳ 1፡16)፥ ብዝበሎ ቃል መሠረት፥ ንሕናውን ቅድም ንኣምላኽ እንተ ተኣዘዝና፡ ሕማምና ክፍወስን ሃገርና ክትባረኽን እያ። ቅዱስ ወንጌልውን ‘’ንስኻትኩም ግና ቅድም መንግሥቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ እሞ እዚ ኵሉ ድማ ክውሰኸልኩም እዩ’’ (ማቴ 6፡33) ይብለና። ካብዚ ወጻኢ ግና ንእግዚኣብሔር ሕቖና ሂብና ንጥንታዊ ሃይማኖትናውን ዕሽሽ ብምባል ልብና ከም እምኒ ተሪሩ ብመገዲ ዓመጽን ሓሶትን እንተ ተመላልለስና፥ ንህዝብና መርገም ንሃገርና ድማ መዓት ከነምጽኣላ ከምንኽእል ማንም ሰብ ክስሕቶ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ፍጡር ልዕሊ ፈጣሪ፥ ምድራዊ ልዕሊ ሰማያዊ፥ ጊዚያዊ ልዕሊ ዘለዓለማዊ፥ ክብሪ ሃገር ልዕሊ ክብሪ እግዚኣብሔር እናሰራዕካ ብምትላል ምንባር፡ ኣብ ክንዲ ምርቓ መርገም፥ ኣብ ክንዲ ዕቤት ድማ ዕንወት ከም ዘስዕብ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ደቂ-ሰባት ተመዝጊቡ ዘሎ ነገር እዩ። ንኣብነት ኣቦና ኣዳም ንትእዛዝ እግዚኣብሔር ሓዲጉ ንምኽሪ ሰይጣን ስለ ዝሰምዐ ምድሪ ተረግመት፡ (ዘፍ 3፡17)፥ ብሰሪ ደቂ ሰብ ዓመጻ ምስ በዝሐ ማይ ኣይኂ መጸ (ዘፍ 6፡13)፥ ህዝቢ ሰዶምን ገሞራን ብኃጢኣት ካብ ኣምላኾም ስለዝረሓቑ መዓት ወረደ፡(ዘፍ 18፡20)፥ ህዝቢ እስራኤል ንመገዲ ኣምላኽ ሓዲጎም ብመገዲ ጣዖት ስለዝኸዱ ከተማ ኢየሩሳሌም ዓነወት፡ ይብል መጽሓፍ ቅዱስ።
እምበኣር ካብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ከነስተውዕሎ ከም እንኽእል ‘’ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፥ ኃጢኣት ግና ውርደት ህዝብታት እዩ’’ (ምሳሌ 14፡34) ከም ዝበለ ጥበበኛ ሰሎሞን፡ ኣብ ዝኾነ ሃገር ዝነብር ህዝቢ መገዲ ጽድቅን ኣሰር ሓቅን ሒዙ ዝመላለስ እንተኾይኑ ብበረኸትን ሰላምን ይነብር። እቶም ብሃይማኖቶም ጽኑዓት ዝኾኑ ዜጋታት ከኣ ንሃገርውን እሙናት ስለዝኾኑ ብመንፈሳዊ፥ ማሕበራዊ፥ ቁጠባውን ሞራላውን ጸጋታት ኣብ ዝለዓለ ክብሪ ከምዝበጽሑ መስክሩለይ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። እቶም ክብሪ እግዚኣብሔርን ክብሪ ሃገርን ፈላልዮም ዘይርድኡ መራሕትን ሕዝብን ግና ሃይማኖት መጋበርያ ምድራዊ ረብሓ ኮይኑ ስለ ዝስምዖም፥ ’’ህዝበይ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ሰኣን ምፍላጦም ይጠፍኡ ኣለዉ’’ ከም ዝበለ ነቢይ ሆሴዕ፥ ብጎደሎ ፍልጠቶም ንኣምላኽ ዘሕዝኑን ንሃገር ዝጎድኡን እዮም። እወ! ጽኑዕ ሃይማኖት ዘይሓዘ ዝኾነ ሕብረተ ሰብ፡ ኣብ ሕልንኡ ፍርሓት ኣምላኽ ስለ ዘይብሉ፥ ስርቂ፥ ጉቦ፥ ቅትለት፥ ሓሶትን ብልሽውናን ሳዕሪሩ ከም ዝበዝሕ ዝየካትዕ ሓቂ እዩ (ሆሴ 4፡6)።
እምበኣርከስ እቲ ብፍላይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ብጉዳይ ሃገርዶ ጉዳይ ሃይማኖት እናተባህለ ዝካየድ ናይ ምፍልላይን ምብትታንን ናይ ሰይጣን ውዲት፥ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ሱባኤ ተኣዊጁ ብሕጋውን መንፈሳውን መገዲ መዕለቢ እንተ ዘይረኺቡ፥ መወዳእታኡ ንሃገርና ጉድኣት ንቤተ ክርስቲያንና ድማ ከቢድ ዕንወት ከምጽኣላ እንተ ዘይኮይኑ፡ ካልእ ዝርከቦ ጠቕሚ ብፍጹም የልቦን። ከምቲ ኣበው ክምስሉ “ዜርካ ዜርካ ናብ ቤት፥ ነይርካ ኔርካ ከኣ ናብ መሬት’’ ዝብሉ፥ እዚ ጉዕዞ ምድራዊ ሕይወትና ምስ ተወድአ ናብቲ ሰማያዊ ናብራ ሕይወት ምኻድ ዘይተርፍ ግዴታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እዩ’ሞ ብታሪኽን ልዑል ኣምላኽን ከይንውቀስ ሓደራ ግቡእና ንግበር። ናይ ቄሣር ንቄሣር፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ሃቡ!’’ (ሉቃ 20፡25)።
ይቕጽል።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ