ኣብ ሓንቲ ገጠር ዓዲ ሓደ ገፊሕ ናይ ጥሪት ደምበ ዘለዋ ህድሞ ነበረት። እታ ደምበ ብመንደቕ ዝተኸበት ብዙሓት ጥሪት ዝዓርፉላ ስፍራ እያ። ኣብ እግሪ እቲ መንደቕ ብሓደ ወገን ናይቲ ደምበ ጭፍራ ኣናጹ ዝቕመጥሉ ጎዳጒዲ ኣሎ። ነቲ ከባቢ ዘማሓድር፡ ዝቆጻጸር፡ ገዛኢ ዝኾነ ሓኽሊ ድሙ ኣብቲ ህድሞ ተሓቢኡ ይነብር ነበረ። እዚ ድሙ ኣብ ርእሲ እቲ ካብቶም ሰብ ህድሞ ዝረኽቦ ተረፍ መረፍ መግቢ ናይቲ ከባቢ ኣናጹ፡ ምጽጹላይ፡ ኣዕዋፍ እንዳ ሃደነ ይምገብ ነበረ። እቲ ሓኽሊ ድሙ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣናጹ ኣዘንጊዑ እናጎበጠ ስለዝበልዖም ኣብ ዕለታዊ ሂዎቶም ብዙሕ የሸግሮም ነበረ።
ሓደ እዋን ኩሎም እቶም ኣናጹ ተኣኪቦም ጉባኤ ተገይሩ ኣንጻር እዚ ሓኽሊ ድሙ እንታይ ንግበር ብዝብል ሕቶ ኣብቲ ጉባኤ ተዘራረቡ። እዚ ድሙ በብሓደ እንዳጎበጠ ከጽንተና ኢዩ፡ ሓደ ነገር ንግበር ተበሃሃሉ። ኣብቲ ጉባኤ ብዙሕ ሓሳባትን ርእይቶታትን ኣልዒሎም ተኻትዑ። ካብቲ ኩሉ ዝቐረቡ ሓሳባት ሓንቲ ሓሳብ ንኹሎም ተሰማምዕ ቀረበት። እታ ሓሳብ ከኣ ኣብ ገመድ ቃጭል ኣእቲና እታ ገመድ ከኣ ኣብታ ክሳድ እቲ ድሙ ንእሰራ እያ ትብል ዝነበረት። እታ ገመድ ምስ ቃጭላ ኣብ ክሳድ እቲ ድሙ ምስ ተኣስረት እቲ ድሙ ክንቀሳቀስ ከሎ እታ ቃጭል ስለ ትቓጭል ኩላትና ነታ ቃጭል ሰሚዕና ኣብ ሰሰፈርና ንኣቱ፡ ካብ ጎበጣ ድሙ ከኣ ንድሕን። በቲ ሓሳብ ኩሎም ኣናጹ ተሰማምዑ፡ ብዙሕ ከኣ ተሓጎሱ። ግናኸ ኣብቲ ጸግዒ መንደቕ ኮፍ ኢሉ ጽን ኢሉ ዝሰምዕ ዝነበረ ሽማግለ ኣንጭዋ፡ ኣቱም ደቀይ ክዛረብ ፍቐዱለይ በለ። ኩሎም ክሰምዕዎ ጸጥ በሉ። እታ ሓሳብ ጽብቕቲ ነይራ ግናኸ እታ ገመድ ምስ ቃጭላ ኣብታ ክሳድ እቲ ድሙ መን ይእሰራ ኢሉ ሓተተ። እቲ ሓቂ ከኣ ዝኾነ ኣንጭዋ ካብ ኣቶም ደፊሩ ነታ ገመድ ኣብ ክሳድ እቲ ድሙ ዝኣስር ከምዘይርከብ ይፈልጡ እዮም። እቶም ኣናጹ እታ ጸገም ብምርዳእ ተስፋ ቆሪጾም፡ ኣንጸርጺሮም፡ ብሕርቃን ተበታቲኖም ናብ ጎዳጉዶም ከዱ። እታ ሓሳብ ጽብቕቲ እኳ እንተኾነት ኣብ ምትግባራ ግን ጸገም ኣሎዋ። "ኣናጹ ጎጉድጓድክን ሓዛ፡ ኣይምሰልክን ዋዛ፡ እቲ ዝዓብጥ ከም ራዛ፡ ከየስዕበልክን ቃንዛ፡" ብዝብል ስምዒት፡ እቲ ጉባኤ ተዛዘመ።
ከምቲ ልማዱ እቲ ሓኽሊ ድሙ በብዕለቱ ነቶም ኣናጹ ስለዘሸግሮም ደጊሞም ሓደ ሓዲሽ ፍታሕ ከናድዩ ናይ ግድን ኮኖም። እቲ ፍታሕ ከናድዩ እንደገና ኣኸባ ጸውዑ። ኩሎም እቶም ኣናጹ ከኣ ኣብቲ ኣኼባ ተረኽቡ። ኣብቲ ኣኼባ ብዙሕ ሓሳባት ቀሪቡ፡ ብፍላይ ሓደ መንእሰይ ኣንጭዋ ሓንቲ ጽብቕቲ ሓሳብ ኣቕረበ። በታ ሓሳብ ከኣ ኩሎም እቶም ኣናጹ ተሰማሙዑ፡ ከተግብርዋ ውን ተረዳድኡ። እታ ሓሳብ ከኣ እቲ ድሙ ክጎብጥ ክመጽእ ከሎ ኩሎም እቶም ኣናጹ ካብ ጎዳጉዶም ክወጹ፡ ነቲ ድሙ ብድፍረት ክኸብዎ፡ ኣፎም ከፊቶም ኣስናኖም ከሐርቅሙ፡ ዓው ኢሎም ክሕንሕኑ፡ ናይ ሕርቃን ድምጺ ከስምዑ፡ ዝብል ኮይኑ፡ ብሓባር ከተግብርዎ መከቱ። በዚ ኸኣ ጭፍራ ኣናጹ ኣብ ሓደ ሰመሩ፡ ንሓኽሊ ድሙ ካብታ ደምበ ከባርሩ። እነሆ ከምቲ መደብ፡ እቲ ኣስናኖም ምሕርቃም፡ እቲ ብኣፎም ምሕንሓን፡ እቲ ናይ ሕርቃን ድምጺ፡ እቲ ንዕኡ ምኽባቦም፡ ኩሉ ነቲ ድሙ ኣሰንቢድዎ ብዘይ ልቡ ካብቲ ቦታ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሉ ሃዲሙ ተዓዝረ። ካልኣይ ግዜ ናብቶም ኣናጹ ገጹ ጨሪሱ ከምዘይምለስ ኮይኑ እቶም ኣናጹ ከኣ ሰላም ረኸቡ። ዓለም ግሪምቢጥ ማይ ንዓቐብ ከም ዝብሃል፡ ኣብ ክንዲ ኣናጹ ካብቲ ሓኽሊ ድሙ ዝሃድሙ፡ እቲ ሓኽሊ ድሙ ካብ ኣናጹ ክሃድም፡ ተዓዘብና። ኣብቲ ዝተገብረ መኸተ እቶም ጭፍራ ኣናጹ ዘስተንክር ዓወት ኣመዝገቡ።
እቲ ኣገዳሲ ሕቶ፡ እቲ ነቶም ጭፍራ ኣናጹ ከይተረፈ ከዕውቶም ዝኸኣለ ምስጢር፡ እንታይ ኢዩ? እቲ ኣገዳሲ መልሲ ከኣ ነዞም ጭፍራ ኣናጹ ዘዐወተ ምስጢር ብጀካ መንፈስ ምትሕብባር እምበር ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ተኸባቢሮም ተሓባቢሮም እንተዘይምክቱ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓማጺ ሓያል ሓኽሊ ድሙ ኣይምትዓወቱን ነይሮም። መንፈስ ምክብባርን ምትሕብባርን ክሳብ ክንደይ ጻዕርን ትግሃትን፡ ሕልናን ብልሃትን፡ ትብዓትን ድፍረትን፡ ሓድነትን ውህደትን፡ ከምዘፍሪ፡ ኣብ ጭፍራ ኣናጹ ክትግበርን ክምስከርን ተዓዚብና ኣሎና።
ኣብ ካልኦት ፍጥረታት እውን ተመሳሳሊ ተሞክሮታት ኣሎ። ኣህባይ ከም ሓንቲ ጥምርቲ ስድራ ቤት ኮይኖም ብሓባር ደቆም ከዕብዩ ከለዉ፡ ተዃሉ ከም ሓንቲ ጋንታ ተዋሃሂዶም ንቀለቦም ዝኸውን ብሓባር ክሃድኑ ከለዉ፡ ኣናህብ ከም ሓንቲ ስድራ ቤት ናይ ስራሕ ምክፍፋል ገይሮም ቆፎኦም ብሓባር ክዕቅቡ ከለዉ፡ ጻጸ ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ብሓባር ቤቶም ክተኽሉ መግቦም ክምእርሩ ከለዉ፡ እቲ መንፈስ ምትሕብባር ከተግብሩ ወትሩ ንዕዘብ ኢና። ከምኡውን ንዓና ደቂ ሰባት፡ ከምቲ ናይ ሓኽሊ ድሙ ዓይነት ተጻባኢ፡ ሃለዋትና ዝዘርግ፡ ሰላም ዝኸልኣና ጸላኢ፡ ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ከጋጥም ንቡር ኮይኑ ኣሎ። ግና'ኸ እቲ ንጭፍራ ኣናጹ ዘዐወተ ሓላል ምስጢር ንዓና ደቂ ሰባት ውን እቲ ሓላል ምስጢር ዘዐውተና ምዃኑ፡ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
እቲ ቀንዲ ቁምነገር፡ ንሕና ከም ደቂ ሰባት መጠን ብኣፋጣጥራና ልዕሊ ኩሎም ፍጥረታት ስለዝኾንና፡ እቲ ግቡእ ልቦናን ስነ-ምግባርናን ንተካእቲ ወለዶ ከነውርስን፡ ሰናይ ኣብነት ክንከውንን፡ ሙሉእ ሓላፍነት ኣሎና። ከምኡ ውን እቲ ተበግሶ ንሓድነትን ስምረትን ካብቶም ኣናጹ ተማሂርና፡ ብውሕዱ ክንዲ ናይቶም ኣናጹ ዝኣክል ሕልናን ትሕትናን ኣጥሪና፡ ብመንፈስ ምክብባርን ምትሕብባርን፡ ንዝኾነ ጸላኢ መኪትና ክንስዕርን ክንዕወትን ከምንኽእል ክንርዳእ ይግባእ።
እምበኣርከስ፡ እቲ ኣብ ሕድሕድና ሰሪጹ ዘሎ ናይ ምትፍናንን፡ ምጉዝዛይን፡ ምንኽኻስን፡ ጠባያትና፡ ብመንፈስ ምክብባርን ምትሕብባርን ኣወጊድና፡ ኣሊና፡ ፍቕርን ስኒትን፡ ሰላምን ቅሳነትን፡ ኣብ ሕብረተሰብና ክንተክልን ከነውሕስን፡ ኣብ ሕልናና ይሕደር። እቲ ንጭፍራ ኣናጹ ዝፈጠረን ዝረድአን ልዑል ኣምላኽ፡ ንዓና ደቂ ሰባት ውን ዝፈጠረ ኢዩ’ሞ፡ እቲ ናይ ወትሩ ምሕረቱን ረዲኤቱን፡ ኣይፈለየና።
ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
ሕዳር 2026
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ