S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፍልሰት መንእሰያት ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን፡- ጠንቁን ሳዕቤናቱንዝብል መጽናዕታዊ ሓሳብ ዱብ ኢሉንስ፡ ሓፍ ምባሉ ክሳዕ ዝስእን ከኣ ነዚ ረዚን ሓሳብ ተሰኪመዮ እዘውር ኣለኹ። እቶም ትማል ምሳና ዝነበሩ እሞ፡ ሎሚ ግን ኣብቲ ካልእ ደምበ ግዒዞም ዘለዉ መጠን-ኣልቦ መንእሰያት፡ ምኽንያት መጥፊኢኦም ኮን እንታይ ኔሩ ይኸውን፡ ንሶም ስለዝበደሉ ጥራይ ድዩ፡ ወይስ ንሕናውን በዲልና ኢና ዝብል ወጣሪ ሕቶ ድማ እየ ንነብሰይ ዝሓታ ዘለኹ። እታ ዝወለደት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክንዲ ንምእካብ እትጽዕርሲ፡ ንምስጓግን ንምብታንን እትተግህ ብሓቂ ካብ ልባ ኾን ትኸውን?! ዝብል ድማ አስዒበ አስተንትን። ብሓቂ ስምዒታዊ ዘይኮነስ ወድዓዊ ገምጋም የድልየና!!

ኣምላኽ ምእንቲ ኪሕልወና ኢልና ጾምናን ጸሌናን ንሱ ከኣ ሰምዓና (እዝ.823)

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ። ተንሥአ ኵሎ ሙታነ፡ ወፈትሖሙ ለሙቁሐን። ተንሥአ፡ በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን ወአግዓዘ ነፍሰ ጻድቃን።ትርጉም ክርስቶስ ተንሲኡ ሙውታት ኩሎምውን አተሲኡ፡ንኩሎም እሱራት ፈትሐ ብዓቢ ሓይሊ ስልጣንን ነፍሲ ጻድቃን ሓራ አውጽኤኣዚዩ መሳጢ ብዝኾነ ቃላት ጌሩ ቅዱስ ያሬድ ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ብመንፈሳዊ ቃላት ጌሩ ካብ ዝገለጾ ሓረግ ዝተወስደ ቃላት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሓላፊ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኖም ካብ ዝምደቡ ንደሓር፡ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ሓዋርያዊ

ሎሚ፣ ኣገልገልቲ-ሓቂ ክንከውን፣ ነቶም ኣገልገልቲ-ሓቂ ክንስዕብ ይግብኣና። ከምቶም እሙናት ባሮት፣ ክሳራ ዘይኮነ ረብሓ፣ ሞት ዘይኮነ ህይወት፣ ውርደት ዘይኮነ ክብሪ ከምዘሎ እናስተውዓልና ከነገልግል ኣምላኽ Read more...

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

ወበእሑድ ሰንበት ጌሠት ማርያም መግደላዊት በጽባሕ ኀበ መቃብር። እንዘ ዓዲ ጽልመት ወረከበት እብነ እቱተ እምአፈ መቃብር። ወበጽሐት ኀበ ስምዖን ጴጥሮስ ወኀበ ካልእ ረድእ ዘያፈቅሮ ኢየሱስ። ወትቤሎሙ ነሥእዎ ለእግዚእየ እም ውስተ መቃብር፡ ወኢየአምር ኀበ ወሰድዎ፡ እንዘ ይረውፁ ክልኤሆሙ ኅቡረ። በደሮ ለጴጥሮስ ዝኩ ካልእ ረድእ ዘያፈቅሮ ኢየሱስ። ትርጉም፡በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ።

ካብ ዓርቢ ሚያያ 9 ክሳብ ሰኑይ ሚያያ 12, 2010 ዓ.ም.ፈ.  ብፁዕ  ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሑ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኣሜሪካ ተዓዲሞም ዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝኂ ምእመናን ብኽብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ መድኃኔ ዓለም ንግደት ዝተፈላለየ መንፈሳዊን፥ ባህላዊን፡ ስፖርታዊን መደባት ሓቚፉ ኔሩ።

ኣብ ቅዱስ ወንጌልንኽልተ ጎይቶት ክግዛእ ዝኽእል ሐደ እኳ የልቦን፥ ከመይ ነቲ ሓደ ክጸልእ፥ ነቲ ሓደ ከፍቅር፥ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ኬኽብር፥ ነቲ ሓደ ኬሕስር እዩ።ዝብል ኣሎ።ማቴ 624 በዚ መሠረት ድማ ዝኾነ ሰብ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ሕጊ፥ ወታሃደር ናይ ክርስቶስን፥ ወተሃደር ናይ ምድራዊ ንጉሥን ክኸውን ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን። ክሕሰብውን ኣይምተገብኦን። ይኹን እምበር ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ካህናትን ዲያቆናትን ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ግዱድ ዕስክርና ሳዋ ንዓመታት ከርተት ከም ዝበሉን፥ ገና ከርተት ይብሉ ከም ዘለዉን ኩሉ ኣማኒ ተዋህዶ ክፈልጦ ይግባእ።

ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዘመን: ክርስቲያን እየ እናበልካ ብስም ጥራሕ ምምካሕ: ርእስኻ ጠቢርካ ናብ ጥፍኣት ካብ ምኻድ ሓሊፉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘመጉሰካ ኣይኮነን። ከምቲ ጎይታ "ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ፈሪሳውያን እንተዘይበዝሐ Read More...

ግብረ ዘወሀብከኒ ፈጸምኩ። ወነገርኩ ስመከ ለሰብእ። ትርጉም “ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጸምኩ። ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ” ሓይለ ቃል ናይዚ መልእክቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 17 እዩ ዝርከብ። በዚ መዓልቲ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ካልኣይ ጊዜ ከምዝተራኣዮም ብምዝካር ናይ ቶማስ ታሪክ እንዳገለጽ ተስተምህረሉ፡ ትዝምረሉ፡ ተመስግነሉን መዓልቲ እዩ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div