“ኢየሱስ ነዚ መጀመርታ ተኣምራት’ዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱ’ውን ብእኡ ኣመኑ።” ዮሓ 2፡11።
እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ “ቃና” እትበሃል ናይ ኣውራጃ ገሊላ ዓዲ ዝተፈጸመ ተኣምራት፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚትርኽ’ዩ። ጐይታና ምስ ስድራ ቤቱን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተዓዲሙ’ዩ ኣብዚ መርዓ’ዚ ዝተረኽበ። ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ፍጻመታት ናይቲ ሕብረተሰብ ምስታፍ ፍጹም ሰብ ናይ ምዃኑን ናይ ትሕትናኡን ዓብዪ መርኣያ’ዩ።
“እቲ ብነብያት፡ ‘ናዝሬታዊ ኺበሃል’ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ናዝሬት ናብ እትበሃል ዓዲ መጺኡ ተቐመጠ።” ማቴ 2፡23።
እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ቅዱስ ዮሴፍን ቅድስቲ ድንግል ማርያምን፡ ብትእዛዝ ኣምላኽ ነቲ ህጻን ኢየሱስ ሒዞም ናብ ምድሪ ግብጺ ተሰዲዶም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ’ውን ብእተነግሮም ትእዛዝ ኣምላኽ ናብ ምድሪ እስራኤል፡ ናብ ኣውራጃ ገሊላ፡ ናዝሬት ናብ እትበሃል ዓዲ መጺኦም ከም እተቐመጡ ኣዘንትዩልና ኣሎ።
“ንጉስ ሄሮድስ ሰሚዑ ሰምበደ፡ ኵላ ኢየሩሳሌም’ውን ምስኡ [ሰምበደት]። ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍቲ ሕዝብን ኣኪቡ፡ “ክርስቶስ ኣበይ’ዩ ዚውለድ፧” ኢሉ ሓተቶም።” ማቴ 2፡3,4።
“ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፈረን ድማ ቀቅድሚአን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዑ’ውን ድምጹ የለልያ’ሞ ይስዕባኦ፡ ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን’የን።” ዮሃ 10፡4,5።
“ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ሓደ’ኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ።” ዮሃ 1፡12,18።
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። . . .እቶም ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን’ዮም። ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡ’ውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ሉቃ 12፡35,37።
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ’ቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ’ዩ፡ ሓደ’ኳ ኺዓየላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመጽእ ኣላ፧ ዮሃ 9፡4።
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ <ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና>፡ እናበሉ ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ኣቱም ጕዱላት እምነት! ከመይከ እትፈርሁ፧’ በሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገንሖም። ዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ።” ማቴ 8፡26።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ