ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 9 ክሳዕ 15 ዘሎ ሳምንቲ፡ “ፍረ” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙርን ምስባኽን ንባባትን ኵሉ’ውን ፍረ-ጠቀስ እዩ። ኣብ ዝሓለፋ ናይ ክራማት ንባባትና ብዛዕባ “ምስላ ዘርእን ዘራእን፡” ከምኡ ድማ፡ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ከም ዝተመሃርና ዚዝከር እዩ። እዚ ኸም መሪሕ ጥቕስና ተጠቒሱ ዘሎ ኽፋል ጥራይ ዘይኰነ እቲ ልዕል ኢሉ ኣብ 4፡26-29፡ ተጠቒሱ ዘሎ፧ “መንግስቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዘርእ ሰብኣይ እያ።
“ኣይሁድ፡ ‘ንስኻ መን ኢኻ፧ ... መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧’ በልዎ፡ ኣነስ...ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡” በሎም።” ዮሃ 1፡19, 22, 23።
ነዛ ቕድስትን ክብርትን ሰንበት’ዚኣ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ሕውየት ዓሰርተ ለምጻማትን፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ኣስፊሑ ዜስተምህር’ዩ። ጐይታና ንህዝቡን ንደቀ መዛሙርቱን እናመሃረ ኸሎ፡ እቶም ንምቅዋሙ ኵሉ ጊዜ ኻብ ከባቢኡ ዘይርሕቑ ፈሪሳውያን ቅርብ ኢሎም፡ ፍቕሪ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ኬምስሉ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ’ያ እትመጽእ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ካብ ኣፉ ንመኽሰሲ ዚኸውን ኣበር እንተ ረኸቡ ተተስፍዮም ደኣ ሓቲቶምዎ እምበር፡ ፍቕሪ መንግስቲ ኣምላኽ ሃልይዎም ዘልዓልዎ ሕቶ ኣይነበረን። ከመይሲ፡ ንሳቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዅሉ ሓይሎም ዚደፍኡዋን ዚዋግእዋን ቀንዲ ጸላእታ’ዮም ዝነበሩ። ጐይታና፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ደፋእታን ገፋዕታን ምዃኖም፦
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንሎሚ ኣብ ዝሰርዓትልና ናይ ወንጌል ንባብ ከም ዘንበብናዮ፡ ጐይታ እናመሃረ እንከሎ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ ድምጹ ዓው ኣቢሉ “ንሓወይ ርስተይ ክመቕለኒ በለለይ” በሎ። ምናልባት እቲ ንልቢ ዝረትዕ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ዝነበረ ዘረባ ጸጋ ምስ ሰምዔ ይኸውን ንሓዉ ምእንቲ ከእምነሉ ዝለመኖ (ሉቃ 4፡22)። ጐይታ ግን ኣብ መንጎኦም ዳኛን መማቐልን ገይሩ ዝሸሞ ከምዘየለ ሓበሮ። ንሱ በቲ ናይ ሓጢኣትን ጽድቅን ነገር ከዳኒ፡ ካብቲ ናይ ሰማያት ርስቱ ከኣ ክመቕለና ደኣ እዩ መጺኡ እምበር፡ ነዚ ናይ ምድሪ ነገር ከዳኒ ኣይመጸን (ዮሃ 18፡36)። ነቲ ናይ ምድሪ ክንቀብጾ፡ ኣብ ኢድና እንተልዩ እኳ ሼጥና ንድኻታት ክንመቕሎ እሞ መዝገብና ኣብ ሰማያት ክንዓቁር እዩ ዝምዕደና (ማቴ 19፡21-23)።
“...ነቲ ሰብ’ቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ።”ሉቃ 11፡26።
እቲ ነዚ ቕዱስ ዕለት’ዚ ተመዲቡ ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ሂቡና’ሎ። ኣእምሮኡን መንፈሳውነቱን ጽቡቕ ዘሎ ሰብ፡ ከምዚ ዝበለ ኣርእስቲ ኼንብብ ወይ ኪሰምዕ ከሎ ኸም ዚስምብድ ፈጺሙ ዘየጠራጥር’ዩ። ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ መወዳእታኡ ዘየተሓሳስቦ ሰብ ኪህልው ኣይግባእን’ዩ። እቲ መወዳእታ ኽትበጽሖ እትደልይ ቦታ ምስ ወሰንካ ኢኻ፡ ብድሕሪኡ ነቲ ናብኡ ዜብጽሕ መገዲ እትመርጾ። ናብ ከረን ኪበጽሕ ዘንቀደ ሰብ፡ መገዲ መንደፈራ ወይ መገዲ ባጽዕ ኪመርጽ ኣይክእልን’ዩ። ኣብዚ ምድራዊ ናብራ፡ ኣዝዩ ዝኽፍአ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ከምኡ ዚገብር ሰብ ኣሎ ኺበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ግና፡ ናብ እግዚኣብሄር ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትው ዚደልይ ክነሱ፡ ነቲ ናብኡ ዘየእትው ገፊሕ ናይ ጥፍኣት መገዲ ዚመርጽ ግን ማእለያ የብሉን። መወዳእታኻ ብሰናይ ትምኒት ጥራይ ኪሰምርን ኪጽብቕን ኣይክእልን’ዩ። መወዳእታኻ ዚጽብቕ፡ በቲ እትመርጾን እትኸዶን መንፈሳዊ መገድን ጕዕዞን’ዩ።
እዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ኽቡር ዕለተ-ሰንበት ተዳልዩልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ብዛዕባ ምስላ መርዓ ዕዱማትን ብስፍሓትን ብዕምቈትን ዘስተምሃረሉ ኽፍሊ ወንጌል’ዩ። እዚ ማቴዎስን ሉቃስን ጽሒፎምዎ ዘለዉ ምስላ ኣብቲ ኣገላልጽኡ’ኳ ቚሩብ ፍልልይ ይሃልዎ’ምበር፡ እቲ መሰረታዊ ሓሳቡን ቀንዲ መልእኽቱን ፍጹም ሓደ እዩ። ማቴዎስ ከም መርዓ፡ ሉቃስ ከኣ ከም ናይ ድራር ዕድመ ገሊጽዎ ኣሎ። ክልቲአን ፈላሊኻ በበይነን ምርኣይ ዝከኣል እኳ እንተኾነ ሓሳበን ሓደ ስለ ዝኾነ ብሓደ ኽንርእየን ኢና። ከምቲ ሉቃስ ኢልዎ ዘሎ፡ ጐይታ ኣብ ድራር ተዓዲሙ ከሎ ሓደ ሰብኣይ ዓው ኢሉ “እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብጹእ እዩ” በሎ።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዛ እተቐደሰት ሰንበት’ዚኣ ሰሪዓትልና ዘላ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓያሱን ድኻታትን ኴንና ኸይንርከብ ዚሕልወና፡ ብድርኺት መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ኽፍሊ ሓድሽ ኪዳን’ዩ። እዚ ኣብቲ ምስላ ተጠቒሱ ዘሎ ዓሻ ሰብኣይ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ፈትዩ ዝሃቦ በረኸት ብምእካቡ ኣይኰነን ዝተነቕፈ። ነቲ እግዚኣብሄር ዘብዝሓሉ በረኸት ኣብቲ ግራቱ ይርገፍ እንተ ዚሓድጎ’ሞ ዝገደደ ዕሽነትን ኣበሳን ምተቘጽረሉ ነይሩ። ነቲ ጽሑፍ ከም ዚግባእ እንተ ኣስተውዒልናሉ፡ እቲ ኣበሳኡን ዕሽነቱን፡ ብሓንትን ኣገዳሲትን ቃል ተገሊጹልና ኣሎ። ንሳ ኸኣ፡ እታ “ንርእሱ” እትብል ቃል’ያ።
“...ኪኸዱ ኸለዉ ብማዕበል ኪጭነቑ ረኣዮም. . ኵላቶም ረኣይዎ’ሞ ሰምበዱ። ብኡብኡ ኸኣ ‘ኣጆኹም ኣነ’የ፡ ኣይትፍርሁ’ ኢሉ ተዛረቦም። (ማር 6፡48,50)። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ወንጌል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ሕጊ-ተፈጥሮ ምዃኑ ብዛዕባ ዘመስከረ ተኣምር ዜዘንትው’ዩ። ብጃልባ ናብ ማዕዶ ኺሳገሩ ኣሰናቢትዎም ድሕሪ ምኻዱ፡ ምስቲ ዝለኣኾ ፍቁር ኣቦኡ ብጸሎት ኪላዘብ ናብ ከረን ደየበ። ኣበየናይ ሰዓታት ከም ዘሰናበቶም እንተ ዘይነገረና’ኳ፡ ኣብ ራብዓይ ምቃል ለይቲ (ካብ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ኽሳዕ ወጋሕታ ሰዓት ሽዱሽተ ዘሎ ጊዜ) ኣብ ማእከል ባሕሪ ገሊላ ብማዕበል ኪናወጹ ጸንሕዎ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ