“ንሱ ግና፡ ‘እቲ ዘሕወየኒ’ዩ፡ ‘ዓራትካ ኣልዕል’ሞ ኪድ’ ዝበለኒ’፡ ኢሉ መለሰሎም። ..... ድሕሪዚ ኢየሱስ ኣብ ቤት መቕደስ ረኸቦ’ሞ፡ “እንሆ ሓዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከይዱ፡ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ ኢየሱስ ምዃኑ ነገሮም። ስለዚ፡ ... ኪቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ።” ዮሃ 5፡11,14-16።
“ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፡ ‘ነዚ ኻብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡’ በሎም።” ዮሃ 2፡16
“ንስኻስ ክትጸውም ከለኻ፡ ጽዋማይ ምዃናካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ’ምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርአ፡ ርእስኻ ተለኸይ፡ ገጽካውን ተሓጸብ፡ እቲ ብሕቡእ ዚርእይ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ’ዩ።” ማቴ 6፡17,18።
“እታ ሰበይቲ ድማ፡ ‘‘ክርስቶስ’ ዚብልዎ መሲሕ ከም ዚመጽእ እፈልጥ ኣለኹ፡ ንሱ ምስ መጸ ኵሉ ኺነግረና’ዩ፡’ በለቶ። ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ኣነ ዝዛረበኪ ዘለኹ ንሱ’የ፡’ በላ።” ዮሃ 4፡25,26።
“ኣብ ሕግኹም፡ ኣነ፡ ‘ኣማልኽቲ ኢኹም’ በልኩ” ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን’ዩ፧ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፦ ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን’ዩ፦ ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለማውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ‘ወዲ ኣምላኽ’የ’ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፡ ‘ትጻረፍ ኣለኻ’፡ ትብሉኒ ኣለኹም።” ዮሃ 10፡34-36።
“ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ።” ሉቃ 2፡29-32።
“ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት’ያ። ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት።” ሉቃ 2፡37።
እዛ ናይ’ዚ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ጠቒስዋ ዘሎ ቅድስቲ ኣደ፡ ብኣገልግሎታ ነብዪት’ያ። ድሕሪ ናይ ሾብዓተ ዓመት ሓዳር፡ በዓል ኪዳና ብሞት ተፈልይዋ ምስ መብለወት፡ ኣብ ቤት መቕደስ ተኸቲታ፡ ካብኡ ኸይወጸት ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። ኣብቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ቤት መቕደስ ንደቀንስትዮ ዝተሰርዐ ኣገልግሎት ከም ዝነበረ፡ ኣብ መጻሕፍቲ ኦሪት ኣይንረክብን ኢና። ስለዚ ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት ኪበሃል ከሎ ናብቲ ውሽጢ ቤት መቕደስ ትኣትው ከም ዝነበረት ዜመልክት ኣይኰነን።
“ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቑመትን ብጸጋን ዓበየ።” ሉቃ 2፡52
እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዕብየት ብቓልን ብግብርን ዜስተምህር ክፍሊ’ዩ። እቲ ንድሕነትና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንኣርኣያናውን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ፍጹም ሰብ ዝዀነ እግዚኣብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብግብሪ ዘስተምሃረና ዓባይን ቀዳመይትን ትምህርቲ ዅለንተናዊ ዕብየት’ያ። ምኽንያቱ ሰብ ኺፍጠር ከሎ ኣትሒዙ ምሉእ ኰይኑ ስለ ዘይፍጠር፡ ነቲ ኺበጽሖ ዚግባእ ምልኣት ብዕብየት ገይሩ’ዩ ዚበጽሖ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ