“ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ኹሉ ኦም ይቑረጽ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።” ማቴ 7፡19 እዚ ሰንበት እዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንህይወትና ምስቲ ዘሎ ወቅቲ ናይ ክራማት ብምግንዛብ ክንፍትሽ ዝሕግዘና ጽሑፋት ወንጌል እናቅረበት እያ፡ ተዘካክረና። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ኦም ብፍሪኡ ይፍለጥ ከም ዝኮነ ንሕና ድማ ብፍረና ከመይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ንልለይ ንሎሚ ካብ ዝቀረበልና ወንጌል ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንማሃር ኢና። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ከሎ ንሃዋርያት ካብ ነብያት ሓሶት ክንጥንቀቕ ከም ዘድሊ ሓበረ። ምጥንቃቕ ዘድልየሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ሓሶት ሓቂ መሲለ ኪቐርብን ከደናግርን ስለ ዝኽእል እዩ። ንዓና ኣብዚ ዘመን ዘሎና ሕዝበ ክርስትያን እሞ ክንደይ ጸሚምናሉ ኣብ ዘሎና ብትንቢታት ክንደይ ምጥንቃቕ ዘየድልየና። ነቢይ ሓሶት ብውሽጡ ሓደገኛ ክነሱ ብደጊኡ ግን ድሓን መሲለ ክረአ ይኽእል። ማለት ቆርበት በጊዕ ተኸድነ ተኹላ ኮይኑ ይመጸካ። ንዓናኸ ሎሚ እንታይ ይመጻና ከም ዘሎ እሞ ነስተውዕል ሕዝበ ክርስትያን። ስለዚ ቆርበት ሕልፍ ኢልካ ውሽጡ ክትምርምር የድሉ። ሎሚ ነዚ ዘሎናዮ ዘመን ዘለዉ ኣብ ውሽጥናን ኣብ ከባቢናን ናይ እግዚኣብሄር ዘይኮኑ መልእኽትታት ከመይ ንመምዮም ንህሉ፧ ንሓሰውቲ ነብያት ብኸመይ ከም እንፈልጦምን፡ ብኸመይ ክንርእዮምን ከም ዝግብኣና ቃል እግዚኣብሄር ብንጹር ይገልጸልና እዩ። ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ኣብነት ንርኤይ፡
እዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዚተሰርዐ ናይ’ዚ ዕለት’ዝ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብ፡ ብዛዕባ ምጽኣትን ኣመጻጽኣን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ ኽፍሊ ሓድሽ ኪዳን’ዩ። ነዚ ኣስተምህሮ’ዚ ዝሃበ ድማ ባዕሉ ጐይታና’ዩ። ማእከላይ መልእኽቲ ናይቲ ኣስተምህሮኡ ድማ፡ መዓልቲ ምጽኣቱ መዓስ ምዃና ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ስለ ዘየልቦ፡ ኵሉ ሰብ ዘዝተዋህቦ ዕዮ ኣብቲ ምዱብ ጊዚኡ እናፈጸመ፡ ብንቕሓት ተዳልዩ ኺጽበይ ከምዝግብኦ ዘመልክተና እዩ። ብመንጽር’ዚ መልእኽቲ’ዚ ኣድማ ሰባት ኣብ ክልተ ዓይነት ጕጅለ ይኽፈሉ። እቶም ቀዳሞት፡ ነታ ዝተዋህበቶም ዕዮን ሓላፍነትን ከምዝግባእ እናፈጸሙ እሙናት ኰይኖም ዝተረኽቡ ሰባት ኪዀኑ ኸለዉ፡ እቲ ነዚ ህይወት’ዚ ዘብቅዖም ድማ፡ እቲ “ጐይታና ቐልጢፉ ኺመጽእ’ዩ”ዝብል ምስትውዓል ንእምነት ንዝመልኦ ኣተሓሳስባኦም’ዩ። እቶም ካልኣይ ጕጅለ ግና፡ በቲ ምስትውዓሉ ዝተደፍነ ንዝጸልመተን ኣእምሮኦም ጐይታኦም ከም ዝድንጕይ ብምሕሳብ፡ ዘመን ህይወቶም ስጋዊ ተድላ (pleasure) ኣብ ምስትምቓር ኣቃጺሎም፡ ነቲ ኺሰርሕዎ ዝተዋህቦም ዕዮ ዘይፈጸሙ፡ አረ ብኣንጻሩ ዝስርሑ፡ ነቲ ዝተዋህቦም ተልእኾ ዘፍርሱ ዝነበሩ እዮም።
ድሕሪ በኣተ-ክረምት (ምእታው ክረምቲ) እዚ ዕለት እዚ ኻልኣይ ሰንበት ምዃኑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብዛዕባ ምስላ ዘርእን ዘራእን’ ኢና ዝረኣና፡ ሎሚ መዓልቲ ድማ ብዛዕባ፡ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ክንመሃር ተሰሪዑልና ኣሎ። እዚ ኽቡርን ረቂቕን ምስላ እዚ፡ ንውልቀ ክርስትያንን ብዓባያ ንቤተ ክርስትያንን ኣዝዩ ዓብዪ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ኺትርጕመሎም ምስ ሓተትዎ፡ ጐይታና ብደረጃ ዓለም’ውን ከም ዚትርጐም ኣብ ማቴ 13፡37-43 “እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ (ክርስቶስ) እዩ።
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብቲ ክረምቲ ዚጅምረሉ (በኣተ ክረምት) ሰነ 25 ክሳዕ ሓመለ 15 (ቂርቆስ) “ዘርዕ ደመና” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። በዚ መሰረት ድማ፡ እቶም ኣብዚ ቕንያት’ዚ ዚንበቡ ክፍልታት ሓድሽ ኪዳን ምስ ዘርኢ ዝተታሓሓዘ ትሕዝቶ ዘለዎም እዮም ዚዀኑ። ስለዚ ድማ ናይዚ ዕለት’ዚ ናይ ወንጌል ንባብ እቲ ጐይታ ዝመስሎ፡ “ምስላ ዘርእን ዘራእን” ምስናይ ትርጕሙ እዩ። ኣብዚ ምስላ እዚ፡ እዚ ዘራኢ ጐይታ ባዕሉን ኵሎም ልኡኻት ወንጌልን እቲ ዘርኢ ድማ እቲ ዚስበኽ ቃል ኣምላኽ እዩ። እቲ ነቲ ዘርኢ ዚቕበል ግራት ድማ ልቢ ሰብ እዩ።
“ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ዜፍቅረኒ እንተ’ሎ፡ ቃለይ ይሕልው’ዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡ’ውን ንመጽእ፡ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።” ዮሃ 14፡23። ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ነዚ ዕለት’ዚ ዝመደበትልና ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ እቲ ቕዱስ ኣምላኽ ኣባና ኣብ ድኹማት ፍጡራቱ ንዚገብሮ ግብሪ ሕያውነት ዜመልክተና እዩ። ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ እግዚኣብሄር ንሰብ ኪገብረሉ ዚኽእል ዝዓበየ ምሕረት፡ ነዚ መዋትን ሓጥእን ስጋና ማሕደሩ (መቕደሱ) ኺገብር ምፍቃዱ እዩ። ስለዚ ነዚ ኣርእስትና ዀነ፡ ብዓብዩ ነቲ ማሕደር ኣምላኽ ናይ ምዃን መዳርግቲ-ኣልቦ ትዕድልቲ ኣቃሊልና ኽንርእዮ ኣይግባእን’ዩ። እግዚኣብሄር’ኳ ነዚ ውዱቕ ሰብ ማሕደሩ ኺገብሮ ፈትዩስ፡ ነገሩ ግርምቢጥ ኰይኑ ሰብ ማሕደር ኣምላኽ ናይ ምዃን ተገድሶ ዘይብሉ ዀይኑ ኺርከብ ከሎ፡ ኣዝዩ ዜሕፍርን ፍጻሜኡ ዜሰክሕን ምርጫ’ዩ ዚኸውን።
ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ፡ ኣርኣያ ክርስቶስ ኣድሚቝ ዜርእይ ቃል ሰፊሩልና ኣሎ። ኣብዛ ጸልማትን ውረድ ደይብን ዝበዝሐ ዓለም፡ ‘ክትክተሎ ዚግብኣካ ኣሰርን ኣርኣያን ካብ ምስኣን ዚኸፍእ ፈተና ኣሎ፡’ ኪበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን፡ ብዘይ ኣርኣያ ኪሓድገና ኣይፈተወን። ስለዚ ድማ፡ ‘ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይ’ውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵስ፡ ጾረይ’ውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ’ውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም።” ብምባል ክቡር ጽውዓ ኣቕረበልና (ማቴ 11፡29,30)። ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ፡ ነቲ ዝተዋህበካ ኣርኣያ ምኽታል ከም ዚግባእ ንምስትምሃር፡ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገብ።” ኢሎም ምዒዶምና ኣለው (1ጴጥ 2፡21)።
ኵላትና ኸም እንፈልጦ፡ እዚ ሰንበት'ዚ በዓለ-መንፈስ ቅዱስ (ጰራቅሊጦስ) እዩ። ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ፡ በቲ ሓይሊ ኽሳዕ ዚለብሱ፡ ነቲ ተስፋ-ኣቦ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዚቕበሉ፡ ካብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ኺጽበዩ ዝኣዘዞም መሰረት፡ ኣብታ ደርባዊት ህንጻ ደዪቦም ከይብኰሩ ሓቢሮም እናጸለዩ ተጸበይዎ (ሉቃ 24፡49 ፣ ግብ 1፡4,5)። እቲ እሙንን ሓቀኛን ጐይታ ድማ፡ ነቲ “እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰድደልኩም ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ” ኢሉ ዝገለጾ መንፈስ ቅዱስ ለኣኸሎም (ዮሃ 15፡26)። ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳእ ከለው ድማ፡ ብድንገት ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዚጥዕም ጽምዲ ካብ ሰማይ መጸ። መንፈስ ቅዱስ መጺኡ ንዅላ’ታ ቤት መልአ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ መሲሉ ድማ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ተቐሚጡ መልኦም (ግብ 2፡1-4)
"ንሱ ድማ፡ ‘እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከለኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግብኦ’ዩ’ ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ’ በሎም። ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም . . .”ሉቃ 24፡44-45። እዚ ናይ’ዚ ዕለአት ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ኻብ ዝገለጸልና ዓበይቲ ረብሓታት ትንሳኤ ሓደ፡ ምኽፋት ኣእምሮ’ዩ። ኣብዚ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ቅድሚ ሞቱን ትንሳኤኡን ብኣካል ስጋ ምሳታቶም እናተመላለሰን እናነበረን ከሎ፡ እቶም ሕቲ-ሙሴን፡ ትንቢት ነብያትን መዝሙራት ቅዱስ ዳዊትን ካልኦት ዘመርትን ብዛዕባኡ ዝበልዎ ዅሉ ቓላት በብሓደ እናልዓለ ይገልጸሎም ነበረ። ንመጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ንሕና እንተ መርመርናዮም’ውን ዳርጋ ዅሉ ትሕዝቶኦም ብዛዕባ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ