እዚ ሻብዓይ ሰንበትን ሳምንትን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓብይ ጾም፡ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያን “ኒቆዲሞስ”ተባሂላ ትጽዋዕ። አብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ ረቢ ሊቅ ንሕነ ነአምን ብከ። ከመ እምኀበ አብ መጻእከ ከመ ትኩን መምህረ። ትርጉም “ ኒቆዲሞስ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን። ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ።” እዚ ዕለት እዚ ኒቆዲሞስ ተባሂሉ ዝስመይ ኰይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ካልኣይን ዓብይን ልደትና ክንሓስብን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ
እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 15, 2020፡ ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ። “መፃጕዕ” ተባሂላ ድማ ትስመ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “አምላኩሰ ለአዳም ለዕረፍት ሰንበት ሠርዐ።” አምላክ ኣዳም ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዓሉ (ዝፈጠረሉ) እዩ፡” ዚብል። ኣብዚ ዕለት እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕሙማት ብዛዕባ ምፍዋሱ፡ ትእምርቲ ምግባሩ፡ዝጎበጠ ምቅንዑ፡ ለምጻማት ምንጽሁ፡ ብዛዕባ መለኮታዊ ታአምራት ሓይሉ ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ይዝመር፡ ይስብከን፡ ይዝከርን።
እዛ ሣልሰይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓብይ ጾም እዋን ‘ምኵራብ’ ተባሂላ ትጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ ወመሀረ ቃለ ሃይማኖት፡ ወይቤሎሙ ምጽዋተ ኣበድር እመሥዋዕት። አነ ውእቱ እግዚኦ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት፡ እግዚእ ውእቱ ለሰንበት ወልደ ዕጓለ እመሕያው። ኢትግበሩ ቤተ ኣቡየ ቤተ መሥያጥ፡ ቤትየሰ ቤተ ጸሎት ይሰመይ። ቦአ ምኵራብ ወገሠፆሙ። አንከሩ ምህሮቶ ሞገስ ቃሉ ወጣዕመ ነገሩ። ወሣዕሣዓ አፋሁ። ትርጉም ፡ ኢየኡስ ናብ ኣይሁድ ምኵራብ ከደ ቃል ሃይማኖት መሃረ ካብ መስዋእትስ ምጽዋት ይበልጽ በሎም። ጐይታ ሰንበት ኣቦ ምሕረት ኣነ እየ በሎም። ወዲ ሰብ ከኣ ጐይታ ሰንበት እዩ በሎም። ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት እዩ ኢልዎም ናብ ምኵራቦም አተወ፡ ስቅ ክብሉ ገንሖም። ትምህርቱን ሓይሊ ቃሉን ሞገስ፡ ናይቲ ነገር ምፍታው ናይ ቃሉ ላዛን አድነቁ። ኢሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኣብ ምኵራብ ምምሃሩ ቅዱስ ያሬድ ዘመረ።
ናይ ወዲ ሰብ ናይ ህይወት ዕላማ፡ ንምስሊ ኣምላኽ ምንጽብራቕ እዩ። ፍጥረት ሰብ ብመልክዕን ምስልን ናይ እግዚኣብሄር ዝተፈጥረ ፍጡር እዩ። እዚ ዘርእየና ድማ፡ ወዲ ሰብ ንመልዕን ምስልን ኣምላኽ ከንጸባርቕ ዝተፈጥረ ፍጡር ምዃኑ እዩ። ስለዚ ብፍጥረት ተካፈልቲ ባህሪይ ኣምላኽ ዀንና። ብምኽንያት እታ ዝተገብረት ኣበሳ እዚ መልክዕን ምስልን ኣምላኽ ኣባና ተበላሸወን ተደወንን። እንተዀነ ኣምላኽ በዚ ዝተበላሸወ መልኽዕ ንሓዋሩ ክንነብር ኣይሓደገናን። እንታይ ደኣ ነቲ ዝተበላሸወ መልኽዕና ከሐድሶ፡ ንዝጠፍአ ነገርና ክመልስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ወረደ። ነዚ ወረደ ዝብል ሓሳብ ሒዝና ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ከነስተንትን ቐኒና ክንከውን ተስፋ ይገብር። ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ዝወረደሉ ዕላማ ነቲ ዝተፈጠርናሉን፡ ናይ ህይወትና ተልእኾውን ዝዀነ፡ ንኣምላኽ እነንጸባርቐሉን መልኽዕናን ምስልናን ንምሕዳስ እዩ።
“ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሃበና፡ ከምኡውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ።” (1ዮሃ 3:1)።
መእተዊ፥ እዚ ሰንበት እዚ ጾመ ኣርብዓ ዝኣትዋሉ ሰንበት እዩ። ጾመ ኣርብዓ እቲ ዝዓበየ ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ ጾም እዋን እዩ። በብሰሙኑ ድማ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምውራዱ ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤኡ ዝሓለፎ ህይወት ብምስትንታን እንዝክረሉ ኣብቲ ናቱ ስራሕ ሓቢርና ምህላውና ድማ ርእስና እንምርምረሉ ክቡር ግዜ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና እምበኣር ሕጽር ዝበለ ትምህርቲ ብዛዕባ ጾምን ብዛዕባ ትርጉም እዛ ሰንበት ተሰምያትሉ ዘላ መጸውዒ “ዘወረደ” ብዛዕባ ምውራድ ወልድ ዋህድን ዕላማ ምስጋዉን ክንርኢ ኢና።
ካብዚ ዝርርብ እታ ሳምራዊት ሰበይትን ጐይታና ኢየሱስን፡ ካብዚ ሎሚ ኣብ ቅዳሴ ዝተነበበልና ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 4 እንተኣስተውዒልና ፡ምድሪ ሰማርያ ኣብ መንጎ ምድርታት ይሁዳን ገሊላን’ዩ ዝርከብ ። ስለዚ ክርስቶስ ይኹን ካልእ ሰብ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ክኸይድ ብሰማርያ ኣቢሉ ክሓልፍ ግድን’ዩ። እንተኾነ ንክርስቶስ ብእኡ ምሕላፍ ግድን ዝኾኖ በዚ ዝተጠቕሰ ጂኦግራፊያዊ ምኽንያት ጥራይ ዘይኮነ ሓደ ካልእ መለኮታዊ ምኽንያት ነበሮ።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥሪ 11 ክሳብ ጾመ ነነዌ ዘሎ ጊዜ “ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ማለት ካብ ጥሪ 26 ክሳብ ለካቲት 2 ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ተወልደ ኢየሱስ በቤተ ልሔም ዘይሁዳ (ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ተወልደ።) እዚ ከኣ ሕጊ ዝሰርዔን ዝማሃረን፡በረከት ናይ ስጋን ነፍስን ከካፍለና ከምኡውን ነቲ ስራሕ ሰይጣን ከፍርስ እቲ ንደቂ ሰባት ዝፈጠረ አምላክ ኣማልክቲ ጐይታ ኣብ ቤተ ልሔም ይሁዳ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ስጋ ምግላጹ ንምዝካር ዝተሰርዔ ዕለት እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፣ ጽድቁ አብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለጸ። ሳህሉን እምነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ፣ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ንምድሓን ኣምላኽና ረአየ።” (መዝ 98፡ 2-3) ሎሚ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት ብዝብል ናይ ኣዴና ሃና ኣብነት ብምግባር ነዚ ንኣትዎ ዘሎና ጾም ነነዌ ኣብ ህይወትና ከመይ ከነተግብሮ ከም ዘሎና፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
“ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን፡ ብጥበብ: ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።” ሉቃ 4፡52። ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥሪ 11 ክሳብ ጾመ ነነዌ ዘሎ ጊዜ “ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ማለት ካብ ጥሪ 19 ክሳብ ጥሪ 25 ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ እሙነ ኮነ ልደቱ ለመድኃኒነ ክርስቶስ። እምሰማያት ወረደ ወእመላእክት ተአኵተ፡ ወእማርያም ተወልደ።”ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እሙን ኮነ፡ካብ ሰማይ ወረደ፡ ብመላእክቲ ተመስገነ፡ ካብ ማርያም ተወልደ።” ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፡ ንሱ’ውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።” መዝ 118፡27።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ