ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና ሰንበት መጸ ኣንጊህና ተሲእና፡ ኣካላትና ተሓጺብና፡ ጽጉርና ዘርጊፍና ተመሺጥና፡ ሳእንታትና ወላዊልና፡ ጽሩይ ክዳን ተኸዲና፡ እኽለ-ማይ ከይለኸፍና፡ መኪናና ኣልዒልና፡ ካብ ቤትና ተበጊስና ናብ ቤተክርስቲያን ንኸይድ። ከምቲ ዝሓመመ ሰብ ናብ ቤት ሕክምና ካብ ሓኪም ረዲኤት ሕክምና ክረክብ ዝኸይድ ከምኡ ውን ንሕና ምእመናን ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘኺደና እቲ ቀንዲ ምኽንያት ብጸሎትን ብቅዱስ መንፈስን ምስ ልዑል ኣምላኽና፡ መንፈሳዊ ሓኪምና፡ ንምርኻብ ኮይኑ ካብኡ ኸኣ ጸጋ በረኸቱን ምሕረቱን ረዲኤቱን ክንቅበል፡ ብመንፈስ ቅዱስ ክንባረኽ፡ ቃለ ቅዱስ ወንጌል ክንሰምዕ፡ ሰማያዊ ጽድቅን ሂወትን ንኽንረክብ ተስፋ ብምግባር ኢዩ። ከም ኣመንቲ መጠን ብወገና ከኣ ምስ እምነትናን ግብርናን ተሳኒዩ ዝኸይድ ግቡእን ቅቡልን ባህርያትን ስነ-ምግባር ከነዘውትርን ከነማልእን ከምዘሎና ንርዳእ። እዚ ዕላማን ምኽንያትን መሰረት ብምግባር ንመረዳእታ ዝኸውን ከም ኣብነት ስዒቡ ዝቀርብ ብኣቓድዎ ንከታተል።
ሓደ ስድራ ቤት ሰብኣይን ሰበይትን ጉርጃን ዓጀባን ምስ ክልተ ደቆም፡ ኣሮን ወዲ 9 ዓመት፡ ኣርያም ጓል 12 ዓመት፡ ሓደ ሰንበት ኣንጊሆም ናብ ቤተ ክርስቲያን ይኸዱ። ድሕሪ ቅዳሴ ምፍጻሙ ኣባ ቀሺ ናይ ዕለተ ሰንበት ስብከት ጀመሩ። ኣብቲ ስብከቶም ብዛዕባ ስርዓተ ጥምቀት፡ ጸሎተ ንስሓ፡ ቅዱስ ቁርባን፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ምስጢረ ክርስትና ስፍሕ ዝበለ ኣገዳሲ ትምህርትን ምዕዶን ኣቕረቡ። ስድራቤት ጉርጃ ነቲ ትምህርቲ ኣቓልቦ ጌሮም ሰምዕዎ። እቲ መደብ ምስ ተፈጸመ ስድራቤት ጉርጃ ተቐዲሶም ተባሪኾም ናብ ደገ ሰላም ከይዶም መኽፈልቲ እንዳበልዑ ምስ ካልኦት ስድራቤት ንገለ ግዜ ተዘናጉዑ።
ስድራቤት ጉርጃ ካብቲ ደገ ሰላም ምስ ወጹ ናብ ቤት መግቢ ከይዶም ምሳሕ ክበልዑ ተሰማምዑ። ኣብ መኪናኦም ኣትዮም ካብቲ ፓርኪንግ ክወጹ ክዳለዉ ከለዉ ብጸጋሞም ወገን ሰብኣይን ሰበይትን ሽማግለታት ካብቲ ፓርኪንግ ክወጹ ውን ይዳለዉ ነበሩ። እንዳ ጉርጃ ኣቐዲሞም ክወጹ እንከለዉ እቶም ሓደ ስድራቤት ከኣ ደድሕሪኦም ኣብ ዝወጹሉ እዋን ኣጋጥሚ ኾይኑ ብድንገት ንመኪና እንዳ ጉርጃ ብድሕሪት ወገን ጎነጽዋ። እቲ ጉድኣት ቀሊል እኳ እንተነበረ ጉርጃን ዓጀባን ግን ካብ መኪኖኦም ወጺኦም ዘየድሊ ጸርፍን መርገምን ኣብ ልዕሊ እቶም ሽማግለታት ኣውረዱሎም። እቶም ሽማግለታት ብጣዕሚ ሰንቢዶም ስለዝነበሩ ከምኡ ውን ቁሩብ ናይ ምስማዕ ጸገም ስለዝነበሮም ነቲ ጸርፍን መርገምን ከስተብህልሉ ኣይከኣሉን። ዝኾነ ኮይኑ እቲ ጎነጽ ቀሊል ጉድኣት ስለዘኸተለ ብዙሕ ዘማርርን ዘናህርን ኣይነበረን። እቶም ክልተ ስድራቤት ብህደኣት ተዛራሪቦም እንታይ ከምዝገብሩ ተረዳዲኦም ተፋላለዩ። እዚ ኩሉ ክኸውን ከሎ እታ ጓል 12 ዓመት ኣርያም ጓሎም ናይ ወለዳ ባህሪ ብዕቱብ ትዕዘቦ ነበረት።
እንዳ ጉርጃ መኪኖኦም ኣልዒሎም ናብቲ ምሳሕ ዝበልዕሉ ቤት መግቢ ኣምርሑ። ኣብቲ ቤት መግቢ ኣትዮም ምስ ተናባበሩ ዝበልዕዎ መግቢ ጠለብ ክትቅበል ኣሳሳዪት መጸት። ድሕሪ ቁሩብ ምጽባይ እቲ ዝኣዘዝዎ ዓይነት መግቢ ሒዛ መጸት። ንነፍሲ ወከፎም ነናቶም ዝኣዘዝዎ መግቢ ክትህቦም ከላ ኣብ ቅድሚ ጉርጃ ዝነበረት ኩባያ ማይ እታ ኣሳሳይት ብድንገት ብኢዳ ክምብል ኣቢላታ ተደፍአት እሞ ገለ ካብቲ ማይ ኣብ ስረ ጉርጃ ፈሰሰ። እታ ኣሳሳይት ብጣዕሚ ሰንቢዳ ይቕረታ ሓተተት። ጉርጃን ዓጀባን ግን እታ ኣሳሳይት ብዘይትፈልጦ ቋንቋ ትግሪኛ፡ ገስረጥ ጻሕጋር ወዘተ ጸርፍን መርገምን ኣውረዱላ። ብዛዕባ ጉዳዮም እምበር ብዛዕባኣ ዝዛረቡ ስለዘይመሰላ እታ ኣሳሳይት ነቲ ጸርፍን መርገምን ልቢ ጌራ ኣየቕለበትሉን። መግቢ ተበሊዑ ቅድሚ ምኻዶም እታ ኣሳሳይት ተመሊሳ መጺኣ ደጊማ እቕረታ ሓተተት። ይኹን እምበር እንዳ ጉርጃ ኣብቲ ዝውሃብ ሞቕሺሽ ከይሃሰይዋ ኣይተርፉን። እዚ ኹሉ ክኸውን ከሎ ኣርያም ጓሎም እንደገና ኣትሪራ ብትዕዝብቲ ተዋህልል ነበረት።
እንዳ ጉርጃ ካብ ቤቶም ናብ ቤተ ክርስቲያን፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ናብ ቤት መግቢ ዘኸዶም ጉዳይ ፈጺሞም ናብ ቤቶም ክምለሱ ተበገሱ። ኣብቲ ጉዕዝኦም እታ ፍልይ ዝበለ ብልሕን ልቦናን ዘለዋ ጓል 12 ዓመት ኣርያም ጓሎም ንወለዳ ከምዚ ዝስዕብ በለቶም። "ባባ፡ ማማ፡ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ዝሰማዕኩምዎ ጸሎትን ምኽርን ኣብ ግብሪ እንተዘይ ኣውዒልክምዎ ደኣ ናብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ እንታይ ኢዩ ትርፉ፡" ኢላ ኣትሪራ ሓተተቶም። ብኻልእ ኣዛራርባ፡ እቲ ኹሉ ዘውረድኩምዎ ጸርፍን መርገምን ዘግሃድክምዎ ባህርያትኩምን ክትንተን ከሎ፡ እቲ እምነትኩም ምስ ግብርኹም ከምዘይ ተዛመደ ከምዘይ ተሳነየ እዩ ዝምስክር ዘሎ ኢያ ትብሎም ዘላ። ጉርጃን ዓጀባን በቲ ሕቶኣ ሰንቢዶም እቲ ዝተዓዘበቶ ኩነታት ናይቶም ዘጋጠምዎም ሰባት ጌጋን በደልን እምበር ናታቶም ከምዘይኮነ ከማኻንዩ ብዙሕ ፈተኑ። ኣርያም ጓሎም ግን ነቲ ሙኽኑይ መልሶም ኣይተቀበለቶን። "ብኣኻትኩም ወገን ጽቡቕ ክትገብሩ ነይሩኩም፡ እንተዘይ ኮነ ናብ ቤተ ክርስትያን ንኸደሉ ምኽንያት ኣይራኣየንን" ኢላ መለሰትሎም። ጉርጃን ዓጀባን ግን ንኣርያም ጓሎም ዘዕግባ ተወሳኺ መልሲ ስለዘይነበሮም ትም ኢሎም ኣጽቂጦም ብሰላም መገዲ ገዝኦም ቀጸሉ።
ከምቲ ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ኣብ ልዕሊ ስድራቤት ጉርጃን ዓጀባን ምስ እምነቶም ዘይከይድ ናይ ስነ-ምግባር ጉድለትን ዕንቅፋትን ፈተናታትን ዘጋጠሞም ከምኡ ውን ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ሞራል ዝጎደሎ ዕንቅፋታትን ፈተናታትን ኣብ ገሌታትና የጋጥም ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ቅዳሴ እናተኻየደ ከሎ ወይ ከኣ ናይ ዕለተ ሰንበት ስብከት እናተዋህበ ከሎ ገሌታትና ኣብ ሕድሕድና ሕቱኽቱኽ እንዳበልና ንዛረብ፡ ድምጺ እንዳገበርና ንኻልኦት ምእመናን ንርብሽ። ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ደገ ሰላም፡ ሻህን ቡንን እናሰተና፡ ቅጫን ሕምባሻን እናበላዕና፡ ብዛዕባ ፍቕርን ሰላምን ዕርቅን ኣብ ክንዲ ንዛተ፡ ብዛዕባ ውግእን ወረ ውግእን፡ ብዛዕባ ፖለቲካ ቁርቁስን ንትርት ነውሪ። ብዛዕባ ምክብባርን ምትሕብባርን ምትሕልላይን ኣብ ክንዲ ንላዘብ፡ ብዛዕባ ክስን ወቐሳን ሕሜታን ነውግዕ። እዝን ካልእን ከነዕልልን ከነዳኽርን ኣይኮነን ናብ ቤተ ክርስቲያን ንኸይድ። እምበኣርከስ፡ ናብታ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንምንታይ ንኸይድ ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ ኮይኑ ንረኽቦ።
ካብቲ ስድራቤት ጉርጃ ካብ ቤቶም ወጺኦም ክሳብ ናብ ቤቶም ዝምለሱ ዘጓነፎም ኩነታትን ዝሓለፍዎ እዋንን ኣብ ግምት ኣእቲና ከነስተንትኖ ኮለና መምሃርን መለበምን ክኾነና ይኽእል። ናብ ቤተ ክርስቲያን ክንከይድ ክንሓስብ ኮለና መበገሲና ዕላማ ካብ ልባዊ እምነት ዝነቐለ እምበር ብዘልማድ ዘይኮነ፡ ካብ ቅዱስ መንፈስ ዝተበገሰ እምበር ብባህሊ ምኽንያት ከምዘይኮነ ክበርሃልና ኣለዎ። ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘኺደና ብመገዲ ጾምን፡ ጸሎትን፡ ምጽዋትን፡ ተመሪሕና ካብ ልዑል ኣምላኽና ዓስብን ጸግዕን ንምርካብ ዝዓለመ እምበር ንወረን ዕላልን ንጃህራ ርኣዩለይ ከምዘይኮነ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝወሃበና ትምህርቲ የዛኻኽረና። ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘኺደና ኣብ ጽኑዕ እምነትን፡ ኣብ ቅኑዕ ስነ-ምግባርን፡ ኣብ ሰናይ ምስትውዓልን፡ ዝተመርኮሰ ክኸውን ከምዘለዎ ክንርዳእ ይግባእ። ንሕና ወለዲ ንገብሮ ደቅና ስለዝገብርዎ፡ እቲ ጽቡቕን ሕማቕን ንሕና ንገብሮ ደቅና ካባና ስለዝወርስዎ፡ ኣብቲ ልቦናና፡ እምነትና፡ ስለ-ምግባርና፡ ቀልብና፡ ሃንደበትና፡ ቆላሕታና፡ ጠባያትና፡ ባህርያትና፡ ንደቅና ቅቡል ኣርኣያን ኣብነትን ክንከውን ከምዘለና ሓላፍነትን ግዴታን ኣሎና።
ኣብቲ ንገብሮ ጻዕርን ፈተናታትን ኣምላኽ ይርዳኣና።
ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና፡
ራህዋን ሰላምን ንሓላል ህዝብና፡
ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብ ኩላትና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ