“ኣብርሃም ናብ’ቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዐ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠ’ውን ወጸ። ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበይ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብ’ታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ’ሞ፡ ምስ’ቶም ነዛ ተስፋ’ዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።” እብ 11፡8-10።
እዚ ዘለናዮ ወቕቲ፡ ናይ ጾመ ፍልሰታ ወቕቲ’ዩ። ብረድኤት ኣምላኽ ኵላትና ቕቡል ናይ ጾምን ጸሎትን ጊዜ ነሕልፍ ክንህልው ተስፋና ልዑል’ዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝወረደ ምልኣት ጸጋ፡ ኣባና’ውን ኪዓዝዝ እግዚአብሔር ብዓይኒ ምሕረት ጠሚቱ ይርድኣና። ሎሚ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንና “ዛቲ ይእቲ ማርያም” እናበሉ’ዮም ኬዚሙ ሓዲሮም። እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባባት ሓድሽ ኪዳን’ውን ኣብ’ዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ብምግባር ዝተሰርዐ’ዩ። ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ዚስበኽ ምስባክ’ውን፡ ከም’ዚ ዚስዕብ ዚትርጐም’ዩ።
“እግዚአብሔር ንጽዮን ሓርይዋ’ዩ’ሞ፡ መሕደሪኡ ኽትከውን በሃጋ። እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ’ያ .... (በለ)።” መዝ 132፡13,14
እቲ ኻልኣይ ኣማራጺ ምስባክ ከኣ፡ ከም’ዚ ዚስዕብ ዚትርጐም’ዩ።
“ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን አልዕል ኣለኹ፡ ረድኤተይ ኻበይ’ዩ ዚመጸኒ፡ ረዲኤተይሲ ካብ .... እግዚአብሔር’ዩ .... ።” መዝ 121፡1,2
እቲ በዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ ነዚ ናይ እብ 11፡8-16 ንባብ ዝሓቘፈ’ዩ። ኣብ’ዚ ንባብ’ዚ ጒሉሕን መሃርን ብዝዀነ ኣገባብ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ናይ’ቲ ኣቦ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ኣቦና ኣብርሃም ምስክርነት’ዩ። እቶም ወለዶ ጐይታና ዝዘርዘሩ ኽልተ ወንጌላት (ናይ ቅዱስ ማቴዎስን ቅዱስ ሉቃስን)፡ ጐይታና ወዲ ኣብርሃም ከም ዝዀነ መስኪሮምልና ኣለዉ (ማቴ 1፡1፣ ሉቃ 3፡34 )። ጐይታና፡ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ፡ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም’ዩ ዝተወልደ። ስለ’ዚ ጐይታና ዘርኢ ኣብርሃም ኪኸውን ዝኸኣለ ኣዴና ማርያም ጓል ኣብርሃም ስለ ዝዀነት’ዩ። ናይ ኣቦኣ ኣብርሃም እምነት ወሪሳ፡ ነቲ ብመልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል፡ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ መድሓኒ ዓለም ከም እትወልድ ንዝተነግራ ብስራት ብእምነት ተቐቢላ፡ “እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚአብሔር፡ ከም ቃልካ ይኹነለይ” ብምባላ፡ ካብ ኵላተን ኣንስቲ ዝተባረኸት ናይ ምዃን ክብሪ ረኸበት። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብልሳን ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ገይሩ፦
““ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺ’ውን ብሩኽ’ዩ። ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧ እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ተሰራሰረ። እቲ ኻብ እግዚአብሔር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም’ዩ’ሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ’ያ”።”
ብምባል እቲ ምስጢረ ተዋህዶ ኣብኣ ድሮ ኸም ዝተፈጸመ ኣበሰራ (ሉቃ 1፡42-45)። ኣቦና ኣብርሃም፡ ንእግዚአብሔር ብእምነቱ ምስ ኣስመሮ፡ እግዚአብሔር ከኣ፡ “ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ፡ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ’ዮም” ኢሉ ኪዳን ኣተወሉ (ዘፍ 22፡18)። እቲ “ዘርእኻ” ዝተባህለ ኸኣ፡ እቲ “ወዲ ኣምላኽን ወዲ ሰብን” ዝተሰምየ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ብሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ።
“እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ ድማ ንሓደ ኸም ዚብሃል፡ “ንዘርእኻ፡” ንሱ ኸኣ ክርስቶስ’ዩ’ምበር፡ ንብዙሓት ከም ዚብሃል፡ “ነዝርእቲ፡” ኣይብልን’ዩ።” ገላ 3፡16
እምብኣር ቅድስቲ ድንግል ማርያም ባዕላን እቲ ንሳ ዝወለደቶ ቅዱስ ወዳን ካብ’ቲ ኣቦ እምነት ዝዀነ ኣቦና ኣብርሃም ዝፈረዩ ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ’ዚ ዝተባረኸ ናይ ጾመ ፍልሰታ ጊዜ ካብ ህይወት ቅዱስ ኣቦና ኣብርሃም ሃናጺ ትምህርቲ ኽንመሃር ይግብኣና’ዩ።
ካብ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ከም እንመሃሮ፡ ኣቦና ኣብርሃም ኣብ’ዛ ፈታኒት ዓለም’ዚኣ ንእግዚአብሔር ብዜስምር ጽድቅን ቅድስናን ኪመላለስ ዝኸኣለ፡ ነታ ብተስፋ ዝተዋህበቶን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረን ምድሪ ከንኣን ዘይኰነስ፡ ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣ ናይ ሰማይ ከተማ ይብህግን ይጽበይን ስለ ዝነበረ’ዩ። ዝዀነ ይኹን ኣብ’ዛ ምድሪ ዝነበረን ዚነብርን’ሞ ናብ ቅድስና ዚበጽሕ ወይ ዝበጽሐ እንተ’ልዩ፡ ብዘይ ናይ’ዛ ሰማያዊት ከተማ ናፍቖትን ትጽቢትን ከም ዘይበጽሖ ቓል እግዚአብሔር ዘረጋገጾ ሓቂ’ዩ።
ኣቦና ኣብርሃም ነዚ ናይ’ዛ ሰማያዊት ከተማ ተስፋን ትጽቢትን ካበይ ረኸቦ፧ ኣብ’ቲ ታሪኽ ኣቦና ኣብርሃም ዝሰፈረሉ ናይ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፋት (11-25)፡ ናይ’ታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣ ሰማያዊት ከተማ ትጽቢት ከም ዝነበሮ ዚገልጽ ክፍሊ የብሉን። ብርግጽ ንኣምላኽ ዚፈርህን ዚእዘዝን ናይ እምነት ኣቦ ኸም ዝነበረ ብኣዝዩ መሃርን ሃናጽን መገዲ ተነጊሩና ኣሎ። “ከም’ዚ ዝኣመሰለ እምነት፡ ካብ ምድራዊ ተስፋ ጥራሕ ዝበቘለ’ዩ” ኢልካ ምሕሳብ ግን፡ ነታ ንኣምላኽ ዘኽበረትን ንኣብርሃም ዘጽደቐትን ህያው እምነት ከም ምቅላል ኪቝጸረና’ዩ። እግዚአብሔር ከኣ ካብ ከም’ዚ ዝበለ ፈኲስ ርድኢት ኬናግፈና፡ እታ ንዅላቶም ቅዱሳን ኣቦታትና ዘዐወተት ምስጢር ኪገልጸልና ስለ ዝፈተወ ግና፡ ብቕዱስ መንፈሱ ገይሩ ንሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገለጸሉ። ንሱ ኸኣ በዚ ዘለኣለማዊ መልእኽቱ ግሩም ገይሩ ነቲ ሓቂ፡ እንሆ ኣስኒቑና ኣሎ። ኣብ መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ ኣስፊርዎ ኸም ዘሎ ኸኣ፡ ነዛ ዓባይን ኣርኣያዊትን እምነት ዝወለደ ተስፋ፡ እዚ ናይ ምድሪ ርስትን ናይ ውላድን ተስፋ ዘይኰነስ፡ ናይ’ዛ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን ሰማያዊት ከተማ ተስፋ’ዩ። ተራን ጊዝያውን ተስፋ፡ ጽድቅን ምድሓንን ዜምጽእ ዓብይ እምነት ኣይወልድን’ዩ። ዕብየት ተስፋ ምስ ዕብየት እምነት ቀጥታዊ ተዛማድነት (direct relationship) ኣለዎ። ኣቦና ኣብርሃም ኣብ’ታ ብተስፋ ዝተዋህበቶ ምድሪ ኸንኣን፡ ካብ 100 ዓመታት ንላዕሊ ኣይተቐመጠን። ንሳተን’ውን ጥዑም ከተስተማቕረለን ዘይትኽእል ናይ ሽምግልና ዓመታት’የን ዝነበራ። ካብ 75 ዓመት ዕድሚኡ ክሳዕ 175 ዓመቱ’ዩ ኣብኣ ዝተቐመጠ። እታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣ ሰማያዊት ከተማ ግን ንሚእቲ ዓመታት ዘይኰነስ ንዘለኣለም እትንበር’ያ። ብእርጋን ተደጊፍካ ዘይኰነስ እዚ ናይ ውርደት ስጋኻ ነቲ ኽቡር ስጋ ክርስቶስ ናብ ምምሳል ተለዊጡ እትንበር፡ ናይ ዕዙዝ ክብርን ሓጐስን ከተማ’ያ (ፊሊ 3፡20,21)።
ኣቦና ኣብርሃም ነታ ናይ ኣምላኽ ከተማ ይጽበይ ከም ዝነበረ እንታይ ግብራዊ መረጋገጺታት ኣሎ፧ ንታሪኹ ብዝዖረ ዘይኰነ ብዝተኸፍተ ኣዒንቲ ልቦና እንተ ርኢናዮ፡ ብርግጽ ጭቡጥ ግብራዊ መረጋገጺታት ኣሎ። ከምኡ ዝዓይነቱ ተስፋ ኸም ዝነበሮ ንኸነረጋግጽ፡ ነዚ መሪሕ ጥቕስና ዚመስል ጥቕሲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ወይ ኣብ ካልእ ናይ ብሉይ ኪዳን መጽሓፍ ናይ ግድን ኪጸንሓና ኣየድልን’ዩ። ኣብኡ ኻብ ናይ ቃል-ጥቕሲ ብዚበልጽ ግብራዊ መገዲ ተገሊጹ እንተ’ልዩ፡ እኹል ጥራሕ ዘይኰነስ ካብ እኹል ንላዕሊ መረጋገጺ ተዋሂቡና ኸም ዘሎ ብመንፈስ ከነስተውዕሎ ትጽቢት ይግበረልና’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣረጋጊጹልና ኸም ዘሎ፡ እቲ ኣብ’ታ ምድሪ ተስፋ (ከንኣን) ዝነበሮ ዓይነት ናብራ፡ ናይ ተስፋኡን እምነቱን ትጽቢቱን ርጉጽ መርትዖ’ዩ ዝነበረ።
ኣብ’ታ ንእኡን ንዘርኡን ዝተዋህበቶ ምድሪ ተስፋ፡ ናይ በዓል ርስትን ናይ ወዲ ዓድን ናብራ ዘይኰነስ ናይ ጋሻን ስደተኛን ናብራ ይነብር ነበረ። ነዚ ኸኣ ንመንበሪኡ ዝመረጾ ዓይነት ገዛ “ድንኳን” (tents) ኪኸውን ምውሳኑ’ዩ። ናይ ድንኳን (ቴንዳ) ገዛ ንጊዜኡ መጻንሒ ኪዀነካ እትሰርሖ’ምበር፡ ንሓዋሩ ኪዀነካ ዚስራሕ ኣይኰነን። ኣሽንኳይ ሃብታም ሰብሲ፡ ድኻ ሰብ’ኳ ንድንኳን ከም ናይ ሓዋሩ መንበሪኡ ገይሩ ኣይሰርሕን’ዩ። ናይ ድንኳን ናብራ ዚነብሩ፡ እዞም ከብትን ጤለ በጊዕን ዜራብሑ “ሰበኽ-ሳግም” እንብሎም ሕብረት ሰባት’ዮም። ንሳቶም ከኣ ፈትዮምዎን መሪጾምዎን ዘይኰነስ፡ ንጥሪቶም ዚብላዕ ሳዕሪ ደልዮም ኰለል ዚብሉ ሳገምቲ ስለ ዝዀኑ’ዩ።
ኣቦና ኣብርሃም ግን ኣዝዩ ኣዝዩ ሃብታምን፡ እግዚአብሔር ዝባረኾን ሰብ’ዩ ነይሩ። ምድሪ ኺጾረን ዘይክእል ቍጽሪ ጥሪት ዝነበሮ ሰብ’ዩ (ዘፍ 13፡5,6)። ኣብ ገዝኡ ዝተወልዱ ሰለስተ ሚእቲ ባሮት ነበርዎ። ነዚኣቶም ዝፈረዩ ባሮት’ውን ኣለዉዎ ማለት’ዩ። ምስ ነገስታት ውግእ ኪገጥምን ብሓይሊ ኣምላኽ ስዒርዎም ምርኮ ኼምልስ ዝኸኣለ ንርእሱ “መንግስቲ” ኺበሃል ዚኽእል ሰብ ነበረ (ዘፍ 14፡12-16)። ዋላ’ኳ ብዓል ማል ወይ ብዓል ጥሪት (Herdsmen) እንተ ዀነ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ንጥሪቱ ዚጓስዩ ባሮት ስለ ዝነበርዎ፡ ንሱ ምስ ጥሪቱ ኺሳግም ኣየድልዮን’ዩ። እዚ ንብሎ ዘለና ኸኣ ግምታዊ ኣባህላ ዘይኰነስ፡ እቲ ልቢ ዚምርምርን ኣብ ልቢ እምነት ዚተክልን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ብቕዱስ ሃዋርያኡ ገይሩ ዘረጋገጸልና ሓቂ’ዩ።
እዚ ናብራ ድንኳን’ዚ ዜመሓላልፈልና እንታይ መንፈሳዊ መልእኽቲ ኣሎ፧ እቲ ዝዓበየን ርጉጽን መልእኽቱ፡ እቲ ኣብ ድንኳን ዚነብር ሰብ፡ ነዛ ዓለም’ዚኣ ጓናን ስደተኛን ምዃኑ ኸም ዘስተውዓለ ዜረጋግጸልና’ዩ። ዋላ ርስትኻን ገንዘብካን ይኹን፡ እቲ እትነብረሉ ዘለኻ ምድሪ ንኣኻ ምድሪ ጓና ምዃኑ ናብ ምርዳእ እንተ በጺሕካ፡ ናይ ብሓቂ ብሱል መንፈሳዊ ርድኢት ከም ዘሎካ ርጉጽ ምልክት’ዩ። ነቦና ኣብርሃም ኣብ ድንኳን ኪነብር ዝገበረቶ እዛ መንፈሳዊት ብስለት’ዚኣ’ያ። ንጽውዓ ኣምላኽ ተኣዚዙ፡ ዓሌቱን ዓደቦኡን ሓዲጉ ናብ ዘይፈልጦ ምድሪ ኺወጽእ፡ ነቲ ድሕሪ ሚእቲ ዓመት ዝረኸቦ እንኮ ውላዱ ንኣምላኽ ኪስውኦ ኪእዘዝ ዘኽኣለቶ እዛ ናይ ሰማያዊት ከተማ ተስፋ ምዃና፡ መግለጽን ትንተናን ዘየድልዮ እግዚአብሔር ዝመስከረሉ መንፈሳዊ ሓቂ’ዩ። ናብ’ታ እግዚአብሔር ዝኣዘዞን ዘርኣዮን ምድሪ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ድንኳን ኪነብር ዝደረኸቶ’ውን እዛ ተስፋን ትጽቢትን’ዚኣ’ያ። እግዚአብሔር፡ እዛ ንኣብርሃም ዝቐደሰት ተስፋን እምነትን’ዚኣ ኣብ’ቶም ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ ነታ ምድሪ ኸንኣን ዝወረሱ እስራኤል ክትህልው ልዑል ድልየትን ትጽቢትን ነይርዎ’ዩ። እንተ ዀነ ንኸምኡ ዜተስፍው ኵነታት ስለ ዘይነበሮም፡ ብግህዶ ኸም’ዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣፍለጦምን ኣዘዞምን።
“ምድሪ ናተይ’ያ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ምድረይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም’ሞ፡ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሽየጥ።” ዘሌ 25፡23 ካ.ት
“ክህበኩም’የ” ኢሉ ኣተስፍዩ፡ “እንኩም ውረስዋ” ኢሉ ናብኣ ኣእትይዎም ኬብቅዕ፡ ንምንታይ “ጓኖት ኢኹም” ይብሎም፧ እቲ ምኽንያት ርዱእ’ዩ፡ መዓልቶም ምስ ወድኡ፡ ነዛ ምድሪ ጓና ብሞት ኪፍለይዋ’ዮም። ሞት፡ ከም መቕጻዕቲ ዝተበየነልና ፍርዲ ደኣ ይኹን’ምበር፡ ጓኖት ምዃንና፡ እዛ ዓለም’ዚኣ ናይ ዘለኣለም ቤትና ዘይምዃና ኬረጋግጸልና ዝተዋህበና ግብራዊ ትእምርቲ’ውን’ዩ። ተፈጥሮና ባዕሉ፡ ንሕና ለቢስናዮ ዘለና ስጋ፡ ፈራሲ ድንኳን ምዃኑ የረጋግጸልና’ዩ። ዋላ ነሽሓት ዓመታት ኣብ ዚነብር ህንጻ እንተ ነበርና፡ ንስጋና ፈራሲ ኻብ ምዃን ከነድሕኖ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ስጋና ድንኳን ምዃኑ፡ ነዚ ድንኳንና’ዚ ዜፍርስ ከኣ ሞት ምዃኑ ቅዱሳት ሃዋርያት ኣረጋጊጾምልና’ዮም (2ጴጥ 1፡13 ፣ 2ቈረ 5፡1)።
ስለ’ዚ ስጋዊ ህይወትና ንርእሱ ድንኳን ካብ ኰነ፡ ናብራ ድንኳን ኪሕድሰና ፈጺሙ ኣይምተገብአን። ሞት ፈጺሙ ኸም ዘይተርፈና ብደረጃ ሓሳብ እናፈለጥናዮ’ኳ እቲ ግብራዊ ናብራና ግን ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ንዘለኣለም ከም እንነብር ሰባት ኴንና ብጥበራ ኢና እንነብር። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ “ሞት” ዚበሃል ክዉንነት፡ ፈቲናን ኰነ ኢልናን ንርስዖን ንኽሕዶን ኣለና ማለት’ዩ። ንኸም’ዚ ዘመሰለ መሰክሕ ዕሽነትናስ እንታይ ዝዓይነቱ መግለጺ ዀን ኪወሃቦ ምተኻእለ!!
እቶም ንኣምላኾም ዘስመሩ፡ “ዝኸም ልበይ” ተባሂሎም ኪስመዩ ዝበቕዑ ቅዱሳን ኣቦታትና ግን ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም ንጹር ርድኢትን ጽኑዕ እምነትን ዝነበሮም’ዮም። ንኣምላኽ ኣብ ምሕጓስን ናብ ቅድስና ኣብ ምብጻሕን ዘዐወቶም ከኣ እዚ ርድኢትን ርትዕን’ዚ’ዩ። ኣቦና ቅዱስ ዳዊት ከምኡ’ዩ ዝነበረ (መዝ 39፡12 ካ.ት)።
“ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኵሎም ኣቦታትና፡ መጻእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና። መዓልትታትናን ኣብ ምድሪ ኸም ጽላሎት ይሓልፋ፡ ንዅሉ ጊዜ ኣብ ምድሪ ዚነብር የልቦን።” 1ዜና 29፡15 ካ.ት
ነተን ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዚነብርወን መዓልታቶምን ዓመታቶምን ከኣ ከም ጽላሎት፡ ከም ትኪ፡ ከም ስድሪ ዝምንዋሑ ኣዝዩ ሓጺር ዕምሪ ምዃኑ ይእመኑ ነበሩ (መዝ 90፡9,10 ፣ መዝ 39፡5 ካ.ት ፣ እዮ 7፡6,7)።
ዕላማ ናይ’ዚ ምሕጻር ዕድሜና’ዚ፡ እዛ ዓለም’ዚኣ መንበሪትና ኸም ዘይኰነት ቅድሚ ምፍጣር ዓለምና ዝተዳለወት ካልእን ሓዳስን ዓለም ትጽበየና ኸም ዘላ ንኼመልክተና’ዩ ሞት ዝሰርዓልና።
“ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ (ቅድሚ) ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ”።” ማቴ 25፡34
ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱሳን ሃዋርያት ኰነ ጐይታና ባዕሉን እዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ናትና ኸም ዘይኰነት፡ ንሕና’ውን ካብኣን ናታን ከም ዘይኰንና ደጋጊሞም ገሊጾምልና ኣለዉ። ብፍላይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ሓቂ’ዚ ደጋጊሙ ተዛሪቡሉ’ዩ። ዋላ ነቶም ጸላእቱ ፈሪሳውያን ከይተረፈ፡ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎኦምን ዘሎ ፍልልይ፡ በዚ ሓሳብ’ዚ ይገልጸሎም ነበረ (ዮሃ 8፡23 ፣ ዮሃ 15፡18,19 ፣ ዮሃ 17፡14 ፣ 1ዮሃ 4፡4-6 ፣ 1ጴጥ 2፡1)።
እዚ ቓላት’ዚ፡ ነዛ ዓለም’ዚኣ ኣጋይሽ ምዃንናን፡ ዜጋታታ ንዘይምዃን ክንጥንቀቕ ከም ዚግብኣናን ንኼመልክተና ዝተጻሕፈ’ዩ። ኵላቶም ቅዱሳን ኣቦታትና ነዚ ሓቂ’ዚ መልህቕ ህይወቶም ገይሮም ስለ ዝሓዙዮም፡ ዕዉት ናይ እምነት ህይወት ኪነብሩ ዝኸኣሉ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ብስእላውን ዜገርምን መገዲ ኣርእዩና ኣሎ።
“ገሊኣቶም ድማ ብልግጫን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ’ዚ’ውን ብመቝሕን ማእሰርትን ተፈተኑ። ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ፡ ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል በሉ።” እብ 11፡36-38
“እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን’ሞ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑ፡ ብእምነት ሞቱ። እቶም ከም’ዚ ዚብሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዚደልዩ፡ የርእዩ ኣለዉ። ነታ ዝወጹላ ሃገር ሓሲቦም እንተ ዚዀኑስ፡ ኪምለሱ ጊዜ ነይርዎም። ሕጂ ግና እትሓይሽ፡ ማለት ሰማያዊት፡ ይናፍቑ ኣለዉ፡ ስለ’ዚ ድማ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳሊውሎም ኣሎ’ሞ፡ “ኣምላኾም” ኪብሃል ብኣታቶም ኣይሓፍርን’ዩ።” እብ 11፡13-16
እቶም ነታ ሰማያዊት ከተማ ዚትስፈዉን ዚጽበዩን ኵሎም፡ ኣብኣ ይጥዓሞም ይሕሰሞም ብዘየገድስ፡ ነዛ ዓለም’ዚኣ ኸም ጐሓፍ፡ ከም ዘይትበቕዖም ሕስርቲ ዓለም ዚርእይዋ’ዮም። ዝዀነ ይኹን ዓይነት ፈተና ኸኣ፡ ካብ’ዚ መትከሎምን እምነቶምን’ዚ ምንቖ ኣየብሎምን’ዩ። ምኽንያቱ እዛ ዓለም’ዚኣ ሓላፊት’ምበር ነባሪት ስለ ዘይኰነት፡ ብሓዊ መኺኻ ንእትጠፍእ ዓለም ዜፍቅሩሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይነበሮምን። ዋላ እንተ ጠዓመቶምን እንተ ተመነይዋን’ኳ፡ ብሞት ኪሓልፉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ናቶም ኪርእይዋ ዜታልሎም ዕሽነት ኣይነበሮምን። ምኽንያቱ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነቶም፡ ንምድሓን ዝለበሙ ብልህታት ሰባት ነበሩ (1ዮሃ 2፡15-17 ፣ 1ዮሃ 5፡4 ፣ 2ጴጥ 3፡10-13 ፣ ያእ 4፡4 ካ.ት)።
ናብ’ዛ ሰማያዊት ከተማ ንምእታው ብቑዕ ዚኸውን መን’ዩ፧ ናብ’ዛ ኸተማ’ዚኣ ንምእታው ተስፋን ትጽቢትን ከም ዘሎናን፡ ብርግጽ ከም እንኣትዋኸ ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧ እዚ’ዩ እቲ ናይ ብሓቂ ኽንምልሶ ዚግብኣና ቐንድን ኣገዳስን ሕቶ። ቅድሚ ዅሉ ኸነስተውዕሎ ዚግብኣና፡ እዚ ዓብይን ክቡርን ተስፋ’ዚ፡ ኣብ መትንታት ሓንጎልና ዜሸከርክር ሓሳባዊ ተስፋ ዘይኰነስ፡ ኣብ ናብራናን ዝምድናታትናን እነግህዶ ግብራዊ ተስፋ ምዃኑ’ዩ። መብዛሕትና፡ አረ ዅላትና ሓሳባውያን ተስፈኛታት፡ ብንስሓ ንህይወትና እንተ ዘይፈዊስናያ፡ ነዛ ሰማያዊት ከተማ ከቶ ኣይክንኣትዋን ኢና። እቶም ግብራውያን ተስፈኛታት ዝዀንና ግን፡ ዋላ ሓደ’ኳ ኸይኣተዋ ኣይኪተርፍን’ዩ። እታ “ሰማያዊት ከተማ” ትበሃል ዘላ፡ እታ “መንግስተ ሰማያት” ብዓባያ ምዃና ኣይንዘንግዕ። እቶም ናብኣ ዚኣትው እንመን ምዃኖም ከኣ ገና ኣብ’ዚ ምድሪ ኸለዉ’ዮም ዜረጋግጹ። ንሳቶም ከኣ ብኸፊል እዞም ዚስዕቡ’ዮም።
1. ካብ ላዕሊ፡ ካብ መንፈስን ማይን ዳግማይ ዝተወልዱ፦
“ኢየሱስ ድማ፡ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዘየልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አለኹ፡” ኢሉ መለሰሉ። ..... ኢየሱስ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚኽእል የልቦን። ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ’ዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ’ዩ። “ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ’ዩ” ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም።” ዮሃ 3፡3,5-7
2. ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ፦
“ፍቓድ ናይ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር’ምበር፡ “ጐይታይ፡ ጐይታይ፡” ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣትው ኣይኰነን።” ማቴ 7፡21
3. ግብረ ሰናይ ዜዘውትሩ፦
“ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም (ኣትሒዙ) እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ’ሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚአ፡ ኣስተኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዓሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሓሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ”።” ማቴ 25፡33-36
4. ንጽውዓኦምን ንሕርየቶምን ኣጽኒዖም ንዚተሕዙ፦
“ስለ’ዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም። ከምኡ’ውን ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪውሃበኩም’ዩ።” 2ጴጥ 1፡10,11
5. ብመንፈስ ድኻታት ዝዀኑ፦
“ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም’ያ’ሞ፡ ብጹኣን’ዮም።” ማቴ 5፡3
6. ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፦
“ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን’ዮም።” ማቴ 5፡10
7. እናገበሩ ዚምህሩ፦
“እምብኣርሲ ኻብ’ዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዓረ፡ ከምኡ’ውን ንሰብ ዝመሃረ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት “ንእሽቶ” ኺበሃል’ዩ። እናገበረ ዚምህር ግና፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት “ዓብዪ” ኺበሃል’ዩ። ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሐ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም ኣለኹ።” ማቴ 5፡19,20
8. መንግስቲ ኣምላኽ ጽድቁን ዚደልዩ፦
“መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ኪውሰኸልኩም’ዩ። ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም’ዩ’ሞ ኣይትፍራህ። ኣብ’ቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን’ዩ’ሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ፡ ምጽዋት’ውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበልይ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማይ ዕቘሩ።” ሉቃ 12፡32-34
ኵላቶም እቶም ብህያው እምነትን ብግብራዊ ናብራን ዝተጸበይዋን፡ ናብራ ናይ’ታ ሰማያዊት ከተማ ኣብ’ዛ ርኽስትን ሓላፊትን ዓለም ዝነበሩ፡ ንሳቶም ብደበና ሰማይ ተነጢቖም፡ ብመለኸት ናይ ኣእላፋት ቅዱሳን መላእኽቲ ተዓጂቦም ናብኣ ኪድይቡ’ዮም። ንሳ’ታ ሰማያዊት ከተማ’ውን ነቶም ኣብ ስደት ዝነበሩ ደቃ ኽትቅበል ለጠቕ ኢላ ክትወርድ’ያ (ራእ 21፡1-7 ፣ ራእ 21፡22,23 ፣ ራእ 22፡1-5)።
እቶም ግብሪ ዓመጻ፡ ግብሪ ስጋ ዜፍቅሩን ዜዘውትሩን፡ ብእኡ ርእሶም ዜነውሩን ግና፡ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሒቖም፡ ናብ’ቲ ሓዉ ዘይጠፍእ፡ ሓሳኻኡ ዘይመውት ናብ’ቲ ቐላይ ሓዊ፡ ናብ ድቕድቕ ጸልማት፡ ናብ’ቲ ማሕደር ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንዘለኣለም ኪድርበዩ’ዮም (ማቴ 7፡22,23፣ 25፡41-46፣ 1ቈረ 6፡9,10፣ ገላ 5፡19-21፣ ራእ 14፡9-11፣ 20፡10 ፣21፡8,27፣ 22፡15)።
ካብ’ቲ ኣቦ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን፡ ኣቦ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ዝዀነ ኣቦና ኣብርሃም እንቐስሞ መንፈሳዊ ጥበብ ነዚ’ዩ ዚመስል። እምበኣር ንሕና’ውን ደቁ ዄንና፡ ከም ኣልኣዛር ኣብ ሕቝፊ ኣቦና ኣብርሃም ምእንቲ ኽንዓርፍ፡ ነቲ “ዓርኪ ኣምላኽ” ዝተሰምየ ኣቦና ንምሰል (ሉቃ 16፡23)። ከንቱን ሓላፍን ዝዀነ ምድራዊ ትጽቢታትና ብንስሓ ፈዊስና፡ ኣብ ውሽጥና ሰማያዊ ተስፋን ትጽቢትን ንህነጽ። ንትጽቢትና በቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ንምዘኖ። ክብሪ ዜውርስ ትጽቢት ኣሎ። ነውርን ስቓይን ዜልብስ ኣብ ሓዊ ዚጠብስ ትጽቢት ከኣ ኣሎ’ሞ፡ ዓይነት ትጽቢትና መርሚርና፡ ንልብና በቲ ዜርብሓና ትጽቢት ንምልኣዮ፡ ነቲ ዝመረጽናዮ ትጽቢት ከኣ ብግብሪ ንገዝኣዮ። እዚ ዝተባረኸ ናይ ጾም ጊዜና፡ ትጽቢትና ንምፍዋስን ንምቕናዕን ንጠቐመሉ!! ከቶ ኣይንኽሰሮ!! ደቂ ቅድስቲ ድንግል ንኣሕዋት ጐይታናን ክንከውን ብትጽቢት ኣቦና ኣብርሃም ርእስና ንቐድስ።
ብምሕረቱ ብቑዓት ይግበረና!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ነሓሰ ፰, ፳፻፲፬ ግዕዝ (14 ነሓሰ 2022 ፈ) [መበል 49 ሰንበት: ቊ.72/፸፪] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቅ ዲያቆን |
ንፍቅ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
እብ 11፡8-16 | 2 ዮሃ 1፡1-7 | ግብ 27፡39-ፍጻመ | ሉቃ 1፡35-45 | ዘእግዝእትነ ማርያም |
መዝ.፻፴፩(፻፴፪)፡፲፫-፲፬ “እስመ ኃረያ እግዚአብሔር ለጽዮን። ወአብደራ ከመ ትኩኖ ማኅደሮ። ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም።” ዓዲ፡ መዝ.፻፳(፻፳፩)፡፩-፪ “አንሣእኩ አዕይንትየ መንገለ አድባር። እምአይቴ ይምጻእ ረድኤትየ። ረድኤትየሰ እምኀበ እግዚአብሔር።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ