“ነፍሲ ወከፍ ነቲ ብስጋኡ (ብህይወት) ከሎ ዝገበሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ (ግብሪ) ምእንቲ ኪቕበል ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንገሃድ ኢና። ስለ’ዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ’ሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ (ብህይወት እንተ’ሊና ወይስ እንተ ሞትና) ንእኡ ኸነሐጒሶ ንጽዕት ኣለና።” 2ቈረ 5፡9,10
እዚ ሰንበት’ዚ ኻብ ትንሳኤ ሻድሻይ ሰንበት’ዩ። ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ነዚ ዕለት’ዚ ተመዲቦምልና ኻብ ዘለዉ ንባባት ሓደ ኸኣ፡ እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ዝሓዘ ብሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝተጻሕፈ፡ ናይ 2ቈረ 5፡1-10 ንባብ’ዩ። እዚ ንባብ’ዚ ኣብ’ቲ ቐዳማይ ፍርቂ ኽፋሉ፡ ብዛዕባ’ታ ብኢድ ኣምላኽ ተሃኒጻ ተዳልያትልና ዘላ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ኣበሲሩና ኣሎ። ናብኣ ምእታው ግን ብፍርድን ብፍትሕን’ምበር፡ ስቕ ኢልካ ብሃውሪ ዚርከብ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ ንፍተው ንጽላእ፡ ብግዲ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ክንቀርብ ምዃንና ዚንገረና ዘሎ። ገለ ገለ የዋሃት ሰባት፡ እዚ ናይ ፍርዲ ኣርእስቲ፡ ሰበኽቲ ሰዓብቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ዜዘውትርዎ ናይ ምፍርራህ ድራማ ገይሮም ይሓስብዎ’ዮም። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ “ካብ ኣእምሮ ናይ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ ዚወጽእ’ዩ” ኢልካ ኽትሓስቦ ኣዝዩ ዜጸግም’ዩ። ሰይጣን ነእምሮኡ ዘጸልመቶ ሰብ ግን፡ ካብ’ዚ ዚኸፍእ እንተ ሓሰበን እንተ ተዛረበን’ውን ፈጺሙ ኼገርመና ኣይግብኦን’ዩ። ምኽንያቱ፡ እናተነግረካ ኸሎ ብዛዕባ ፍርዲ ምሽክዕላልን ሸለል ምባልን፡ ካብ ዘመን ኖህ ካብ ዘመን ሎጥ ኣትሒዙ ዝተራእየን፡ ከቶ ዘየባትኽ እኩይ ታሪኽ ደቂ ሰብ ኰይኑ ኽሳዕ ሕጂ ዚቕጽል ዘሎን’ዩ። እዚ ናይ ፍርዲ ኣርእስቲ’ዚ ነቶም ንህላወ መዓልቲ ፍርዲ ፈትዮም ዝኸሓዱ ሓጥኣን ሰባት፡ ናይ መርድእ ዜና’ዩ። ነቶም ንመዓልቲ ፍርዲ እናሓሰቡ፡ መገዶም ዘቕንዑን ዘጸበቑን ጻድቃን ግን ዓብይ ብስራት’ዩ። ምኽንያቱ ነታ ዝተባረኸት መዓልቲ’ቲኣ ስለ ዝናፈቑ’ዮም፡ ንሓጢኣት ኪጽየፉ ዓቕሚ ዝረኸቡ። እዚ ኣርእስቲ’ዚ ነዚ ዕለት’ዚ ተመሪጹሉ ዘሎ ምኽንያት’ምበኣር፡ ካብ’ቶም ብስምባድን ራዕድን ዝሓስብዋ ሰባት ካብ ምዃን ድሒንና፡ ብሃንቀውታን ብምድፍናቕን እንጽበያ ሰባት ምእንቲ ኽንከውን’ዩ።
ፍርዲ ግና ንምንታይ ኣድለየ፧
መጽሓፍ ቅዱስና፡ ንፍርዲ ኸም ቀውዕን ዓውድን’ዩ ዚገልጾ (ማቴ 3፡12፣ 13፡30,39)። ቀውዕን ዓውድን ከኣ ናይ’ቲ ዝዘራእካዮ ፍረ እትሓፍሰሉ ወቕዕ’ዩ። እቲ ዝበተንካዮ ሒደት ዘርኢ፡ ብዕጽፍታት ተኻዕቢቱ ዚምለሰካ እዋን’ዩ። ሰብ ከኣ ነቲ ኣዝዩ ኺበዝሓሉን ኪረብሓሉን ኬስተማቕሮን ዚደልይ ዘርኢ’ዩ ዚዘርእ። እቲ ኣብ’ዚ ዘመን ምድራዊ ህይወትና እንገብሮ ዅሉ ግብሪ፡ ዘርኢ’ዩ። በቚሉ ኻዕበት ኪፈርይ ከኣ ናይ ግድን’ዩ። ናትካ ዘርእን ፍረ ጻዕርን ስለ ዝዀነ ኸኣ ስቕ ኢልካ ኽትሓድጎ ወይ ንኻልእ ክትህቦ ኣይከኣልን’ዩ። ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ኺዓጽድ ናይ ግድን’ዩ። ሕጊ መለኮት ኰነ ሕጊ ሰብ ከምኡ’ዩ ዚእዝዝ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፦
“ሰብ ነቲ ዚዘርኦ ንእኡ ኺዓጽዶ’ዩ’ሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን’ዩ። እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ፡ ካብ’ቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዓጽድ’ዩ። እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብ’ቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ’ዩ። እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ኽንዓጽድ ኢና’ሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።”
ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ገላ 6፡7-9)። ስለ’ዚ ዝተዘርአ ኺዕጸድ፡ ዝተጠንሰ ኺውለድ ናይ ግድን’ዩ። ፍርዲ ኸኣ ነቲ ፈቲኻን ተገዲስካን ዝዘራእካዮ ዘርኢ ዜዕጽድን ዜሕቍፍን መስርሕ ፍትሒ’ዩ። ዝዘርኦ ኺዓጽድ፡ ዘይደልይ እቲ ኽፉእ ዝዘርአ ጥራሕ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ኽፍኣቱ ኣብ’ቲ ምድሪ ተሓቢኡን ተዋሒጡን ዚተርፍ ስለ ዝመስሎ’ዩ፡ ዓይኑ እናረኣየ ዘይዝራእ ዘርኢ ዝዘርአ። ትምኒት እንተ ዘሪእካ ወይ እንተ ጠኒስካ፡ ሓጢኣት ክትዓጽድን ክትወልድን ምዃንካ፡ ሓጢኣት እንተ ዘሪእካ ድማ መወዳእታኡ ሞት ክትዓጽድ ምዃንካ፡ ብግህዶ ዝተነገረና ሓቂ’ዩ። ነብዪ ሆሴእ፦ “ንፋስ ይዘርኡ’ለው፡ ህቦብላ ኺዓጽዱ’ዮም። .... ረሲእነት (ዘራእኩም)፡ ኣበሳ ዓጸድኩም፡ ፍረ ሓሶት በላዕኩም።” ብምባል ነቲ ሓቂ ገሊጽዎ’ሎ (ሆሴ 8፡7፣ 10፡13)። ስለ’ዚ ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ሰናይ ኰነ እኩይ ዘርኢ ምእንቲ ኺዓጽድ’ዩ፡ መዓልቲ ፍርዲ ዝተወሰነ፡ መንበር ፍርዲ ኸኣ ዝተተኽለ። እቶም ንሕጊ ዘርእን ዓጺድን ከም ዚግባእ ዘስተውዓልዎ ሰባት፡ ብዛዕባ’ቲ ዚዘርእዎ ዘርኢ ኣዝዮም ይጥንቀቑ። ነታ ናይ መወዳእታ ናይ ዓጺድን ዓውድን መዓልቲ ብዓይኒ እምነት የማዕድዉዋ’ሞ፡ ብዙሕን ጽቡቕን ፍርያት ምእንቲ ኺሓፍሱ፡ ሎሚ ኣብ’ዛ ምድሪ ኸለው እንታይ ኪዘርኡ ኸም ዚግብኦም ኣጸቢቖም ይፈልጡ። እቲ ዚዘርእዎ ዘርኢ-ሰናይ ግብሪ ኣብ’ቲ ዚዘርኡሉ እዋን ክብድ ዝበለ ዋጋን መስዋእትነትን ከም ዜኽፍሎም ብንጹር ፈሊጦም ዋጋኦም ተሚኖም’ዮም ዚዘርኡ።
ንዘርእና ብኸመይ ኢና እንመርጾ፧ መንከ’ዩ ነቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚፈልጦን ዚመርጾን፧
ነዚ ሕቶ’ዚ እቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ገላ 6፡7,8 ጥቕሲ ከም ዚግባእ መሊስዎ ኣሎ። ንመን ኢልና ኸም እንነብር፡ ማለት ንስጋ ወይ ንመንፈስና ኢልና እንነብር ምዃን’ዩ፡ ንምርጫና ዚውስኖ። እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚነብር ሰብ፡ ንዅለን’ተን ንስጋ ዜሐጒሳ ጥራሕ’ዩ ዚመርጽን ዚዘርእን። ንስጋኡ ኢሉ ዚነብር ሰብ ምንዝርና’ምበር፡ ቅድስና ኺመርጽ ፈጺሙ ኣይክእልን’ዩ። ንዅላቶም’ቶም “ግብሪ-ስጋ” ዝተሰምዩ ግብርታት ጥራሕ’ዩ ዚመርጽ (ገላ 5፡19-21፣ ሮሜ 1፡28-32፣ 1ቈረ 6፡9,10፣ 1ጢሞ 1፡9,10፣ 2ጢሞ 3፡1-9፣ ራእ 21፡8፣ 22፡15)። ሓሳብ ስጋ ብዘይካ ሞት ካልእ ኬዕጽድ ስለ ዘይክእል፡ ብፍርዲ ዚርከብ ዓስቢ ናይ’ዚ ዝተዘርአ ግብሪ-ስጋ፡ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን’ዩ ዚኸውን። ግብሪ ስጋ ዚገብር ሰብ ኣብ መንፈሳዊ ዑረት ስለ ዘሎ፡ ናይ መወዳእታ ፍረ ናይ’ዚ ኽፉእ ምርጫኡ ኺፈልጦ ኣይክእልን’ዩ።
ብኣንጻሩ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና፡ ፍረ-መንፈስ’ዩ ዚዘርእ። ነዚ ዜምርጾ ዘሎ ኸኣ፡ ኣብታ መዓልቲ ፍርዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜዕጽድ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ’ዩ። ብዘይካ ዘለኣለማዊ ህይወትን ክብርን ካልእ ስለ ዘይደልይ፡ ንዅሉ’ቲ ናይ ስጋ ረብሓታት፡ ህይወቱ’ውን ከይተረፈ፡ ኪስውእ ፍቓደኛ’ዩ። ምኽንያቱ ነዘን 80 ዘይመልኣ፡ ክብረተን ጻዕርን መከራን ዝዀነ ዓመታቱ “ኼስተማቕር” ኪብል፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ናብራኡ ዜበላሽው ዓሻ ሰብ ኣይኰነን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ’ቲ መዓልቲ ፍርዲ ብዛዕባ ዚወሃብ ብይን ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“. . . ሃብቲ ሕያውነቱን ትዕግስቱን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ ኣሎኻ፧ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኺመርሓካ ኸም ዚኽእልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ ግናኸ ብትርኻን ብሰሪ’ቲ ምንሳሕ ዝኣበየ ልብኻን፡ በታ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ ዚወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ። ንርእስኻ መቕዘፍቲ ትእክብ ኣለኻ። ከመይ እግዚአብሔር ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ’ዩ። ነቶም ሰናይ እናገበሩ ግርማን ክብርን ዘይሙማትን ብትዕግስቲ ዚምነዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም’ዩ። ነቶም ንዓመጻ’ምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ ፈተውቲ ርእሶም ግና ቊጥዓን መዓትን ኪወርዶም’ዩ። እከይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ሰብ፡ ስቓይን ጸበባን ኪወርዶ’ዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንግሪኻዊ። ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሃቦ’ዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንግሪኻዊ። ከመይ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የልቦን።” ሮሜ 2፡4-11 ካ.ት
ፍርዲ ኣምላኽ፡ ናብ’ቲ ናይ ምርጫኻ መዓልቦ ዜብጽሕ፡ ኣዝዩ ተበሃጊ ግብሪ-ኣምላኽ’ዩ። ሞትን መቓብርን፡ ካብ’ቲ ዝመረጽናዮ ናብራን ቅዲ ህይወትን ዚፈልዩናን ዜትርፉናን ጸላእትና’ዮም። ፍርዲ ኣምላኽ ግን ካብ’ዞም ዓንቀፍትና ኺገላግለና’ዩ። እታ መዓልቲ ምስ ኣኸለት’ሞ፡ ጐይታና ምስ ጭፍራ መላእኽቱ ምስ ተገልጸ፡ ካብ ድቃስ-ሞት ተበራቢርና፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ብግዲ ኽንገሃድ ኢና። በቲ ሽዑ ዚወሃበና ፍርዲ ኸኣ፡ ናብ’ቲ ናይ ምርጫና ዘለኣለማዊ ጫፍ ክንከይድ ኢና። ምርጫና፡ ክልተ ጫፍ’ዩ ዘለዎ። እቲ ቐዳማይ ጫፉ እቲ ኣብ ምድሪ እንነብሮ ዓይነት ናብራ’ዩ። እቲ ኻልኣይን ናይ መወዳእታን ጫፉ ግን፡ እቲ ድሕሪ ትንሳኤ ሙታን ዚገሃድ ዘለኣለማዊ ናብራና’ዩ። እቲ ምድራዊ ጫፉ ናይ ናብራና፡ ሓጢኣትን ርኽሰትን እንተ ዀይኑ፡ እቲ ዘለኣለማዊ ጫፉ ድማ ሲኦልን ገሃነምን’ዩ (ራእ 21፡8፣ 22፡15)። እቲ ምድራዊ ጫፍ ናይ ናብራና ጽድቅን ቅድስናን እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ እቲ ዘለኣለማዊ ጫፍ ኣብ መንግስተ ሰማያት ብዘለኣለማዊ ህይወትን ብዘለኣለማዊ ክብርን ምንባር’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ብግዲ ምግሃድና፡ እግዚአብሔር ብፍትሓውነቱ ዝመደበልና ዓብይ ክብሪ’ዩ። እቶም ክብረቶም ኣብ ነውሮም ኪገብሩ ዝመረጹ ሰባት’ውን ኣብ’ቲ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ምርጫኦም ስለ ዝበጽሑ ኪሕጐሱ ምተገብአ ነይሩ። ንሓጐስ ዚኸውን ምርጫ ስለ ዘየልዓሉ ግን፡ ነቲ ናይ ሞትን ስቓይን ምርጫኦም ብዘይ ደረት ንዘለኣለም ኬስተማቕርዎ’ዮም።
መን’ዩ’ቲ ዚፈርድ ኣካል፧
ጐይታና ባዕሉ ኸም ዝገለጾ፡ ንሱ ባዕሉ’ዩ ዚፈርድ። ነቲ ኣብ ቅድስት ስላሴ ዘሎ ሓድነትን ምክብባርን ምእንቲ ኼርእየና፡ እግዚአብሔር ኣቦ ዅሉ ፍርዲ ንወዱ ዝሃበሉ ምኽንያት ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ኣቦ ንሓደ’ኳ ኣይፈርድን’ዩ፡ እንተ ዀነ ዅሉ ፍርዲ ንወልድ ሃቦ። እዚ ኸኣ ከም’ቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ፡ ኵሉ ሰብ ንወልድ ምእንቲ ኬኽብሮ’ዩ። እቲ ንወልድ ዘየኽብሮ፡ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦ’ውን ኣየኽብሮን’ዩ። .... ወዲ ሰብ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኪፈርድ ስልጣን ሃቦ።” ዮሃ 5፡22,23,27 ካ.ት
“ወዲ ሰብ ብኽብሩ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኽመጽእ’ዩ’ሞ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽህቦ’ዩ።” ማቴ 16፡27
ጐይታና፡ ኣብ መወዳእታ ንዓለም ዚፈርድ ንሱ ምዃኑ፡ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ካልእ ብዙሕ ክፍልታት ወንጌል’ውን ገሊጹ ኣሎ (ማቴ 24፡30-33)። እቲ ዚፈርድ ንሱ ምዃኑ ቕዱሳት ሃዋርያት’ውን ደጋጊሞም ኣረጋጊጾምልና’ዮም (ሮሜ 2፡6)። ንኣብነት ዚኣክል፡ ነዚ ዚስዕብ ክንጠቅስ ንኽእል ኢና።
“ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ ኢየሱስን ብምጽኣቱ ብመንግስቱን ከም’ዚ ዚስዕብ ክትገብር አማሕጽነካ ኣሎኹ።” 2ጢሞ 4፡1 ካ.ት
ብደረጃ ትምህርታዊ ጽሑፍ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብግሁድ ራእይ’ውን ፈራዲ ንሱ በይኑ ምዃኑ ንሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ተገሊጹሉ’ዩ። እቲ ንሱ ዝጸሓፎ “ራእይ ዮሃንስ” ከኣ፡ ነዚ ቕሉዕ ራእይ’ዚ፡ ብስእላዊ ጥበብ ንኣና’ውን ኪረኣየና ኸም ዚኽእል ገይሩ ኣስፊሩልና ኣሎ።
“ብድሕሪ እዚ ዓብይ ጻዕዳ ዝፋንን ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረኣኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሃደሙ። ኣሰር ዘይብሎም’ውን ጠፍኡ። ምዉታት ድማ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ረኣኹ። መጻሕፍቲ’ውን ተገንጸሉ። መጽሓፍ ህይወት ዝዀነ ካልእ መጽሓፍ’ውን ተገንጸለ። እቶም ምዉታት ድማ፡ከምቲ ኣብ’ቲ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ዝጸንሐ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ሃበት። ሞትን ሲኦልን’ውን ኣብኣቶም ዘለዉ ምዉታት ሃቡ። ነፍስ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።” ራእ 20፡11-13 ካ.ት
እቲ ምስ እግዚአብሔር ኣቦኡ ምእንቲ ኺዓርቀና፡ ስጋና ብምልባስ ንኣና ዝመሰለ፡ ብዘይካ ሓጢኣት ካልእ ኵሉ ድኻምና ዝተኻፈለ፡ ገንሸል ኣምላኽን ፍጹም ሊቀ ካህናትን ኰይኑ ዝዓረቐና ጐይታ፡ ፈራዲና ዀይኑ ኣብ’ቲ ዓብይን ጻዕዳን ዝፋን ዚጸንሓና ምዃኑ ንኣና ዓብይ ክብርን ሓለፋን’ዩ። ምኽንያቱ ንሱ ንዅሉ ድኻም ስጋና ስለ ዝተኻፈሎ ብዓይኒ ምሕረት ዚርእየናን ድኻምና ዚርድኣልናን’ዩ። ነቶም ንእኡ ብምፍራህ ዝተመላለስና ቕዱሳኑ፡ ጽድቅና ናብ መንግስቱ ኽንኣትው ዘየብቅዓና’ኳ እንተ ዀነ፡ ጽድቁ ኼልብሰናን ንመንግስቱ ኼብቅዓናን’ዩ። ዋላ’ቲ ጻድቕን ፍጹምን ሰብ’ኳ፡ ነዛ መንግስቱ’ዚኣ ብምሕረቱ ጥራሕ’ዩ ዚበቕዓ። ነቶም ኣብ’ዛ ምድሪ ንደሙ ረጊጾም ብዘይ ንስሓ ዝሞቱ ረሲኣን ግን እዚ ምሕረት’ዚ ፈጺሙ ኣይምልከቶምን’ዩ። ነቶም ብደሙ ዝተዓደግና ግን፡ እቲ ዘድሓነና ገንሸል፡ እቲ ዝተዓርቀናን ዘተዓረቐናን ሊቀ ካህናት፡ ጻድቕ ፈራዲ ዀይኑ ዚጽበየና ምዃኑ ፍሉይ ክብርና’ዩ።
“ነቲ ናብ ህይወት-ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተጸበኹም ከኣ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።” ይሁ 1፡21
“ፍልጠት ሓቂ ምስ ተቐበልና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዚቐርብ መስዋእቲ የልቦን። ኣብ ክንድኡ ግና፡ ፍርድን ነቶም ንኣምላኽ ዚጻረሩ ዚበልዕ ብርቱዕ ሓውን ኢና ብራዕዲ እንጽበይ። እቲ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር’ዩ ብዘይ ድንጋጽ ዚመውት። ንወዲ ኣምላኽ ዝነዓቐ፡ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ነቲ ጸጋ ዚህብ መንፈስ’ውን ዝጸረፈ ግደ፡ ክንደይ ዝገደደ ቅጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም፧ ከመይ ንሕና ነቲ፡ <ምፍዳይ ሕነ ናተይ’ዩ፡ ኣነ ሕነ ኽፈድይ’የ> ዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣ፡ <እግዚአብሔር ንህዝቡ ኺፈርዶ’ዩ>፡ ዝበለ፡ ንፈልጦ ኢና። ኣብ ኢድ’ቲ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜስካሕክሕ’ዩ።” እብ 10፡26-31 ካ.ት
ብኸመይ’ዩ ኺፈርድ፧ ኣቐዲምና ጠቒስና’ዮ ኸም ዝጸናሕና (ኣብ ራእ 20፡11-13)፡ ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ግብርና መሰረት ዝገበረ’ዩ። ንመብዛሕትኡ ሰብ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣዝዩ’ዩ ዜርዕዶ። ብዙሓት ሰባት ከኣ፡ “ብግብርና ዘይንጸድቕን ዘይንድሕንን እንተ ዄንና፡ ንምንታይ ብግብርና ንፍረድ፧” ዚብል የዋህ ሕቶ ኺሓትቱ ይስምዑ’ዮም። እዚ ሕቶ’ዚ ዓሚቝ ናይ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ዚሓትት ስለ ዝዀነ፡ ብሓጺር ዓንቀጽ (pragraph) ክትገልጾ ኣይከኣልን’ዩ። እንተ ዀነ፡ ብግብርና ደኣ ኣይንድሓን’ምበር፡ ምእንቲ ኽንገብር ከም ዝደሓንና ኽንዝንግዖ ግን ኣይግባእን’ዩ። ምዉት ግብሪ (ሓጢኣት)’ዩ ንሞትናን ጥፍኣትን ዝመጠወና። ብመስዋእቲ ክርስቶስ ኣሚንና ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ተቐዲስና ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ካብ ዝዀንናሉ እዋን ንደሓር ግን፡ ህያው ግብሪ (ግብሪ ጽድቂ)’ምበር፡ ምዉት ግብሪ (ግብሪ ዓመጻ) ኸነዘውትር ኣይግባእን’ዩ። እሾዅን ተዀርባን፡ ናይ ወይኒ ፍረ ኼፍርይ ኣይክእልን’ዩ። ወይኒ ኼፍርይ እንተ ዀይኑ፡ ቅድም ናብ ተኽሊ ወይኒ ኺልወጥ ኣለዎ። ናብ ተኽሊ ወይኒ ድሕሪ ምልዋጡ፡ እሾዅን ተዀርባን ናብ ምፍራይ እንተ ተመሊሱ፡ ወይ’ውን ኪልከፍ ዘይክእል ካብ ዕረ ዚመርር ወይኒ ኼፍርይ እንተ ጀሚሩ ግን፡ ነቲ ኣብኡ ዝተገብረ ዓብይ ለውጢ ደርብዩ ንድሕሪት ተመሊሱ’ሎ ማለት’ዩ። ፍረኻን ግብርኻን ምእንቲ ኺልወጥ፡ ወዲ ኣምላኽ ከቢድ ዋጋ ኸፊሉልካ ኼብቅዕ፡ ብደሙ ድሕሪ ምድሓንካ እንደገና ናይ ሞት ፍረ ትፈርይ እንተ ዄንካ፡ ንነገርካ ባዕልኻ ኣበላሺኻዮ ኣለኻ። ግብርኻን ፍሬኻን ንኺልውጥ ንዝተኸፍለ መስዋእቲ ትረግጾን ተርክሶን ስለ ዘለኻ፡ ናይ ግድን ብግብርኻ ኢኻ እትፍረድ። እቲ ብእምነት ዝተኻፈልናዮ ምስጢራት ከም ዘድሓነና ርግጸኛታት እንኸውን፡ ህይወትናን ግብርናን ከም ዝተለወጠ ምስ እነረጋግጽ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ጐይታና ንእምነትና ዘይኰነ ንግብርና ዚፈርድ። ጐይታና ባዕሉ’ውን፦
“ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ’ዩ’ሞ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ’ዩ።” ኢሉና’ዩ (ማቴ 16፡27 ካ.ት)። እዚ ኸኣ ካብ ብሉይ ኪዳን ኣትሒዙ ዝተገልጸ፡ ከቶ ዘይልወጥ ዘለኣለማውን ፍትሓውን ሕጊ’ዩ። ዝተኣዘዝካዮ ዘይምግባር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን ዚገብር ዝኸፍአ ኽሕደት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።
“ንኣምላኽ ንፈልጦ” ኢና ይብሉ፡ ግና ፍንፉናትን ዘይእዙዛትን ንሰናይ ነገር ዘበለ ኺገብሩ ዘይበቕዑን ስለ ዝዀኑ፡ ብተግባሮም ይኽሕድዎ።” ቲቶ 1፡16 ካ.ት
ከከም ግብርኻ ከም እትፍረድ እናተነግረካ፡ ግብርኻ እናበላሸካ ምንባር ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዚፈርድ ጐይታ ናይ ዘሉካ ዕዙዝ ንዕቀት መርኣያ’ዩ። ነቲ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ ናይ ሮሜ 2፡4-11 ጥቕሲ ደጊምና ነንብቦ።
እቲ ፍርዲኸ መፈጸምታኡ ኣበይ’ዩ፧ ከም ሰባት መጠን፡ እቲ ዝለዓለ ኣፍልጦና ብዛዕባ’ዚ ምድራዊ ስርዓተ ፍርድን ፍትሕን’ዩ። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ሞት እንተ ተፈሪዱካ፡ ምስ ቀተሉኻ እቲ ፍርዲ ኣብቂዑ’ዩ። ሕልፈት እንተ ፈረዱኻ’ውን፡ መዓልቲ ሞትካ ምስ መጸት እቲ ፍርድኻ ኣብኡ የቋርጽ። ንገለ ዓመታት እንተ ተፈሪድካ ኸኣ፡ እተን ዝተበየናልካ ዓመታት ምስ ወዳእካ፡ ሞት እንተ ቐዲሙ ድማ ምስ ሞትካ፡ ፍርድኻ የብቅዕ። ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ግና፡ ነቲ ፍርድኻ መወዳእታ የብሉን፡ ንዘለኣለም ኢኻ ኣብ’ቲ ፍርዲ እትነብር። ምኽንያቱ፡ ሓጢኣት ዘለኣለማዊ በደል’ዩ። “መዋቲ ሰብ ዝፈጸሞ በደል ከመይ ኢሉ ዘለኣለማዊ ይኸውን፧” ዚብል ሕቶ ኺለዓለና ይኽእል’ዩ። ኵሉ ዓይነት ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ’ዩ ዚፍጸም። ኣብ ልዕሊ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ዝተፈጸመ በደል ከኣ ብዘለኣለማዊ ፍርዲ’ዩ ኺፍደይ ዚኽእል። መዋቲ ሰብ ንዘለኣለማዊ ፍርዲ ኺፍደዮ ስለ ዘይክእል፡ ብትንሳኤ ሙታን ዘይመውት ዘለኣለማዊ ሰብ ኰይኑ ኺትንስእ ብግዲ ኣድለየ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ጻድቃን ዚወሃብ ፍርዲ’ውን ዘለኣለማዊ’ዩ። ምኽንያቱ እምነቶም ኰነ ሰናይ ግብሮም ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ’ዮም ፈጺሞምዎ። ነቲ ሰናይ ግብሮም ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ጥራሕ ዚፈድዮም እንተ ዚኸውን፡ “እግዚአብሔር ጻድቕን ፍትሓውን’ዩ” ኺበሃል ኣይምተኻእለን ነይሩ። ብሓቂ ጻድቕን ፍትሓውን ስለ ዝዀነ ግና፡ ነቲ ዝሞተ በስባሲ ስጋኦም ኣተንሲኡ፡ ነቲ ናይ ውርደት ስጋኦም፡ ነቲ ኽቡር ስጋ ክርስቶስ ናብ ምምሳል ለዊጡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ዝተዳለወሎም ዝፋን ክብሪ የቐምጦም፡ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ይገብሮም። ጻማ ግብሮም ምእንቲ ኺፈድዮም፡ ነቲ መዋቲ ስጋኦም ናብ ዘለኣለማዊ ስጋ ይልውጦ። ፍትሓዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ብስጋኦም ዘኽበርዎ፡ በታ ንእኡ ዘኽበሩላ ስጋኦም የኽብሮም። ነቶም ትሕቲ ስጋኦም ከም ዝዀነ ጌሮም ዘሕሰርዎ ድማ፡ በታ ንእኡ ዘሕሰሩላ ስጋኦም ምእንቲ ኼዋርዶምን ኬሳቕዮምን፡ ብትንሳኤ-ፍርዲ ንዘለኣለም ኣብ ገሃነም ይድርብዮም። እቲ ብኣምላኽ ዚወሃበና ፍርዲ፡ ንጻድቃን ይኹን ንሓጥኣን፡ መወዳእታን መለሳን ዘይብሉ’ዩ።
ብኸመይ ኢና ነዚ መዓልቲ ፍርዲ ናብ ረብሓና እነውዕሎ፧
እቲ ብልሂ ክርስትያን ነዛ ሕቶ’ዚኣ መዓልቲ መጸ’ዩ ዚሓትታ። ንዅሉ ተግባሩን ባህርዩን ቃላቱን ስምዒታቱን ዝምድናታቱን፡ በዚ ሕቶ’ዚ የማእዝኖ፡ ነታ ህይወቱን ናብራኡን ኣብ ቅድሚ’ታ መንበር ፍርዲ ይነብሮ ከም ዘሎ ገይሩ የመሓድሮ። ከም ዝመሰሎን ከም ዝተበርሆን ቅጅል ከም ዝበሎን ኪገብር ውዒሉስ፡ ምሸት ናብ መንበሪኡ ምስ ተመልሰ ኣይኰነን ርእሱ ዚምርምር። ገና ዝዀነ ነገር ቅድሚ ምግባሩ፡ እቲ ፈራዲ ምስኡ ዀይኑ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ይዕዘቦን ይመዝኖን ከም ዘሎ እናሓሰበ’ዩ ዚገብር። ቅዱስ ዳዊት ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ እቲ ነቲ ፈራዲ ጐይታ ኣብ ቅድሚኡ ገይሩ ዚነብር ሰብ፡ ብሓጢኣት ኣይናወጽን’ዩ። እቲ ይትረፍ ኣብ ቅድሚኡ ኺገብሮ፡ ነዛ ንማለቱ’ኳ ዘይዝክሮ ሰብ ከኣ፡ ኣብ ሰልሚ ሓጢኣት ተኣሊኹ’ዩ ዚነብር። ዋላ ምሸት መጸ እንተ ተነስሐ’ኳ፡ ልክዕ ከም ከልቢ፡ ነቲ ዝተፍኦ ጽያፉ እናልመጸ’ዩ ዚነብር።
“ንእግዚአብሔር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፡ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፣ ኣይክናወጽን’የ።” መዝ 16፡8
“ከመይሲ ጓኖት ተንሲኦምኒ፡ ዓመጽቲ’ውን ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ። ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይገበርዎን።” መዝ 54፡3
“ዎ ኣምላኽ፣ ትዕቢተኛታት ተንሲኦምኒ፡ ኣኼባ ገፋዕቲ ኸኣ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ፡ ንኣኻ’ውን ኣብ ቅድሚኦም ኣይገበሩኻን።” መዝ 86፡14
ኣብ ዝኣተናዮ ዘለናዮን ኵሉ፡ ኣዒንቲ ኣምላኽ ኣባና ተተኺለን ይቋመታናን ይመዝናናን ከም ዘለዋ እናሓሰብና፡ ብእኡ መንጽር ንኣካይዳናን መጋብርናን እንተ ዘየጥዒናዮ፡ ኣብ’ታ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ብግዲ እንገሃደላን እንቘመላን መዓልቲ፡ ንጸላኢና’ኳ ዘይንምነዮ ፍዳ’ምበር፡ ነፍስና እትምነዮ ደሓን ከም ዘይንረክብ ከቶ ኣይንጠራጠር!!
እምበኣር ንህይወትናን ንግብርናን ሃሰስ ኢልና ኣዳቒቕና ንመርምሮ። ንርእስና ብዓይንና ዘይኰነ ብዓይኒ ኣምላኽ ንመርምራ። ንነፍሲ ወከፍ ከም ዋዛ ኻብ ኣፍና ዝመለቘት ቃል ጸብጻብ ክንህበላ ኢና። ብዝሒ ዝተዛረብናዮ ንፈልጦዶ ንኸውን፧ እቲ ኣብ መንበር ፍርዲ ዝተቐመጠ ጐይታ ግን ብዜሰምብድ ልክዕነት ዘርዚሩ ይፈልጦ’ዩ። ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ባህርይ፡ ግብሪ፡ ቃል፡ ስምዒት የለን። እምበኣር፡ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ኣብ ቅድሚኡ ብግዲ ቕድሚ ምግሃድና፡ ብፍታውና ባዕላትና፡ መዓልቲ መጸ ንህይወትና ኣብ ቅድሚ’ቲ መንበር ፍርዲ ደው ኣቢልና፡ ብዓይኒ ኣምላኽ ብቓል ኣምላኽን ንመርምራን ንጸባጸባን!! ባዕላትና ኣብ ርእስና እንተ ፈረድና መገድና እንተ ኣቕናዕና፡ ኣብ’ታ መዓልቱ ወዲ ኣምላኽ ብርግጽ ንጽቡቕና ኺፈርድ’ዩ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ግንቦት ፳፩, ፳፻፲፬ ግዕዝ (29 ግንቦት 2022 ፈ).[መበል 38 ሰንበት: ቊ.50/፶]በል 38 ሰንበት: ቊ.50/፶] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
2ቈረ 5፡1-10 | 1ጴጥ 4፡4-11 | ግብ 10፡39-43 | ዮሃ 21፡1-14 | ዘዲዮስቆሮስ |
መዝ ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭ “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።” “እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ’ያ፡ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ