ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 28 ክሳብ ጥሪ 10 “ዘመነ ልደት” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ይሠርቅ ኮከብ እም ያዕቆብ። ወየአትት ኃጢአተ እምእስራኤል። (ካብ ያቆብ ኰዀብ ይወጽእ። ካብ እስራኤል ከኣ ሓጢኣት የርሕቅ።) ብፍላይ ከአ ካብ ታሕሳስ 29 ክሳብ 5 ጥሪ, “ልደት” እዩ ዝበሃል። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ኣነውን በዅሪ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ እየ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ።” (መዝ 89፡27, 28) ሎሚ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ዚመርሕ ኰዀብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ኣብዚ ሎሚ ዝተነበበ ወንጌል፡ (ማቴ 1፡1-18) ማቴዎስ ኣብ ጽሑፍ ብዛዕባ ፍጻሜ ትንቢታት ኣዝዩ ዝተገደሰ ሰብ እዩ። ማለት ንብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን እናተሓሓዘ እዩ ጽሒፉ። እዚ ከኣ ነቲ መለኮታዊ መበቆል ናይቲ ጽሑፍ የረጋግጸልና። ማቴዎስ ኣብ ወንጌል ናይ 12 ትንቢታት ፍጻሜ ጠቒሱ ኣሎ (ማቴ 1፡22፣ ማቴ 2፡15,23፣ ማቴ 3፡1-5፣ ማቴ 4፡14፣ ማቴ 5፡17፣ ማቴ 8፡17፣ ማቴ 12፡17፣ ማቴ 13፡14,35፣ ማቴ 21፡4፣ ማቴ 27፡9)። ኣቐዲሙ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ ዝገለጾ ትንቢት ነይሩ (ኢሳ 7፡14)። ኣብዚ ትንቢት እዚ ክርስቶስ ዝጽወዓሉ ካልእ ስም፡ ኣማኑኤል ዝብል፡ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣማኒኤል ማለት ኣምላኽ ምሳና ማለት እዩ። ክርስቶስ ማለት መድሓኒት ማለት ኮይኑ፡ ተግባሩ ክገልጸልና ከሎ፡ ኣማኒኤል ከኣ መለኮታዊ መንነቱ ይገልጸልና። ጐይታ ብዘይካ እዚኣቶም ኻልኦት ኣዝዮም ብዙሓት ዝጽወዓሎም ስማት ኣለውዎ። ብስሙ ሰባት ካብ ፍርዲ ይድሕኑ (ዮሃ 3፡18) ኣጋንንቲ ይወጹ (ማር 16፡17) መከራ ይቕበሉ (ግብ 5፡41) ድሌቶም ይረኽቡ (ዮሃ 16፡24)። ምኽንያቱ እዚ ስም እዚ ልዕሊ ዂሉ እዩ (ፊሊ 2፡9-11)።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 21 ክሳብ ታሕሳስ 27 “ኖላዊ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። “ኖላዊ ዘመጽአ ውስተ ዓለም ( ናብ ዓለም ዝመጸ ሕያዋይ ጓሳ) ማለት እዩ። እዛ ሰንበት እዚኣ ሳልሰይቲ ሰንበት ኮይና፡ ኖላዊ ማለት ሓላዊ ጓሳ ኮይኑ ነብያት ሓቀኛ ጓሳ ኮይኑ ወዲ እግዚኣብሄር ክመጽእ እዩ፡ ኢሎም ምንባዮምን፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ሓቀኛ ጓሳ ምኳኑን እንዳዘከረት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ትዝምሮን፡ ትቅድሶን፡ ተመስግኖን መዓልቲ እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።” እዚ ማለት እቲ ነብያት ዝተነበይዎ ትማልን፡ ሎምን፡ ንዘልኣለም ህያው ዝኮነ፡ ሓቀኛን እሙንን ጓሳ ጐይታ፡ ብርሃንን ሓቅን ኮይኑ ይምርሓና፡ከምቲ ንህዝብካ ኣብ ዘመናት ዝመራካ ምርሓና፡ በሪህካ ተገለጽ ንምባል እዩ። ሎሚ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ሕያዋይ ጓሳ ኣነ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 14 ክሳብ ታሕሳስ 20 “ ብርሃን” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ዘብርሃን አቅዲሙ ነገረ በኦሪት” (እቲ ብርሃን ብኦሪት ኣቐዲሙ ተነግረ) ዝብል እዩ። እዚ ካብቲ ዘመነ ስብከት ተባሂሉ ዘሎ ካልኣይ ሰንበት እዩ። ኣብ ኦሪት ነብያት ናይ ነብሶም ብርሃን ዝኮነ ክወርድ ፡ ክውለድ እዩ ኢሎም ስለ ምስባኮም፡ ሓቀኛ ብርሃን ክመጽእ እዩ፡ ኢሎም ስለ ምንባዮም፡ ዝዝከረሉ መዓልቲ ኮይኑ ፡ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀኛ ብርሃን ሙዃኑ ብመዛሙር ይስብክን ይምስገን ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝበሎ “ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ። ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፡ ናብ ኣምላኽ ደስታይን ታሕጓሰይን ክአቱ እየ።” እዚ ማለት እቲ ነብያት ዝተነበይዎ ትማልን ፡ ሎምን፡ ንዘልኣለም ህያው ዝኮነ፡ ብርሃን ሓቂ ጐይታ፡ ብርሃንን ሓቅን ኮይኑ ይምርሓና፡ ናብቲ ሰማይ ዘእትዋ ንሳተን እየን እሞ ንምባል እዩ። ሎሚ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ብርሃን ዝኾነ መሰል ውልድነት ነብያትን ሃዋርያትን ኩሉ ኣብ ዘመናት ዝሓለፉ ኣገልግልቲ ኣምላክ ዝመሃርዎ፡ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንሂወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 7 ክሳብ ታሕሳስ 13 “ስብከት” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ወልዶ መድኅነ ንሰብክ። ዘእምቅድመ ዓለም ሀሎ።” (ቅድሚ ዓለም ንዝነበረ፡ ምድሓን ወዱ ክነግር ኢና) ዝብል እዩ። ካብ ኦሪት ብሙሴ ብኩሎም ብነብያት ኣቐዲሞም ምውላድ ክርስቶስ ብስብከቶም ሰቢኮሞ ንዝነበሩ ሎሚውን ንሱ ህያው ምዃኑ ንምዝካር እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፡ ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረቡ፡ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት ባልሃኒ።” እዚ ማለት ከኣ ኣታ ትማልን፡ ሎምን፡ ንዘልኣለም ህያው ዝኾንካ፡ ጐይታ ርድኣና ዘይንስኻ ክረድእ ዝኽእል የሎን ንምባል እዩ። ኣብ ህይወትና ሎሚ ዝያዳ ኩሉ ‘ኣበይ ትፈልጠኒ’ ንብሎ ከይንህሉው፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 27 ክሳብ ታሕሳስ 3 “መፃጎዕ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ይቤሉ እስራኤል። ኢርኢነ ወኢሰማዕነ ዘዕውሩ ተወልደ ወተከሥተ አዕይንቲሁ በሰንበት።”(ይበል እስራኤል። ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ብሰንበት፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን።) ኢላ ቤተ ክርስትያና መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ በዚ መዓልታት እዚ ንዕውራት ብርሃን ተስፋ ንዝቀበጹ ተስፋኦም፡ መሕወይ ድውያን፡ ካብ እስራት ኣጋንንቲ ዘውጽእ ሓራ፡ ኣምላክ ብርሃን ፡ ዕውራትን ሕሙማትን ንዘድሓነን ንዘድሕንን ኣምላኽ ዝቀርብ መዝሙር ምስጋና ዝዝመረሉ እዩ።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 20 ክሳብ ሕዳር 26 ምኵራብ ይባሃል።ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ኣምላክ ፍጹም በህላዌሁ”(ብህልውንኡ ፍጹም ዝኾነ ኣምላኽ) ኢላ ቤተ ክርስትያና መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፡ ገጾም’ውን ከቶ ኣይሐፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፡ እግዚኣብሄር’ውን ሰምዖ፡ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ።” ዝበሎ፡ ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ምጽባይ ክብረት እምበር ውርደት ከምዘይብሉ፡ ምክንያቱ ጽጉማት ኣእውዮም ቅድሚ ሕጂ ዘየሕፈረ ኣምላኽ ህላውነቱ ኣይተለወጠን ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ርድኢት ኣብ እግዚኣብሄር ምውካል መዓልቲ መዓልቲ ንዕኡ ክንረክብ ሃረር ምባል ዘለዎ በረኸት ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 13 ክሳብ ሕዳር 19 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር "ሎቱ ስብሐት ወሎቱ ኣኵቴት። ለዘቀደሳ ለሰንበት።” (ንሰንበት ንዝቀደሳ ንዕኡ ፍጹም ምስጋና ይግብኦ) ኢላ ቤተ ክርስትያን መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድርን፣ ኣብ ባሕርን መዓሙቚን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ” ዝበሎ፡ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ለዋህ፡ዕጉስ፡ ዝደለዮ ዘበለ ዝገብር፡ ዕብየቱን ከኣልነቱን እንዳዘከርና፡ ከም ምሕረቱ ኣብ ዕድሜና እዚ ዕለት ዝሃበና፡ ካብ ፍቃዱ ከይንወጽእ፡ እቲ ንሱ ኣዳልዩልና ዘሎ በረኸት ከይንስእን፡ ግዳይ ዘልኣለማዊ ሞት ከይንኸውን እዩ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ርድኢት ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዘይምፍጻም፡ዘስዕቦ ሞትን ናይ ዘልኣለም ስቓይን ከምኡውን ንሞት ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ