“ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ (ኣምላኽ) ከይትወድቁስ፡ (ኣይትምሓሉ)። እቲ እወኹም እወ፡ እቲ ‘ኣይኰነን’ ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን’ምበር፡ ቅድሚ ዅሉ ብሰማይ ብምድሪ ወይስ ብኻልእ፡ ማሕላ ኣይትምሓሉ።” ያእ 5፡12
እዚ ቕንያት’ዚ ኣብ ሃገርና፡ ናይ ክራማት ወቕቲ ዚጅምረሉን፡ ዘርኢ ዚዝርኣሉን ወቕቲ’ዩ። ስለ’ዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ምእታው ክረምቲ (ሰነ 25) ክሳዕ ቂርቆስ (ሓምለ 15) ዘሎ ቕንያት “ዘርዕ፡ ደመና፡ ጠል” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓደ ኻብቶም ነዚ መበል 43 ሰንበት ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ተሰሪዖምልና ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እዚ ናይ ያእ 5፡12-ፍጻመ ንባብ’ዩ። ኣብ’ዚ ንባብ’ዚ ኻብ ዘለዉ ብዙሓትን ዓበይትን ኣርእስታት ሓደ ኸኣ፡ እዚ ንማሕላ ዚምልከት ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስቲ’ዩ። ንሕና ኸኣ ማሕላ ኣብ ዜዘውትርን ናብ ማሕላ ኣብ ዚደፋፍእን ባህሊ ዝዓበና ኢና። ብዚጠቅምን ብዘይጠቅምን፡ ብሓቅን ብሓሶትን ክንምሕል እንውዕልን እንነብርን ህዝቢ ኢና። ክርስትያን ህዝቢ ኽነስና፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ዝኸልከልዎ ሓጢኣት ከነውዘውትር ንነብር ኣለና። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኸኣ ከም’ቲ ዚግባእ ገይራ ወንጌል ንህዝባ ናይ ምስትምሃር ሓላፍነታ ስለ ዘይፈጸመት፡ ህዝባ ነቲ ብናይ ስጋን መለኮትን ተዋህዶ ዘድሓነና ጐይታ ዝሃቦ ትእዛዝ ኬፍርስ ይነብር ኣሎ። እቲ ዜሕዝን ከኣ ንቡር ነገር ዚገብር ዘሎ’ምበር፡ ሓጢኣት ይፍጽም ንጐይታኡ ኸኣ ይጻረር ከም ዘሎ ዘይፈልጥ ምዃኑ’ዩ። ነዚ መንፈሳዊ ድኻም’ዚ ኣዝዩ ዜኽብዶ ኸኣ እቲ ሓፋሽ ምእመን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ከይተረፉ ዚፍጽምዎ ምዃኑ’ዩ። ሕጊ ኣምላኽ ኣፍሪስና ምምሓልና ኸይኣክል ድማ፡ ነቲ ማሕላ’ውን ብሓሶት እነዘውትሮ ምዃንና ነቲ ኣበሳና ተደራራቢ’ዩ ዚገብሮ። ኣብ መንጎ’ቶም ማሕላ ዜዘውትሩ፡ “ማሕላ ንመን ቀተለ፧” ዚብል ብሂል ኣዝዩ ዝውቱር ምዃኑ፡ በቲ ኣምላኽ ዝኸልከሎ ሓጢኣት ክንጻወት ምምራጽና ዜመልክት’ዩ።
ንምንታይ’ዩ ማሕላ ማዕረ ኽንድ’ዚ ኸቢድ ኰይኑ፧
1ይ. መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ምምሓል ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ዜውድቕ ተግባር’ዩ። ኣምላኽ ዚፈርዶ ተግባር እንተ ዀይኑ፡ ምምሓል ሓጢኣት ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ሓጢኣት ዚገብሮ፡ ብሓሶት ምምሓልካ ወይ ነቲ ዝመሓልካሉ ብዘይ ምፍጻምካ ጥራሕ ኣይኰነን። ናይ ማሕላ ኣበሳነት ኣብ’ቲ ውጽኢት ናይ’ቲ ማሕላ ዚምርኰስ ኣይኰነን። ፈጽሞ ኣይትፈጽሞ፡ ሓቂ ይኹን ሓሶት፡ እቲ ማሕላ ንበይኑ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ሓጢኣት’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ማሕላ ኸይንምሕል ብንጹርን ብኣጽንዖትን ዝተኸልከልና።
2ይ. ምንጪ ወይ መበቈል ናይ ማሕላ እቲ ኽፉእ ድያብሎስ ምዃኑ’ዩ ጐይታና ገሊጹልና ዘሎ። ጐይታና ነተን ሽዱሽተ ሕገ ወንጌል ኣብ ቅድሚ ቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ኺገልጽ ከሎ፡ ንማሕላ ኸም ራብዓይቲ ሕጊ ናይ ሕገ-ወንጌል ገይሩ ብንጹር ኣስፊርዋ ኣሎ። እዘን ብሕገ-ወንጌል ዝተኸልከላ ሽዱሽተ ተግባራት፡ ኣብ ሕጊ ብሉይ ኪዳን ግን ፍቑዳት ነይረን ማለት ኣይነበረን። ሽዑ’ውን ክልኩላት’የን ዝነበራ። ጐይታና ግን ካብ’ቲ ዝነበሮ ደረጃ ክብ ኣቢሉ ፍጹምን ጽኑዕን ሕጊ ገበሮ። ነዘን ሽዱሽተ ሕገ-ወንጌል ቅድሚ ምግላጹ፡ ዕላማ ናይ’ቲ ዝገበሮ ለውጢ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ብንጹር ገሊጽዎ’ዩ።
“ንሕጊ ሙሴ ዀነ ንነብያት ክፍጽሞም (ፍጹማት ክገብሮም) ደኣ’ምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሓልፍ፡ ኵሉ ሕጊ’ውን ክሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕጊ የውጣ (ፊደል) (smallest letter or jet) ወይ ሓንቲ ሕንጻጽ ከም ዘይትሓልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ማቴ 5፡17,18 ካ.ት
ነዚ ሓቂ’ዚ ንምብራህ’ውን፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንኽልቲኡ ኪዳንን ሕግን፡ ናይ ብሉይን ናይ ሓድሽን፡ ብምንጽጻር ገሊጽዎ ኣሎ።
“ነታ ቐዳመይቲ ኺዳን ኣበር እንተ ዘይርከባ፡ እታ ኻልኣይቲ ኣይመድለየትን ነይራ። .... ነዚ ኺዳን’ዚ ሓድሽ ኢሉ ብምጽውዑ፡ ነቲ ቐዳማይ ኣረጊት ገበሮ። .... እቲ ዝሓለፈ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ’ዩ ዝተሳዕረ። ከመይ ሕጊ ሙሴ ንሓደ’ኳ ናብ ፍጻሜ ዘብጽሖ የልቦን። ሕጂ ግና ናብ እግዚአብሔር እንቐርበሉ ዝበለጸ ተስፋ መጺኡልና ኣሎ።” እብ 8፡7,13 7፡18,19 ካ.ት
ሕጊ ሙሴ ብሓሶት ከይንምሕል’ዩ ኸልኪሉ፡ ሕጊ ክርስቶስ ግና ብመሰረቱ ኸይንምሕል’ዩ ዚእግድ። ስለ’ዚ ደቂ ሓድሽ ኪዳንን ክርስትያንን ከም ምዃንና መጠን፡ በቲ ሓድሽን ፍጹምን ሕጊ ክርስቶስ ክንምራሕ’ዩ ዚግብኣና። ጐይታና፡ በዚ ሓድሽን ፍጹምን ሕጉ፡ ማሕላ ኻብ’ቲ ኽፉእ ድያብሎስ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና’ዩ። “ነገርኩምስ፡ “እወ፡ እወ”፡ ወይ “ኣይኰነን፡ ኣይኰነን’ ደኣ ይኹን። ካብ’ዚ እንድሕሪ በዚሑ ግና ካብ’ቲ ኽፉእ’ዩ።” ማቴ 5፡37 ካ.ት
ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ኪትርጒመሎም ከሎ፡ ነቶም ብኽርዳድ ዝተመስሉ ሰባት፡ “ደቂ’ቲ ኽፉእ፡ ደቂ’ቲ እኩይ” ብምባል፡ ደቂ ድያብሎስ ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ (ማቴ 13፡3-39 ቀ.ት+ካ.ት)። ነቲ “እወ፡ ኣይኰነን” ዚብል ናይ መረጋገጺ ቓላት ሓሊፉ፡ ብገዛእ ርእስኻ፡ ብኻልእ ሰብ፡ ብስም ኣምላኽ ወይ ብስም ቅዱሳን፡ ወይ’ውን ብዝዀነ ኻልእ ኣካል ዚግበር ማሕላ፡ ካብ’ቲ ኽፉእ ድያብሎስ’ዩ። ሓቅነትካ ንምርግጋጽ ኢልካ ዚግበር ደኣ ይመስለና ዀይኑ’ምበር፡ ፍቓድ ሰይጣን ንምፍጻም ምምላእ፡ ንእኡ ንምግልጋል እንኣትዎ ማሕላ’ዩ። ካብ’ቲ ኽፉእ ድያብሎስ ምዃኑ ንርእሱ፡ ማሕላ ንእግዚአብሔር ዜጒህይ እኩይ ተግባር ምዃኑ ዓብይ መረጋገጺ’ዩ። ሰይጣን ኵሉ ጊዜ ነታ እግዚአብሔር ዝኸልከላን ዚጒህየላን ነገር ክንገብር’ዩ ዚደፋፍኣና። ሓጢኣት ከኣ ብኸምኡ’ዩ ጀሚሩ። ንኣዳምን ሄዋንን ካብ’ታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ከይበልዑ እግዚአብሔር ምስ ኣዘዞም፡ ሰይጣን ከኣ “ከም እግዚአብሔር ደኣ ኽትኰኑ ኢኹም’ምበር፡ ኣይክትሞቱን ኢኹም፡ እግዚአብሔር ሓስዩኩም’ዩ” ዜስምዕ መልእኽቲ ብምሃብ ንምብላዕ ኣስሓቶም። ኵሉ ሰናይ ግብሪ ብናይ እግዚአብሔር ደራኽነት ከም ዚፍጸም፡ ኵሉ ሓጢኣት ከኣ ብናይ ሰይጣን ኣስሓትነትን ደራኽነትን’ዩ ዚግበር። ናይ ማሕላ’ውን ልክዕ ከምኡ’ዩ። ናይ ኣቦታትና ዀይኑና ወይ’ውን ንቡርን ዝውቱርን ባህሊ ዀይኑና ጥራሕ ንገብሮ ዘለና ይመስለና ኣሎ’ምበር፡ ንናይ ሰይጣን ፍቓድ ነገልግል፡ ንድርኺቱ ንእዘዝ ከም ዘለና ፈጺምና ኣይነስተውዕሎን ኢና። ስለ’ዚ ምስ ሰይጣን ግምባር ፈጢርና፡ ንእግዚአብሔር ንዋግኦ ኸም ዘለና ጐይታና ባዕሉ ነጊሩና ኣሎ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ ኣብ መሪሕ ጥቕስና “ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ከይትወድቁስ፡ ኣይትምሓሉ” ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። መዓይይቲ ሰይጣን ኴንና፡ ምስ ሰይጣን ወጊንና እንድሕር ተዋጊእናዮ ደኣ፡ ብኸመይ ካብ ፍርዲ ኽንመልቍ ንኽእል፧!
3ይ. ማሕላ፡ ርእስኻ ከም ኣምላኽ ክትገብር፡ ኣምላኽነት ክትለብስ ናይ ምህቃን ኣበሳ’ዩ። ማሕላ ኺምሕል ዚኽእል፡ እት ነቲ ዝኣተዎ ማሕላ ኼተግብር ዚኽእል ጥራሕ’ዩ። ነዚኣ ኺገብር ዚኽእል ከኣ ብዘይካ እግዚአብሔር ዝዀነ ኻልእ ኣካል የለን። ይትረፍ ሰብ ዚኣክል ድኹም ፍጥረት፡ ምስ’ዚ ዅሉ ዝሃቦም ዓብይ ሓይልን ክእለትን፡ መላእኽቲ’ኳ ዝደለይዎን ዚኽእልዎን ኵሉ ኺገብሩ ኣይክእሉን’ዮም። ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ብመሰረቱ እግዚአብሔር ዘይፈቐዶ ዘይገብሩ እሙናት ኣገልገልቱ’ዮም። እቶም መላእኽቲ ጸልማት፡ ሰይጣንን ኵላቶም ሰራዊት መላእኽቱን’ውን እንተ ዀኑ፡ ኪገብርዎ ዝደለዩ ኺገብሩ ዜኽእሎም ሓይሊ ዘለዎም ክነሶም፡ እግዚአብሔር ዘይፈቐዶ ነገር ኪገብሩ ዝዀነ ይኹን ስልጣን የብሎምን። ዝደለይዎ ኺገብሩ ስልጣን እንተ ዚህልዎም፡ ንዅላቶም ፈራህቲ ኣምላኽን ንቤተ ክርስቲያንን ሓደ መዓልቲ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ካብ ገጽ ምድሪ መጥፍእዎም ነይሮም። እግዚአብሔር ንኼጥፍእዎ ኢሉ ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉን ዘይሃቦም ሰብ። ካብ’ዚ ብሚልዮን ዚቝጸር ጸጒሪ ርእሱ ሓንቲ’ኳ ኼውድቑሉ ኣይክእሉን’ዮም። ነዚ ሓቂ’ዚ ካብ ታሪኽ ኣቦና እዮብ ኸነረጋግጾ ንኽእል ኢና። ሰይጣን ንእዮብ ኣዝዩ ይጸልኦን ኬጥፍኦ ይደልይን’ኳ እንተ ነበረ፡ ኪገብሮ ግን ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ንሒፍዎ ወይ “ይጽንሓለይ” ኢሉ ዘይኰነስ፡ እግዚአብሔር ንእዮብ ካብ ፍቓድ ሰይጣን ሓጺሩ ስለ ዝሓለዎን፡ ናብ እዮብ ገጹ ኸይቀርብ ስለ ዝኸልከሎን ምዃኑ፡ ሰይጣን ባዕሉ ተኣሚኑ’ዩ (እዮ 1፡6-22፣ 2፡1-7)። ንእዮብ ንኺፍትን’ኳ ካብ እግዚአብሔር ፍቓድ ምስ ረኸበ’ዩ ኺፍትኖ ዝኸኣለ። እቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ መወዳእታ ናይ ዓለም ኣመልኪቱ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ዜረጋግጸልና’ዩ።
“ብትንቢት ኰነ ብወረ ወይ ካባና ከም ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ብምምሳል፡ ‘መዓልቲ ጐይታ መጺኣ’ያ’ ብምባል ብቐሊል ኣይትረበጹን ኣይትተሃወኹን። ክሕደት ቅድሚ ምምጽኡ፡ እቲ ሕጊ ዘይብሉ ሰብ፡ እቲ ንጥፍኣት ዝተመደበ፡ ከይተገልጸ፡ መዓልቲ ጐይታ ኣይትመጽእን እያ’ሞ፡ ሓደ’ኳ ብገለ ነገር ኣየስሕትኩም። ንሱ ‘ኣምላኽ’የ’ ኢሉ ብምእዋጅ ኣብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ተቐሚጡ፡ ነቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕን፡ ነቲ ዚምለኽን ዘበለ ነገር ኵሉ ኺቃወም ኪለዓል’ዩ። .... ንሱ ኣብቲ ዝተመደበሉ ጊዜ ምእንቲ ኪግለጽ፡ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዎ ኢኹም። እቲ ብሕቡእ ዚዓይዪ ሕጊ ኣልቦነት ድሮ ጀሚሩ’ሎ። እንተዀነ፡ እቲ ኪዀኖ ዘለዎ፡ እቲ ዓጊትዎ ዘሎ ኻብ መገዱ ክሳዕዜልግስ ኣይኪኸውንን’ዩ። ሽዑ እቲ ሕጊ ዘይብሉ (ሰብኣይ) ኪግለጽ’ዩ። ጐይታ ኢየሱስ ከኣ በቲ ካብ ኣፉ ዚወጽእ ትንፋስ ኬጥፍኦ’ዩ። ብግርማ ምጽኣቱ ኸኣ ኪድምስሶ’ዩ። ናይ’ቲ ሕጊ ዘይብሉ (ሰብኣይ) ምምጻእ በቲ ሰይጣን ዚዓዮ ዅሉ ናይ ሓይልን ሓሳዊ ትእምርትን ተኣምራትን ዝተሰነየ ኪኸውን’ዩ።” 2ተሰ 2፡3,4,6-8 ካ.ት
ኣብ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ብዛዕባ’ዚ ኸም ኣራዊት ከም ነብዪ ሓሶትን ተገሊጹ ዘሎ ሰብኣይ ዓመጻ ኣብ ራእ 13፡1-18፣ 20፡1-10 ብስፍሓት ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ሰብኣይ ዓመጻን ጥፍኣትን’ዚ፡ ናብ ዓለም ኪመጽእን ናይ ጥፍኣት ተልእኾኡ ኺፍጽምን ይደልይ’ኳ እንተ ዀነ፡ ግናኸ ብኣምላኽ ተኸልኪሉን ተዓጊቱን ከም ዘሎ ቅዱስ ጳውሎስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ዝደለኻዮን ዝዀንካዮን ኩን፡ መንነትካን ሓይልኻን ብዘየገድስ፡ እቲ ኽትገብሮ እትደልይ’ውን ጽቡቕ ይኹን ክፉእ ብዘየገድስ፡ እግዚአብሔር “ግበሮ፡ ይኹነልካ ኸኣ” ኢሉ እንተ ዘይፈቐደልካ፡ ዋላ ሓንት ኽትፍጽም ኣይትኽእልን ኢኻ። እግዚአብሔር እንተ ዘይፈቒዱሎም፡ ኣጋንንቲ ይትረፍ ናብ ሰብ ናብ ሓሰማ’ኳ ኺኣትዉ ኸም ዘይኽእሉ፡ ቅዱስ ወንጌል ኣረጋግጹልና’ዩ (ማቴ 8፡28-34፣ ማር 5፡1-20)።
እዞም ብወግዒ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ኰብሊሎም ጸላእቱ ዝዀኑ ኣዝዮም ሓያላት ኣጋንንቲ ዝደለይዎን ዝመደብዎን ኪፍጽሙ ዘይክእሉ እንተ ዀይኖም፡ ንሕና ሰባት ደኣ ማዕረ ኽንደይ ድሩታት ዘይንኸውን፧ ዝደለናዮ ኽንገብር ፈጺምና ዘይንኽእል እንተ ዄንናስኸ ኸመይ ጌርና ብርጉጽነት ክንምሕል ንኽእል፧ እቲ ዚምሕል ነቲ ዝኣተዎ ማሕላ ኼተግብር ዓቕምን ስልጣንን እንተ ዘይብሉ፡ ንእግዚአብሔር ንምብዳልን ንሰይጣን ንምግልጋልን ኰነ ኢሉ ተዓጢቑ እንተ ዘይኰይኑ፡ ዜምሕል ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብሉን። ጽባሕ ንግሆ ወይ ንዓመታ ከም’ዛ እዋን ክትህልው ዘይክትህልው ዘይትፈልጥ ክነስኻ፡ “ጽባሕ ከም’ዚ ኽህበካ’የ፡ ንዓመታ ኸም’ዚ ኽገብረልካ’የ” ኢልካ ምምሓል፡ ከይተረዳካ ኽሳዕ ጽባሕ ወይ ክሳዕ ንዓመታ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዓቕምን ስልጣንን ከም ዘሎካ ትእመን ኣለኻ። እዚ ስልጣን’ዚ ኸኣ ናይ እግዚአብሔር ጥራሕ ካብ ኰነ፡ እዚ ዘረባኻን ማሕላኻን’ዚ ንርእስኻ ኣምላኽ ናይ ምግባር ሰይጣናዊ ፈተነ ወይ ሃቐና ይኸውን ማለት’ዩ። ኣብ’ቲ ጐይታ ዝመሰሎ “ምስላ ግራቱ ዝቐደወሉ ሃብታም ሰብኣይ”፡ ንማሕላ ኣመልኪቱ ዝተመሰለ’ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ነቲ ናብ ማሕላ ዚድረኸና ናይ ዕልወት ኣተሓሳስባ ይገልጽ’ዩ።
“ከም’ዚ እናበለ ከኣ ምስላ ነገሮም፡ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቀደወሉ። ብልቡ ከኣ እኽለይ ዝእክበሉ ስፍራ የብለይን እንታይ ደኣ ክገብር እየ፧ ከምዚ ኢሉ ሓሰበ። ከምዚ ድማ በለ ከምዚ ድኣ ክገብር ንማዕከነይ ኣፍሪሰ ኣግፊሐ ክሰርሖ’የ። ኣብኡ ከኣ ዅሉ እኽለይን ሃብተይን ክእክብ’የ። ንነፍሰይ ከኣ ኦ ነፍሰይ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣክል ብዙሕ ዝተደለበ ሃብቲ ኣሎኪ’ሞ ኣዕርፊ ብልዒ ስተዪ ተሓጐሲ ክብላ እየ በለ። ኣምላኽ ግና ኣታ ዓሻ በዛ ለይቲ እዚኣ ንነፍስኻ ካባኻ ክወስድዋ’ዮም። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ። እቲ ንርእሱ ሃብቲ ዚእክብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ሃብታም ዘይኰነ ከምኡ እዩ።” ሉቃ 12፡16-21 ካ.ት
ናይ’ዚ ሰብኣይ’ዚ ዕሽነት ኣብ’ተን፡ “ክሰርሖ’የ፡ ክእክብ’የ፡ ንነፍሰይ .... ክብላ’የ” ዚብላ ቓላት’ዩ ተገሊጹ። ንሓንቲ ለይቲ እተሕድር ህይወት ከይሓዘስ፡ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣክል ሃብቲ ኣከበ። ናብ ማሕላ ዚድርኸናን ዜስሕተናን ከኣ እዚ ሰብ ክነስኻ ከም ኣምላኽ ኴንካ ናይ ምውሳእ (act ናይ ምግባር) ዓመጸኛ ኣተሓሳስባ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ’ውን ዕሽነት ናይ’ዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ዚገልጽ ግሩም ትምህርቲ ጽሒፉልና ኣሎ።
“ንስኻትኩም ኣቱም ‘ሎሚ ወይ ጽባሕ ናብ’ታ ከተማ እቲኣ ኽንከይድ ኢና። እናነገድና ምእንቲ ኽንረብሕ ከኣ ኣብኣ ዓመት ክንቅመጥ ኢና’ እትብሉ ስምዑ። ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ህይወትኩምከ እንታይ እያ፧ ንቝሩብ ጊዜ ተራእዩ ደሓር ዚበንን ሃፋ ኢኹም። “ጐይታ እንተ ፈቒድዎ ብህይወት ክንነብር ኢና፡ ከምዚ ወይ ከምቲ ኽንገብር ኢና” እዩ ኽትብሉ ዚግብኣኩም ነይሩ። ሕጂ ግና ትጀሃሩ ትምክሑን ኣሎኹም። ከም’ዚ ዝበለ ትምክሕቲ ዅሉ ኸኣ ክፉእ’ዩ።” ያእ 4፡13-16 ካ.ት
ናይ’ዞም ነጋዶ ኣበሳ ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኢዶም ዘየሎ መዓልታት ምጅሃሮም’ዩ። እቲ “ክንነግድ ኢና፡ ክንቅመጥ ኢና” ዚብል ስጋዊ ውጥናት’ውን ከም ናይ’ቲ ዓሻን ሃብታምን ሰብኣይ’ዩ።
እቲ ትምክሕትና ኣብ ጊዜ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ ኽንገብሮ እንውጥኖ ተግባራት’ውን’ዩ ዚግለጽ። ክሳዕ’ቲ ዝደለናዮ እዋን ብህይወት እንተ ጸናሕና’ኳ፡ ነቲ ዝወጠንናዮ ኽንገብር ንኽእል ኢና ማለት ኣይኰነን። ብሕማም፡ ብስእነት ይኹን ብዅነታት ምኽንያት፡ ካብ’ቲ ዝሓሰብካዮ ተዓንቂፍካ ምትራፍ’ውን ኣሎ። “ክኸፍለካ’የ፡ ክህበካ’የ” ኢልና ብማሕላ ዝኣተናዮ ቓል፡ ይትረፍ ክንህብ ተመጽወትትን ሰብ ዕዳን ክሳዕ እንኸውን፡ ኣብ ክሳራን ኣብ ድኽነትን ክንወድቕ ንኽእል ኢና። ሽዑ እቲ ብድፍረት ዝበልናዮ ማህላ እንታይ’ዩ ኪኸውን፧
ብዛዕባ’ቲ ሓቅነትና ንምርግጋጽ እነዘውትሮ ማሕላ’ውን፡ እቲ ሓቂ ኻብ’ዚ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ዝተፈልየ ኣይኰነን። ብዛዕባ “ኢለ፡ ኣይበልኩን፣ ኢልና ዝተኣመንናሉ ጒዳያት፡ ሓቀኛታት ምዃንና ንምርግጋጽ ዜምሕል ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልናን። ማሕላ፡ ሓቅነትና ኣየረጋግጽን’ዩ። ሓቅነትና በቲ ከየቋረጽና እነርእዮ ሓቀኛ ባህርይ ጥራሕ’ዩ ዚረጋገጽ። ኣብ ማእከል ሕብረተሰብና፡ “እከለ ፈጺሙ ዘይሕስው ሓቀኛ ሰብ’ዩ” ብምባል ብናይ ሚእቲ ሚእታዊት ርጉጽነት እንምስክረሎም በጻብዕ ዚቝጸሩ፡ ሒደት ሰባት ኣለዉ። ሓቅነቶም ንኼረጋግጹ ኺምሕሉን ኪጥሕሉን ስለ ዚውዕሉ ኣይኰንናን ማዕረ ኽንድኡ እንተኣማመነሎም። ሓቅነቶምን ንሓቂ ዘለዎም ፍቕርን፡ ኣብ ብዙሕ ኵነታትን ኣብ ዝተናውሐ ጊዜን ዘረጋገጹ ሰባት’ዮም። እዚ ባህርይ’ዚ ዋላ ኣብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመታት ዝዕድሚኦም ቈልዑ’ውን ይረኣይ’ዩ። መቕጻዕቲ ናይ’ቲ ዝበደልዎ በደል ደኣ ብጸጋ ይቕበሉ’ምበር፡ “ኣይገበርክዎን” ኢሎም ኪሕስዉ ፈጺሙ ዘይኰነሎም፡ ብዘይወዓልዎ ተግባር ብጌጋ ኪቕጽዑ ኸለው ድማ ምእባዱ ዘይከኣለ ብኽያትን ጓህን ዜርእዩ ውሑዳት ቈልዑ ኣለዉ። ስለ’ዚ ንተኣማንነትና ብተግባር ኢና እንሃንጾ’ምበር፡ ብማሕላ ኣይነረጋግጾን ኢና። ግደ ሓቂ፡ እቶም ሓሶት ዜብዝሑ’ዮም፡ ማሕላ ዜብዝሑ። ኣብ ምስላ ኣቦታትና’ኳ “ሓቂ ኼምስሉስ፡ ኢድ ይጠቕዑ፡” ዚብል ምስላ ኣሎ። ሓቅነት ንምርግጋጽ ክንጥቀመሉ ዝተፈቕደልና መረጋገጺ፡ “እወ” ወይ “ኣይኰነን” ክንብል ጥራሕ’ዩ። ዋላ ሓቀኛ ማሕላ እንተ መሓልና’ኳ፡ እቲ ምምሓል ንርእሱ ሓጢኣት ስለ ዝዀነ፡ ዓይነት ሓጢኣትና ደኣ ኢና ለዊጥና’ምበር ንጹሃትን ሓቀኛታትን ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና።
እቲ እንምሕለሉ ስምን መንነትንከ ብዓይኒ ቓል ኣምላኽ ብኸመይ’ዩ ዚጥመት፧ ነዚ ሓሳብ’ዚ ብዚምልከት ጐይታና ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ።
“ከምኡ ድማ ነቶም ቀዳሞት፡ “ማሕላኻ ንእግዚአብሔር ሃቦ’ምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሓል፡” ከም ዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና ወይ ብሰማይ፡ ዝፋን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ወይ ብምድሪ፡ መርገጽ እግሩ ስለ ዝዀነት፡ ወይ ብኢየሩሳሌም፡ ከተማ እቲ ዓብይ ንጉስ ስለ ዝዀነት፡ ከቶ ኣይትምሓሉ እብለኩም ኣለኹ። ካብ ጸጕሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ’ሞ፡ ብርእስኻ’ውን ኣይትምሓል። ነገርኩምሲ፡ ‘እወ፡ እወ’ ወይ ‘ኣይኰነን፡ ኣይኰነን’ ደኣ ይኹን። ካብ’ዚ እንድሕር በዚሑ ግና ኻብ’ቲ ክፉእ’ዩ።”ማቴ 5፡33-37 ካ.ት
ካብ’ዚ ጐይታና ዝበሎ ቓል ኸም እንርድኦ፡ እስራኤላውያን ኣብ’ቲ ዘመኖም፡ ብሰማይን ብምድርን ብኢየሩሳሌምን ይምሕሉ ነበሩ። ነዚኣቶም ጠቒሶም፡ እንታይ ኢሎም ከም ዚምሕሉ ኣይተነግረናን፡ ንፈልጦ ነገር’ውን የለን። በዞም ነገራት’ዚኦም ክንምሕል ከም ዘይግብኣና ግና ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ዝዀነ ኻልእ ጠቒስና’ውን ክንምሕል ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ካብ ሰማይን ምድርን ዚዓብይ ካልእ ፍጡር የልቦን። ብሰማይን ምድርን ክንምሕል ዘይንኽእለሉ ምኽንያት ማሕላና ንምርግጋጽ፡ ኣብ’ቶም ንማሕላ ዝተጠቐምናሎም ሰማይን ምድርን ክንፍጽሞ እንኽእል ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። ጐይታና ነቲ ኣይሁድ ብዛዕባ ማሕላ ዝነበሮም ግጉይ ርድኢት ኪቐልዕ ከሎ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ።
“ኣቱም “ብቤት መቕደስ ዚምሕል ደሓን’ዩ፡ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ንዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡” እትብሉ ዕዉራት መራሕቲ፡ ወይለኹም። ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዓብይ፡ ወርቅዶ ወይስ እታ ንወርቂ እትቕድሶ ቤተ መቕደስ፧ “ብመሰውኢ ዚምሕል ደሓን’ዩ፡ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዘሎ ቝርባን ዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡” ትብሉ። ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዐቢ፡ ቍርባንዶ ወይስ እቲ ንቝርባን ዚቕድሶ መሰውኢ፧ እምብኣርስከ እቲ ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዅሉን ይምሕል አሎ። እቲ ብቤተ መቕደስ ዚምሕል ከኣ፡ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዚነብር (ኣምላኽን) ይምሕል ኣሎ። እቲ ብሰማይ ዚምሕል፡ ብዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዚቕመጥ (ኣምላኽን)’ዩ ዚምሕል።” ማቴ 23፡16-22
እምበኣር ዝዀነ ይኹን ነገር ጠቒስካ ዚግበር ማሕላ ውዒሉ ሓዲሩ ብስም’ቲ ንእኡ ዝፈጠረን ኣብኡ ዚነብርን ኣምላኽ’ዩ ዚፍጸም። ንእግዚአብሔር ዚኣክል ዓብይ ኣምላኽ፡ ናይ ዚጠቅምን ዘይጠቅምን መምሓሊ ኽትገብሮ ኸኣ፡ ንስሙ ብኸንቱ ምልዓልን ምቅላልን’ዩ ዚኸውን።
ብገዛእ ርእሱ ወይ’ውን ብኻልእ ቀረባ ሰቡ ዚምሕልውን ብዙሕ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ባህልና ኸኣ ዝውቱር’ዩ። ማሕላና ንምርግጋጽ፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ኽንገብሮ እንኽእል ዋላ ሓንቲ የለን። ሕብሪ ናይ ሓንቲ ጸጒርና ኽንልውጥ’ውን ኣይንኽእልን ኢና። ብወለድና፡ ኣሕዋትና፡ ሰብ ኪዳንና፡ ደቅና ጠቒስና እንምሕሎ’ውን፡ ልክዕ ከም’ቲ ናይ ገዛእ ርእስና፡ ካብ’ዚ ዝተፈልየ ሓቂ የብሉን። “እከለ ይሙት” ኢልና እንምሕሎ ማሕላ፡ ነቲ ዝኣተናዮ ቓል ከይፈጸምናዮ ምስ እንተርፍ፡ ነቲ ብስሙ ዝመሓልናሉ ሰብ፡ ከም ዚመውት ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ዋላ ኽንገብሮ ንኽእል እንተ ንኸውንከ ምእንቲ ዘይጠቅምን ፈኲስን ነገራት፡ ነታ መዳርግቲ ዘይብላ ኽብርቲ ህይወት ከነሕልፍ ማለት ድዩ፧ “ኣምላኽ’ምበር ንሕና ኽንገብሮ ኣይኰንናን እንምሕል” ኢልና ኸነመኽንየሉ ንፍትን ንኸውን። ከምኡ እንተ በልና ኸኣ እቲ ኣበሳና ይብእስ’ምበር ኣይጐድልን’ዩ። ምኽንያቱ ንእግዚአብሔር ናይ’ቲ ንሱ ዝኣገዶን ዚፈርዶን ሓጥእ ማሕላና ኣገልጋሊ ኽንገብሮ ንፍትን ምህላውና’ዩ። ብስም ቅዱሳን መላእኽትን ጻድቃንን እንተ መሓልና’ውን በቲ ንኣታቶም ዝቐደሰን ዘጽደቐን ኣምላኽ ንምሕል ከም ዘለና ኽንክሕድ ኣይግባእን። ንስም ናይ’ቶም እግዚአብሔር ዘኽበሮም ቅዱሳንን ጻድቃንን፡ መጋበርያ ናይ’ቲ ሕሱር ማሕላና ምግባር ኣኽብሮት ዘይኰነስ ምውራድ’ዩ ዚኸውን። ንሳቶም ነቲ ቕድስናን ብጽእናን ዝበጽሕዎ ንዅሉ ትእዛዛት፡ ነቲ “ኣይትምሓል” ዚብል ትእዛዛት’ውን፡ ስለ ዘኽበሩ’ዩ። ምኽንያቱ ሕጉ ንዜፍርሱ ሰባት፡ እግዚአብሔር ኣየጽድቖምን’ዩ። ናይ ብሓቂ ነፍቅሮምን ነኽብሮምን እንተ ንኸውን ኣሰሮም ደኣ ምሰዓብና’ምበር፡ ናይ ሓሶትና መጐልበብን መጋበርያን ንምግባሮም ብስሞም ብምምሓል ኣይምሓጣእናን ኔርና።
እቲ ዝኸፍአ መልክዕ ናይ ማሕላና ኸኣ፡ ኵሉ ማሕላና ናይ መርገም ማሕላ ምዃኑ’ዩ። “ከም’ዚ ይግበረኒ፡ ከም’ቲ ይድገመኒ” ዝዓይነቱ ማሕላ- መርገም ኢና ነዘውትር። ብመሰረቱ እቲ ማሕላ ንርእሱ መርገም ዜስዕብ ሓጢኣት ስለ ዝዀነ፡ ናይ ጽድቅን በረኸትን ማሕላ ኽንምሕል ኣይንኽእልን ኢና። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ’ቲ ብፍርሃት እናመሓለ ዝኸሓደሉ ኣጋጣሚ፡ ናይ መርገም ማሕላ’ዩ ዝተጠቕመ (ማቴ 26፡72-74)። እቶም ንቅዱስ ጳውሎስ ኪቐትሉ ዝተመሓሓሉ 40 ሰባት’ውን ብመርገም’ዮም ዝተመሓሓሉ (ግብ 23፡14)። ማሕላ ናይ’ቲ ኽፉእ ድያብሎስ ተግባር ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ሕሉፍ ናይ ማሕላ ኣበሳና፡ ብሓቀኛ ንስሓ ኣሕዊና፡ ንመጻኢ በቲ ጐይታና ዝኣዘዞ ኣገባብ ጥራሕ ክንምራሕ ይግብኣና። ሕጂ’ምበኣር ርእስና ናብ ምምርማር ዘይኰነስ ትኽ ኢልና ንስሓ ምእታውን ዘይንቕነቕ ቈራጽ ውሳኔ ምውሳድን ጥራሕ’ዩ ዚተርፈና። ካብ’ዚ ኣበሳ’ዚ ሓንሳእ ንሓዋሩ ርእስና ነንጽህ። እግዚአብሔር ከኣ ብተግባርና ኪሕጐስን ኪጻምወናን’ዩ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ሰነ ፲፱, ፳፻፲፬ ግዕዝ (26 ሰነ 2022 ፈ).[መበል 43 ሰንበት: ቊ.62/፷፩]፶] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቅ ዲያቆን |
ንፍቅ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
እብ 6፡7-ፍጻመ | ያእ 5፡12-ፍጻመ | ግብ 27፡6-15 | ሉቃ 8፡1-21 | ዘኤጲፋንዮስ |
መዝ ፻፵፮(፻፵፯)፡፰ “ዘይገለብቦ ለሰማይ በደመና። ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር። ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ አድባር።” “ነቲ ንሰማያት ብደበና ዜጐልብብ፡ ንምድሪ ዝናም ዜዳሉ፡ ናብ ኣኽራን ሳዕሪ ዜብቊል፡” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ