“ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም’ሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ’ምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ (ንሓጢኣት) ምኽንያት ኣይትግበርዎ። ማለት ኵሉ ሕጊ በታ፡ “ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር፡” እትብል ሓንቲ ቓል’ዩ ዚፍጸም። ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን (እንተ) ተባላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።” ገላ 5፡13-15።
“ከም እዙዛት ውሉድ’ምበር፡ ከም’ቲ ኣብ ዘመን ድንቍርና ኸለኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም (ክፉእ) ትምኒት ኣይትግበሩ። “ኣነ ቅዱስ’የ’ሞ ቅዱሳት ኩኑ፡” ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከም’ቲ እቲ ዝጸውዓኩም (ኣምላኽ) ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም’ውን ብዅሉ (ናብራኹም) ቅዱሳት ኩኑ።” 1ጴጥ 1፡14-16
“ማርያም ድማ በለት፡ 'ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ፡' መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ’ዩ’ሞ፡ ስሙ ቅዱስ’ዩ። እንሆ ኻብ ሕጂ ዅሎም ወለዶታት 'ብጽእቲ' ኺብሉኒ’ዮም።”ሉቃ 1፡46-49
“ፍቕሪ ንኣምላኽ ትእዛዛቱ ኽንሕልው’ዩ’ሞ፡ ትእዛዛቱ’ውን ኣይከቢድን’ዩ።” 1ዮሃ 5፡3
“ንሕና’ውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና። ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር (ሰብ) ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽ’ውን ኣብኡ ይነብር።” 1ዮሃ 4፡16
“ኢየሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮዶስ ኣብ ቤተልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወልደ፡ እንሆ፡ ሰብ ጥበብ፡ “እቲ እተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ርኢና’ሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡” እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ ኢየሩሳሌም መጹ።” ማቴ 2፡1,2
“ኣምላኽ ሰላም ግና ነቲ ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ፡ (ዝዀነ) ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምዉታት (ኣተንስኦ)። (ኣምላኽ ሰላም) ብኢየሱስ ክርስቶስ (ገይሩ) ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍቓዱ ኽትገብሩ የብቅዕኩም። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።” እብ 13፡20-21።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ