“ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን’ዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም’ሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም። ንጐይታ ዜሐጉሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።” ኤፌ 5፡8-10
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ነሓሰ 29 ክሳዕ ነሓሰ 30 ዘሎ ኽልተ መዓልታት “ጎህ፡ ጽባሕ፡ ነግህ፡ ብርሃን፡ መዓልት” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ፡ (መስ 4-5ፈ.)። ሎሚ ነሓሰ 29 ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ እዛ ሰንበት’ዚኣ፡ በዚ ስም’ዚ’ያ እትጽዋዕ። ኰዀብ ጽባሕ፡ ለይቲ ሓሊፉ ብርሃን ወጋሕታ ወገግ ኪብል ኣብ ዝቐረበሉ ጊዜ ኸም ዚወጽእ፡ እዘን ክልተ መዓልታት ከኣ እቲ ብጸልማት ዚምሰል ክረምትቲወጺኡ፡ እቲ ብመዓልቲ ዚምሰል ቀውዒ ከም ዝኣተወ ዜመልክቱና’ዮም። እቲ ናይ መዝ 5፡2,3 ምስባክ ከኣ ምስ’ዚ ዝተገልጸ ሓሳብ ዚሰማማዕ’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ ብሊቃውንቲ’ውን ዚዝመር መዝሙር ከኣ፡ “ኣምላኪየ ኄር” ዚብል’ዩ። ካብ’ቶም ነዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ብምግባር ዝተሰርዑ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ኸኣ፡ እዚ ንኣርእስትና ዝወለደ ናይ ኤፌ 5፡5-20 ንባብ’ዩ። እዚ ንባብ’ዚ ሓቚፍዎም ካብ ዘሎ ዓበይትን ኣገደስትን ኣርእስታት ሓደ ኸኣ፡ እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን’ዩ።
ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ናይ ምንባር ናይ ህይወት ተልእኾና፡ ንእግዚአብሔር ዜሐጕሶ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥን፡ ብእኡ ጌርና ኸኣ ንሱ ኸም ዚሕጐስ ምግባርን’ዩ። እግዚአብሔር ነዚ ተልእኾ’ዚ ብሕያውነቱ ዝሃበና፡ ንርእሱ ዚኸውን ሓጐስ ስኢኑስ ካባና ኺረኽቦ ስለ ዝደለየ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ፡ ኣብ’ዛ ምድሪ ጸበባን ዕንቅፋትን፡ ኣብ’ዛ ምድሪ ሓዘንን ፍርሃትን ንእኡ ዜሐጕሶ ነገር ብምዝውታርና፡ ብዓይነቱ መለኮታዊ፡ ብጊዜኡ ዘለኣለማዊ፡ ብመጠኑ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕን ዓብይን ዝዀነ ሓጐስ ኪጻምወና ስለ ዝፈተወ’ዩ። ኣብ’ዛ ሓጻር ዕምርና ብድኹም ሰብኣዊ ዓቕሚ ንእግዚአብሔር ከነሐጕሶ ብምጽዓርና፡ ኣብ’ቲ ዘለኣለማዊ ዘመን በቲ ልዑል መለኮታዊ ዓቕሚ ዚወሃብ ሓጐስ ምቕባል፡ ነቲ መስተንክር ሕያውነትን ደግነትን ናይ እግዚአብሔር ኣጕሊሑ ዜርእየና’ዩ። ጊዜ ኽረምቲ፡ ኣብ ጊዜ ቐውዒ ኽንሓፍሶ እንደልይ ዘራእቲ እንዘርኣሉ ወቕቲ’ዩ። ምድራዊ ዕድመና ኸኣ፡ እቲ ኣብ ዘለኣለም ክንሓፍሶ እንደልይ ሓጐስ ኣብ እግዚአብሔር እንዘርኣሉ ወቕትና’ዩ።
እግዚአብሔር ብኸመይን ብምንታይን’ዩ ዚሕጐስ፧ መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ እግዚአብሔር በቶም ፍረ-ብርሃን ዜፍርዩ’ዩ ዚሕጐስ። እቲ ፍረ ብርሃን እንታይ ምዃኑ፡ ማለት ሰናይ ግብርን ጽድቅን ሓቅን ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱና ኣሎ። ስለ’ዚ እቲ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ዜዘውትር፡ ግብሪ ጽድቂ ዚገብር፡ ንዅሉ ዘረባኡን ተግባሩን ብዘይ ሓሶትን ምስሉይነትን ብሓቂ ዚገብር ሰብ፡ ንሱ’ዩ እቲ ንእግዚአብሔር ኬሐጕሶ ዚኽእል ሰብ ማለት’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዛ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘላ ሓሳብ ቅድሚ ምጽሓፉ፡ ካብ ኤፌ 4፡17 ጀሚሩ ዝነደቖ ዓሚቝን ዝርዝራ’ውን ሓሳብ ኣሎ። ንእኡ ምልስ ኢልና እንተ ዘይነቢብናዮ፡ ነዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ብቐሊሉ ኽንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ነቶም ንእግዚአብሔር ዜጕህይዎ ዅላቶም ተግባራት ዘርዚርዎም ኣሎ። ብኸንቱ ኣተሓሳስባን ብትርሪ ልብን ምምልላስ፡ ብዝጸልመተ ኣእምሮ ብመንፈሳዊ ድንቝርናን ድንዛዘን ምንባር፡ ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ናብራ ምንባር፡ ብሓሶት፡ ቍጥዓ (ኵራ)፡ ስርቂ፡ ትህኪት፡ ዘይጠቅም ዘረባ፡ ምርረት፡ ታዕታዕ፡ ጸርፊ፡ ክፍኣት፡ ቂምታ፡ ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ስሰዐ፡ ዝርጋን፡ ዜሕንኽን ዜነውርን ዘረባ፡ ብዕሉግ ዋዛ፡ ወዘተ ዝኣመስሉ ተግባራት ንእግዚአብሔር ኣዝዮም ዜጕህይዎ ግብርታት ጸልማት’ዮም። ገለ ኻብ’ቶም ነዚ ንምግላጽ ዝተጠቕመሎም ጥቕስታት፡ እዞም ዚስዕቡ’ዮም።
“ንሳቶም ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ’ቲ ኣብኣቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም’ዮም። ንሳ’ቶም ደንዚዞም’ዮም፡ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸኣ ገዛእ ርእሶም ንዝርጋን ኣግዚኦም’ዮም። .... ንዲያብሎስ ከኣ መገዲ ኣይትሃብዎ። .... ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጒህይዎ። ብዘሎ ምረትን ነድርን ቍጥዓን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ካባኻትኩም ይርሓቕ።” ኤፌ 4፡18,19,27,30,31 ካ.ት
“ህዝቢ ኣምላኽ ስለ ዝዀንኩም ግና ምንዝርና ወይ ዝዀነ ዓይነት ርኽሰት ወይ ስሰዐ ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ። ንኣምላኽ ምስጋና እንተ ዘይኰይኑ ዜሕንኽ ወይ ዜነውር ዘረባ ወይ ብዕሉግ ዋዛ ካባኻትኩም ኪስማዕ ኣይግባእን’ዩ። ከመይ ኣመንዝራ፡ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ ሰብ፡ ንሱ ኸኣ ጣኦት ዜምልኽ ማለት’ዩ፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዘይብሉ ፍለጡ። ብሰሪ’ዚ ነገራት’ዚ ኣብ’ቶም ንእግዚአብሔር ዘይእዘዙ ሰባት ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድ’ዩ’ሞ፡ ሓደ’ኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም። ....ነቶም ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማት ዚገብሩ ሰባት ግና ኣቃልዕዎም’ምበር፡ ምስኦም ሕብረት ኣይሃሉኹም። እቲ ንሳቶም ብሕቡእ ዚገብርዎ ንምዝራቡ’ኳ ዜነውር’ዩ። “ ኤፌ 5፡3-6,11,12 ካ.ት
ንጐይታኡ ኼሐጉስ ዘይመረጸ ሰብ፡ ዜፈንፍን ክሳዕ ዚኸውን ህይወቱ እምብዛ ዝሩግ’ዩ ዚኸውን። እቲ ንጐይታ ኼሐጕስ ዝመረጸን ዝተዓጥቀን ሰብ’ምበኣር፡ ርእሱ ኻብ ከም’ዚ ዝበለ ነውርን ዝርጋንን ኬንጽህ ይግብኦ። ስለ’ዚ ኣንጻር ናይ’ዞም ዝተዘርዘሩ ኣነወርቲ ተግባራት ኬዘውትር ይግባእ ማለት’ዩ። ረዚንን ሃናጽን ኣተሓሳስባ፡ ልስሉስን ትሑትን ልቢ ኺህልዎ ይግባእ፡ መንፈሳዊ ፍልጠትን ንቕሓትን ብዝመልኦ ብሩህ ኣእምሮ ኺምራሕ የድልዮ። ብመንፈስ ብምምልላስ እዱብ ናብራ ምንባር፡ ሓቂ ጥራሕ ምዝውታር፡ ትዕግስትን ህድኣትን፡ ልግስን ትግሃትን፡ ሃናጺ ዘረባ፡ ምስጋናን ምርቓን ምዝውታር፡ ቅንዕናን ምሕረትን፡ ቅድስና፡ “ይኣኽለኒ” ዚብል ዕግበት፡ ርእስኻ ምግታእ፡ ልሳንካ ምቕዳስ ወዘተ ዝኣመሰሉ ፍረ ብርሃን ዝዀነ ግብርታት ዜዘውትር ሰብ፡ እቲ ኣብ’ዛ ኸም ጽላሎት እትሓልፍ ሓጻር ዕድሚኡ ንእግዚአብሔር እምብዛ ኼሐጕስ ድግድጊት ዝተዓጥቀ ሰብ’ዩ። ነቶም ከም’ዚ ዚገብሩ፡ እግዚአብሔር ናብ’ታ ናይ ሓጐስ መንግስቱ ኼእትዎም’ዩ። ዚጽውዑሉ ስም ከኣ “ደቂ ብርሃን፡ ደቂ ምእዛዝ”’ዩ። ነቶም ንእግዚአብሔር ምሕጓስ ምርጫ ህይወቶም ዘይገበርዎ ግና፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ገጾም ኣይኪቐርቡን’ዮም። እኳ ደኣ፡ ኣብ ልዕሊኦም ቍጥዓ ኣምላኽ ኪፈስስን ኪኽስከስን’ዩ።
ፍረ ብርሃን ብምዝውታር ንእግዚአብሔር ኬሐጕስ ዚኽእል መን’ዩ፧ ወይኒ ኼፍርይ ዚኽእል፡ እቲ ተኽሊ-ወይኒ ዝዀነ ጥራሕ’ዩ። ካብ ገረብ ብርቱኻን (ኣራንሺ)፡ ቱፋሕ (apple) ኪቕንጥብ ዚኽእል ሓደ’ኳ የልቦን። ስለ’ዚ ፍረ ብርሃን ድማ ካብ ብርሃን ጥራሕ ከም ዚርከብ ዝዀነ ጥርጥር የልቦን። ጐይታና ባዕሉ’ውን ከም’ዚ ዚስዕብ ኢሉና ኣሎ።
“ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾኽዶ ወይኒ ይቕንጠብ፧ ካብ ተዀርባስ በለስ፧ ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈርይ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈርይ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈርይ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈርይ ኣይኰነሉን’ዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ኹሉ ኦም ይቝረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበይ።”ማቴ 7፡16-19
ፍረ ብርሃን፡ ክትገብሮ ደስ ስለ ዘበለካ፡ ስለ ዘወናወነካ ጥራሕ ካብ ባዶ ተበጊስካ ኽትገብሮ ዚከኣል ኣይኰነን። ናይ መንነትን ባህርይን ለውጢ ይሓትት’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ስጋና ዀይኖም ንህይወትና ዜመሓድሩ መንፈሳውያን ሕግታት ኣለዉ። እዞም መንፈሳውያን ሕግታት’ዚኣቶም ኣብ መንፈሳዊ መንነትካ መሰረት ገይሮም ዚገዝኡን ዜመሓድሩን’ዮም። ስጋዊ መንነት ዘሎካ ውሉድ ድያብሎስ እንተ ዄንካ፡ እቲ ኣባኻ ዚገዝእ ሕጊ፡ “ሕጊ ሓጢኣት”’ዩ ዚኸውን። ብሕጊ ሓጢኣት ዚግዛእ ሰብ፡ ግብሪ ጽድቂ ምግባር ዕሽነትን ሕመቕን ኰይኑ ይስምዖ። እታ ኣብ ውሽጡ ዘላ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረት ነፍሱ ሰናይ ክትገብር እንተ ደለየት ከኣ፡ ከም ተሪር ዘይድየብ ዓቐብ ይዀና። ነቲ ብሕጊ መንፈስ ቅዱስ ዚምራሕ ሰብ ከኣ፡ መገዲ ሓጢኣት ዓቐበቱ፡ መገዲ ጽድቂ ኸኣ ሰጣሕ ጐልጐል ይዀነሉ። ስለ’ዚ ህይወት ከከም’ቲ ኣብ ህይወትካ ዘግዛእካዮ ሕጊ’ያ እትመሓደር። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ኸም ጸሓይ ቀትሪ ኣብሪሁልና’ዩ (ሮሜ 7፡18-25 ካ.ት ፣ ሮሜ 8፡1-4 ካ.ት)።
ነቲ ብሕጊ ሓጢኣት ዚመሓደር ሰብኣዊ ባህርይና፡ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣረጊት ሰብ” ኢሉ’ዩ ዚጽውዖ (ኤፌ 4፡21-24፣ ቈሎ 3፡9,10)። ነቲ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ባህርይና ኸኣ “ሓድሽ ሰብ” ኢሉ ይሰምዮ (ኤፌ 4፡24)። ቅዱስ ወንጌል ከኣ፡ ነዚ ብሓጢኣት ዜነውረናን ምስ ፈጣሪና ዜባእሰናን ዘሎ “ኣረጊት ሰብ ምስናይ ግብሩ” ቐንጢጥና ምስ ክርስቶስ ክንሰቕሎ’ዩ ዚእዝዝና (ኤፌ 4፡22፣ ገላ 5፡24 ፣ ቈሎ 2፡11,12፣ ሮሜ 6፡6,7)።
መሪሕ ጥቕስና፡ ቀደም ጸልማት ደሓር ግን ብርሃን ከም ዝዀንና ሓቢሩና ኣሎ። ነስተውዕል! “ቀደም ኣብ ጸልማት ትነብሩ ኔርኩም” ዘይኰነ፡ “ንርእስኹም ጸልማት ኔርኩም”’ዩ ዝበለ። ጐይታና ባዕሉ፡ “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” ስለ ዝበለ፡ ሰብ ጸልማት ወይ ከኣ ብርሃን ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣረጋጊጹልና’ዩ (ማቴ 5፡14)። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ” ብምባል ነቲ ጐይታ ዝበሎ ሓቂ ደሪዕዎ’ዩ (ፊሊ 2፡15)። ብርሃን ከኣ፡ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይ ስለ ዝዀነ፡ ሰብ ነቲ ዝወረሶ መልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ እንተ ዓቂብዎ፡ ብርግጽ ብርሃን’ዩ። እተን ግዙኡዛ ጸሓይን ከዋኽብትን ብጸርጊ’የንb ዜብርሃልና፡ እቲ ብርሃናዊ ሰብ ከኣ በቲ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ጽቡቕ ግብሩ ገይሩ’ዩ ዜብርህ። ስለ’ዚ ፍረ ብርሃን ከነዘውትር እንተ ዄንና፡ ነቲ እግዚአብሔር ብሕያውነቱ ዘውረሰና ብርሃናዊ ባህርይን መንነትን ዝለበስና ብርሃናት ክንከውን ናይ ግድን’ዩ። ብርሃንን ደቂ ብርሃንን ዘይኰኑ ሰባት፡ ግብሪ ብርሃን ኪገብሩ፡ ፍረ ብርሃን ኬፍርዩ ኣይክእሉን’ዮም። እቶም ብርሃናዊ መንነት ዝለበሱን ዝዓቀቡን ሰባት ግና፡ ንግብሪ ጸልማት ካብ ህይወቶም ቀንጢጦም ኪድርብዩ ዚኽእሉ፡ ናይ ኣምላኽን ናይ እምነትን ጀጋኑ’ዮም (ሮሜ 13፡12)።
ንእግዚአብሔር ብምሕጓስ እቲ ዝለዓለ ኣርኣያና መን’ዩ፧ እዛ ዘለናያ ዓለምን ህይወትን ብዘይ ኣርኣያ ኽትከዳ ትከኣል ኣይኰነትን። ኣርኣያ ንኣርኣያኡ ኸኣ፡ መንቅብ ዘይብሉ ፍጹም ኣርኣያ’ዩ ዜድልየና። ከምኡ ዘመሰለ ኣርኣያ ኻብ ዘርኢ ሰብ ኪርከብ ስለ ዘይተኻእለ ኸኣ እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ ማእከልና ተመላለስ። ኣርኣያነቱ ንኼግህድ ከኣ፡ “ኣነ ለዋህ’የ፡ ልበይ’ውን ትሑት፡ ካባይ ተመሃሩ” ብምባል ክቡር ዕድመ ኣቕረበልና (ማቴ 11፡29,30)። ቅዱሳን ሃዋርያት ነቲ ቕዱስ ኣርኣያ ብምስዓብ ስለ ዝተዓወቱ ኸኣ፡ “ከም’ቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፡ ንስኻትኩም’ውን ንኣይ ምሰሉ” ብምባል ሃዋርያዊ ዕድመ ኣቕረቡልና (1ቈረ 11፡1)። ካብ’ቲ ኣርኣያኡ ተፈንቲትና መፈጸምታና ኸይነበላሽው ከኣ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ መዓዱና።
“ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም’ሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፡ ሓሶት’ውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን፡ ምስ ጸረፈዎ መሊሱ ኣይጸረፈን፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበ’ምበር ኣየፈራርህን። ካብ ሓጢኣት ርሒቕና ብጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ሰብነቱ ጾረ፡ ...." 1ጴጥ 2፡21-24 ካ.ት
ስለ’ዚ ጐይታና “ጽድቂ ብምፍታውን ክፍኣት ብምጽላእን”፡ “ካብ ሓጢኣት ርሒቑ ብጽድቂ ብምንባር”’ዩ ኣርኣያ ዝዀነና (መዝ 45፡6,7 ፣ እብ 1፡8,9)። ብኸም’ዚ ዝበለ ቕዱስ ህይወት፡ ፍጹም ኰይኑ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ንሰላሳ ዓመታት ምስ ኣኽበሮ፡ ኣብ መዓልቲ ጥምቀቱን ኣብ ደብረ-ታቦርን ብመለኮታዊ ኣስተርእዮ ኣብ ዝተገልጸሉ፦
“ብእኡ ዝተሓጐስኩ (ዝሰመርኩ) ፍትዊ ወደይ እዚ’ዩ። .... ዘፍቅሮ፡ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዚ’ዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ።” ብምባል ብኽብሪ መስከረሉ (ማቴ 3፡17፣ 17፡5 ካ.ት)። እዚ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ህይወት ናይ ጐይታና፡ ምስ ተፈጸመ ዘይኰነስ፡ ገና ቕድሚ ኣማኢትን ኣሽሓትን ዓመታት’ውን ብናይ ነብያት ትንቢት ተገሊጹ’ዩ (ኢሳ 42፡1-4 ካ.ት ፣ ማቴ 12፡17-21)።
ብኣካለ ስጋ ኣብ ምድሪ ምስ ተገልጸ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንዅሉ ፍጥረት ኪፈጥር ከሎ’ውን የሐጕሶ ኸም ዝነበረ ንጉስ ሰለሞንን ቅዱሳን ሃዋርያትን ኣረጋጊጾምልና’ዮም (ምሳ 8፡22-31ካ.ት፣ ዮሃ 1፡3፣ ቈሎ 1፡15-17፣ እብ 1፡2,3 ካ.ት)። ጐይታና ባዕሉ’ውን፡ ኵሉ ሳዕ ንእግዚአብሔር ኣቦኡ ኸም ዜሐጕሶ ተኣሚኑ’ዩ። "እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ ኣሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር’የ’ሞ፡ በይነይ ኣይሓድገንን’ዩ፡” በሎም።” ዮሃ 8፡29
ነቲ ኣርኣያኡ ኣጸቢቕና ደኣ ነስተውዕለሉ!! ሳሕቲ፡ ኪጥዕሞ ኸሎ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ሳዕ’ዩ ዜሐጕሶ ዝነበረ። ብኸመይ ከም ዘሐጐሶ ድማ ብተደጋጋሚ ገሊጽዎ ኣሎ።
1. ፍቓድ እግዚአብሔር ኣቦኡ ጥራሕ ብምፍጻም፦
ካብ ፍቓድ ኣቦኡ ዝተፈልየን ንእኡ ዚጻረርን ሕማቕ ፍቓድ ዘይብሉ ኽነሱስ፡ ብዘይካ ንፍቓድ ኣቦኡ፡ ንገዛእ ፍቓዱ ኺገብርን ኪግዛእን ከም ዘይኰነሉ ብዜገርም ግልጽነት ይእመን ነበረ (ዮሃ 4፡34 ፣ዮሃ 19፡30፣ ዮሃ 6፡38፣ ዮሃ 7፡4,5)።
2. ኣቡኡ ኺዛረቦ ዝሃቦን ዝፈቐደሉን ጥራሕ ብምዝራብ፦
“ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ በሎም፥ “ትምህርተይሲ ናይ’ቲ ዝለኣኸኒ’ዩ’ምበር፡ ናተይ ኣይኰነን። ፍቓዱ ኺገብር ዚደልይ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረብ ዘለኹ፡ ኪፈልጥ’ዩ”።” ዮሃ 7፡16,17 ፣ ዮሃ 8፡38,40 ፣ ዮሃ 12፡49,50 ፣ዮሃ 14፡10,24
እምበኣር እቲ ንኣምላኽ ኬሐጕስ ዚደልይ፡ ነዚ ብዝሒ ሓጢኣትና ዀነ ዓመጻ ዓለም ከቶ ዘየህስሶ ድሙቕ ኣርኣያን ኣሰርን ናይ ክርስቶስ ካብ ምስዓብ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ኺህልዎ ኣይክእልን’ዩ። ክብሪ ነቲ ብኣርኣያኡ ብርሃን ዝሃበና ጐይታ ይኹን!! ስለ’ዚ ዝዀነ ነገር ክንገብር ኰነ ኽንዛረብ ዚድርኸና ዅነታት ምስ ዚፍጠር፡ ብውሽጣዊ ድርኺትና ወይ ብድፍኢት ሰብ ተደሪኽና ንዘይምግባርን ንዘይምዝራብን እንተ ተጠንቀቕና፡ ንምስሊ ናይ’ቲ ዝፈጠረና ክርስቶስ ከም ዘየጥፋእናዮ ዓብዪ መረጋገጺ ምልክት’ዩ። ንኣና ደስ ከም ዘበለና፡ ቅኑዕ ኰይኑ ኸም ዝተራእየና ንገብርን ንዛረብን እንተ ዄንና ግን፡ ነቲ ቕዱስ ምስሊ ኣምላኽ ካባና ቐንጢጥና፡ ምስሊ ናይ’ቲ ዓለወኛ ሰይጣን ናይ ምልባስ ክፉእን ዓሻን ምርጫን መሪጽና ኣለና ማለት’ዩ። ስለ’ዚ’ምበኣር፡ ናይ ክብርን ዕረፍትን ሓጐስን ዘለኣለማዊ ዕድመ ኽንነብር ንደልይ እንተ ዄንና፡ ኣርኣያ ክርስቶስ ጥራሕ ክንስዕብ ይግብኣና።
ንኣምላኽ ዜሐጉስ ህይወት ከይንነብር ዕንቅፋት ዚዀነና እንታይ’ዩ፧ እምብዛ ዘኽፋእና እንተ ዘይኴንና፡ ከም ፍጡራት ኣምላኽ መጠን፡ እንተ ወሓደ ንኣምላኽ ከተሐጕስ ናይ ምድላይ መጠናዊ ባህጊ (ማይ ብሑቝ) ኣይሰኣነናን’ዩ። ንኣምላኽ ከተሐጕስ ናይ ምድላይ ኰነ ናይ ምግባር ዓቕምና ኸኣ እምብዛ ድሩት ኰይኑ ንረኽቦ። ኣብ ምንታይ’ዩ’ቲ ጸገም፧
1. ንኣምላኽ ገዲፍና ንርእስና ምሕጓስ፦ ናይ ወዲ ሰብ እቲ ዝዓበየ ፈተና፡ ንገዛእ ርእስኻ ከተሐጕስ፡ ከተኽብር፡ ከተቐድም ምድላይ’ዩ። እዚ ኸኣ ዝተፈጠርካሉ ዕላማ ኻብ ዘይምፍላጥ፡ ወይ ከኣ ፈሊጥካን ፈቲኻን ኰነ ኢልካን ናይ ምኽሓድ ሳዕቤን’ዩ። ቃል ኣምላኽ ደጋጊሙ ኸም ዜረጋግጸልና፡ ዘርኢ ሰብ ንኽብሪ ኣምላኽ’ዩ ተፈጢሩ (ኤፌ 1፡11-12 )። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ፈጣሪኡ ንዅሉ’ቲ ኺገብሮን ኪዀኖን ዚግባእ ብመልክዕ ትእዛዝ ገይሩ ኣፍሊጥዎ’ዩ (ግብ 17፡26-28)። ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ምእንቲ ኣምላኽ ጥራሕ’ምበር፡ ምእንቲ ርእስና ኽንነብር ኣይተፈቕደልናን (ሮሜ 14፡7-9፣ 2ቈረ 5፡15)።
ስለ’ዚ ከም ድልየትናን ባህ ከም ዝበለናን ኴንና ኽንመላለስ እንተ መሪጽና፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ልኡላዊ ኣምላኽ ዓመጽን ዕልወትን ጥልመትን ፈጺምና ኣለና ማለት’ዩ። በቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ኣርኣያ ናይ ጐይታ መሰረት፡ “ፍቓደይ ኣይደልይን’የ፡ ፍቓደይ ክገብር ኣይተፈጠርኩን” ዚብል ጽኑዕ ርትዕን ውሳነን እንተ ዘይብልና፡ በዚ ኣምላኽ ዝፈጠረልና ሰብነትን ዝሃበና ህይወትን ትሕዝቶን ዓቕምን፡ ምስኡ እናተዋጋእና ኢና ኽንነብር ማለት’ዩ። ንፍቓድ ርእስና ገቲእና ኣብ ትሕቲ ፍቓድ ኣምላኽ ከነግዝኦ እንተ ዘይክኢልና፡ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ፈጺሙ ኣይከኣልን’ዩ። ሓሳብ ስጋን ሓሳብ ኣምላኽን ኣዝዮም መጻልእትን መጻርርትን ስለ ዝዀኑ፡ እቲ ንርእሱ ኼሐጕስ ዚደልይ ሰብ፡ ነተን ንኣምላኽ ባህ ዘየብላ ጥራሕ’ዩ ዚገብር (ሮሜ 8፡6-7)። ነቶም ብዕልወትን ብጥልመትን ዘጒሃይዎ ብኸቢድ ዚቐጽዕ ኣምላኽ ምዃኑ ኪዝከር ከኣ፡ ግቡእ’ዩ (ኢሳ 65፡12፣ ኢሳ 66፡4)።
2. ንኣምላኽ ገዲፍካ ንሰብ ምሕጓስ፦ ካብ ገዛእ ርእስና ወጻኢ፡ ንኣምላኽ ንኸይነሐጕስ ዕንቅፋት ዚዀነና ኸኣ፡ እቲ ኸማና ሰብ’ዩ። ስጋዊ ኣጠማምታ ስለ ዘሎና፡ ነቲ ዘይረኣይ ኣምላኽ ንዒቕና ነቲ እንርእዮ ሰብ ከነኽብር ንመርጽ። መብዛሕትኡ ጊዜ ንኣምላኽ ብዜጕህዮ ሓጥእ መገዲ ኢና ንሰብ ከነሐጕስ እንጋደል። ካብ’ቲ ኣምላኽ ዚህበና ኽብሪ ነቲ ሰብ ዚህበና ከንቱ ኽብሪ ኣብሊጽና ስለ እንርእዮ፡ ንሰብ ኣብ ምሕጓስ ልዑል ግዳሰ ነንጸባርቕ (ዮሃ 5፡44፣ 12፡42,43)። ንሰብ ከነሐጕስ ኢልና እንፍጽሞ ሓጢኣት፡ ሓሶት፡ ሻራ፡ ዝሙት፡ ወዘተ ምጥቃስ ይከኣል’ዩ።
ንሰብ ከነሐጕስ ኢልና እንገብሮ ተግባር ግን፡ ናይ ግድን ሓጢኣት ኪኸውን ኣየድልዮን’ዩ። ምኽንያቱ ዝዀነ ይኹን ተግባር ብዓይነቱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዕላማኡ’ውን’ዩ ዚምዘን። ጸሎት፡ ጾም፡ ምምጽዋት፡ ኣምላኽ ዝኣዘዞ መንፈሳዊ ስነ ምግባር’ዩ። ሰብ ምእንቲ ኺርእየልካ ኢልካ እንተ ገበርካዮ ግን፡ እቲ ዝኸፍእ ሓጢኣት’ዩ ዚኸውን (ማቴ 6፡1-18፣ 23፡5,14,23-28)። ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኻ’ውን፡ ንኣስራሒኻ ከተሐጕስን ኢልካ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ከተሐጕስ ኢልካ ኽትገብሮ ኸም ዚግባእ ቅዱስ ጳውሎስ ምሂሩና ኣሎ (ኤፌ 6፡5-7 ፣ ቈሎ 3፡22-24 ካ.ት)።
ንመጻምድትኻ፡ ንውሉድካ እተርእዮ ፍቕርን ሓልዮትን’ውን፡ ንኣምላኽ ገዲፍካ ምእንትኦም ኢልካ እንተ ገበርካዮ፡ ንሰብ ካብ ኣምላኽ ኣዕቢኻ ናይ ምርኣይ ሓጢኣት’ዩ ዚወልደልካ። ነቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ጽቡቕ ተግባር ምእንቲ ሰብ ኢልካ ምግባር፡ ኣጽሪኻ ንዘጻዕደኻዮ ዓለባስ ኣብ ሓመድ ከም ምንጻፍን ምጕታትን ዚቝጸር’ዩ። እቲ ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ እትገብሮ፡ ንሰብ ኣኺሉ ይተርፎ’ዩ። እቲ ንሰብ ኢልካ እትገብሮ ግን ንኣምላኽ የዋርዶ’ምበር፡ ኣየኽብሮን’ዩ። እቲ ንሰብ ኬሐጕስ ኢሉ ዚገብር፡ ናይ ኣምላኽ ጸላኢ’ምበር፡ ኣገልጋሊ ኪኸውን ኣይበቅዕን’ዩ (ገላ 1፡10 ፣ 1ተሰ 2፡3-5 ካ.ት)።
ንኣምላኽ ናይ ምሕጓስ ረብሓ እንታይ’ዩ፧
1. በይንና ኣይሓድገናን፡ ኵሉ ጊዜ ምሳና ይኸውን፦
““እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ አሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር’የ’ሞ፡ በይነይ ኣይሓድገንን’ዩ፡”።” ዮሃ 8፡29
2. ብሰላም የንብረና፦
“እግዚአብሔር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ፡ ነቶም ጸላእቱ’ኳ ምስኡ ብሰላም የንብሮም።” ምሳ 16፡7
3. ንኣምላኽ ብቑዓት ይገብረና፦
“ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈረኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹምን ብዅሉ ንእግዚአብሔር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽልይ ኣለና። ቈሎ 1፡10
4. ዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ስም የውህበና፦
“ነዚ ሰብ’ዚ እግዚአብሔር ከም’ዚ ይብሎ ኣሎ። <ሰናብተይ እንተ ደኣ ሓሊኻ፡ ንኣይ ዜሐጒስ እንተ ደኣ ሓሪኻ፡ ኪዳነይ ከኣ እንተ ኣጽኒዕካ፡ ኣነ ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ፡ ካብ ናይ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ድማ ስም ክህበካ’የ። እወ፡ ዘይርሳዕ ዘለዓለማዊ ስም ክህበካ’የ።" ኢሳ 56፡4,5 ካ.ት
ንእግዚአብሔር ናይ ዘይምሕጓስ መዘዝን ሳዕቤንንከ እንታይ’ዩ፧ ኣቐድም ኣቢልና ሳዕቤኑ ኣብ ኢሳ 65፡12፣ 66፡4 ርኢናዮ ኣለና። ኣብ’ዛ ሓጻር ዕድመኻ ንእግዚአብሔር ዘይምሕጓስ ዚምጥኖ ፍትሓዊ ፍርዲ፡ ዘለኣለማዊ ጥፍኣትን ስቓይን’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝተፈታተንዎን ዘጕሃይዎን፡ “ካባታቶም እቶም ዚበዝሑ ግና፡ ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን፡ ስለ’ዚ ኣብ በረኻ ተወድኡ።” ኢሉና ኣሎ (1ቈረ 10፡5)። ጐይታና ብዛዕባ ዘየሐጐስዎ ሰባት ናይ መወዳእታ ዕጫ ኺዛረብ ከሎ፡ “ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ፡ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን’ዩ።” ይብል ነበረ (ማቴ 25፡30,46፣ 24፡50,51፣ 22፡13፣ 18፡8,9፣ 13፡40-42)። እቶም ኣብ’ዛ ሓጻር ዕምሮም ኬጕህይዎ’ምበር፡ ኬሐጕስዎ ዘይመረጹ ዓያሱ፡ ደበስ ብዘይብሉ ሓዘንን ብኽያትን፡ መለሳን ዕረፍትን ብዘይብሉ ዘለኣለማዊ ስቓይ ኪፍደዩ’ዮም። ነዚ ኸኣ ባዕሉ’ቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ ነጊሩና። ሕጂ ብቓሉ ተመኺርና እንተ ዘይሰማዕና፡ ረብሓ ደኣ ኣይርከቦን’ዩ’ምበር፡ እቲ ሳዕቤን ምርጫና ዝዀነ መከራን ስቓይን ኪመኽረና ኺነብር’ዩ።
እምበኣር ነቲ ዜርብሓና ምርጫ ነልዕል። ብመገድናን ኣካይዳናን፡ መን ብጓሂ ይሓርር መንከ ይሕጐስ ከም ዘሎ መርሚርና ነረጋግጽ። ነቶም ኣብ’ዚ ዕድሚኦም’ዚ ንኣምላኽ ብዜጕህይ ምርጫኦም ዚሕጐሱ ሰባት ንኸይንመስል ርእስና ንሓልው። ኵሉ ሳዕ ነቲ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ጥራሕ ብምግባር፡ ነቲ ዘለኣለማዊ መጻኢና ነጸብቆ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ነሐሰ ፳፱, ፳፻፲፬ ግዕዝ (4 መስከረም 2022 ፈ) [መበል 52 ሰንበት: ቊ.83/፹፫] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቅ ዲያቆን |
ንፍቅ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ኤፌ 5፡5-20 | 1ዮሃ 2፡7-15 | ግብ 27፡33-39 | ማቴ 4፡12-17 | ዘእግዚእነ |
መዝ.፭፡፪-፫ “እስመ ኀቤከ እጼሊ እግዚኦ። በጽባሕ ስምዐኒ ቃልየ። በጽባሕ እቀውም ቅድሜከ ወአስተርኢ ለከ።” ዓዲ፡ መዝ.፴፭(፴፮)፣፱-፲ “እስመ እምኀቤከ ነቅዓ ሕይወት። በብርሃንከ ንርአይ ብርሃነ። ስፋሕ ምሕረተከ እግዚኦ ላዕለ እለ የአምሩከ።”
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ