“ኣይትታለሉ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ’ዩ።” ቈረ 15፡33።
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጸራ ግእዝ ካብ ሰነ 25 (ምእታው ክረምቲ) ኽሳዕ ቂርቆስ (ሓምለ 15) ዘሎ ቕንያት “ዘርዕ ደመና ጤል” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ (ሓምለ 2 - ሓምለ 22 ፈ.)። ካብ’ዚ እዋን’ዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ቅዱስ ዮሃንስ ዘሎ ንባባትን መዛሙርን፡ ምስ ክራማት፡ ማለት ምስ ደበና፡ ዝናም፡ ዘራእቲ ዝተተሓሓዘ’ዩ። እዚ ንሕማቕ ዕርክነት ዚምልከት ትምህርቲ ዝተወስደሉ ንባብ ናይ መልእኽቲ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ’ውን፡ ንዘራእትን ትንሳኤ ሙታንን ኣዛሚዱ ዜስተምህር ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ዚጠራጠሩ ንኼረድእ፡ ከም’ዚ ዚስዕብ ጸሓፈሎም።
“ገለ ሰብ ግና፡ “ምዉታት ከመይ ኢሎም’ዮም ዚትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ሰብነትከ’ዮም ዚመጹ፧” ዚብል ይህልው ይኸውን፡ ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን’ዩ። እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራይ’ዩ’ምበር፡ ነቲ ተኽሊ ኣይኰንካን እትዘርኦ። ኣምላኽ ግና ኸም ዝደለዮ ገይሩ’ዩ ሰብነት ዚህቦ። ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢ’ውን ሰብነቱ ይህቦ።”1ቈረ 15፡35-38 ካ.ት
እዚ ድማ ኣበቛቚላ ዘርእን ትንሳኤ ሙታንን ዘለዎ ጥቡቕ ምምስሳል ዜርእየና’ዩ።
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ’ዛ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ሰፊሕ ኣስተምህሮ ዝሃበላ ምዕራፍ፡ ኣብ መንጎ፡ ነቲ ምዕራፍ ኰነ ነቲ ኣርእስቲ ጋሻ እትመስል ሓሳብ ጠቒሱ ኣሎ። ንሳ ኸኣ እዛ ኸም መሪሕ ጥቕሲ ወሲድናያ ዘለና ንሕማቕ ዕርክነትን ሳዕቤኑን እትገልጽ ጥቕሲ’ያ። ብዛዕባኣ ኣስፊሑ’ኳ እንተ ዘይገለጸ፡ እዚ “ትንሳኤ ሙታን የልቦን” ዚብል ስሑት ትምህርቲ፡ ብመገዲ ሕማቕ ዕርክነት ኣቢሉ ይተኣታተውን የስፋሕፍሕን ከም ዝነበረ ኣመት ሂቡና ኣሎ። ስሑት ትምህርቲ ከም መንሽሮ እናተላብዐን እናተባልዐን ስለ ዜስፋሕፍሕ፡ ምስ’ቶም ስሑት እምነት ዘለዎም ሰባት ዕርክነት ክንምስርት ከም ዘይግባእ ርዱእ’ዩ። ስለ’ዚ ድማ ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ካብ’ቶም ሰብ ስሑት እምነት ክንርሕቕ’ዮም ዚምዕዱና (1ጢሞ 6፡20,21፣ 2ጢሞ 2፡16,23 ፣ 3፡5-7)። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ እሞ ኸኣ፦
“ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት መስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም ኣለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ’ዩ። ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ’ምበር፡ ነቲ ዝጸዓርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ርእስኹም ሓልዉ። እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስ’ውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብ’ቲ ምህሮ (ክርስቶስ) ዚጸንዕ፡ (ንእኡ) ኣቦን ወድን ኣለዉዎ። ዝዀነ ይኹን (ሰብ) ናባኻትኩም እንተ መጸ’ሞ፡ ነዚ ምህሮ’ዚ እንተ ዘየምጽአ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላም’ውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብ’ቲ እኩይ ግብሩ ሓቢርዎ’ዩ።” ክሳዕ ምባል ኣጠንቂቑና’ዩ (2ዮሃ 7-11)። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ድማ፡ ስሑት እምነት ምስ ዘለዎም ሰባት ጥቡቕ ዕርክነትን ዝምድናን ምግባር፡ ናብ ተለሎ (ምትላል) ዜቃልዕ፡ ንጽቡቕ እምነትካን ልማድካን ዜጥፍእ ምዃኑ ዜረድእ’ዩ።
ዕርክነት ሕማቕ ዚኸውን ምስ ስሑት እምነት ዘለዎም ምስ ዚኸውን ጥራሕ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ጽቡቕ ልማድ ኣጥፊእካ ሕማቕ ልማድ ከተጥርይ ዚገብር ኵሉ ዕርክነት፡ ሕማቕ’ዩ። “ሕማቕ” ዚብልን “ጽቡቕ” ዚብል ቃልን ኣንጻራውን ኣዝዩ ዝተረሓሓቐን’ዩ። ሕማቕ ንኸተጥርይ ኢልካ ንጽቡቕ ምድርባይ ድማ ኪምኽነየሉ ዘይክእል ከቢድ ዕሽነት’ዩ። ዕርክነትን ልማድን ድማ ተመጣጣኒ ኣይኰነን። ዕርክነት ነባሪ ኣይኰነን። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኪፈርስ ይኽእል’ዩ። ናይ ቦታ፡ ግዳሰ (interest)፡ እምነት ፍልልይ፡ ባእሲ ወዘተ ኼፍርስ ይኽእል’ዩ። ልማድ ግና ሓንሳእ ምስ ተጠርየ ዳርጋ ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ’ዩ፡ ብባህልና’ውን “ኣመል ምስ መግነዝ” ይበሃል’ዩ። ስለ’ዚ በቲ ሕማቕ ዕርክነት ዘጥረኻዮ ሕማቕ ልማድ፡ ዋላ’ቲ ዕርከነት ፈሪሱ ኸሎ’ውን ምሳኻ’ዩ ዚነብር። ከምኡ ስለ ዝዀነ ሕማቕ ዕርክነት ገና ብኣጋኡ ኺህደመሉ’ዩ ዚግባእ። ካብ ንሕማቕ ልማድ፡ ንሕማቕ ዕርክነት ምፍራስ ስለ ዚቐልል፡ ከይተረድኣካ ንዝኣተኻዮ ዕርክነት፡ ሕማቕ ልማድ ከይዘርኣልካን ሱር ከይሰደደን ኸሎ ቀልጢፍካ ኸተፍርሶ’ዩ ዚግባእ። ስለ’ዚ ሕማቕ ባህርይ፡ ሕማቕ ልማድ፡ ሕማቕ ወልፊ፡ ሕማቕ እምነት ምስ ዘለዎ ውልቀ ሰብ ይኹን ጉጅለ ምሕዝነት ንዘይምግባር ኣዚና ኽንጥንቀቕ ይግብኣና። ዚበዝሕ ጊዜ፡ እቲ ሕማቕ ባህርይን ልማድን፡ ኣብ’ቲ መጀመርታ ዕርክነት እትምስርተሉ እዋን ኣይረኣይን’ዩ። ቀስ እናበለ’ዩ ዚቕላዕ። ስለ’ዚ ነቲ ሓቀኛ ምስሉ ብምልኣት ክሳዕ እነስተውዕሎ፡ ናብ ጥቡቕ ዕርክነታዊ ጽምዶ ዘይምእታው’ዩ ዚምረጽ። ንውሕ ዝበለ ናይ ትዕዝብቲ ጊዜ ኺህልወና’ዩ ዚግባእ።
ሰብ ኵሉ ጊዜ ተለዋዋጢ ስለ ዝዀነ፡ ጽቡቕ ዝጸንሐ ዕርክነትና ሕማቕ መኣዝን ኪሕዝ’ውን ይኽእል’ዩ። ንኸነቕንዖ እቲ ዚግባእ ጻዕሪ ድሕሪ ምግባርና ከይሰለጠና ምስ ዚተርፍ፡ ካብ’ዚ ሓደገኛ ጽምዶ’ዚ ርእስና ኸነድሕን ይግብኣና’ዩ። ምኽንያቱ ሕማቕ ባህርይን ልማድን ልክዕ ከም ሕማም፡ ተላጋቢ ወይ ለበዳዊ መልክዕ ኣለዎ። ኣቦታት ኪምስሉ’ውን “መን ምዃንካ ኽነግረካስ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ይብሉ’ዮም። እቲ ምኽንያት ከኣ ናይ ሓባር ባህርይ እንተ ዘይህልወና መኻይድቲ ኽንከውን ስለ ዘይንኽእል’ዩ።
መጽሓፍ ቅዱስከ ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ’ዩ ዚብል፧ ንጉስ ሰለሞን፡ እቲ ጥበበኛ፡ ኣብ’ቲ መጽሓፍ ምሳሌ ገና ኣብ’ቲ ቐዳማይ ምዕራፍ ብዛዕባ ሕማቕ ዕርክነት ኣጠንቂቑ ኣሎ።
“ወደየ፡ ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ፡ ሕራይ ኣይትበሎም። ንሳቶም “ምሳና ንዓ፡ ደም ከነፍስሲ ነድብይ፡ ነቲ ንጹህ ብዘይ ምኽንያት መጻወድያ ነጻውደሉ። ጠሪሶም ናብ ጒድጓድ (ኪወርዱ)፡ ብህይወቶም ከለዉ ከም ሲኦል ኴንና ንውሓጦም፡ ክቡር ገንዘብ ክንረክብ፡ ነባይትና በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልኦ ኢና። ዕጫኻ ምሳና ኣውድቕ፡ ናይ ኵላትና ማሕፉዳ ብሓደ ይኹን”፡ እንተ በሉ፡ ወደየ ኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጐይያ፡ ንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋ’የን’ሞ መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን፡ እግርኻስ ካብ መገዶም ደኣ ኸልክል። ....ንሳቶም ንገዛእ ደሞም የድብዩሉ፡ ንገዛእ ነፍሶም ከኣ ውዲት ይገብሩሉ።” ምሳ 1፡10-16,18
በዚ ኣገላልጻ ናይ ንጉስ ሰለሞን መሰረት፡ እዞም ሓጥኣን ዓርኮምን መሻርኽቶምን ኪኸውን ዚሓባብልዎ ዘለዉ ሰብ፡ ካብኣቶም ዝተፈልየ ንጹህን ጥዑይን ሰብ’ዩ። ንሰብ ቀቲልካ ናይ ምዝማት ረብሓ ኣወዓዊዖም በቲ ናቶም ሓጢኣት ኪጸምድዎ፡ ንእኡ ንርእሱ ኣድብዮምሉ ኣለዉ። እዚ ዕርክነት’ዚ ረብሓ ዝመሰረቱ ዕርክነት’ዩ። ከም’ዚ ዝበለ ናይ ረብሓ-ዓመጻ ዕድመ ዚቐርበልና ሓያሎ ሰባት ክንህልው ንኽእል ኢና። ኬርብሑና ዝደለዩ መሲሎም ኣብ ዘይሕጋዊ መጻወድያ ኼእትዉና ዚፍትኑ ሰባት ኣለዉ። ዋላ ቕትለት ዘይተሓወሶ ይኹን፡ ናብ ስርቂ፡ ናብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዚደፍኡናን ዜተባብዑናን ሰባት ኪህልዉ ይኽእሉ’ዮም።
ንጉስ ሰለሞን ደጊሙ ዝሃበና ሓያሎ ምኽርታት ኣሎ።
“መገዱ ኸይትመሃር’ሞ ንነፍስኻ ከይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሓዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ።” ምሳ 22፡24,25
“ንመላገጺ ስጐጎ’ሞ፡ ቘየቛ ኺወጽእ’ዩ፡ ባእስን ጸርፍን ከኣ ኪውዳእ’ዩ።” ምሳ 22፡10
“ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፡ ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን (የድክይ) እዩ’ሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ (ስኽራማት)፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።” ምሳ 23፡20-21
“ወደየ፡ ንእግዚአብሔርን ንንጉስን ፍርሃዮም፡ ምስ ዓለወኛታት ኣይትጸምበር።” ምሳ 24፡21
እዚ ወርቃዊ ምዕዶን ትእዛዝን’ዚ፡ ናይ ባህርይን ናይ ልማድን ጸገም ምስ ዘለዎም ሰባት ዕርክነትን ሕብረትን ከይንገብር ዜጠንቅቐና’ዩ። ዓርከ መሓዛ ኸቢድ ናይ ምጽላው ዓቕሚ ስለ ዘለዎም፡ ዘይነበረና ባህርይ ኪምህሩናን ኬውርሱናን ይኽእሉ’ዮም። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ምስ ኰራይ ሰብ ከይንመሓዞ ምኽሪ ዝተዋህበና። ዳርጋ ኵላትና ብዕርክነት ወይ ምሕዝነት ስለ ንሓልፍ ባህርይ ናይ ዓርከ መሓዛ ብኸመይ ከም ዚጸልውን ከም ዚሰርጽን ብተመክሮ ንፈልጦ ኢና። ካብ’ቲ ብተፈጥሮ ሒዝናዮ እንውለድ ባህርይ፡ እቲ ብልምምድ (ብታዕሊም) እነጥርዮ ባህሪ ይበዝሕን ይሕይልን። ስለ’ዚ እቲ ጽቡቕ ልማድ ኬጥርይን ኪዕቅብን ዚደልይ ሰብ፡ ንኸምኡ ዚሕግዙን ዜተባብዑን ኣዕሩኽን መሓዙትን ኪመርጽ ከም ዚግብኦ ርዱእ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ’ዚ ሓሳብ’ዚ ንጹር ትእዛዝ ሂቡና’ሎ።
““ምስ ኣመንዝራታት ኣይትጸምበሩ” ኢለ ኣብ ደብዳቤይ ጽሒፈልኩም ኣለኹ። ግናኸ “ምስ ኣመንዝራታት’ዛ ዓለም’ዚኣ ወይስ ምስ ስሱዓትን ዘረፍትን ወይ ምስ መምለኽቲ ጣኦት” ኢለ ኣይኰንኩን ዝጸሓፍኩ። እንተ ዘይኰነ ኻብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኽትወጹ ምተገብኣኩም ነይሩ። ሕጂ ግና ምስ ሓደ “ሓው” (ክርስትያን) ዚብሃል’ሞ ኣመንዝራ፡ ስሱዕ፡ መምለኽ ጣኦት፡ ተጻራፊ፡ ሰካር ወይ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ’ዚ ኸም’ዚ ዝበለ (ሰብ) ከቶ ኸይትበልዑ ጽሒፈልኩም ኣለኹ። .....ነቲ እኩይ (ሰብ) ካባኻትኩም ኣርሕቕዎ።” 1ቈረ 5፡9-11,13
“ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ። ሓደ’ኳ ነቲ በዛ ደብዳቤ’ዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተ’ሎ፡ ኣለልይዎ፡ ምእንቲ ኺሓፍር ከኣ ምስኡ ኣይትሕበሩ። ግናኸ ኸም ሓው ደኣ ምዓድዎ’ምበር፡ ከም ጸላኢ ኣይትቚጸርዎ።” 2ተሰ 3፡13-15 (ካ.ት + ቀ.ት)
እዚ ሃዋርያዊ ትእዛዝን ምዕዶን’ዚ ኣዝዩ ሓያል ምዃኑ ኽንግንዘቦ ይግባእ። ስለ’ዚ ምስ ዘጓነፈካ ዅሉ ሰብ ክትሓብርን ዓርከ-መሓዛ ኽትከውንን ግቡእ ኣይኰነን። ምስ ኣመንዝራ ሰብ ዕርክነት ንምስርት እንተ’ሊና፡ ነቲ ሓጥእ ባህርዩ ነጽድቐሉ ኣለና ማለት’ዩ። “ኣመንዝራ ምዃንካ ንኣምላኽ’ምበር ንኣይ ዋላ ሓንቲ ኣይኰነን። ገና ምስ ጽያፍካ ከለኻ እፈትወካን አኽብረካን’የ። ምሳኻ ብምዃነይ እሕጐስን ክብረት ይስምዓንን’ዩ” ዚብል መልእኽቲ ኢኻ እተመሓላልፍ። ንርእስና ኣብ ሓደጋ ነእትው ምህላውና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ሰብ’ውን ብሓጢኣቱ ኺሓፍርን ኪንሳሕን ኣብ ክንዲ ንድግፎ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ሓጢኣቱ ኺጸንዕ ነተባብዖ ኢና ዘለና። ብዛዕባ ዅሉ ኻልእ ሓጥእ ባህርያት’ውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ኺህልወና’ዩ ዚግባእ። ብዛዕባ ሕብረትን ዕርክነትን ኣመልኪቱ ካብ ኢሳ 52፡11 ብምጥቃስ፡ ደጊሙ ኸም’ዚ ዚስዕብ ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ።
“ምስ’ቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ጽድቅን ሓጢኣትንከ ኣበይ ይራኸቡ፧ ወይ ከኣ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧ ክርስቶስ ምስ ድያብሎስ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧ ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧ መቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧ ኣምላኽ፡ “ምስኣቶም ክነብር፡ ኣብ መንጎኦም’ውን ክመላለስ’የ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን’የ፡ ንሳቶም’ውን ህዝበይ ኪዀኑ’ዮም፡” ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤት መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። “ስለ’ዚ ካብ ማእከሎም ውጹ፡ ከምኡ’ውን ተፈለዩ” ይብል እግዚአብሔር....።” 2ቈረ 6፡14-17 ካ.ት
ስለ’ዚ ምስ ዝዀነ ውልቀ ሰብ ይኹን ጕጅለ ዕርክነት ወይ ሕብረት ቅድሚ ምምስራትና፡ ብመንጽር እምነት፡ ባህርይ፡ ልማድ ወዘተ ኣጸቢቕና ኽንምርምሮ ይግብኣና። ዋላ ነቲ ናቱ ባህርይን ልማድን እምነትን ኣይንውረሶ፡ እቲ ምስኡ ምሕባርና ጥራሕ ሓጢኣት ኪቚጸረልና’ዩ። ነብዪ ኣሳፍ ኣብ መዝሙሩ ነዚ ሓቂ’ዚ ገሊጹልና ኣሎ።
“ንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፡ “ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእ፡ ቃላተይ’ውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓታተይ እትነግር፧ ንኺዳነይ’ውን ብኣፍካ እተውስኦ፧ ሰራቒ ምስ ረኣኻ ምስኡ ሓበርካ፡ ክፍልኻ’ውን ምስ ኣመንዝራታት ነበረ። .....” መዝ 50፡16-18
እዚ ኽፍልን ሕብረትን’ዚ ንግብራውን ምሕዝነታውን ሕብረት ንኽልቲኡ ኼጠቓልል ዚኽእል’ዩ። ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ንኣምላኽ ኣዝዩ ዘሐጐሶ ጻድቕ ሰብ’ዩ ዝነበረ። እንተ ዀነ ምስ’ቲ ርእሱ ንሓጢኣት ዝሸጠ ንጉስ ኣከኣብ ምሕዝነት ገበረ። እግዚአብሔር ከኣ ብነብዪ ገይሩ ገንሖ። በዚ ኸይተኣረመ ድማ ምስ’ቲ ኸም ኣቦኡ ረሲእ ዝዀነ ንጉስ ኣሓዝያ (ወዲ ኣከኣብ) ሓበረ። እግዚአብሔር ከኣ ደጊሙ ገንሖ፡ ነቲ ዅሉ ግብሩ ኣፍሪሱ ድማ ቀሊል ዘይኰነ መቕጻዕቲ ኸም ዝቐጽዖ ቃል እግዚአብሔር ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ግና ብሰላም ናብ ቤቱ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሰ። እቲ ረኣዪ (ነብዪ) የሁ ወዲ ሓናኒ ኸኣ ኪራኸቦ ወጸ። ንንጉስ ዮሳፋጥ ድማ በሎ “ንረሲእዶ ኽትሕግዞ፡ ነቶም ንእግዚአብሔር ዚጸልእዎስ ኽትፈትዎም ኢኻ፧ በዚ (ግብርኻ’ዚ) ካብ ቅድሚ እግዚአብሔር፡ ኵራ ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ።....” 2ዜና 19፡1,2
“ድሕሪ’ዚ ግና ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ምስ’ቲ ረሲእነት ዝግብሩ ኣሓዝያ ንጉስ እስራኤል (ወዲ ኣከኣብ) ተሓባበረ። ንተርሲስ ዚኸዳ መራኽብ ኪሰርሑ ምስኡ ሓበረ። ሽዑ (ነብዪ) ኤሊዔዘር . . . ኣብ ልዕሊ ዮሳፋጥ፡ “ምስ ኣሓዝያ ስለ ዝሓበርካ፡ እግዚአብሔር ድማ ነቲ ስራሕካ ኬፍርሶ’ዩ” ኢሉ ተነበየሉ። እተን መራኽብ ከኣ ተሰብራ’ሞ፡ ንተርሲስ ኪኸዳ ኣይከኣላን።” 2ዜና 20፡35-37
እዚ ኽልተ ኣብነታት’ዚ እግዚአብሔር ንሕማቕ ዕርክነት ማዕረ ኽንደይ ከም ዚሓዝነሉን ከም ዚፈርዶን ዜረጋግጸልና’ዩ። ስለ’ዚ፡ “ደስ ኢሉኒ፡ ፈትየዮ” ኢልካ ምስ ዝገጠመካን ዝመሰለካን ሰብ ምሕዝነት ምግባር፡ ዕሽነታዊ ስጒምቲ ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግባእ። ነቲ ናይ ኣዕሩኽትኻ ባህርይን ልማድን ስለ ዝወረስካዮ ጥራሕ ኣይኰነን ፍርዲ ዜስዕበልካ። እቲ ምሳታቶም ሕብረት ምግባርካ ጥራሕ እኹል በደል’ዩ። ዮሳፋጥ ምስ’ቶም ንሓጢኣት ዝተሸጡ ኣከኣብን ኣሓዝያን ኰይኑ ሓጢኣት ኣይገበረን። ዋኒን (ቢዝነስ)’ዩ ዜካይድ ነይሩ። እግዚአብሔር ግን ጒህይሉስ ክልተ ሳዕ ገኒሕዎ፡ ነቲ ዝሰርሖ ስራሕ ድማ ኣፍሪሱሉ። ሕሉፍ ሓሊፍዎ ንበዅሪ ወዱ ምስ ጓል ኣከኣብ ኣመርዕዩ፡ ንመንግስቱን ንህዝቡን ናብ ኣምልኾ ጣኦት ዚኣትዉሉ መገዲ ጸረገ። እግዚአብሔር ከኣ ንወዱ ብዜሰክሕ ሕማም ቀዚፉ ንህዝቢ እስራኤል’ውን ንዘመተ ኣሕሊፉ ሃበ (2ዜና 21፡1-20)። እዚ ዅሉ፡ ውጽኢት ናይ ሕማቕ ዕርክነት’ዩ። ስለ’ዚ እግዚአብሔር ንዕርክነትናን ምሕዝነትናን ኣዝዩ’ዩ ዚግደሰሉ። ንእኡ ዜኽብር ምርጫ ኽንገብር ድማ ልዑል ትጽቢት ይገብረልና’ዩ። ስለ’ዚ ኸም ቅዱስ ዳዊት፦
“ኣነ ብጻይ ናይ’ቶም ዚፈርሁኻ ኵሎምን ትእዛዛትካ ዚሕልውን’የ።” ዚብል ቅዱስ ምርጫ ኸነልዕል ይጽበየናን ይእዝዘናን’ዩ (መዝ 119፡63)። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ውሳነኡ’ዚ ብግብሪ ኸም ዝተግበሮ፦
“ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፡ ምስ ኣምሰሉታት’ውን ኣይከድኩን። ንማሕበር እኩያት እጸልኣ፡ ምስ ረሲኣን’ውን ኣይቅመጥንየ’የ።”
“ነቲ ንብጻዩ ብሕቡእ ዚሓምይ አጥፍኦ፡ ነቲ ዕቡይ ዓይንን ኵሩዕ ልብን ዘለዎ ኣይዕገሶን’የ። ....ተንኰል ዚገብር ኣብ ውሽጢ ቤተይ ኣይነብርን፡ ሓሶት ዚዛረብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ (ኣይቀውምን)’ዩ።” ብምባል ኣረጋጊጹ ኣሎ (መዝ 26፡4,5 ፣ 101፡5,7)።
እዚ ናይ ዕርክነት ኣርእስቲ ኺለዓል ከሎ፡ ዚበዝሕ ጊዜ ናይ መንእሰያት ጸገም ከም ዝዀነ ጌርና ጥራሕ ኢና እንወስዶ። ብርግጽ ዕርክነት ኣብ ጊዜ ቚልዕነትን ንእስነትን ከም ዚጅመር ዘይከሓድ’ዩ። ናይ’ቲ ኣብ ጊዜ ንእስነት ዝተተኽለ ሕማቕ ዕርክነት ፍረ ግና፡ ኣብ ዕብየት’ዩ ዚገሃድን ዚዕጸድን። ብሰሪ ዓርከ መሓዛ ዝተጠርየ ሕማቕ ወልፍታት፡ ልማዳት፡ ባህርያት ምሳና ኣሪጎም ክሳዕ መቓብር’ዮም ዜፋንውና። ንሕና ድማ ንደቅና ነውርሶም። ብኸም’ዚ ሰንሰለታዊ መልክዕ ሒዙ ንወለዶታት ይቕጽል። ስለ’ዚ እዚ ናይ ሕማቕ ዕርክነት ነገር፡ ዕድመ፡ ጾታ፡ ደረጃ ትምህርትን ቊጠባን፡ ማሕበራዊ ደረጃ ኸይፈለየ፡ ንዅሉ ዜጥቅዕ ምዃኑ ኣስተውዒልና፡ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ኰነ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነት ዘሎና ወለዲ ዅላትና፡ ኣብ ገዛእ ህይወትና ዀነ ኣብ ህይወት ናይ’ቲ ሓላፍነቱ ዝወሰድና ስድራ ቤትን መጓሰን ብዙሕ ክንዋግኦን ከነሕውዮን ይግባእ። እሾዅ ዘሪእካስ ወይኒ ኽትቅንጥብ ኣይከኣልን’ዩ። ሕማቕ ዕርክነት ተኺልካ ድማ ጽቡቕ ልማድን ባህርይን ኪህልወካ ምጽባይ ከንቱ ትጽቢት’ዩ። ሕምየት፡ ላግጺ፡ ምክፋእ ልግሚ፡ ትህኪት፡ ስሰዐ (ናይ ገንዘብ፡ መስተ፡ ብልዒ) ዝሙት፡ ምንዝርና፡ ቊጥዓ (ኵራ)፡ ብኽነት (ናይ ጊዜ፡ ገንዘብ ወዘተ) ፍቕሪ ተድላ (Pleasure)፡ ርእሰ-ፍትወት፡ ጽልኢ፡ ሻራ፡ ጸርፊ፡ ቅልለት ወዘተ ሕማቕ ዕርክነት ዚዘርኦምን ዜዕብዮምን ባህርያት’ዮም። ስለ’ዚ እዚ ኽፉእ ባህርያት’ዚ ኻብ ዚዝውተረሉ ናይ ሕማቕ ዕርክነት ጽምዶ ኣምሊጥና፡ ኣብ’ቲ ጽድቅን ቅድስናን ዝመለለዪኡ ጽቡቕ ዕርክነት ክንዕቈብ ይግብኣና። ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት (ኣባላት ስድራና፡ ቤተ ክርስቲያንና ወዘተ)፡ ብምስትውዓል ይኹን ብዘይ ምስትውዓል፡ ኣብ ታኼላ ሕማቕ ዕርክነት ኪወሓጡ ምስ እንርእይ፡ ብጸሎትን ብምኽርን ብግብራዊ ስጒምትን ክንብጀዎም ይግብኣና። ዝዀነ ይኹን ካህን፡ ኣበ-ነፍሲ ዀይኑ ናይ ዝሓዞም ስድራ ቤታት ዕርክነት ኪሓትተሉን ኪከታተሎን ኬማእዝኖን ይግባእ። ኣበልገን እመልገን’ውን ናይ’ቶም ብልግነት ዝሓዝዎም ደቂ፡ ወለዲ ናይ’ቶም ዝወለድዎምን ናይ ሰብ ኪዳኖምን ዕርክነት/ምሕዝነት ኪግደሱሉ፡ ኪፍትሽዎ ዀነ ኼማእዝንዎ ኪዝንጋዕ ዘይግብኦ ሓላፍነቶም’ዩ። እምበኣር ናይ ሕሉፍን ህሉውን ምሕዝነትና ፍረን ሓድግታቱን ክንምርምር፡ ካብ ማእሰርቲ ሕማቕ ዕርክነት ኣምሊጥና፡ ኣብ ጽላል ጽቡቕ ዕርክነት ኣጽሊልና ምህላውና ኸነረጋግጽ ይግባእ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ሰነ ፳፮, ፳፻፲፬ ግዕዝ (10 ሓምለ 2022 ፈ).[መበል 44 ሰንበት: ቊ.63/፷፫]፶] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቅ ዲያቆን |
ንፍቅ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
1ቈረ 15፡31-44 | 2ጴጥ 2፡17-ፍጻመ | ግብ 14፡8-18 | ዮሃ 13፡1-12 | ዘእግዚእነ |
መዝ ፷፬(፷፭)፡፲,፲፩ “አርውዮ ለትለሚሃ። ወአሥምሮ ለማእረራ። ወበነጠብጣብከ ትበቍል ተፈሢሐ።” “ንነግሕታታ ተስትዮ፡ ንድንኵላታ ትምድምዶ፡ ብዝናም ተለምልማ፡ ንብቚላ ትባርኾ። ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፡ ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ