S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ኣነ ኸኣ ንኣቦ ኽልምኖ’የ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ (መንፈስ ቅዱስ) ኪህበኩም’ዩ። . . . ንስኻትኩም (ብክርስቶስ) ቃል-ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብእኡ’ውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሓተምኩም። (መንፈስ ቅዱስ) ንምድሓን ጥሪቱ፡ ንውዳሴ ኽብሩ፡ ዕርቡን ርስትና’ዩ።"ዮሃ 14፡16 ፣ ኤፌ1፡13,14

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሻብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። ካብ ትማሊ ሓሙስ (በዓለ ዕርገት) ጀሚርና’ውን፡ ናብ "ዘመነ ዕርገት" ኣቲና‘ለና። ዘመነ ዕርገት ካብ በዓለ ዕርገት ክሳዕ ሰነ 17 ዘሎ ጊዜ ዜጠቓልል’ዩ። በዓለ ትንሳኤ ናብ መጋቢት 30 ኣብ ዝተሳሕበሉ፡ ዘመነ ዕርገት ናይ 39 መዓልታት ዘመን ኪኸውን ከሎ፡ በዓለ ትንሳኤ ናብ ሚያዝያ 27 ኣብ ዝወረደሉ ድማ፡ ናይ 11 መዓልታት ዘመን’ዩ ዚኸውን። ነዚ ናይ ዘመነ ዕርገት ቀዳማይ ሰንበት ዝተሰርዐ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር፡ "በሰንበት ዐረገ ሐመረ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦  “ብሰንበት ናብ ጃልባ ደየበ፡፡ ንባሕሪ’ውን ገሰፀ። ንንፋሳት’ውን ገሰፆም። (ንደቀ መዝሙሩ) "ኣይትጠራጠሩ ናብ ልብኹም ድማ፡ ጥርጣረ ኣይምጻእ። ከም’ቲ ኣቦይ ዝለኣኸኒ፡ ኣነ’ውን እልእከኩም ኣለኹ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማኅደር ኣሎ። ኣብ’ታ መንግስቲ ኣቦይ ምሳይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ተመሊሰ ኽወስደኩም’የ"።

"እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዛ ዕለት’ዚኣ ዝተሰርዐ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ "ፋሲካ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦ “ፋሲካ፡ እታ ዕለት’ቲኣ ቅድስቲ’ያ፡ በታ ዕለት’ቲኣ ንተሓጐስ፡ ንተሓጐስ፡ ብኣኣ ባህ ይበለና፡ እታ ዕለት’ቲኣ መስተርሆትን ዕረፍትን’ያ፡ ሰማይን ምድርን ብኣኣ ይተሓጐሱ። ፋሲካ ፋሲካ፡ ናይ መድሓኒና ዝኽሪ ትንሳኤኡ’ያ።

"ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲእኩም ኢኹም’ሞ፡ ቀልብኹም ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ’ቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ናብ’ቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ኣእምሮኹም ናብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። ምኽንያቱ መዊትኩም ኢኹም፡ ህይወትኩም’ውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ።. . . ስለ’ዚ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም. . . ቅተሉ።" ቈሎ 3፡1-3,5ካ.ት

" ‘ንስኻ በጽሒ ኸለኻ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም ‘ተልዕል’ሞ፡ (ጐይታኻ) ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደለኻዮ’ውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ።’ . . . ኵላቶም (ነቲ) ነናይ ርእሶም’ዮም ዚደልዩ፡ ነቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን።" ዮሃ21፡18 ፣ ፊል 2፡21

"እቲ ኣነ (ኻብ ጐይታ) ዝተቐበልክዎ (ምህሮ እንታይ ምዃኑ) ቅድሚ ዅሉ ነጊረኩም’የ። ከም’ቲ’ቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ኸኣ። ከም’ቲ’ቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ’ውን ተንስአ። . . . ‘ስለምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፡ ነቲ ዚናፍቖ’ውን ምድሓን ከምጽኣሉ’የ።’ ይብል እግዚኣብሄር።" 1ቈረ15፡3,4 ፣ መዝ12፡5

"ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ ኣነ ኣብኣቶም ንስኻ’ውን ኣባይ፡ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ ነቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሃብክዎም።"

" . . . ኵሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን። ሰማያዊ ስጋ ኣሎ፡ ምድራዊ ስጋ ኸኣ ኣሎ። ግናኸ ክብሪ ናይ’ቶም ሰማያውያን በይኑ፡ ክብሪ ናይ’ቶም ምድራውያን’ውን በይኑ’ዩ። ብኽብርስ ኰኾብ’ኳ ካብ ኰኾብ ይበልጽ’ዩ። . . . "  ዮሃ17፡22,23 ፣1ቈረ15፡39-41

"ደቀ መዝሙሩ ኸይዶም፡ ከም’ቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣድግን ዒሉን ኣምጽኡሉ፡ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሎም፡ ንሱ ኸኣ ተወጥሐ።"   ማቴ 21፡6,7

"ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ’ዩ’ምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን። ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እና’ፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮ’ውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና። ምእዛዝኩም ምስ ተፈጸመ’ውን፡ ነቲ ዘይምእዛዝ ዘበለ ዅሉ ኽንቀጾዖ ተዳሊና ኣለና።"  2ቈረ 10፡4-6

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div