“ኣታ ፍቁረይ፡ እቲ ነቶም ኣሕዋትን ኣጋይሽን እትገብሮ ዘለኻ (ዅሉ)፡ ተኣሚንካ ትገብሮ ኣለኻ። እዚኣቶም ብዛዕባ ፍቕርኻ ኣብ ቅድሚ ማሕበር መስኪሮም ኣለዉ። ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ንመገዶም እንተ ኣፋኖኻዮም ድማ፡ ሰናይ ትገብር ኣለኻ።” 3ዮሃ 5፡6።
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሰነ 17 ክሳዕ ሰነ 25 ዘሎ ቕንያት፡ “ኣስተምህሮ” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ስለ’ዚ እዛ ሕጂ ዘለናያ ሰንበት ናይ ኣስተምህሮ ሰንበት’ያ ማለት’ዩ። ካብ’ቶም ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዑልና ንባባት ሓንቲ፡ እዛ ሓንቲ ምዕራፍ ናይ ሳልሰይቲ መልእኽቲ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ’ያ። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ ኻብ እተስንቐና ዓበይቲ መንፈሳውያን ኣስተምህሮታት ሓደ ድማ፡ ንዅሉ ተግባርና ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርና ብዛዕባ ምግባር’ዩ።
ካብ’ዛ ሳልስይቲ መልእኽቲ ናይ ሃዋርያ ቕዱስ ዮሃንስ ከም እንርድኦ፡ ኣብ’ታ ቤተ ክርስቲያን ጋይዮስ ዝተባህለ በቶም ዚፈልጥዎ ዅሎም ብጽቡቕ ዝተመስከረሉ ፍቁር ሰብኣይ ይነብር ነበረ። መራሒ ናይ’ታ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ’ዩ ዚእመን። ካብ’ቶም ቅዱስ ዮሃንስ “ደቀይ” ኢሉ ዚሰምዮም ምእመናንን ኣገልገልትን ሓደ’ዩ ዝነበረ። ሓቂ ኣምላኽ ኣብኡ እትርከብ፡ በታ ሓቂ ድማ ዚመላለስ ሰብ ነበረ (ፍ.3)። ብሓቂ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብፍቕሪ’ውን ሃብታም ሰብ ነበረ። ምቕባል ኣጋይሽ’ውን ካብ’ቲ ዝተመስከረሉ ነጥብታት ሓደ’ዩ። እቲ ኣዝዩ ዜሐጕስ ድማ፡ እቲ ኣብ ህይወቱ ዚረኣይ ፍረ-መንፈስ፡ ኵሉ ሰብ ዚርእዮ ግሉጽ ምንባሩ’ዩ። ሃዋርያ ቕዱስ ዮሃንስ’ውን፡ ብዛዕባ’ዚ ባህርያቱ’ዚ ብናይ ሰባት ምስክርነት ስሚዑ’ዩ ዜመጕሶን ዜተባብዖን ዘሎ። ከም’ቲ ኣብ ቅድሚ ሰባት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ምስክር ምእንቲ ኺረክብ ድማ፡ ነቲ ድሮ ዚገብሮ ዘሎ ጽቡቕ ግብሪ፡ ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ገይሩ ኺገብሮ፡ ሃዋርያት ምዕዶ ጸሓፈሉ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ድማ በቲ ሰናይ ተግባርና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ጽቡቕ ምስክር ምእንቲ ኽንረክብ፡ ነዚ ሃዋርያዊ ኣርእስቲ መልእኽትን’ዚ ኣዳልያትልና ትርከብ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዝተዘርዘሩ፡ ወዲ ሰብ ኪገብሮም ዚኽእል ሰናይ ተግባራት ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም። ሰናይ ግብሪ ኹሉ ጊዜ ሰናይ’ኳ እንተ ዀነ፡ ብደረጃን ዓይነትን ናይ ኣተገባብራኡ ግና ፍልልያት ከም ዘለዎ ዘይከሓድ’ዩ። ተቐባል ጋሻ ዝዀነ ሰብ፡ ብሓቂ ሰናይ ሰብ’ዩ። ነቶም ዚቕበሎም ኣጋይሽ ብሓደ ዓይነት ኣቀባብላ ዚቕበል ሰብ ግና ውሑድ’ዩ። መብዛሕትኡ ሰብ ሃብታም፡ በዓል ስልጣን፡ ምሁር ወዘተ ዓይነት ሰብ ኪቕበል ከሎን፡ ድኻ፡ ተራ፡ መሃይም ሰብ ኪቕበል ከሎን ሓደ ዓይነት ኣቀባብላ ኺገብረሎም ይጽገም’ዩ። ኣብ’ቲ ውዱቕ ስጋና፡ ኣድልዎ ኸም ባህርይ ስለ ዝሰረጸ፡ ኣብ ኵሉ ተግባርና ጦብሎቕ እናበለ’ ነቲ ሰናይ ግብርና የቕልሎን ይብልሎን’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ ኣድልዎ ብኸመይ ንተግባርና ኸም ዜበላሽዎ ብስእላዊ መገዲ ገሊጹልና ኣሎ።
“ኣቱም ኣሕዋተይ፡ በቲ (ጐይታ ኽብሪ) ዝዀነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እትኣምኑ ስለ ዝዀንኩም፡ ኣድልዎ ኣይትግበሩ። ኣብ መንፈሳዊ ኣኼባኹም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ፡ ጽሩይ ክዳን ዝተኸድነ ሰብኣይን፡ ሓደ ረሳሕ ክዳን እተኽድነ ድኻ ሰብኣይን እንተ ኣተዉ’ሞ፡ ነቲ ጽሩይ እተኸድነ ብምድላው፡ “ንስኻ ኣብ’ዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ግና፡ “ንስኻ ኣብ’ቲ ደው በል፡ ወይ ኣብ’ዚ ኣብ ወርገጽ እግረይ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፡ ብኽፋእ ሓሳብ ተመሪሕኩም ኣብ ንሓድሕድኩምዶ (ብኣድልዎ) ትፈርዱ ኣየለኹምን፧” ያእ 2፡1-4 ካ.ት
እዚ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ገሊጽዎ ዘሎ ኣድልዎ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ መንፈሳዊ ጕባኤ፡ ዝተፈጸመ ኣድልዎ’ዩ። ናይ ምልእቲ ቤተ ክርስቲያን ኣበሳ ኸኣ’ዩ። በብውልቅና ኣብ ገዛና፡ ስራሕና፡ ትምህርትና፡ ኣብ መገድና፡ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት’ውን እንፍጽሞ ኣድልዎ ማእለያ የብሉን። ብናይ’ቲ እንቕበሎ ጋሻ ማሕበራዊ ደረጃ፡ ቅርበት ዝምድና፡ ወዘተ ብዙሕ ኣድልዎ ኢና እንገብር። ሓደ “ክቡር’ዩ” ኢልና ንዝኣመንናሉ ሰብ ናብ ገዛና ኺመጽእ ከሎ፡ ኣብ’ቲ ዝጸበቐ ክፍልና ኣእቲና ኣብ’ቲ ዝበለጸ መቓምጦ ነቐምጦ። “ኣይደልን’የ” እናበለ “ብግዲ እንተ ዘይበላዕካ> ኢልና ዝበለጸ ዅሉ ብሸበድበድ ነዳልወሉ። ሓደ ድኻ ሰብ ናብ ገዛና መጺኡ ዚብላዕ ኪልምነና ኸሎ ግና ንርእስና ኽንበልዖ ዘይንመርጽ ኣብ ብያቲ ወይ መሽረፈት ጌርና ብደዉ ሂብና ነፋንዎ፡ ወይ’ውን ኣብ’ቲ ደንበ (ካንቸሎ) ኣብ ድኳ ወይ ተዀርምዩ ኮፍ ከም ዚብል ጌርና ብዘይ ጽቡቕ መገዲ ነአንግዶ። ክንምጽውት ክንረድኦ ምኽኣልና ሰናይ ግብሪ ኽነሱ በቲ ኣተገባብራና ግን ነቲ ጽቡቕ ግብርና ነበላሽዎ። ኣብ ኵሉ ኻልእ ሰናይ ግብርታትና’ውን ተመሳሳሊ ኣዕናዊ ኣተገባብራ እናተጠቐምና፡ ነቲ ተግባርና ይትረፍ ንኣምላኽ ንሰብ’ውን ከም ዘይበቅዕ ጌርና እነበላሽወሉ እዋናት ብዙሕ’ዩ። እዚ ድማ እቲ ሰናይ ግብርና ፍወሳ ኸም ዜድልዩ ዜመልክተና’ዩ።
ብቕዓት ሰናይ ግብርና ብኸመይ’ዩ ዚልካዕ፧
ቃል እግዚአብሔር፡ መዛኒ ዅሉ ግብርታት፡ እግዚአብሔር ባዕሉ ኸም ዝዀነ’ዩ ዚነግረና። ቅድስቲ ሃና፡ ኣደ ነብዩ ሳሙኤል፡ ድሕሪ ናይ ብዙሕ ዓመታት ትጽቢት ውላድ ምስ ረኸበት፡ ነቲ ረዳኢኣ እግዚኣብሄር ኣመልኪታ፡ ነቶም ዚሰምዕዋ ዅሎም ከም’ዚ በለቶም።
“እግዚአብሔር ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ’ዩ፡ ግብርታት ከኣ ኣብኡ ምዙን’ዩ’ሞ፡ እምብዛ ትዕቢት ኣይተብዝሑ ቃል ድፍረት’ውን ካብ ኣፍኩም እይውጻእ።” 1ሳሙ 2፡3
እግዚአብሔር ግብርታት ኪመዝን ከሎ ነቲ ብዓይኒ ዚረኣይ ጥረ-ተግባር ጥራሕ ኣይኰነን ዚመዝን። ከም’ዚ ዓይነት ኣማዝና’ሞ ናትና ናይ ድኹም ሰብ ኣማዝና’ዩ። ልቢ ዚምርምርን ኵሉ ዚፈልጥን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ሃቐና (ድርኺት) ናይ ልብና ኸይተረፈ’ዩ ዚመዝን። ስለ’ዚ ጥዕናን ብቕዓትን ናይ ሓደ ተግባር ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ኺፈልጦን ኪመዝኖን ዚኽእል የልቦን ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንመራሒ ቤተ ክርስቲያን ሳርዴስ፦ “ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ ኣለኹ፡ (ብሰባት) “ህያው” ተባሂልካ ትስመይ ኣለኻ፡ ግናኸ ምውት ኢኻ። ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን’ሞ፡ ንቑሕ ኩን፡ ነቶም (ከማኻ) ኪሞቱ ኢሎም ዘለዉ ኻልኦት’ውን ኣበርትዓዮም።” ኢሉ ዝገሰጾ (ራኢ 3፡1,2)። ንመራሒ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሳሪዴስ ጥራሕ ዘይኩነ፡ ንናይ ኤፌሶን፡ ትያቲራ፡ ፈላደልፍያን ሎዲቅያን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንውን ንግብሮም ከም ዚፈልጦ ብንጹር ነጊርዎም’ዩ (ራእ 2፡2,19፣ 3፡8,15)። እዚ ናይ ሳርዴስ መራሒ፡ “ህያው” ዚብል ቅጽል ኪወሃብ ዜብቅዖ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ከም ዝገበረ ከቶ ዘየጠራጥር’ዩ። ኣብ ዓይኒ’ቶም “ህያው” ኢሎም ዚሰምይዎ፡ እቲ ግብርታቱ ኣዝዩ ንኡድ ነበረ። እቲ ኣብ ዓይኒ ሰብ ብቑዕን ህያውን ዝነበረ ግብርታቱ፡ ኣብ ዓይኒ ናይ’ቲ መዛኒ ዅሉ ግብርታት ዝዀነ ጐይታ ግን ጐደሎን ምውትን ኰይኑ ተረኽበ። ነዚ መራሒ ቤተ ክርስቲያን፡ እዚ ናይ ጐይታ ቓል ከመይ ዝበለ ኣሰምባዲ መርድእ ኰን ኰይንዎ ይኸውን፧! ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ግብሪ፡ ብሚዛን ሰብ “ህያው”፡ ብሚዛን ኣምላኽ ግና “ምዉት” ዚብል ቅጽልን ማዕርግን ተቐቢሉ ይድረጅ ነበረ። ሚዛን ሰብ ግና ኵሉ ጊዜ መታለሊ’ዩ ብዛዕባ ግብርታትና ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዚህብ ድማ ኣምላኽ’ምበር ሰብ ኣይኰነን። ስለ’ዚ በቲ ጊዝያውን ጠባርን ሚዛን ናይ ሰብ፡ ንግብርታትካ ምምዛን ኣዝዩ ኸቢድ ዕሽነት’ዩ።
ብግብርታቱ ዝተጠበረ ኻልኣይ ሰብ ድማ መራሒ ቤተ ክርስቲያን ሎዲቅያ’ዩ። ናይ’ዚ መራሒ ቤተ ክርስቲያን ጥበራ’ሞ’ ኸኣ ንበይኑ ዓይነት’ዩ። ንእኡ እንመስል ብዙሓት ስለ ዝዀንና ኸኣ፡ ካብኡ ብዙሕ ክንመሃር ይግብኣና’ዩ። ጐይታና ነዚ መራሒ’ዚ ዝለኣኸሉ ቓል ኣዝዩ ኸቢድ’ዩ።
“ዝሑል ወይ ምውቕ ዘይምዃንካ፡ ግብርኻ እፈልጥ ኣለኹ። ብኻ ዝሑል ወይሲ ምዉቕ ምዀንካ። . . . ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ’ሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ’የ። “ሃብታምን ፈሳስን’የ፡ ሓንቲ (ዚጐድለኒ) ነገር’ኳ የብለይን”፡ ብምባልካ ሕሱርን፡ ዜደንግጽን፡ ነዳይን (ድኻን) ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘለኻ።” ራእ 3፡15-17
ዝዀነ እንተ ዀነ፡ ናይ ኣእምሮ ሕሙም እንተ ዘይኴንካ፡ ካብ ባዶ ተበጊስካ፡ “ሃብታምን ፈሳስን’የ፡ ዚጐድለኒ የብለይን” ኣይበሃልን’ዩ። ብዓይንን ሚዛንን ናይ ሰብ “ሃብታም” ዜስምዮ ኪጽብጸብ ዚኽእል ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ከም ዝነበሮ ፈጺሙ ዘየማትእ ሓቂ’ዩ። ነዚ ሰብ’ዚ ሓንቲ ጕድለት’ያ እምብዛ በዲላቶ። ንሳ ኸኣ ንግብርታቱ ብዓይኒ ኣምላኽ ዘይምርኣዩ፡ ብሚዛን ኣምላኽ ዘይምምዛኑ’ያ። እዚኣ ኺገብር ብዘይ ምኽኣሉ፡ ሰባት ኬመጕስዎ ኸይተጸበየ፡ “ምሉእ’የ” ኢሉ ንርእሱ ኣብ ምውዳስ ተጸምደ ስለ’ዚ ብዛዕባ ርእስና፡ ብዛዕባ ተግባርና ዀነ ብዛዕባ ዅሉ ነገርና ብዓይኒ ኣምላኽ ክንርእይን ክንመዝንን እንተ ኽኢልና ጥራሕ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚበቅዕ ግብሪ ኽንገብርን ብዛዕባ ርእስና ቕኑዕ ሚዛን ኪህልወናን ዚኽእል።
ሰብ ክነስና ግን ከመይ ጌርና ንግብርና ብናይ ኣምላኽ ኣማዝና ኽንመዝን ንኽእል፧
እዚ ሕቶ’ዚ ቅኑዕን ኣገዳስ ሕቶ’ዩ ዓቕሚ ኣምላኽን ዓቕሚ ሰብን ከቶ ዘይመጣጠን ምዃኑ ዘየማትእ ሓቂ’ዩ። ግን ከኣ እግዚአብሔር ንነገራት ንግብርታት፡ ንሰባት ብኸመይ ከም ዚመዝን፡ “ዝርዝራዊ” ኺበሃል ብዚኽእል መጠን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹልና ኣሎ። ካብ ቃል እግዚአብሔር ከም እንርድኦ፡ እግዚአብሔር ንሓደ ተግባር ብሰለስተ መገዲ’ዩ ዚመዝኖ።
1. ብዓይነቱ፦ ብሓፈሻ ኵሎም ግብርታት ብዓይነቶም ኣብ ክልተ ምድባት’ዮም ዚኽፈሉ፡
ሀ. ሰናይ ግብሪ፦ (ህያው ግብሪ፡ ግብሪ ጽድቂ) ልግሲ፡ ትዕግስቲ፡ ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ድንጋጸ፡ ሕያውነት፡ ይኣኽለኒ ምባል፡ ምጽንናዕ፡ ጸጋ ዝመልኦ ዘረባ፡ ወዘተ ዜጠቓልል’ዩ።
ለ. እኩይ ግብሪ፦ (ምውት ግብሪ፡ ግብሪ ስጋ፡ ሓጢኣት) ንፍገት፡ ቍጥዓ፡ ጽልኢ፡ ትዕቢት፡ ጭካነ፡ ስሰዐ፡ ርኹስ ዘረባ፡ ምንዝርና፡ ባእሲ፡ ቂም-በቐል ወዘተ ዜጠቓልል ግብርታት’ዩ።
2. ብሃቐናኡ (ብድርኺቱ፡ ብዕላማኡ)፦
ሀ. ሰናይ ድርኺት፦ እግዚአብሔር ኪሕጐሰሉን ኪኸብረሉን፡ ሰብ ድማ ኪርድኣሉን ኪህነጸሉን ኢልካ ብጥዑይ ድርኺት ዚግበር’ዩ።
ለ. እኩይ ድርኺት፦ ሰብ ምእንቲ ኺርእየልካን ኪጥበረልካን፡ ንርእስኻ ከተኽብርን ከተወድስን ኢልካ ዚግበር፡ ንኣምላኽ ኣብ ግምት ዘየእተወ ኵሉ ግብርታት የጠቓልል።
3. ብኣተገባብራኡ (ብኣፈጻጽማኡ)፦
ሀ. ቅኑዕ ትግበራ፦ ብፍቕሪ፡ ብምሉእ ልቢ፡ ብትግሃት፡ ብቐጻልነት ወዘተ ዚግበር ሰናይ ግብርታት የጠቓልል። ምግባር፦ ኣብነት፡ “ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር” ተባሂሉልና ኣሎ (1ቈረ 16፡14)። ብዘይ ፍቕሪ ዝተገብረ ዕዙዝ ልግስን ሰማእትነትን ድማ ዘይጠቅምን ከንቱን ምዃኑ ተነጊሩና’ዩ (1ቈረ 13፡3)
ለ. ግጉይ ትግበራ፦ ብትህኪት፡ ብሸለልትነት፡ ብጽልኢ ብምሉእ ልቢ ዘይኰነ፡ ብግብዝነት ወዘተ ዚግበር ግብሪ የጠቓልል።። ኣብነት ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ኣለና፡ ገና ፈሪሳዊ ኸሎ ልዑል ቅንኣት ኣምላኽ ዝነበሮ ናይ ኣምላኽ ሰብ’ኳ እንተ ነበረ፡ ንቕንኣቱ ግን ንሰባት ብምስቓይን ብምቕታልን የተግብሮ ነበረ። (ግብ 22፡3-5፣ ገላ 1፡13,14፣ 1ጢሞ 1፡13,14)።
እግዚአብሔር ንዅሉ ግብርታትና ብኸም’ዚ ኸም ዚመዝኖ ቓሉ ኻብ ኣረጋገጸልና፡ ንሕና’ውን ንግብርታትና ብኸምኡ ኽንመዝን ይግብኣና ማለት’ዩ። ድሮ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ተግባር ኽንምርምር ከለና ዀነ፡ ኣብ መጻኢ ኽንገብሮ ብዛዕባ ዝመደብና ግብሪ በዚ ሰለስተ መምዘኒ ረቛሒታት ክንፍትሾ ይግባእ። “ንኣምላኽ ዚበቅዕ ግብሪ” ዚበሃል፡ ብሰናይ ድርኺት ዝተበገሰ፡ ቅኑዕ ኣተገባብራ ዝረኸበ ሰናይ ግብሪ’ዩ። ካብ ጸሎት፡ ካብ ጾም ካብ ምጽወታ ዚበልጽ ሰናይ ግብሪ የልቦን። ነዚ ቕዱስ ስነ-ምግባራት’ዚ ኣምላኽ ዘይኰነስ ሰብ ምእንቲ ኺርእየልካ እንተ ገበርካዮ ግና፡ ንወርቅኻ ናብ ጐሓፍ ከም ምድርባይ ዚቝጸር’ዩ። ስለ’ዚ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ተግባርናን ዘረባናን ስምዒታትናን፡ “እንታይ’የ ኽገብር፧ ንምንታይ’የ ኽገብሮ ዘለኒ፧ ብኸመይ’የኸ ክገብሮ ዚግብኣኒ፧” ኢልና ኽንሓትትን፡ በቲ እግዚአብሔር ዚቕበሎ ብቕዓት ክንገብሮን ይግብኣና።
ንኣምላኽ ዚበቅዕ ግብሪ ኽንገብረሉ እንኽእል ዝበለጸ ጥበብ እንታይ’ዩ፧ ከም’ቲ ነዚ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንጋይዮስ ተነጊርዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ሰብ፡ እትገብሮን እትዛረቦን ኵሉ፡ ንኣምላኽ ትገብረሉ ኸም ዘለኻ ጌርካ ምግባር’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ነቶም ኣብ ገዝኡ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሉን ኣአንጊዱን ዜፋንዎም ኣሕዋት፡ ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ፡ ማለት ንኣምላኽ ይቕበልን የፋንውን ከም ዘሎ ገይሩ ኺገብረሎም ንጋይዮስ ምዒድዎ ኣሎ። ንሕና’ውን ከምኡ ኽንገብር፡ ነዚ ሃዋርያውን ሰማያውን ጥበብ’ዚ ኽንጥቀመሉ’ዩ ዚግባእ። ንሓደ ሰናይ ተግባር፡ ንኣምላኽ ከም ዚኸውን ጌርካ ኽትገብሮን፡ ንሰብ ጥራሕ ከም ዚኸውን ጌርካ ኽትገብሮን ኣዝዩ ዓብዩ ፍልልይ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ኪመጣጠንን ኪግለጽን ዘይክእል ናይ መንነት ፍልልይ ኣሎ። ሰለዚ ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ንሓደ ሰብ ሰናይ ግብሪ ኽትገብረሉ ኸለኻ፡ እቲ ተግባርካ ኣዝዩ ፍሉይን ክቡርን ተግባር’ዩ ዚኸውን። ንኣምላኽ ከይሓሰብካን ኣብ ግምት ከየእተኻን ንሰብ ኢልካ ጥራሕ እትገብሮ ሰናይ ግብሪ ግን ብመጠኑ ዀነ ብዓይነቱ ኣዝዩ ትሑት’ዩ ዚኸውን። ቃል እግዚአብሔር፡ ንኣምላኽ ዚበቅዕ ግብሪ ምእንቲ ኽንገብር ኢሉ፡ ነቲ ንሰብ እንገብሮ ምስ ኣምላኽ እናዛመደ’ዩ ዚምዕደና። ንኣብነት ጐይታና፡ ነቶም ወንጌል ኪሰብኩ ዝለኣኾም ደቀ መዛሙርቱ፦
“ንኣኻትኩም ዚሰምዕ፡ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ፡ ንኣይ ይንዕቕ። እቲ ንኣይ ዚንዕቅ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ’ዩ ዚንዕቆ።” ብምባል፡ እቲ ንሰብ እንገብሮ ግብሪ፡ ምስ ኣምላኽ ቀጥታዊ ዝምድና ኸም ዘለዎ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ሉቃ 10፡16)። ኣብ’ቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዚህበሉ መዓልቲ፡ በዚ ሓቂ’ዚ መሰረት ከም ዚፈርድ’ውን ኣግሂዱ ነጊሩና’ዩ።
“ጠምየ ነበርኩ’ሞ ኣብላዕኩምኒ፡ ጸሚአ ኣስተኹምኒ፡ ገይሽ ተቐበልኩምኒ፡ ዓሪቐ ከደንኩምኒ፡ ሓሚመ በጻሕኩምኒ፡ ተኣሲረ መጻእኩምኒ። . . . እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ማቴ 25፡35,36,40
ነዚ ቓል ጐይታ ብዕምቈት ነስተውዕለሉ። “ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ ገይረ ክቘጽረልኩም’የ” ኣይኰነን ዝበለና። ብቐጥታ፡ “ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ”’ዩ ዝበለ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ “እግዚአብሔር ዘይጠምይ፡ ዘይዓርቕ ዘይሓምም ዘይእሰር ከሎ፡ ከመይ ጌርና ንእኡ ኽንገብረሉ ንኽእል፧” ዚብል ሕቶ ኼልዕለልና ይኽእል’ዩ። ብኢዱ ዝፈጠረና ገንዘቡ ምዃንና፡ ብደሙ ዓዲጉ ኣካል ሰብነቱ ዝገበረና ጐይታ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ (1ቈረ 6፡15,19,20፣ 12፡12,27)። ስለ’ዚ ነቲ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ዝዀነ ሰብ ዝገበርካዮ ግብሪ፡ “ንክርስቶስ ኣይገበርኩሉን” ኪበሃል ይከኣልዶ፧ ኣብ’ዚ ሓላፊ ሰብ ንዝገበርናዮ ግብሪ፡ ዘለኣለማዊ ፍርዲ ወይ ዓስቢ ዚወሃበሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ ድዩ፧ በቲ ኣካሉ ዝዀነ ሰብ ጌርና፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ጐይታ ስለ ዘረኻኸብናሉዶ ኣይኰነን፧ ነዛ ሓቂ’ዚኣ ከም ዚግባእ ስለ ዘይተረዳእናያን ስለ ዘይተመራሕናላን እኮ’ዩ፡ ንህይወትና ብዓመጻን ሓጢኣትን ኣጋዕዚናዮ ዘለና። እቲ ንሰብ እንገብሮ ግብሪ፡ ንኣምላኽ ንገብሮ ኸም ዘለና ዘይምስትውዓልና፡ ነቲ ሰናይና ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርና ኸይንገብሮ ይዕንቅፈና፡ ከምኡ’ውን ነቲ እኩይ ግብርና፡ ብዝኸፍአ መልክዑ ኽንገብሮ ይደፍኣና ኸም ዘሎ ዕለታዊ ናብራና ዚምስክሮ ሓቂ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ገና “ሳውል” ዝስሙ ኣሳዳዲ ኸሎ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ መዛሙርቲ ጐይታ ብሕሱም ጭካነ በደል ይፍጽም ነበረ። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ከኣ ብቕንኣት ኣምላኽ ተደሪኹ ዚገብሮ ተግባር ምንባሩ’ዩ። ሓደ መዓልቲ ግን ጐይታን ኻብዚ ጽላለ’ዚ ኺመልሶ ብምሕረቱ ወሰነ’ሞ፡ ዓይኒ ብዜዕዉር ጸዳል ብርሃን ተገሊጹ፦
“ሳውል ሳውል ንምንታይ እትሰጕጐኒ፧ . . . ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጕጎ ዘለኻ ኢየሱስ’የ።” በሎ (ግብ 9፡4,5)። ሳውል፡ ምስ ሰባት ዝገጠመ መሲልዎ፡ ከይተረድኦ ምስ መለኮት ከም ዝገጠመ ምስ ኣስተውዓለ፡ 180 ዲግሪ ተጠውዩ መገዱ ኣስተኻኸለ። ይሕመቕ ይጽብቕ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብምስልን ኣርኣያን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ እንገብሮ ዅሉ ተግባር፡ ቀንዲ ተቐባቢሉ እግዚአብሔር ምዃኑ ፈሊጥና፡ ነቲ እንገብሮ ዅሉ ጽቡቕ ግብሪ፡ ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕን ከም ዚምጥንን ጌርና ኽንገብሮ፡ ክንገብሮ ንዝሓሰብና እኩይ ግብሪ ድማ ኣብ ኣምላኽ’ምበር ኣብ ሰብ ንገብሮ ኸም ዘየለና ኣስተውዒልና ኽንእደብ ይግብኣና፡ ብዛዕባ ሓጢኣትና ኽንንሳሕ ኣብ እንቐርበሉ እዋን’ውን፡ በዚ ርድኢት’ዚ ኽንቀርብ’ዩ ዚግባእ። ቅዱስ ዳዊት ንውሓት ዘመን ዘየህስሶ ጸሎተ-ንስሓ ኬቕርብ ዝኸኣለ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኡርያን ባትሴባን ዝፈጸሞ ሓጢኣት፡ ነዚ ሓቂ’ዚ መሰረት ብምግባር ስለ ዝተነስሐ’ዩ።
“ብዘረባኻ ጻድቕ፡ ብፍርድኻውን ንጹህ ኴንካ ኽትርከብሲ፡ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፡ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ”። መዝ 51፡4
ስለ’ዚ ሰናይ ግብርና እምብዛ ምእንቲ ኺበዝሕ፡ ካብ ምብዛሕ ሓሊፉውን ንኣምላኽ ዜስምር ብቑዕ ግብሪ ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንእንገብሮ ዅሉ ሰናይ ተግባር፡ ንኣምላኽ ኢልናን ንኣምላኽ ከም ዚምጥን ጌርናን ጥራሕ ክንገብሮ ይግብኣና ማለት’ዩ። ክንልግስ እንተ ሓሲብና’ሞ፡ ንኣምላኽ ኢልና ንገብሮ እንተ’ሊና፡ በቲ ናይ ልግሲ ጸጋ ኣዚና ዕዙዛት ክንከውን ኢና። ካልእ ኵሉ ሰናይ ተግባራት’ውን ብእኡ መጠን ኪዓዝዝ’ዩ። ንሰናይ ግብርኻ፡ ንሰብ ኢልካን ንሰብ ከም ዚምጥንን ጌርካ ምግባር፡ ንቤትካ ብወርቂ ገዲፍካ ብሓሰር ከም ምህናጽ’ዩ። ብኣንጻሩ ሰናይ ግብርካ ንኣምላኽ ኢልካን ንእኡ ኸም ዚምጥንን ከም ዚበቅዕን ጌርካ ኣብ ልዕሊ ሰብ ምግባር ድማ፡ ንዘለኣለማዊ ቤትካ ብሓሰር ገዲፍካ ብወርቂ ናይ ምህናጽ ብልሂ ምርጫ’ዩ።
ሕጂ ዚተርፈና’ምበኣር፡ ናይ ንስሓን ናይ ውሳነን ጕዳይ’ዩ። ህድእ ኢልና ንህይወትና ብዕምቈት ንመርምር’ሞ፡ ብዛዕባ’ቶም ንኣምላኽ ኣወጊድና ብዕሽነት ዘበላሽናዮም ሰናይ ግብርታትና ቃልዓለም ዘይብሉ ሓቀኛ ንስሓ ንእተው። ብዛዕባ ናይ መጻኢ ግብርና ድማ ብዘይካ ንኣምላኽ ኢልና’ምበር ንሰብ ወይ ንርእስና ኢልና ኸይንገብር ጽኑዕን ዘይንቕነቕን ውሳነ ንወስን። ነቲ ንጽቡቕ ግብርና ባዕላትና ናይ ምብልሻው ዓሻ ምርጫ ንደርብዮ። ንደረጃ (standand) ናይ ግብርና ካብ’ቲ ትሑት ናይ ሰብ ደረጃ፡ ናብ’ቲ ልዑል ናይ ኣምላኽ ደረጃ ክብ ከም ዚብል ንግበሮ። ከመዮ ነብዪ ኢሳይያስ፡
“ክቡር ሰብ ግና ክቡር ሓሳብ ይሓስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ ዝበሎ፡ ንኣምላኽ ዚበቅዕ ግብሪ ናይ ምግባር ክቡር ምርጫ ኣልዒልና፡ ንነፍስና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ነኽብራ። (ኢሳ 32፡8)።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ሰነ ፲፪, ፳፻፲፬ ግዕዝ (19 ሰነ 2022 ፈ).[መበል 42 ሰንበት: ቊ.60/፶፰]፶] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ሮሜ 2፡1-12 ዲያቆን | 3 ዮሃ 1፡1-ፍጻመ | ግብ 14፡20-ፍጻመ | ማቴ 22፡1-14 | ዘእግዚእነ |
መዝ ፹፭(፹፮)፡፭-፮ “አንተሰ እግዚኦ መሐሪ ወመስተሣህል። ርኁቀ መዓት ወብዙኀ ምሕረት ወጻድቅ። ነጽር ላዕሌየ ወተሣሃለኒ።” “ዎ እግዚኣብሄር፡ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፡ ናባኻ ዜእውዩ ዅላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ’ሞ፡ ጐይታየ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ