“ንሕና’ ነሕዋት)ና) ነፍቅሮም ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞትሲ ናብ ህይወት ከም እተሳገርና ንፈልጥ (ኢና)። እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብር።” 1ዮሃ 3፡14
እዚ ሰንበት’ዚ፡ ድሕሪ ትንሳኤ ሓምሻይ ሰንበት’ዩ። ሊቃውንቲ ቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኸኣ “አርአየ ሥልጣኖላዕለ ሞት” (ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣኑ ኣርኣየ)” እናበሉ ዚዝምሩሉ ዕለት ከኣ’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓያል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ሞት ኣጽኒዑ ኺሕዞን ኣብ መቓብር ኬትርፎን ኣይከኣለን። ንሓይሊ ሞት ስዒሩ፡ ንማእሰር ሞት ፈቲሑ ብዓወት ተንስአ (ግብ 2፡24)። ንርእሱ ጥራሕ ግን ኣይኰነን። ንዅሉ ዘርኢ ኣዳም ካብ ሓይሊ ሞት መንዚዑ ዜተንስኣሉ ዓወት’ዩ ዝተዓወተ። ትንሳኤ ክርስቶስ፡ መሰረት ናይ ትንሳኤ ሙታን’ዩ። ክርስቶስ ካብ ሞት እንተ ዘይትንስእ፡ ተስፋ ትንሳኤ ፈጺሙ ኣይምሃለወናን ነይሩ። ትንሳኤ ክርስቶስን ትንሳኤናን ፈላሊኻ ክትርእዮን ክትገልጾን ኣይከኣልን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ትንሳኤ ምዉታት ዘየልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስአን።”
ብምባል ትንሳኤ ክርስቶስን ትንሳኤናን ቀጥታዊ ዝምድና ኸም ዘለዎ ዘረጋገጸልና (1ቈረ 15፡13,16 ካ.ት)። ስለ’ዚ እዚ ኣብ ልዕሊ ሞት ዘርኣዮ ስልጣንን ዝተጐናጸፎ ዓወትን፡ ኣብ መቓብር ኣብ ዘለዉ ምዉታት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቶም ገና ብህይወት ዘለና’ውን ተጋሂዱ’ዩ። ነዚ ኸኣ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ከም እንሳገር ብምግባር ፈጸሞ።
ጐይታና ብኸመይ’ዩ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዜሳግረና፧ ንመን’ዩኸ ዜሳግሮ፧ ጐይታና ብኸመይ ከም ዜሳግረና ባዕሉ ብልሳኑ ገሊጹልና’ዩ። ብኸመይ ጥራሕ ዘይኰነስ ንመን ከም ዜሳግሮ’ውን ኣነጺርዎ’ዩ።
“ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋን’ውን ከም ዚገበሮም፡ ወልድ ድማ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም’ዩ። .... ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ንቓለይ ዚሰምዕ (ዚእዘዝ)፡ በቲ ዝለኣኸኒውን ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር’ምበር፡ በቲ ናብ ፍርዲ ኣይኪበጽሕን’ዩ። እቶም ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ’ያ፡ እቶም ዚሰምዕዎ (ዚእዘዝዎ) ዘበሉ ብህይወት ከም ዚነብሩ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኹም ኣለኹ። .... እቶም ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ’ያ’ሞ፡ በዚ ኣይትገረሙ። ሽዑ እቶም ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እቶም ክፉእ ዝገበሩ ድማ ናብ ትንሳኤ ዅነኔ ኪኸዱ’ዮም።” ዮሃ 5፡21,24,25,28,29 ካ.ት
ንምዉታት ህያዋን ምግባር ማለት፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም ዚሳገሩ ምግባር ማለት ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ኣብ’ዚ ቓል ናይ ጐይታና ግን ክልተ ዓይነት ሞት ከም ዘሎ ተገሊጹ ኣሎ። እቶም ቀዳሞት ምዉታት (ጥ.25) ገና ናብ መቓብር ዘይኣተዉ ምዉታት’ዮም። እዚ ማለት ከኣ፡ ብኣካለ ስጋ ገና ብህይወት ዘለዉ፡ ብመንፈስ ግና ምዉታት ዝዀኑ ሰባት’ዮም። እዚ መንፈሳዊ ሞት’ዚ ኸኣ ብሰሪ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ዝሞትዎ ሞት’ዩ። ኣብ ፍቕዲ 24 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ካብ’ዚ ሞት’ዚ ዚትንስኡ ብእምነትን ብተኣዝዞን’ዩ። ነቲ ዝሰምዕዎ ቓል ኣሚኖም ምስ ዚእዘዝዎ፡ ካብ መንፈሳዊ ሞት ናብ ህይወት ይሳገሩ። እዞም ሰባት’ዚኣቶም ብመንፈስ ህያዋን እናሃለዉ ብስጋ እንተ ሞይቶም ኣብ ትንሳኤ ሙታን “ትንሳኤ ህይወት” ኪትንስኡ’ዮም። ብመንፈስ ህያዋን ናይ ምንባሮም ምልክት ከኣ፡ “ሰናይ ዚገብሩ” ምዃኖም ኣብ ፍቕዲ 29 ተነጺሩ ኣሎ።
እቶም ካልኦት ምዉታት ከኣ፡ ብኣካለ ስጋ ሞይቶምሲ ኣብ መቓብር ዘለዉ’ዮም። እዞም ምዉታት’ዚኣቶም ዚሰምዕዋ ድምጺ፡ እታ ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ እትስማዕ ናይ ቅዱሳን መላእኽቱ ድምጺ መለኸት’ዩ። እዚ ድምጺ’ዚ ምስ ተሰምዐ እቲ በስቢሱ ዝፈረሰ ስጋኦም ለቢሶም፡ ነፍሶም ናብ ስጋኦም ተመሊሳ ኸም’ቲ ናይ ቀደሞም ምሉኣትን ህያዋንን ኰይኖም ኣብ ቅድሚ’ቲ ፈራዲኦም ጐይታ ኪቘሙ’ዮም። እቶም ብመንፈስ ህያዋን ከለዉ ብስጋ ዝሞቱ፡ ትንሳኤኦም “ትንሳኤ ህይወት”ኪኸውን’ዩ። እቶም ብመንፈስ ምዉታት ከለዉ ብስጋ ዝሞቱ ድማ፡ ትንሳኤኦም “ትንሳኤ ኵነኔ” ኪኸውን’ዩ። ገና ብህይወተ-ስጋ እናሃለዉ፡ ብመንፈስ ምዉታት ናይ ምንባሮም መረጋገጺ ኸኣ እቲ ኽፉእ ግብሮም’ዩ። ስለ’ዚ ብክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ሞት ናብ ህይወት ምስጋርና ዚረጋገጽ፡ በቲ እነዘውትሮ ዓይነት ግብርን እንነብሮ ዓይነት ናብራን’ዩ። እቲ “ንቓለይ ዚሰምዕ” ዚብል ቃል፡ “ንቓለይ ዚእዘዝ” ማለት ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ምኽንያቱ ድምጹ ብእዝንኻ ኣትዩ ስለ ዝሰማዕካዮ ጥራሕ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዚስገር እንተ ዚኸውን፡ ሲኦል ጾማ ምነበረት ነይራ። እቶም ጽዉዓት ኣዚና ብዙሓት ክነስና፡ እቶም ሕሩያት ኣዝዮም ውሑዳት ዚዀነሉ ምኽንያት፡ እቲ ዝሰማዕናዮ ቓል ኣብ ስጋናን ኣብ ናብራናን ናብ ግብሪ ስለ ዘይተለወጠ’ዩ።
ፍቕሪ ብኸመይ’ያ ካብ ሞት ናብ ህይወት እተሳግረና፧ ናይ ፍቕሪ ባህርይ ኣዝዩ ፍሉይን መስተንክርን’ዩ። ንሳ ንባዕላ ርእሳ ዝኸኣለት ሰናይ ግብሪ ኽነሳ፡ ንዅሉ ሓጢኣት ከተርሕቕ፡ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ድማ ክትፍጽም እተኽእል ተወራሲት መለኮታዊት ባህርይ’ውን’ያ። ንዅሉ ሰናይ ግብርን፡ ንዅሉ ኣገልግሎታትን ውህበታትን ትርጒም እተልብስ፡ ተቐባልነት እተውሕስ ብምዃና ድማ ልዑል ክብሪ ዘለዋ ባህርይ’ዩ። ጐይታና ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ንፍቕሪ ገሊጾምሉ ዘለዉ ቕጽላት፡ ንፍሉይነታን ንኽብራን ዚገልጽ’ዩ።
1. ቀዳመይትን ዓባይን ትእዛዝ ማቴ 22፡40፣ ማር 12፡30,31
2. ዝበለጸት መገዲ 1ቈረ 12፡31፣ 1ቈረ 13፡13)
3. መደምደምታ ሕጊ ሮሜ 13፡10 (ቀ.ት፡ ካ.ት)
4. ማእሰር ፍጻመ ቈሎ 3፡14 (ቀ.ት + ካ.ት)
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ጐይታና ናቱ ደቀ መዛሙርቲ ምዃንና ሰባት ዚፈልጡሉ መለለዪት ባህርይ፡ ፍቕሪ ምዃና ብንጹር ነጊሩና’ዩ (ዮሃ 13፡35)። ስለ’ዚ ንፍቕሪ ደርቢኻ፡ ንጽልኢ ኣብ ህይወትካ ኣንጊስካ፡ “ክርስትያን’የ፡ ወደ መዝሙር’የ” ኢልካ ምሕሳብ ኰነ ምዝራብ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጥዕናኻ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ’ውን ኣብ ትሕቲ ምልክት ሕቶ ዜውድቐካ’ዩ። ንክርስትናስ ብዝተጠበረ ልቢ ትጐዓዞ ኣለኻ ማለት’ዩ። እዚ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ፡ ንፍቕሪ ዝተዋህበ መለለዪ ቕጽላት፡ ብዘይ ፍቕሪ ፍጹምነት ምብጻሕ ከም ዘይከኣል፡ ንሕጊ ኣምላኽ ብዘይ ፍቕሪ ኽንትግብሮን ክንእዘዞን ከም ዘይንኽእል ዜረጋግጸልና’ዩ።
ጐይታና ብሓደ ፈሪሳዊ ጸሓፊ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኺምልስ ከሎ፡ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን ሓደ ትእዛዝ ምዃኑ፡ ንእኡ ዚቕድምን ካብኡ ዚዓብይን ካልእ ትእዛዝ ከም ዘየልቦ ብኣጽንዖት መለሰ (ማቴ 22፡34-40)። ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ተሪኹልና ኸም ዘሎ፡ እቲ ነዚ መልሲ’ዚ ዝሰምዐ ሓታቲ፦
“መምህር፡ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛሪብካ፡ .... እዚ (ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ብጻይን) ካብ ኵሉ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ዚዓብይ’ዩ።”
ብምባል ተኣመነ። ጐይታና ኸኣ፡ እቲ ሰብኣይ በእምሮ (ብምስትውዓል) ከም ዝመለሰ ምስ ረኣየ፡ “ንስኻ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን።” ብምባል መንፈሳዊ ደረጃኡ ኣበይ ከም ዘብጽሖ ኣበሰሮ (ማር 12፡28-34)። እምበኣር ልዕሊ ዅሉ መስዋእቲ፡ ልዕሊ ዅሉ ኣገልግሎት፡ ልዕሊ ዅሉ ውህበታት እትስራዕ፡ ፍልይትን ክብርትን ባህርይ’ያ። ጐይታና፡ ብሙሴ ዀነ ብኻልኦት ነብያት ዝተዋህበ ዅሉ ሕግታት ኣብ ፍቕሪ ተሰቒሉ፡ ተሓቝፉ፡ ተጠርኒፉ ኸም ዘሎ ኣረጋጊጹልና’ዩ (ማቴ 22፡40)። እዚ ማለት ከኣ፡ ብዘይ ፍቕሪ ዝዀነት ትኹን ትእዛዝ ክንፍጽም ከም ዘይንኽእል፡ እንተ ገበርናዮ’ኳ ትርጒምን ተቐባልነትን ዘይብሉ ዀይኑ ኸም ዚተርፍ ዜረጋግጽ’ዩ። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ’ምበኣር’ዩ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር።” ብምባል ዝመዓደና (1ቈረ 16፡14)። ነዚ መንፈሳዊ ሓቂ’ዚ ብግብራውን ስእላውን መገዲ ምእንቲ ኼርእየና ኸኣ፡ ንፍቕሪ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ብስፍሓት ገለጸልና።
“ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኵሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል’ያ፡ ፍቕሪ ለዋህ’ያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ’ምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኵሉ ትጸውር፡ ኵሉ ትኣምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት እንተሎ’ውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡” 1ቈረ 13፡1-8
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ኸም እንግንዘቦ፡ ኵሉ ኣገልግሎትናን ውህበታትናን መስዋእትነትናን፡ ብፍቕሪ’ዩ ተቐባልነትን ጻማን ዚረክብ። ንሱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካብ ኵሉ እኩይ ግብሪ ርእስና እነንጽሃሉ እንኮ መገዲ፡ ፍቕሪ’ዩ። ካብ ጃህራ፡ ትዕቢት፡ ቅንኢ፡ ስድነት (ምስትሕፋር)፡ ርእሰ ፍትወት፡ ስሰዐ፡ ቍጥዓ፡ ቂምታ፡ ዓመጻ እንድሕን ብፍቕሪ ጥራሕ’ዩ። ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሓቂ፡ ጹረት፡ እምነት፡ ተስፋ፡ ትዕግስቲ ድማ ብናይ ፍቕሪ ኣኽኣልነት ጥራሕ ከም እንፍጽሞ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ፍቕሪ ኣብ ውሽጥና ክትስረትን ክትመልእን ከላ፡ ንዅሉ’ቲ ፍረ መንፈስ ሒዛ’ያ እትኣትው። ነቲ ናታ ዘይኰነ ዅሉ እኩይ ባህርያትን መጋብርን ከኣ ጸራሪጋ ብምውጻእ፡ ናይ ብሓቂ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ንኣምላኹ ዚመስል ሓድሽ ሰብ’ያ እትገብረና። ፍቕሪ፡ መኣዛ ኣምላኽ፡ መኣዛ ክርስቶስ’ያ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ እቲ ሃዋርያዊ ቓል፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ብምባል ነቲ ምስጢር ዘግሃደልና (1ዮሃ 4፡7)። ንሕና’ውን ልክዕ ከም’ቲ ብምስሉ ዝፈጠረና ኣምላኽ፡ ንፍቕሪ መኣዛናን መንነትናን ክንገብራ እንተ ኸኣልና፡ ሽዑ ኢና ኻብ ሞት ናብ ህይወት ከም ዝተሳገርና ርግጸኛታት እንኸውን።
ፍቕሪ፡ ናይ ህይወት ፍረ፡ ጽልኢ ግና ናይ ሞት ፍረ’ያ። መበቈል ፍቕሪ፡ ኣምላኽ’ዩ፡ መበቈል ጽልኢ ግና ሰይጣን’ዩ። ሰይጣን ከኣ ብሓጢኣትን ብሞትን’ዩ ዚገዝእ። ነቶም በቲ ናቱ ግብሪ ዜገልግልዎ ባሮቱ ብሞት’ዩ ዚጓስዮም። ቅዱስ ዳዊት ንሓጥኣን ኣመልኪቱ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ እንኪገልጽ፦
“ከም ኣባጊዕ ኪሞቱ ኵኑናት (ፍሩዳት)’ዮም፡ ጓሳኦም ከኣ ሞት’ዩ። .... “ ኢሉና ኣሎ (መዝ 49፡14 ካ.ት)። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ኣብ’ቲ መሪሕ ጥቕስና ገሊጽዎ ንዘሎ ሓቂ’ምበኣር ተመሊስና ንርኣዮ። ካብ ናይ ሞት ጒስነት እነምልጠሉ እንኮ መዋጽኦ፡ ፍቕሪ’ዩ። እቲ ዘየፍቅር፡ እቲ ዚጸልእ ሰብ፡ ኣብ ሞት’ዩ ዚነብር። ብኣካለ ስጋ ሞይቱ ናብ መቓብር ምስ ኣተወ ኣይኰነን ኣብ ሞት ዚነብር። ገና ብስጋ ብህይወት እናሃለወ’ዩ ኣብ ሞት ዚነብር። ጽልኢ፡ ናይ ሞት መኣዛ’ዩ። ጽልኢ፡ ናይ’ቲ መንፈሳዊ ኵነተ-ህላዌና (spiritual state) ምልክትን ጒሳዕን’ዩ። ኣብ’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ዝመጐተሉ ምዕራፍ፡ ጐይታና ብትንሳኤኡ ነቲ “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ” ዚብል ትንቢት ፍጻመ ኸም ዝገበረሉ ኣበሲሩና ኣሎ (ኢሳ 25፡8)። ኣስዒቡ ኸኣ፦ “ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት’ዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣት’ውን ሕጊ እዩ።”
ኢሉ ኣፍለጠና (1ቈረ 15፡55,56)። ጽልኢ ኸኣ እቲ ዝኸፍአ ሓጢኣት’ዩ። ስለ’ዚ ጽልኢ ንውሽጥና ኺመልኦን ኬቃጽሎን ከሎ፡ ብብልሒ ሞት ተወጊእና ኣለና ማለት’ዩ። ካብ’ዛ ብብልሒ ሞት እንጓሰየላ ናይ ጥፍኣት ናብራ እነምልጠላ እንኮ መዋጽኦና፡ ፍቕሪ’ያ። ነቲ ኣብ ውሽጥና ዝሓደረ ጽልኢ ብንስሓ ብደም ክርስቶስ ሓጺብና ምስ ኣጽረናዮ፡ መንፈስ ቅዱስ በቲ ፍረ መንፈስ ዝዀነ ፍቕሪ ይመልኣና።
ረብሓ ናይ’ዛ ህይወታዊት ፍቕሪ እንታይ’ዩ፧ ብኸመይከ’ዩ ዚግለጽ፧ ረብሓታት ፍቕሪ፡ ይትረፍ ኣብ’ዚ ሓጺር ጽሑፍ’ዚ ኣብ ሓደ ዓብይ መጽሓፍ ጽሒፍካ’ውን ዚውዳእ ኣይኰነን። መጠናዊ ርድኢት ንኽንረክብ ብውሑዱ ነዞም ዚስዕቡ ነጥብታት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና።
1. ፍቕሪ፡ መርትዖ ውልድነት፦ እቲ “ሃዋርያ ፍቕሪ” ዝተሰምየ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ነዚ ረብሓ’ዚ፦
“ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ’ያ’ሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ’ዩ፡ ንኣምላኽ’ውን ይፈልጦ’ዩ።”
ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (1ዮሃ 4፡7)። ከም’ቲ ንሕና ኻብ ናይ ስጋ ወለድና ኽንውለድ ከለና፡ ባህርይን መልክዕን ቅርጽን ናይ ወለድና ሒዝና እንውለድ፡ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚአብሔር ኣቦ ኽንውለድ ከለና’ውን ነቲ ናቱ ባህርይ ኢና እንወርስ። “ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ” እንተ ኢልና፡ ንሕና’ውን ልክዕ ከምኡ ፍቕሪ ኽንከውን’ዩ ዚግባእ። ነስተውዕል! መፍቀርቲ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ፍቕሪ ኽንከውን’ዩ ጽውዓና። ሽዑ ኢና እቲ መልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ከም ዘሎና ርግጸኛታት እንኸውን። ብፍቕሪ ፍጹማት ናብ ምዃን እንዓብይ፡ ፍቕርና መንነትና ኽሳዕ ምዃን ምስ እትዓብይ’ዩ። ብዛዕባ ኣዝዮም መፍቀርቲ ዝዀኑ ሰባት ርእይቶ ኺወሃብ ከሎ፡ “ንሱ ፍቕሪ’ዩ” ኺበሃል ከሎ ይስማዕ’ዩ። ፍቕሪ ኽሳዕ ምዃን እንተ ዓበና ኢና፡ ፍቕርና ከቶ ዘየቋርጽን ዘይጐድልን ዚኸውን። ዳርጋ ዅላትና ንዘፍቀረና ጥራሕ ኢና እነፍቅር። ካብ’ቲ ዘፍቀርናዮን ዘፍቀረናን ሰብ ገለ በደል ምስ ዚወርደና፡ ወይ’ውን ንሱ ምስ ዚጸልኣና፡ ምስኡ ፍቕሪ ዝነበረና ኽሳዕ ዘይንመስል፡ ብጽልኢ ንምላእ። ከም’ዚ ዘመሰለ፡ ግና ሓድጊ ዘይገድፍ ፍቕሪ፡ ፍቕሪ እንስሳ’ምበር ፍቕሪ ሰብ ኪበሃል ኣይክእልን’ዩ። ገሊኦም እንስሳታት ነቲ ዜፍቅሮምን ዚከናኸኖምን ሰብ ዜርእይዎ ፍቕሪ፡ መብዛሕትኡ ሰብ’ኳ ዘይክእሎ ፍቕሪ’ዩ። እታ ውልድነት ኣምላኽ ከም ዘሎና፡ መልክዕ ኣምላኽ ከም ዝለበስና እተረጋግጸልና ፍቕሪ ግን፡ ንዚብድለናን ንዚጸልኣናን ሰብ’ኳ ብዕዙዝ ፍቕሪ ኸነፍቅር እተኽእል’ያ። ምኽንያቱ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ከም እትመስል፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ተገሊጹልና ኣሎ።
“ገና ድኹማት ከለና፡ ክርስቶስ ብጊዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ። .... ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ’ዩ’ሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርእይ ኣሎ። .... ጸላእቱ ኸለና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና፡ ካብ ተዓረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕን።” ሮሜ 5,6,8,10
“ንሕና ዅላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና፡ ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ’ታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንሕና፡ ብበደልና ምዉታት ከለናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም።” ኤፌ 2፡3-5
“ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።” 1ጴጥ 3፡18
ካብ’ዚ ዝጐደለት ፍቕሪ፡ ውልድነት ከተረጋግጽ ኣይትኽእልን’ያ። ምኽንያቱ ንዝበደለካን ንዚጸልኣካን ዘይትኸውን ፍቕሪ፡ ናይ ኣምላኽ ፍቕሪ ኣይኰነትን። ጐይታና ድማ ነቶም ደለይቲ ጽቡቕናን ከወንትናን ነቶም ዜፍቅሩናን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንጸላእትናን ንደለይቲ ኽፉእናን ብዝያዳ ኸነፍቅር ክንምርቕ፡ ሰናይ ክንገብር ከም ዚግብኣና ኣፍሊጡና’ዩ።
“ኣነ ግና ንኣኻትኩም ንትሰምዑኒ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ጸላእትኩም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ። ንዚረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ። .... ንዚፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኹም፧ ሓጥኣንውን ንዚፈትውዎም ይፈትዉ እዮም። ሰናይ ንዚገብሩልኩም ጥራይ ሰናይ እንተ ገበርኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኹም፧ ሓጥኣንውን ከምኡ ይገብሩ እዮም። ኪፈድዩኹም ንትጽበይዎ እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኹም፧ ሓጥኣንውን ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሕዎም’ዮም። ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ሰናይ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚአብሔር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርህሩህ’ዩ’ሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን’ዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑል’ውን ክትኰኑ ኢኹም።” ሉቃ 6፡27,28,32-35 ካ.ት
ናብ ፍጹምነት እተብጽሓና ፍቕሪ፡ እዛ ፍቕሪ’ዚኣ’ያ። ኣብ’ታ ናይ ማቴ 5፡43-48 ተመሳሳሊት (parallel) ዓንቀጽ፡
“እምብኣርከ፡ ከም’ቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም’ውን ፍጹማት ኰኑ።”
ተባሂሉልና ኣሎ (ማቴ 5፡48)። ፍጹምነት፡ ጽውዓናን ተልእኾናን’ዩ። ናብ’ዚ ፍጹምነት’ዚ እተብቅዓና ኸኣ እታ ንጸላእትና ኸነፍቅር እተኽእለና ኣምላኻዊት ፍቕሪ’ያ። ፍቕሪ፡ “ማእሰር ፍጻሜ’ያ” ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ ቈሎ 3፡14 ጐይታና፡ “ክንድ’ቲ ኣነ ዘፍቅሮ ኣፍቅሩ” ኣይበለናን። ምኽንያቱ ዓቕሚ መለኮትን ዓቕሚ ስጋን ኣዝዩ ዝተረሓሓቐን ዘይመጣጠንን’ዩ። በቲ ሰብኣዊ ዓቕምና፡ ከም’ታ ናቱ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኸነፍቅር ግን ግድነታዊ ትእዛዝ’ዩ።
“ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከም’ታ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ።” ዮሃ 13፡34
“ከም’ቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ ኣነ’ውን ከምኡ ኣፍቂረኩም ኣለኹ። ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። ከም’ቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ’ዩ። ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኬሕልፍ፡ ካብዚ ዚዓብይ ፍቕሪ የልቦን።” ዮሃ 15፡9,12,13
“ንሱ (ክርስቶስ) ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ ኣለና። ንሕና’ውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ኸነሕልፍ ይግብኣና’ዩ።” 1ዮሃ 3፡16
በዚ ናይ ጐይታናን ሃዋርያኡን ቃል መሰረት፡ ፍቕርና ብዓይነታ ኸም’ታ ናይ ጐይታ ኽትከውን’ዩ ዚግብኣ። ዓይነታ ምስ ተረጋገጸ፡ ብድሕሪኡ ብዛዕባ መጠና (ብዝሓ) ኽንሓስብ ንኽእል ኢና። ዓይነቱ ዘይጠዓየ ፍቕሪ፡ ብመጠኑ እንተ በዝሐ፡ ጒድኣት የብዝሕ’ምበር፡ እንታይ ካልእ ረብሓ ኣለዎ። ዓይነቱ ዘይጠዓየ ፍቕሪ ኣዝዩ እንተ በዝሐ፡ ኣብ መወዳእታኡ ናብ ዝኸፍአን ዝኸበደን ጽልኢ ምልዋጡ ኣይተርፎን’ዩ። ብዓይነቱ ክርስቶሳዊ ዝዀነ ፍቕሪ ግን፡ ኣብ ጊዜ በደልን ጽልእን ብዝያዳ እናበዝሐን እናደመቐን’ዩ ዚኸይድ። እታ ኻብ ኣምላኽ ዝወረስናያ ፍቕሪ፡ በደል ኣሕዋትካ ክሳዕ ምዕጋስን ምጻርን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ምእንቲ በደልትኻ ህይወትካ በጃ ኽሳዕ ምሕላፍ’ያ እትምጠጥ።
2. ፍቕሪ፡ ብርሃን ናይ ህይወት’ያ፦ ኣብ ፍቕሪ ዘየለ ሰብ፡ ኣብ ጸልማት’ዩ ዚነብር። ኣብ ጸልማት ዚነብርን ዚጐዓዝን ሰብ ከኣ፡ ኵሉ ጊዜ ኺጋገይን፡ ኪዕንቀፍን፡ ኪወድቕን ኪስበርን’ዩ ዚነብር።
“ከም ብሓድሽ ብእኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ጸልማት ሓሊፉ እዩ እሞ፡ እቲ ብርሃን ሓቂ’ውን ድሮ እኳ የብርህ አሎ። ኣብ ብርሃን አሎኹ፡ ዚብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። እቲ ንሓዉ ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብር፡ መዓንቀፊ’ውን ኣብኡ የልቦን። እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማትውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።” 1ዮሃ 2፡8-11
ብርግጽ፡ እቲ ጸልማት፡ መንፈሳዊ ጸልማት’ዩ። መንፈሳዊ ዑረት ኣጥቂዑና ስለ ዘሎ ግዳ፡ ነቲ መንፈሳዊ ጸልማት ኸነለልዮ ኣይከኣለናን’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።”
ኢሉና ከም ዘሎ፡ ጽልኢ “ኣብ ጸልማት ምንባር” ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንርእስና “ጸልማት” ክሳዕ ምዃን ዜበላሽወና’ዩ (ኤፌ 5፡8-10)። ጐይታና፡
“ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም፡ .... ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።”
ኢሉና’ሎ (ማቴ 5፡14,16)። ህይወት ክርስቶስ ንኣና ብርሃንና’ያ (ዮሃ 1፡4)። ብፍቕሪ ካብ ሞት ናብ ህይወት ምስ ሰገርና፡ እዛ ህይወት’ዚኣ፡ ንርእስናን ነቶም ዚዛመዱና ዅሎምን ብርሃን ትኸውን። ምኽንያቱ ፍቕርን እቲ ኣብኣ ተሓቝፉ ዘሎ ሰናይ ግብርን፡ ፍረ ብርሃን’ዩ። እቲ ኣብ’ዛ ምድራዊት ህይወቱ ብፍቕሩ ድሙቕ ብርሃን ኰይኑ ዝተመላለሰ፡ ናብ’ታ መንግስቲ ኣቦኡ ምስ ኣተወ፡ ብርሃኑ ኸም ብርሃን ጸሓይ ኪደምቕ’ዩ (ማቴ 13፡43)። ስለ’ዚ ግብሪ ብርሃን እንገብር፡ ኣጽዋር ብርሃን ዝዓጠቕና፡ ደቂ ብርሃን ኴንና ኽንመላለስ ቅዱስ ወንጌል ምዒዱና ኣሎ (ሮሜ 13፡12)።
እምበኣር ነዛ ህይወታውያን ብርሃናውያንን እትገብረና፡ ክብርቲ መንፈሳዊት ንብረት ዝዀነት ፍቕሪ ዘለኣለማዊት ንብረትና ኽንገብራ ይግባእ። ጽባሕ ንግሆ፡ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ደው ምስ በልና፡ ብዕዳ ፍቕሪ ኸም ዘይንሕተት ነረጋግጽ። (ሮሜ 13፡8)።
እምበኣር ህይወትና ንመርምር’ሞ፡ ኣብ ታኼላ ናይ ዕዳ ፍቕሪ ጥሒልና ኸይንህልው ነረጋግጽ። ፍቕርና ኣብ ዝደርበናሉ እዋን፡ ካብ ልዑል መንፈሳዊ ብራኸ ናብ ጥልቂ መዓሙቕ ጸልማትን ሞትን ወዲቕና ኸም ዘለና ኣስተውዒልና፡ ዝደርበናዮ ንብረትና ነልዕልን ንኣርንብን። ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ’ሞ፡ ንፍቕሪ ምድርባይ ማለት ንኣምላኽ ምድርባይ ማለት ምዃኑ ከቶ ኣይንዘንግዕ። ካብ ጸልማትን ካብ ሞትን እንኮ መዋጽኦና ፍቕሪ’ያ። እታ ኣምላኻዊት ፍቕሪ፡ ብርሃንናን ህይወትናን’ያ። ፍቕሪ ንዅሉ ትእዛዛት ኣምላኽ ክንገብር እተኽእለና መሳለጥያና’ያ። ፍቕሪ፡ ናብ ፍጹምነት እተብጽሕ ጥንታዊትን ጽብቕትን ጐደና’ያ። ናይ ፍቕሪ ድኻ ካብ ምዃን ዚኸፍእ ዕሽነት የልቦን’ሞ፡ ካብ’ዛ ቅድስቲ ባህርይ’ዚኣ ዘይምጕዳልናን ዘይምብኳርናን ወርትግ ነረጋግጽ። ብፍቕሪ፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት ንዝለል!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ግንቦት ፲፬, ፳፻፲፬ ግዕዝ (22 ግንቦት 2022 ፈ).[ መበል 37 ሰንበት: ቊ.49/፵፱] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
1ቈረ 15፡50-ፍጻመ | 1ዮሃ 3፡13-ፍጻመ | ግብ 2፡22-32 | ዮሃ 21፡15-ፍጻመ | ዘዲዮስቆሮስ |
መዝ ፻፮(፻፯)፡፲፭,፲፮ “ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ። ወመንክሮሂ ለዕጓለ እመሕያው። እስመ ሰበረ ኆኀተ ብርት።” “መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፡ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ’ዩ’ሞ፡ ንእግዚአብሔር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ