“ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ’ውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ፡ ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ’ዩ።” ሉቃ 24፡46,47።
“ንስኻ በጽሒ ኸለኻ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ፡ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል’ሞ፡ ካልእ ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደለኻዮ’ውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ”፡ በሎ።” ዮሃ 21፡18።
“ኢየሱስ ከኣ፡ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ’ሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ሽዑ ደርበይዎ’ሞ ካብ ብዝሒ’ቲ ዓሳ እተላዕለ ምስሓቡ ሰኣኑ። እቲ ኢየሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ፡ ንጴጥሮስ፡ ‘ጐይታና’ምበር’ዩ’ በሎ።” ዮሃ 21፡6,7።
“እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንኢየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ። ኢየሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን። ኢየሱስ ከኣ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ ንመንከ ትደልዪ አሎኺ፧” በላ። ንሳ ኸኣ ሓላው ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ።” ዮሃ 20፡14,15።
እዚ ሳምናይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ ሆሳእና ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነቲ ጐይታና ብኽብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ዝተፈጸመ ታሪኽ፡ መንፈሳዊ ትርጉሙን መልእኽቱን እንሓስበሉ ግዜ ድማ እዩ።
“ኒቆዲሞስ ከኣ፡ “እዚ ደኣ ከመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል፧” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ድማ መሊሱ በሎ፡ ‘ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝረኣናዮ’ውን ንምስክር ኣለና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። . . .” ዮሃ 3፡9-11።
“መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ’ሞ፡ ንገላውኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሃቦም’ዩ። ንነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ነቲ ኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ መኽሊት ሂብዎም ገሸ።” ማቴ 25፡14, 15።
“ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን ኪቐትሉኹምን’ዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም፡ ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪወሃሃቡ፡ ንሓድሕዶም’ውን ኪጸላልኡ’ዮም።” ማቴ 24፡9-10።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ