“....ኣምላኽ ኣቦታትና ብዝረኣኻዮን ብዝሰማዕካዮን ኣብ ኵሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኰኖን፡ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ (ኢየሱስ) ከኣ ክትርእዮን፡ ካብ ኣፉ’ውን ቃል ክትሰምዕ ቅድም ሓረየካ።” ግብ 22፡14,15
እዛ ሰንበት’ዚኣ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ መበል 51 ሰንበት’ያ። ኣምላኽ ንምድርናን ዘራእትናን ብዝናብ ዜጥልለሉ፡ ንሕና’ውን ምእኩት ምህርቲ ንምሕፋስ ብትግሃት እንሰርሓሉ ናይ ክረምቲ ወቕቲ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ነሓሰ 22 ክሳዕ ነሓሰ 26 ዘሎ ወቕቲ “ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ” (ዝናም ኣብ ጊዜኡ ይህበና) ዚብል መዝሙር ሰሪዓትልና ኣላ። እዚ መዓልቲ’ዚ ነሓሰ 22 ግ. ስለ ዝዀነ ኸኣ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን በዚ መዝሙር’ዚ’ዮም ንእግዚአብሔር ኬመስግኑ ዝሓደሩ። እቲ ነዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ብምግባር ዝተመርጸ ብዲያቆናትና ተመሪሕና ዜዘምናዮ ናይ መዝሙረ ዳዊት ምስባክ’ውን፡ ምስ’ቲ መዝሙርን ዘለናዮ ክረምታዊ ወቕትን ዚሳነይ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ምስባክ፦
“ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ፡ ንስኻ’ውን በብጊዚኡ ምግቦም ትህቦም። ኢድካ ትኸፍት’ሞ፡ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸትካ ተጽግቦ።” ዚብል ኪኸውን ከሎ (መዝ 145፡15,16)፡ እቲ ኻልኣይ ምስባክ ድማ፦ “ነቲ ንእንስሳን ንዚምህለሉ ጨቓዊት ኳዃትን ዚምግብ ዘምሩሉ። ንሓይሊ ፈረስ ኣይብህጎን። ....” ዚብል’ዩ (መዝ 147፡9,10)።
ዝናብ፡ ንመሬትን ንዘራእትን ኬፍርዩ ከም ዜኽእሎም፡ ንሰብ ጽድቂ ኺፈርይ ዜኽእሎ ኸኣ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥን ምግባርን’ዩ። እቶም ብመሰረት ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ዝተሰርዑ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓቝፎምዎ ዘለዉ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ንባብ ከኣ ነዚ ሓቂ’ዚ ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ንባብ’ዚ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ብዳርባ እምኒ ኪፍጽፍጾ ዝተኣከበ ህዝቢ ኣይሁድ፡ ብኸመይ ካብ እምነት ኣይሁድ ናብ እምነት ክርስትና ኸም ዝኣተወ ዝሃቦ ምስክርነት ዚገልጽ’ዩ። ካብ ኣሳዳዲ ፈሪሳዊ ናብ ምርኡይ ሃዋርያ ኸይተለወጠ ኸሎ፡ ንቤተ ክርስቲያን ከም ሕሱም ዘሳደደ ሕሱምን ገፋዕን ሰብ’ዩ ዝነበረ። ነቲ ናይ ሽዑ ተግባሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ዋዕላታትን መጋባእያታትን ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ናብ ኣብያተ ክርስትያን ዝለኣኾ መልእኽታት ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“.... ከም’ዚ ዅላትኩም ሎሚ ዘለኹምዎ ኸኣ፡ ብናይ ኣምላኽ ቀናእ ኰንኩ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ኣኣሲረ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፈ እናሃብኩ፡ ነዛ መገዲ (ክርስትና)’ዚኣ ኽሳዕ ሞት ሰጐጒክዋ። ምእንቲ ኪቕጽዑ ኸኣ ንኣታቶም ኣኣሲረ ናብ ኢየሩሳሌም ከምጽኦም .... ናብ ደማስቆ ምኻደይ ይምስክሩለይ’ዮም። .... ኣነ ንርእሰይሲ ምስ ስም ኢየሱስ ናዝሬታዊ ዚጻረር ነገር ክገብር ግቡአይ ምዃኑ ይመስለኒ ነይሩ። ነዚ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ገይረዮ። ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ተቐቢለ ንብዙሓት ካብ ቅዱሳን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተኽዎም፡ ኪቐትልዎም ከለዉ’ውን ሰመርኩ። ኣብ ኵሉ ኣባይቲ ጸሎት ድማ ብዙሕ ጊዜ እናቐጻዕኩ ብሓሳር (ንኣምላኽ) ኪጸርፉ አጽብበሎም ነበርኩ። ናብ’ተን (ካብ ሃገር) ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ክሳዕ ዝሰጒጎም፡ ኣዝየ ተሃንደድክዎም። .... ኣነስ (ንቤተ ክርስቲያን) ስለ ዝሰጐጒክዋ፡ ምንኣስ ኵላቶም ሃዋርያት’የ’ሞ፡ ሃዋርያ ኽስመይ ብቑዕ ኣይኰንኩን። .... ቀደም ብኣይሁድነት ክነብር ከለኹስ፡ (ንቤተ ክርስቲያን) ብዘይ ልክዕ ከም ዝሰጐጒክዋን ከም ዘዕነኽዋን ሰሚዕኩም ኣለኹም። ነቲ ስርዓት ኣቦታተይ ኣዝየ (ስለ ዝቐናእኩ) ኸኣ ካብ ብዙሓት ኣብ ህዝበይ ዘለዉ መሳቶይ ብኣይሁድነት ሓለፍ በልኩ። .... ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጒን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ፡ ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ፡ ምሕረት ረኸብኩ። ጸጋ ጐይታና ምስ’ቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን (ኣባይ) ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ።” ግብ 22፡3-5፣ 24፡9-11፣ ገላ 1፡13,14፣ 1ጢሞ 1፡13,14
ንኣምላኽ ቅንኣት እናሃለዎ ኸመይ ኢሉ’ዩ ኽንድ’ዚ ዚኣክል ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባትን ዝፈጸመ፧ ንኣምላኽ ክቱር ፍቕሪ፡ ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኽ ልዑል ፍልጠት፡ ንኣምላኽን ንሃይማኖቱን ከኣ ከም ሓዊ ዚነድድ ቅንኣት ዝነበሮ ሰብ’ዩ ዝነበረ። ከይተረድኦ ግን ንኣምላኽ ብምሉእ ሓይሉ ዚጻረርን፡ ንዅሉ ግብርታቱ ድማ ዜፍርስን ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ጠንቂ ናይ’ዚ ዅሉ ኣዕናዊ ባህርይን ተግባርን እንታይ ምንባሩ፡ እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና መሊሱልና ኣሎ። “ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ” ከም ዝተባህለ፡ ዘይምፍላጥ፡ ኣብ ጐደና ጥፍኣት’ዩ ዜመላልሰካ (ሆሴ 4፡6)። ሳውል ድማ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ዘጽንዐ ፈሪሳዊ ሊቅ ደኣ ይንበር’ምበር፡ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ዝነበሮ ፍልጠት ግን ካብ ናይ መሃይማን ዚሓይሽ ኣይነበረን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ ግብሪ ናይ’ቲ ዜፍቅሮን ዚቐንኣሉን ኣምላኽ ንኼፍርስ ክሳዕ ክንድኡ ዝተሃንደደ። ካልኦት ኣይሁድ ኣሕዋቱ’ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ንኣምላኽ ይጻረርዎ ኸም ዝነበሩ ባዕሉ ተኣሚኑ ኣሎ።
“ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ሃረርታ ልበይን ምእንትኦም ናብ ኣምላኽ ዘቕርቦ ጸሎትን፡ እስራኤላውያን ምእንቲ ኺድሕኑ’ዩ። ኣብ ዝተጋገየ ፍልጠት ዝተመስረተ ደኣ’ዩ’ምበር ብኣምላኾም ቀናኣት ከም ዝዀኑስ ኣነ እምስክረሎም ኣለኹ።” ሮሜ 10፡1,2 ካ.ት
ካብ’ዚ ቓል’ዚ’ምበኣር፡ ብፍልጠት ፍቓዱ ዝተማእዘነ ቕንኣት-ኣምላኽ፡ ጽድቂ ኺፈርይ ከሎ፡ ብባዶ ፍልጠትን ብግጉይ ፍልጠትን ዚምራሕ ቅንኣት ግን ምስ ኣምላኽ ኣብ ጽልእን ውግእን ኪጸምድ ከም ዚኽእል ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ጐይታና ኣብ መገዲ ደማስቆ ብጸዳል ብርሃኑ ምስ ተራኸቦን ንመኣዝን ኣተሓሳስባኡ ምስ ኣቕንዖን ግና፡ ሳውል “እንታይ ክገብር ትደልይ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ጐይታ ኸኣ፡ “ተንስእ’ሞ ናብ ከተማ እተው፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኣብኡ ኺነግሩኻ’ዮም” ኢሉ መለሰሉ (ግብ 9፡6፣ 22፡10) ። ጐይታ ድማ ብሓደ “ሃናንያ” ዝተባህለ ብዅሉ ሰብ ጽቡቕ ምስክር ዝተመስከረሉ ቅዱስ ኣገልጋሊኡ ገይሩ፡ ነዚ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ሰፊሩ ዘሎ ቓል ተዛረቦ (ግብ 22፡12)። ቅዱስ ጳውሎስ ኪገብሮ ዝተሰርዓሉ ተግባር፡ “ፍቓዱ ፈሊጡ ምስክሩ ኪኸውን” ኢልካ ኺጽመቝ ዚኽእል’ዩ። ብቑዕ ምስክር ዚገብረካ፡ ንፍቓዱ ኣነጺርካ ምፍላጥ’ዩ። ንሳውል ካብ ጨካን ኣዕናዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናብ ብልሓተኛ ሃናጺ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዝለወጠቶ፡ ነዛ ፍልጠት ፍቓዱ ምርካቡ’ያ።
ንሕና ዅላትና’ውን ክርስትያን ክነስና፡ ብሓጢኣት ዝተዓብለለ ውዱቕ ህይወት ክንነብር ዚገብረና ዘሎ፡ ኣብ’ዛ ዕንቅፋታ ዚበዝሕ ዓለም፡ ብዘይ ፍልጠት ፍቓዱ ንመላለስ፡ ንህይወትና ብፍቓድ ርእስናን ብፍቓድ ሰይጣንን ንመርሓ ምህላውና’ዩ። ከም’ቲ ኣሳዳዲ ሳውል ንፍቓድ ኣምላኽ ፈሊጡን ኣገልጊሉን፡ ናብ ቅዱስ ሃዋርያ ናብ ምዃን ዝዓበየ፡ ንሕና’ውን ነዚ ኣርኣያ’ዚ ተኸቲልና፡ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትናን መንነትናን ዓብይ ለውጢ ኽንገብር መንፈሳዊ ሓላፍነትና’ዩ።
ንፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ ክሳዕ ክንድ’ዚ ኣገዳሲ ዚዀነሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ኣብ’ዛ ዘለናያ ምድርን ኣብ ሰማያትን ዚፍጸም ኵሉ ፍጻመታት፡ ብፍቓድ ኣምላኽ’ዩ ዚፍጸም። ብፍላይ ኣባና ኣብ’ዞም ብኣርኣያኡ ዝተፈጠርና ሰባት፡ ካብ’ዚ ብሚልዮን ዚቝጸር ጸጒሪ ርእስና ሓንቲ’ኳ ብዘይ ፍቓዱ ኸም ዘይትረግፍ፡ ጐይታና ኣረጋጊጹልና’ዩ (ማቴ 10፡28-30)። እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ክርስትያናዊ ውልድነትናን መንነትናን ግዳ ክንደይ ኣዝዩ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይከውን፧ ንሕና ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ተወሊድና ውሉድ ኣምላኽ ክንከውን፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ዝረኸብናዮ ጸጋ’ምበር፡ ባዕላትና ብፍቓድና ዝመረጽናዮን ዝዀንናዮን ኣይኰነን። ቅዱሳን ሃዋርያት በቲ ቕዱስን ልኡላውን ፍቓዱ ዝወለደና ደቁ ምዃንና ኣረጋግጾምልና’ዮም።
“ናብ’ቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።” ዮሃ 1፡11,12
“በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና። .... ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸም’ቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳቡ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ። ንስኻትኩም’ውን ብእኡ ቓል ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሓተምኩም።” ኤፌ 1፡5,6,12,13
“በዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ’ዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደና።” ያእ 1፡18
ብፍቓድ ኣምላኽ ውልድነት ዝረኸበ ክርስትያን፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ዘመን ህይወቱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ልዕሊ ዅሉ ኻልእ ጒዳያት ኬገድሶ’ምበኣር፡ ትንተና ዘየድልዮ ብሩህን ውሁብን ሓቂ’ዩ። ብፍቓዱ ዝተወለድና፡ ብፍቓዱ ምእንቲ ኽንምራሕን ኣገልገልቲ ፍቓዱ ምእንቲ ኽንከውንን’ዩ። ብፍቓዱ ውልድነት ረኺብካ፡ ኸተብቅዕ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻ፡ ብፍቓድ ርእስኻ ባህ ከም ዝበለካ ዄንካ ምንባር ሰማይን ምድርን ዘይጾርዎ ኸቢድ ጥልመት’ዩ። ስለ’ዚ ሓደ “ውሉድ ኣምላኽ’የ” ኢሉ ዚኣምን ክርስትያን፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ምእዛዝን ምግልጋልን ከም ናይ ህይወቱ መሪሕ መርገጺ ኣጽኒዑ ኺሕዞን፡ ከም ኣጽዋር ኪዕጠቖን ዚግባእ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ነዚ ምዕዶን ትእዛዝን’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ጽሒፉልና ኣሎ።
“ደጊም ክርስቶስ (ብስጋኡ) ምእንታና ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ፡ (እቲ) (ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ ክርስትያን)፡ ንሱ ንሓጢኣት ሓዲግዎ’ዩ’ሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን (ህይወትኩም) ንፍቓድ ኣምላኽ’ምበር፡ ንፍትወት ሰብ (ወይ ንፍቓድ ስጋ) ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩም’ውን ነዚ ሓሳብ’ዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሓዝዎ። እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ ብመስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸለኹም፡ ፍቓድ (ሰብ) ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ዘመን ይኣክል’ዩ።”1ጴጥ 4፡1-3
ንፍቓድ ኣምላኽ ከመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ፧ ንምንታይ’ዩ ምፍላጥ ፍቓድ ኣምላኽ ቅድሚ ዅሉ ዚስራዕ፧ እቲ ምኽንያት ርዱእ’ዩ፡ ንዘይትፈልጦ ነገር ክትምርሓሉን ክትፍጽሞን ፈጺምካ ኣይከኣልን’ዩ። ብፍቓድ ኣምላኽ ዚምራሕ ህይወትን ናብራን ክንሃንጽ እንተ ዄንና፡ ኣቐዲምና ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ጒዳያትና ፍቓዱ ኣነጺርና ኽንፈልጥ ናይ ግድን’ዩ። ምስ ፈለጥና ኢና ናብ ትግባረ ኽንሰግር እንኽእል። እንተ ዘይኰነ ኸም ሳውል “ሃነጽቲ” ኽንከውን እናተገብኣና፡ “ኣዕነውቲ” ዄንና ኽንርከብ ኢና። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍላጥ ክንግደስ ቃል እግዚአብሔር ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ዚእዝዘና (ቈሎ 1፡9 ካ.ት ፣ ኤፌ 5፡17 ካ.ት፣ ሮሜ 12፡2 ካ.ት)።
ምፍላጥ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ኣገዳሲ ምዃኑ እንተ ፈሊጥና፡ ነቲ “ብኸመይ ንፈልጦ፧” ዚብል ሕቶ ኽንምልስዩ ዚግባእ።
1. ጸሎት፦ ንሕና ሰባት፡ ይትረፍ ናይ’ቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣምላኽ ሓሳባትን ፍቓድን ክንፈልጥ፡ ባዕሉ እቲ ሰብ እንተ ዘይገሊጹልና፡ ኣብ ጥቓና ናይ ዘሎ ኸማና ድኹም ሰብ ፍቓድ’ኳ ኽንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። መዓሙቕ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን ሓሳባቱን ፍቓዱን ከኣ መርሚርካ ኽትበጽሖ ከቶ ዘይሕሰብን ዘይከኣልን’ዩ (ሮሜ 11፡33-36፣ ኢሳ 40፡12-14፣ እዮ 11፡5-9፣ 38፡2-5)። እቲ ሓቂ እዚ ኻብ ኰነ’ምበኣር፡ እንኮ ተስፋና እግዚአብሔር ነቲ ምስጢር ፍቓዱ ኺገልጸልና ብትሕትናን ብቕንዕናን ምጽላይ ጥራሕ’ዩ። ብመንፈሱን ብቓሉን ገይሩ እንተ ዘይገሊጹልና፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኪፈልጥ ዚኽእል ሓደ’ኳ የብልናን። ስለ’ዚ ናይ ብሓቂ ነቲ ገላጽ ምስጢራት ዝዀነ ኣምላኽ ብጸሎት ካብ ምሕታት ወጻኢ ኻልእ ኣማራጺ ኺህልወና ኣይግባእን’ዩ። ንሱ እንተ ዀነ፡ ሳላ ሕያውነቱ፦
“ጸውዓኒ’ሞ ክመልሰልካ፡ ዘይትፈልጦ ዓብይን ስውርን ነገር ከኣ ክነግረካ’የ።”
ብምባል ንኽንልምኖ ዚዕድመናን ዚልምነናን ኣምላኽ’ዩ (ኤር 33፡3)። ዓይንና ርእያቶ፡ እዝንና ሰሚዓቶ፡ ልብና’ውን ሓሲባቶ ዘይትፈልጥ ምስጢራት ብመንፈሱ ገይሩ እናገለጸ ዚመርሕ ኣምላኽ’ዩ (1ቈረ 2፡6-12፣ ኤፌ 3፡2-5፣ ቈሎ 1፡26,27 ካ.ት)። ንሕና ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኽና ድሕሪ ምጽላይና፡ ንሱ ብኸመይ መገዲ ፍቓዱ ይገልጸልና ናቱ ሉኣላዊ ምርጫ ይኸውን።
2. ቃል እግዚአብሔር፦ ብሓፈሻ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ክልተ ኸፊልና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። እቲ ቐዳማይ፡ እቲ ንዅሉ ሰብ ብዝርዝር ዝተገልጸ ኣብ ቃሉ ዝሰፈረ ኣድማሳዊ (Universal) ፍቓድ’ዩ። ብዛዕባ ፍቕሪ፡ ቅድስና ከምኡ’ውን ብዛዕባ ምንዝርና፡ ሓሶት፡ ስርቂ ወዘተ ዝኣመሰሉ ተግባራት፡ ፍቓዱ እንታይ ከም ዝዀነ ኣብ ቃሉ ብመልክዕ ንጹር ትእዛዝ ሰፊሩ ስለ ዘሎ፡ “ብዛዕባ ፍቕሪ፡ ብዛዕባ ሓሶት ፍቓድካ እንታይ’ዩ፧” ኢልና ኽንሓትት ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ እዚ ጸሎት ዘይኰነስ፡ ላግጺ’ዩ ኪቝጸረልና። እቲ ኻልኣይ ጒጅለ ፍቓዱ ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፎም ዘይንረኽቦም ብዛዕባ ውልቃዊ፡ ስድራ ቤታዊ፡ ሃገራዊ፡ ቤተ ክርስትያናዊ ጒዳያት ዚምልከቱ እዋናዊ ዅነታት ዚወልዶም ሕቶታት ኣለዉ። ንሕማም፡ መውስቦ፡ ኣገልግሎት ወዘተ ዚምልከቱ ብፍቓድ ኣምላኽ ተመሪሕና ኽንውስነሎም ዚግባእ ጒዳያት ኣለዉ። ንፍቓድ ኣምላኽ ብዚምልከት ንጹር መምርሒ እንረኽበሎም፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ምድብ ዝሰራዕናዮም ጒዳያት’ዮም። ብዛዕባ’ቶም ካልኣይ ጒጅለ’ውን እግዚአብሔር ብመንፈሱ ብርሃንን ምርሒትን ምስ ዚህበና፡ ካብ’ቲ እነንብቦ ቓል እግዚአብሔር ፍቓዱ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። በቲ ንሕና እንጽበዮን በቲ ንኣና ዜድልየናን ኣገባብ ሰፊሩ’ኳ እንተ ዘይረኸብናዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ዚገጥመና ዅነታት ዚምልከት መልሲ ኸም ዘለዎ ኽንዝንግዕ ኣይግባእን። ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ ቓል እግዚአብሔር ዝሃቦ ምስክርነት፡ ነዚ ሓሳባትና’ዚ ዜርግኣልና’ዩ።
“ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ፡ ኣዒንተይ ክፈተለይ። ....ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይ’ዩ’ሞ፣ ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒ። ምስክራትካ ምስትንታነይ’ዩ’ሞ፣ ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ። ትእዛዛትካ ሓልየ’የ’ሞ፡ ሓለፋ እቶም ሽማግሌታት ኣእምሮ ኣሎኒ። .... ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፣ ንመገደይ ብርሃን’ዩ.... ምኽፋት ቃልካ የብርህ፣ ንገርህታት ኣእምሮ ይህብ።” መዝ 119፡18፣ 119፡98-100,105 119፡130
3. ብራእይን ሕልምን ትንቢትን፦ እዚ መገድታት’ዚ እግዚአብሔር ንቕዱሳኑ ንጹር ፍቓዱ ዝገለጸሉ ጥበቡ’ዩ። ነቦና ኣብርሃም፡ ንያእቆብ፡ ንዮሴፍ፡ ንፈርኦን፡ ንንጉስ ነቡካድነጸር፡ ንዮሴፍ (ሕጹይ ማርያም) ብሕልሚ ገይሩ ፍቓዱን ምርሒቱን ገሊጹሎም’ዩ (ዘፍ 15፡12-21፣ 28፡11-17፣ 40፡1-23፣ 41፡1-36፣ ዘፍ 37፡5፣ ዘሁ 12፡6፣ ማቴ 2፡12,13,19፣ ግብ 2፡17፣ ዳን 4፡4-33)። ንነብዪ ሙሴ፡ ንእያሱ፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስን ጳውሎስን ብግሉጽ ራእይ ገይሩ ፍቓዱ ገሊጹሎም’ዩ (ግብ 10፡9-17፣16፡9,10፣ 27፡24፣ ዘጸ 3፡1-10፣እያ 5፡13-15)። ብትንቢት ድማ ንህዝቢ እስራኤልን ንብዙሓት ውልቀ ሰባትን ፍቓዱ ኣፍሊጥዎም’ዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኢየሩሳሌም ከም ዚእሰር ኣጋቦስ ብዝተባህለ ነብዪ ተነጊርዎ’ዩ (ግብ 11፡27-30 ፣ 21፡9,10፣2ነገ 9፡6-10)። እዚ ኣበሃህላ’ዚ “ዅሉ ሕልሚ ኻብ ኣምላኽ’ዩ፡ ዝተነግረ ዅሉ ትንቢት’ውን ሓቂ’ዩ” ዜስምዕ ኣይኰነን። ዓለምና ናይ ስሰዐ-ገንዘብ ባሮት ብዝዀኑ ሓሰውቲ ነብያት ኣብ ዘዕለቕለቐትሉ ክፉእን ናይ መወዳእታን ዘመን ኢና ዘለና። ትንቢት ሓሶት ስለ ዝበዝሐ፡ ድርሰት ኣእምሮና ዝዀኑ ሕልምታት ስለ ዘለዉ ግና፡ እግዚአብሔር ነዚ ፍቓዱ ዚገልጸሉ ጥበቡ ደርብይዎ ማለት ከም ዘይኰነ ኸነስተውዕል ይግብኣና። እግዚአብሔር ነቶም ዚፈርህዎን ዚውከልዎን፡ መገዶም ብቕኑዕ ጸሎት ንዘማዕቈብዎን፡ ንኸንቱ ሕልምን ንሓሳዊ ትንቢትን ኣሕሊፉ ኸም ዘይህብ ከኣ ኪዝንጋዕ ኣይግባእን’ዩ። ዋላ ‘ኳ ሰይጣን ብትምየና እንተ ኣሸገረና፡ ናይ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ውህበትን ጥበብን ምዃኑ ግን ክንዝንግዖ ኣይግባእን።
ፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ ጥራሕ ንበይኑ ኣኻሊ ድዩ፧ እዚ ኣፍልጦ’ዚ ዜሰክመና ሓላፍነት እንታይ’ዩ፧ ምፍላጥ ንበይኑ ኣኻሊ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ምፍላጥ፡ ናይ ትግባረ መእቶ (access) እዩ። ምፍላጥ ናይ’ቲ መገዲ መጀመርታ እንተ ዀይኑ፡ እቲ መገዲ ብምሉኡ ግን ትግባረ’ዩ። ንዘይትገብሮን ንዘይትእዘዞን ፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ፡ ዕዳን ፍዳን ይወልደልካ’ምበር፡ ዝዀነ ኻልእ ረብሓ ኣይርከቦን’ዩ። ስለ’ዚ ፍቓዱ ንምፍላጥ ኪደፍኣና ዚግባእ፡ ንፍቓድ ናይ ምእዛዝ ሓያል ባህጊ’ምበር፡ ናይ ኣፍልጦ ጥሙሕ (curiosity) ኪኸውን ኣይግባእን። ጐይታና እንተ ዀነ፦
“ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር’ምበር፡ “ጐይታይ፡ ጐይታይ” ዚብለኒ ኹሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣትው ኣይኰነን። በታ መዓልቲ’ቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነበናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ’ዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሓቑ፡ ክብሎም’የ።።”
ብምባል ብወግዒ ኣፍሊጡና’ዩ (ማቴ 7፡21-23)። ገባር ፍቓዱ እንተ ዘይኴንካ፡ ናይ ግድን መፍረስ ፍቓዱ ኢኻ። ኣብ መንጎ ምግባርን ዘይምግባርን ተሓቢእና ኽንነብረሉ እንኽእል ሕቡእ ስፍራ ወይ እንንሳፈፈሉ ጋግ የለን። ናይ ዘለኣለም መዓልቦና ወይ መንግስተ ሰማያት’ዩ፡ ወይ ከኣ ገሃነም’ዩ። ሓዲግ ዝዀኑ ሰባት ዚዕቈቡሉ ኻልእ ሳልሳይ መዓልቦ የለን። ገበርቲ ፍቓዱ እንተ ዄንና ቦታና ኣብ መንግስተ ሰማያት ምዃኑ ርጉጽ’ዩ። እቶም ንፍቓዱ ዚግህሱ ዓለወኛታትን ዓመጸኛታትን ከኣ ኣብ’ቲ በዅሪ ዓለወኛታት ዝዀነ ድያብሎስ ዘለዎ ቦታ ኺድርበዩ’ዮም። ፍቓድ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ፡ ዋላ ንጸላእትና፡ ኸነፍቅር እንተ ዀይኑ፡ እቶም ብግሁድ ጽልኢ ዚጸልኡ ጥራሕ ዘይኰኑ፡ እቶም “ኣየፍቅሮ፡ ኣይጸልኦ” ዚብሉ ኣጐላጒል ሰባት’ውን ገሃስትን መፍረስትን ፍቓዱ’ዮም። ናታቶም ዘለኣለማዊ ኣድራሻ’ውን ፍሉጥ’ዩ። እቶም ንፍቓዱ እናፈለጡ ዘይገብርዎ፡ ፍርዶም ከቢድ ምዃኑ እቶም ንፍቓዱ ዘይፈለጡ’ውን ካብ ፍርዲ ኸም ዘይመልቁ ጐይታና ብንጹር ሓቢሩና’ዩ።
“እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፡ ከም’ታ ፍቓዱ’ውን ዘይገበረ ባርያ ብዙሕ መግረፍቲ ዚግብኦ’ዩ። እቲ ኸይፈለጠ ንመግረፍቲ ዚግብኦ ዝገበረ ግና ሒደት’ዩ ዚግረፍ። ብዙሕ ንዝሃብዎ ብዙሕ ይደልይዎ፡ ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ’ዮም።” ሉቃ 12፡47,48
ፍቓዱ ምፍላጥና ንረብሓና ኣብ ክንዲ እነውዕሎ፡ ብሰሪ ምፍላጥናን ሰኣን ምግባርናን ክንጒድኣሉ ምምራጽ ብሓቂ ኣነዋሪ ዕሽነት’ዩ። ቃል እግዚአብሔር እንተ ዀነ፡ ንፍቓዱ ናይ ምግባር ረብሓ ብንጹር ሓቢሩና’ዩ (ዮሃ 9፡31፣ 1ዮሃ 2፡17)።
እቲ ኣርኣያና ኪኸውንን ካብ ሓጢኣትናን ካብ ጥፍኣትናን ኬድሕነና ዝመጸን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምእዛዝ ዝለዓለ ኣብነትና’ዩ (ዮሃ 5፡30 ፣ ዮሃ 6፡38-40፣ ዮሃ 17፡4፣ ሉቃ 22፡42)።
“ንሱ ግና ነቲ ዝነገሮ፡ “ኣደይ መን’ያ፧ ኣሕዋተይሲ እንመን’ዮም፧” ኢሉ መለሰሉ። “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን’ዩ፡ ኢሉ ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ፡” በለ።....ኣብ መንጎ’ዚ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ መምህር፡ ብላዕ፡ ኢሎም ለመንዎ።”ማቴ 12፡48-50 ፣ ዮሃ 4፡31
እምበኣር ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ ክርስትያን ውልቀ ሰባትን ህዝብን መጠን፡ ንሕና’ውን ንፍቓድ ኣምላኽና ኣነጺርና ኽንፈልጥ፡ ነቲ ዝተገልጸልናን ዝፈለጥናዮን ፍቓዱ’ውን ክንእዘዞን ክንግዝኦን ግቡእና’ዩ። ምግባርናን ዘይምግባርናን ዝዀነ ይኹን መለሳን ለውጥን ዘየምጽእ እንተ ዚኸውን፡ እቲ ምርጫ ኣብ ፍቓድና ኪምርኰስ ምኸኣለ ነይሩ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኰነን። ፍቓድ ናይ’ቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ፍቓድን ምርጫን ናይ ድኹምን ሓጥእን ሰብ ኪወድቕ ምግባር፡ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ዘለዎ ኸቢድ መንፈሳዊ ገበን’ዩ። ስለ’ዚ ንኣምላኽ ዘይኰነስ ንርእስና ኼሕሸና ኢልና፡ ንፍቓዱ ኣብ ምፍላጥን ኣብ ምትግባርን ብዕቱብ እንተ ተገደስናን እንተ ተወፈናን’ዩ ዜርብሓና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣምላኽ “ዝኸም ልበይ” ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት፡ ኣዝዩ ዜደንቕን ዚምስጥን፡
“ዳዊት፡ ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዓረፈ፡ ናብ ኣቦታቱ’ውን ተጸምበረ፡ .... “
ዚብል ኣርኣያዊ ምስክርነት ሂቡ ኣሎ (ግብ 13፡36)። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ነተን ዝተመደባልና ዓመታት ክንነብር ዝተፈጠርናን ዝተፈቕደልናን፡ ነዛ ኣብ ዘመን ህይወትና ንፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምግልጋል ቅድስቲ ተልእኾ ምእንቲ ኽንፍጽም’ዩ። ኣገልጋሊ ፍቓዱ ምዃን ንቕዱሳን መላእኽቲ ዝተዋህበ ኣዝዩ ዓብይን ክቡርን ተልእኾ’ዩ (መዝ 103፡20,21)። እምበኣር ኣብ’ዛ ሓጻር ዕምርና፡ እዛ ብዛዕባ ኣቦና ዳዊት ዝተዋህበት ምስክርነት፡ ብዛዕባና’ውን ከም እትበሃል ነረጋግጽ። ህይወትና ብዕቱብነት ንመርምር’ሞ፡ ብፍቓድና ንፍቓድ ኣምላኽ ዝተዳፋእናለንን ዝገሃስናለንን መዓልታት ብንስሓ ነሕውየን። ብዛዕባ ናይ መጻኢ ህይወትና ድማ ንፍቓድ ርእስና ኣንኢስና፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ኣንጊስና ኽንነብር ዘይንቕነቕ ጽኑዕ ውሳኔ ንወስን፡ ነተግብሮ ድማ። ኣምላኽና ንዜኽበርዎ ዜኽብር፡ ንዜሕስርዎ ኸኣ ዜሕስር ፍትሓዊ ኣምላኽ’ዩ። እምበኣር ሰብኣዊ ኽብሪ ሂብና፡ መለኮታዊ ኽብሪ ንሕፈስ!! ንነፍስና ሰናይ ንምከረላ !!
“ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሉ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍቓድ ኽትገብሩ የብቅዕኩም። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።” እብ 13፡21
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ነሐሰ ፳፪, ፳፻፲፬ ግዕዝ (28 ነሓሰ 2022 ፈ) [መበል 51 ሰንበት: ቊ.81/፹፩] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቅ ዲያቆን |
ንፍቅ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
2ቈረ 8፡1-15 | ያእ 1፡17-ፍጻመ | ግብ 22፡6-22 | ሉቃ 12፡13-26 | ዘኤጲፋንዮስ |
መዝ.፻፵፬(፻፵፭)፡ ፲፭,፲፮ “ዐይነ ኵሉ ነፍስ ይሴፎ ኪያከ። አንተ ትሁቦሙ ሲሳዮሙ በጊዜሁ። ትሰፍሕ የማነከ ወታጸግብ ለኵሉ እንስሳ ዘበሥርዓትከ።” ዓዲ፡ መዝ.፻፵፮(፻፵፯)፡፱-፲ “ዘይሁቦሙ ሲሳዮሙ ለእንስሳ። ወለዕጕለ ቋዓት እለ ይጼውዕዎ። ኢይፈቅድ ኃይለ ፈረስ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ