ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥቅምት 30 ክሳብ ሕዳር 05 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር “ክርስቶስ ሠርዐ ሰንበተ”፡ ክርስቶስ ሰንበት ፈጠረ (ሰርዔ) ኢላ ቤተ ክርስትያና መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ንሱ ኸምቲ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዂሉውን ይሰልጦ።” ዝበሎ፡ኣብቲ ጐይታ ሰንበት ዝዀነ፡ ዘይነጽፍ ፈልፋሊ ማይ ህይወት ድማ ዘለዎ ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ ክርስቶስ ጠቢቕና ብዙሕን ነባርን ፍረ ምእንቲ ክንፈሪ ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ሓቅታት እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ።
ሰላሳን ትሸዓተን ካብ ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ ክልተ ድማ ካብ ቅድስት ማርያም ኮፕቲክ ቤተ ክርስቲያን ዝርከብዎም ብ8 መጋቢት 2009 (፳፱ የካቲት፳፻፩ ዓ.ም. ግእዝ)
ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፥ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ (ሮሜ 11፡1)። ሓዋርያ ጳውሎስ መሊሱ “እምብኣርከስ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበልኩምዎ “ምህሮ.. ፓራዶስስ” ዘይነብር፥ ብዘይ ሥርዓት
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥቅምት 18 ክሳብ 23 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር “በጊዜሁ ኃለፈ ክረምት” (ጊዜኡ ሓልዩ ክረምቲ ሓሊፉ) ኢላ ቤተ ክርስትያና ትሰምዮ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ነቲ ዕቤቱ ብኣሰር ኣሰር ዘይብጻሕ ዕቤቱ ኣብ ኣርያም ዝነብር፡ እቲ ብደበና ተጋሪዱ ዝነበረ ሰማይ ኣብ ጊዜ ክረምት ብዝናብ ንመሬት ዘጥልል፡ ኩሉ ኣብ ኢዱ ሙኻኑ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝበሎ “መዓልቲ ናትካ እያ፡ ለይቲውን ናትካ እያ። ንብርሃን ንጸሓይን ገበርካየን። ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፡ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም።” ግብሩ ክንጥምት ኢዩ። ዝኸበርኩም ህዝቢ ኣምላክ ኣብዚ ጽሑፍዚ ሓቢርና ንርእዮ፡ ነቲ ዘፍርሕ ዝነበረ፡ ክረምቲ ወቅቱ ሓልዩ ክሓልፍ ካብ ገበሮ፡ ነቲ ኣብ ማዕልታዊ ህይወትና ዘይሓልፍ ዝመስል ዝገጥመና ዘሎ ጭንቀት፡ከመይ ኢልና ክንሰግሮ ከም ዝግባእና ክንርኢ ኢና።
ክቡር መምህር ዓንደብርሃን ገብረማርያም እንኮ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ናይ ሥነ መለኮት ብፍላይ ከኣ ናይ ብሉይ ኪዳን ምሁር ዝነበሩ ብዝሓደሮም ሕማም ካብዛ ዓላፊት ዓለም ተፈልዮም።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ