ቃጭል ኣልዒለ ብልዑልን ጥዑምን ዜማ “ጻኡ ንኡሰ ክርስቲያን” (ሓደሽቲ ኣመንቲ ዘበልኩም ውጹ!) ኢለ ኣብ ፍርቂ ቅዳሴ፡ ይእውጀሉ
ኣብ ዝነበርኩ ግዜ፡ እቲ ኣዋጅ እንታይ ማለት ምንባሩ፡ ንባዕለይ’ውን ብዙሕ ይርድኣኒ ኣይነበረን። “ንኡሰ ክርስቲያን” ኣብ ፍርቂ ቅዳሴ ክወጹሉ ዝግባእ ምኽንያት ድማ ብመሰረቱ ይፈልጦ ኣይነበርኩን። “ዝምህረኒ ዘይብለይ እሞ ከመይ ኣቢለ እየ ክፈልጦ?” ድዩ ዝበለ እቲ “ህጽዋ ለህንደኬ” እንብሎ ኢትዮጵያዊ ስሉብ!? ብተመኵሮ ክፈልጦ ከይክእል ከኣ፡ ኣብታ ጥንታዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን እሞ “ንኡሰ ክርስቲያን” ዝበሃል ምእመን በየን’ዩ ክርከብ?! ነቲ “ኪዱ ንብዘሎ ፍጥረት ወንጌል ስበኹሉ” ዝብል ትእዛዝ ጐይታና፡ ኣብ ክርከብ ዘይክእል በዓቲ ቀቢርናዮ እናሃለናስ፡ “ጻኡ ንኡሰ ክርስቲያን” ምባል ከ ንምዃኑ መድለየና ዶ ይኸውን?!
ንኡሰ ክርስቲያን ማለት ሓድሽ ኣማኒ ማለት’ዩ
ካብ ኣረሜንነት ወይ ካብ ካልእ እምነት፡ እምነተ-ክርስትና ንምስዓብ ዝወሰነ ሰብ፡ መሰረተ እምነት ተማሂሩ ከይወድአ ክጥመቕ ኣይግብኦን እዩ’ሞ ብጥምቀት ዳግም ክሳዕ ዝውለድ፡ “ሓድሽ ኣማኒ” ወይ “ንኡሰ ክርስቲያን” ቢልና ኢና ንሰምዮ። ወዮ ደኣ ልቢ ኣይቈጸርኩን ኮይነ ኔረ እምበር፡ ኣዕሙቕ ኣቢለ ሓሲበሉ እንተዝነብርሲ፡ ካብቲ “በእንተ ቅድሳት” ኢልና እነብጽሖ ጸሎት’ውን ንኡሰ ክርስቲያን ማለት፡ ገና እቲ ንጉዕዞ ድሕነቱ ኣድላዪ ዝኾነ ምስጢራት ቤተክርስቲያን ንኽካፈል ብቕዓት ዘይረኸበ ማለት ምዃኑ ክፈልጥ ምኸኣልኩ ኔረ’የ። “በእንተ ንኡሰ ክርስቲያን ናሰተበቍዕ ከመ እግዚኣብሔር የሃቦሙ መክፈልተ ሰናየ ወሕጽበተ ዳግም ልደት ለስርየተ ሓጢኣት በማኅተመ ቅድስት ሥላሴ ይህትሞሙ” ኢልና ዶ ኣይኮንናን ንጽሊ? ነዚ ጸሎት እዚ ናብ ትግርኛ እንተመለስናዮ፡ “ንሕድገት ሓጢኣት ብዝኸውን ብምሕጻብ ዳግማይ ልደት፡ ጽቡቕ ርስቲ ክኸፍሎምን፡ ብማሕተም ቅድስቲ ሥላሴ ክሓትሞምን፡ ስለ ንኡስ ክርስቲያን ንጸሊ” ዝብል ትርጉም እዩ ዘለዎ። ስለዚ እምበኣር እቶም “ጻኡ” ዝብሎም ዝነበርኩ፡ እዞም ከምዚ ዝዓይነቶም ዳግም ዘይተወልዱ ሓደሽቲ ኣመንቲ ማለተይ እዩ ምዃኑ ሕጂ ኣነን ንስኹም ኣርጊጽና ፈሊጥና ኣለና።
ስለምንታይ ጻኡ?!
ቅዳሴ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፍልታት ከምዝኽፈል ዘይፈልጥ ክህልወና ኣይግባእን። እቲ ቀዳማይ ክፋል ምሉእ ኣድህቦኡ ኣብ ንባባት ቃል እግዚኣብሄር ዝገብር ኮይኑ፡ ብሰራዒ ዲያቆን ካብ መልእኽትታት ጳውሎስ፡ ብንፍቅ ዲያቆን ካብ መልእኽትታት ጴጥሮስ፡ ዮሃንስ፡ ያዕቆብ፡ ይሁዳን ራእይ ዮሃንስን፡ ብንፍቅ ካህን ካብ ግብረ ሓዋርያት ከምኡውን ብሰራዒ ካህን ካብ ኣርባዕቱ ወንጌላት ዝንበብ ክፍሊ እዩ። ቃል ኣግዚኣብሄር ተነቢቡ ምስ ተወድአ ድማ ናብቲ ኣኰቴተ ቍርባን ዝበሃል ካልኣይ ክፍሊ ናይ ቅዳሴ ኢና ንሓልፍ፡ እዚ ካልኣይ ክፍሊ ድማ ምሉእ ኣድህቦና ኣብ ምስጢረ ቍርባን ክንገብር ዝድርኽ ክፍሊ እዩ። ናብዚ ቅድሚ ምስጋርና እምበኣር’ዩ እቲ ዲያቆን ደወል ኣልዒሉ፡ “ጻኡ ንኡስ ክርስቲያን” ኢሉ ዝእውጅ። ካብቲ ምስጢር ዘይካፈል ዘበለ ኩሉ ነቲ ዝሰምዖ ቃል እግዚኣብሄር ጥራይ ሰሚዑ ንግዳም ክወጽእ ይእውጅ ኣሎ ማለት’ዩ። ውጻእ ተባሂሉ ዘይወጸ ዘበለ ኩሉ ግን ማለት እቶም ኣብ ውሽጢ ዝተርፉ ዘበሉ ግን ኩሎም ምእመናን ይኹን ቤተክህነት ግን ክቘርቡ ከምዝግብኦም ከም ርዱእ ይወስዶ ማለት’ዩ።
ዘኢተመጠወ እምቍርባን ይሰደድ እምቤተክርስቲያን
ብድሕሪ “ጻኡ” ኣብ ቤተክርስቲያን ዝተርፍ ዘበለ ኩሉ ክቘርብ’ዩ ዝግብኦ። እዚ መልእኽቲ እዚ ብመንጽር እቲ ኣብ ሓበሻዊት ቤተክርስቲያን እንርእዮ ተምኩሮና፡ ንምርዳኡ ዓቐብ ክመስል ይኽእል’ዩ። ብርግጽ ድማ ከምኡ’ዩ። እቶም ብክርስቶስ ክርስቲያን ዝኾኑ ዘበሉ ኩሎም ግን ንኽርስቶስ ብስም ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ድማ፡ ማለት ምስኡ ሕብረት ከምዘለዎም ብዝምስክር ብስጋኡን ደሙን ድማ ምስኡ ሕቡራት ምዃኖም ዝምስክሩን ብሕይወት ዝነብሩን እዮም። እቲ ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ እነብር፡” ኢሉ ዝመሃረና ጐይታ ድማ ቃሉ ሓቂ ስለዝኾነ፡ እቶም ንስጋኡን ደሙን እናተመገቡ ዝነብሩ፡ ሞትን ትንሳኤን፡ ዕርገትን ዳግማይ ምጽኣትን ጐይታ ንምምስካር ሓይሊ እናረኽቡ እዮም ዝነብሩ፡ ዮሃ 6፡56።
ሓድሽ ሓሳብ ዘምጻእኩ ኣይምሰልኩም
ኩለን ኦርቶዶሳውያን ኣብያተክርስቲያን ንምእመናነን ካብ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን የሳትፋኦም ጥራይ ዘይኮናስ ብዘይብኡ ብህይወት ክንነብር ከምዘይንኽእል ስለዝፈልጣ ነቲ ኣብ መኣዲ ጐይታ ዘይተሳተፈ ምእመን ደሃዩ ኣብ ምግባርን ኣብ ምክትታልን እየን ዝኣትዋ። ናይ ካቶሊካውያን ንዕዖም ይምልከት ኢልና ክንሓልፎ ዝከኣል እኳ እንተኾነ፡ ብሓጺሩ ግን ኣብቲ ናይ ትማሊ ስርዓተ ተቀብኦ ሓድሽ ጳጳሶም እኳ፡ እቲ መኣዲ ጐይታ ብልዕሊ 500 ካህናት ንመላእ ተሳተፍቲ ከምዝተዘርግሐ ብማዕከናት ዜና ናብ ዓለም ብዓለማ ዝተዘርግሐ ሓቂ’ዩ።
ሓበሻዊት ቤተክርስቲያን ደኣ እንታይ ወረዳ?!!
ግደ ሓቂ ኣብ ቅዳሴ ተሳቲፉ ካብ መኣዲ ጐይታ ከይተሳተፈ ዝመጽእ’ሞ ጽቡቕ ከምዘሎ ድማ ዝስምዖ ምእመን ይኹን ቤተክህነት እንተሎ ግን ሃይማኖተኛ ክኸውን እንተዘይኮይኑ ኣማኒ እየ ኢሉ ክዛረብ ዝኽእል ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ “ሃሌ ሉያ እመቦ ብእሲ እምእመናን” ኢልና እንጅምሮ ቅዳሴ’ውን እኮ “ዘኢተመጠወ እምቍርባን ይሰደድ እምቤተክርስቲያን” ኢሉ እዩ ዝእውጅ። እረ “እሰመ ኣማሰነ ሕገ እግዚኣብሄር” እዩ ዝብሎ። “ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ንምስታፍ መጺኡ ከይቈረበ ዝኸደ ምእመን እንተሎ፡ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣማሲኑ እዩ እሞ፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ይሰጐግ” ዝብል ትርጉም ድማ እዩ ዘለዎ።
ስሑት ትምህርቲ- “ወይከውኖ በኣማን ከም ቍርባን”
ኦርቶዶክሳውያን ስለምንታይ ካብ ቍርባን ርሒቕና ከም እንነብር እንሓንሳእ ንምርዳኡ ብዙሕ ኣይከብደንን እዩ። “ተኣምር ዝሰምዐ ከም ቍርባን ክሕሰበሉ’ዩ” ዝዓይነቶም ምሽፋት ዘልምዱ ሓሳባት እናሰምዐ ዝተጓዕዘ ህዝቢ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ቍርባን፡ ተኣምር ከይተምልጠና ኢሉ ናብ ተኣምር ክጐዪ እንተረአናዮ ዘገርም የብሉን። ስለዚ መን በዲሉ ኢና ክንብል?! ካብቶም ናይ ቤተክርስቲያን ዝለዓለ ትምህርቲ ኣለዎም ዝበሃሉ መሪጌታታት ወይስ ደባትር እንብሎም ከ ክንደየኖት’ዮም ልዕሊ ቅኔን ማህሌትን ንቅዱስ ቍርባን ከም መግቢ ህይወቶም ጌሮም ንምውሳድ ቀዳምነት ብምስራዕ ኣብነት ዝኾኑና?! ቍርባን እንተዘይኮኑ፡ ካልእ “ከመ ቍርባን” ክኾነና ይኽእል ዩ ብምባል እንኸዶ ጉዕዞ ህይወት እንተሎ ግን ርእስናን ርእሲ እንዳማትናን ምጥባር’ዩ’ሞ፡ ኣይፋልናን፡ ናብቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ፡ እንጌራ ህይወት ከኣ ዝኾነልና መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ንመለስ! ብምባል ነታ ንምስማዕ እትሰምዕ እዝኒ ዘለዋ ነፍሲ ንዛረብ ኣለና!
እግዚኣብሄር ይደግፈና!
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ