ሓደ ካብቲ ውጥን: ቀጻሊ ሰንበት ካብ ሰዓት 10:00 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ 12:30 ድሕሪ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ምብራቓዊ ኣሜርካ ብቐጥታ (Live Video) ዝመሓላለፍ ኣገልግሎት ምሃብ እዩ። ትማሊ ሰንበት (5/2/2009) ካብ መድሃኔ ኣለም ኣትላንታ ፈላሚ ኣገልግሎት ብቐጥታ ኣመሓላሊፉ ነይሩ።
ንዘለኹም ተክኒካዊን መንፈሳውን ሕቶታት በዚ መገዲ'ዚ ርኸቡና (ኣብዚ ጠውቕ)።
ስለምንታይ ጉስነት ምእመናን ብምዕቡል ተክኖሎጂ?
እታ ኣብ ኤርትራ ዘላ ቤተ ክርስትያን ምእመናን ክትጓሲ'ስ ይትረፍ: ንርእሳ'ውን ብኣቶ ዮፍታሀ ዝኹብኮቡ መኣዝኖም ብዘጥፍኡ ጳጳሳት እናተመርሐት ኮምፓስ ዘይብላ መርከብ ኮይና ኣላ። ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብዚ እዋን'ዚ ብዘይ ኣላዪን ብቁዕ መንፈሳዊ መራሕን ኣብ ፈቐዶ ሃገራትን ኣህጉርን ፋሕ ኢሎም ከም ዘለዉ ድማ ናይ ዕዳጋ ምስጢር እዩ። ነዚ ሓቅታትት እዚ ተረዲኡ ድማ እዩ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ነዚ ቅዱስ ዓላማ ወጢንዎ።
ዓላማ ጉስነት ምእመናን ብምዕቡል ተክኖሎጂ፡
ዓለም ከም ሓንቲ ደምበ ኮይና ኣብ ክልተ ጫፍ ዓለም ዘለዉ ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ተራኺቦም: ኣብ ሓንቲ ህሞት ብዛዕባ ሓደ ኣርእስቲ ሓቢሮም ክዝትዩ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነት በጺሕና ኣለና። እዚ ዘይተኣደነ ክስተት'ዚ ኣብ መንፈሳዊን ስነ ፍልጠታዊን መኣዲ ኮይኖም ፍልጠቶምን ዓቕሞምን ከወሃህዱ ንብዙሓት ኣህዛብ ኣኽኢልዎም እዩ።
ብተመሳሳሊ መንገዲ: ብዙሓት ቤተ ክርስትያናት ነዚ ሓድሽ መራኸቢ ተጠቒመን ብዶብ: ብሃገር ይኹን ብቦታ ከይተወሰና ሃዋርያዊ ዕዮታተን የሳልጣ ኣለዋ። ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ'ውን ሃዋርያዊ ተልእኮኣ ንምስላጥ: ምእመናን ንምጉሳይ ነዚ ዘመን-ዝወለዶ ተክኖሎጂ'ዚ ክትጥቀመሉ ይግባእ ኢልና ኢና ኣንቂድና። ብዝያዳ: ኦርቶዶክሳውያን ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን-ኤርትራ ኣብ ዓለም ፋሕ ኢሎም ኣብ ዝርከብሉ ጊዜ: ኣብ ጉስነት እቶም ብዓቕሚ ምስኣን ይኹን ብራሕቂ ቦታ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ክትበጽሖም ዘይከኣለት ምእመናን ሓጋዚ ተራ ኣለዎ ኢልና ስለ እንኣመን'ውን እዩ። ደገፍን ጸሎትን ናይ ምእመናን ከይፍለየና ድማ ሓደራ ንብል።
ረድኤት እግዚኣብሔር ምስ ኩልና ይኹን! ኣሜን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ