ዕላማና---->ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚኣብሔርን ሠናይ ንምግባር እዩ። 2ቆሮ 8፡20
ዕላማና---->ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕና ደቀ-መዛሙርቲ ክርስቶስ ምግባር እዩ። ማቴ 28፡19
ብመሠረቱ ክርአ ከሎ ቤተ-ክርስቲያን ቤት ጽድቅን ቅድስናን እያ። ስለ ዝኾነት ድማ ካብ ቅድስና ወጻኢ፥ ናይ ዝኾነ ዓለማዊ-ተግባር መጋበሪያ ኮይና ክትርከብ ፥ ምስቲ ብቕድስና ዝፍለጥ ዕላማኣ ዝሳነ ኣይኮነን። ኣብቲ ነዊሕ ዝኸይድ ታሪኻ እንተረኣና ግን፥ ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ብዝነበሮ ከቢድ ፈተና ሓሊፋ ከምዝመጸት ኢና ክንርዳእ ንኽእል። ዘይተቐበለቶ ፈተና’ውን ኣሎ ኣይበሃልን። እቶም ኩሎም ዝሓለፉ ቅዱሳን ኣቦታትና ብዝኸፈሉዎ ናይ ሠማዕትነት ዋጋ ድማ፥ እንሆ ህልውናኣ ዓቂባ ንኽትነብር ኣብ ከቢድ ቃልሲ ትርከብ ኣላ።
“እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንኢየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ። ኢየሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን። ኢየሱስ ከኣ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ ንመንከ ትደልዪ አሎኺ፧” በላ። ንሳ ኸኣ ሓላው ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ።” ዮሃ 20፡14,15።
መዓርግን ስልጣንን ፓትርያርክ (ደቂቀ እንጦንዮስ ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኮርፐስ ክርስቲ, ተክሳስ ሕ.መ. ኣሜሪካ 24 ሚያዝያ 2008 )
ስልጣን ፓትርያርክ
መሰረት ስልጣን ፓትርያርክ ካብ ሰማይ እምበር ካብ ባይታ ኣይመጸን። ክርስቶስ ከመይ ዝበለ ስልጣን ንሃዋርያት ከም ዝሃቦም ዝሕብሩና ኣብነታት እዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ምስክር እዮም። “በቲ ሓቂ ቀድሶም፣ ቃልካ ሓቂ እዩ። ከምቲ ንዓይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ፣ ከምኡውን ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽኩዎም”። (ዮሃ፡17፡17-18) “ሽዑ ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ፣ ኣነውን ከምኡ እልእኸኩም ኣሎኹ በሎም። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፣ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ”። (ዮሃ፡20፡21-22) “ስለዚ ኺዱ ንኹላቶም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ዝኣዘዝኩኹም ኹሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ” (ዮሓ 14፡5-6) ምስ በለ፥ ንዓና ከኣ ብቅኑዕ መገዲ ክንጓዓዝ፥ ኣብ ሓቂ ክንጸንዕን፥ ክብሪ
እዚ ሳምናይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ ሆሳእና ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነቲ ጐይታና ብኽብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ዝተፈጸመ ታሪኽ፡ መንፈሳዊ ትርጉሙን መልእኽቱን እንሓስበሉ ግዜ ድማ እዩ።
መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእ፡ ካብ ኣቦኦም ኣቶ መባእ ቶምቦሳ፡ ኣዲኦም ወ/ሮ ቅዱሳን ልጃም ብ1938 ዓ.ም. ኣብ በራቒት ንኡስ ዞባ ቆሓይን ዞባ ደቡብ ተወልዱ። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኮኑ፡
ኣብ ቀዳም ካብ ሓደ ዓቢ ቤት ትምህርቲ: ሓደ ዓቢ ንህይወት ሰብ ዘድሓነ ስራሕ ፈጺምካ: ብዓቢ ማዕርግ እንተትምረቕ’ሞ: ሰኑይ ስራሕ ጀሚርካ: እዚ እቲ ዝነፍዐ ሰራሕተኛና ኢሎም ክንእዱኻን ክሽልሙኻን እንተዝውዕሉ: አብ ራብዕቲ ግና: ኣብ ሓሙስ እዚ ሰብዚ ካብዚ ስራሕና ይውጻኣልና ጥራሕ ዘይኮነስ: ሓንቲ ከይበደልካ: መሳርሕተይ ዝበልካዮም ሓስዮም ሓሳስዮም ይቀተል እንተዝብሉኻ እንታይ ምበልካ? ከምዚ ኸማይ እንተትኸውን: “ኢሎም ይተርፉ” ኢልካ ጠንጢንካሎም ምኸድካ። እንድዒ ንስኻ ኣንባቢ እምበር: ኣነ ብዘይቃል ዓለም ኣንጻር’ቲ ኩሉ ንትዕግስቲ ዝምልከት ዝተመሃርኩዎ ትምህርቲ ከምኡ ምገበርኩ። ግና እቶም ሰብ ነገርካ: እቲ ዝበሉዎ ክገብሩ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ሰራማት እንተዝኾኑ’ሞ ኣብ ዓርቢ ሰብ አኪቦም: ኣብቲ መቕተሊ ፍርዲ ዝወሃቦ ደንደስ ደው እንተዘብሉኻ’ኸ…… የድሕነና።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ