“ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ።” ሉቃ 2፡29-32።
ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ፡ ልቢ ቈልዓ ከምዝነበረኒ፡ ህንጻ ናይታ ዝዓበኹላ ቤተክርስቲያን ፈሪሱ ኣብ ዝተሓደሰሉ ህሞት ዝተሰምዓኒ ስምዒት ነበረ።
“ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት’ያ። ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት።” ሉቃ 2፡37።
እዛ ናይ’ዚ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ጠቒስዋ ዘሎ ቅድስቲ ኣደ፡ ብኣገልግሎታ ነብዪት’ያ። ድሕሪ ናይ ሾብዓተ ዓመት ሓዳር፡ በዓል ኪዳና ብሞት ተፈልይዋ ምስ መብለወት፡ ኣብ ቤት መቕደስ ተኸቲታ፡ ካብኡ ኸይወጸት ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። ኣብቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ቤት መቕደስ ንደቀንስትዮ ዝተሰርዐ ኣገልግሎት ከም ዝነበረ፡ ኣብ መጻሕፍቲ ኦሪት ኣይንረክብን ኢና። ስለዚ ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት ኪበሃል ከሎ ናብቲ ውሽጢ ቤት መቕደስ ትኣትው ከም ዝነበረት ዜመልክት ኣይኰነን።

ደንጉዩ ዝበጽሓና ዜና:
ኣርባዕተ መንእሰያት አብ ከተማ ሲንሲናቲ፣ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ሕቡራት መንግስታት አሜርካ፡ ብ12 ጥቅምቲ 2008 ዓ.ም መዓርግ ዲቁና ተቐቢኦም።ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፥ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ (ሮሜ 11፡1)። ሓዋርያ ጳውሎስ መሊሱ “እምብኣርከስ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበልኩምዎ “ምህሮ.. ፓራዶስስ” ዘይነብር፥ ብዘይ ሥርዓት
“ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቑመትን ብጸጋን ዓበየ።” ሉቃ 2፡52
እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዕብየት ብቓልን ብግብርን ዜስተምህር ክፍሊ’ዩ። እቲ ንድሕነትና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንኣርኣያናውን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ፍጹም ሰብ ዝዀነ እግዚኣብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብግብሪ ዘስተምሃረና ዓባይን ቀዳመይትን ትምህርቲ ዅለንተናዊ ዕብየት’ያ። ምኽንያቱ ሰብ ኺፍጠር ከሎ ኣትሒዙ ምሉእ ኰይኑ ስለ ዘይፍጠር፡ ነቲ ኺበጽሖ ዚግባእ ምልኣት ብዕብየት ገይሩ’ዩ ዚበጽሖ።
ናይታ ኣብ ካይሮ ግብጺ እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣገልገልቲ ዝኾነ ኣርባዕተ መንእሰያት ብ20 ለካቲት 2009 ዓ.ም
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ