“መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ’ሞ፡ ንገላውኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሃቦም’ዩ። ንነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ነቲ ኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ መኽሊት ሂብዎም ገሸ።” ማቴ 25፡14, 15።
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና: እዛ ዘለናያ ሰንበትን ብቛንቋ ግእዝ “ገብር ኄር”፡ ብቛንቋ ትግርኛ ድማ “ሕያዋይ ባርያ” ተባሂለን እየን ዚጽውዓ። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ድማ ብዛዕባ ኽልተ ሕያዎት ባሮትን ሓደ ሕሱም (ክፉእ) ባርያን ዚትርኽ ክፍሊ ቕዱስ ወንጌል’ዩ። ሊቃውንቲ መዘምራንና’ውን “መኑ ውእቱ ገብር ኄር (መን’ዩ’ቲ ሕያዋይ ባርያ)” እናበሉ ኺዝምሩልና ሰሚዕናዮም ኣሎና። ኣብቲ ምስ ዲያቆናትና እናተቐባበልና ዘዜምናዮ ምስባኽ’ውን፡ “ኣምላኸየ ፍቃድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፡ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ’ዩ” ዚብል ሕያዋይን እሙንን ባርያ እግዚኣብሔር ዜዘውትሮ ቓል ኢና ዘዜምና። ከመይሲ ፍቓድ ጐይታኡ ንምእዛዝ ባህጊ ዘይብሉን፡ ብምእዛዙ ድማ ሓጐስ ዘይፈጥረሉን ባርያ እግዚኣብሔር፡ ሕሰምን ጥልመትን’ምበር ሕያውነትን እሙንነትን ናብ ጥቓኡ ከቶ ኣይቀርብን’ዩ። ኣብቲ ንባብ፡ ነቶም ብሕያውነትን እሙንነትን ዜገልግሉ ተሓዚኡሎም ዘሎ ኽብሪ፡ ነቶም ዚለግሙን ዚጠልሙን ሕሱማት ተዓቝሩሎም ዘሎ ዘይጽወርን ዘየባትኽን ስቓይ እንታይ ከም ዚመስል ብንጹር ተገሊጹልና ኣሎ። ንሓደ ምርጫን ተግባርን ተመራጺ ዚገብሮን ዘይገብሮን ከኣ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ (ወይ ጻማኡ)’ዩ። ዓይንኻ እናረኣኻ ምስ ቀልብኻ እናሃለኻ መሸም፡ ኣብ መወዳእታኡ ዘይጽቡቕ ዚፈድየካ ምርጫ ኣይምረጽን’ዩ። እቲ እትጽበዮ ጻማ ዕምሩ ንሓጺር ጊዜ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ኽብሪ ይኹን ነቲ ስቓይ ክትንዕቆ ይከኣል’ዩ። ካብ ዝባንካ ንዘለኣለም ዘይወርድ፡ ሓይሊ ኽብሩ ዀነ ሓይሊ ስቓዩ ፈጺሙ ዘይጐድል እንተ ዀይኑ ግን፡ ንምርጫኻ ብወዝቢ ወይ ከም ዋዛ ኽትውስኖ ኸቢድ ዕሽነት’ዩ። ደው ኢልካ ብዕምቈት ሓሲብካን ኣመዛዚንካን እንተ መሪጽካዮ፡ ነቲ ምርጫኻ ብብቕዓት ክትገብሮን ክትነብሮን፡ ተሃንካ’ውን ከተውጽኣሉ ትኽእል ኢኻ። ክትሓይው (ሕያዋይ ክትከውን) እንተ መሪጽካ፡ ነቲ ሕያዋይ ኣምላኽ ከይተረፈ ብዜስተንክር ሕያውነት ተገልግሎ ማለት’ዩ። ምርጫኻ ሕሰም እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ካብ ከምኡ የድሕነና’ምበር፡ ንጐይታኻ ብዜሰክሕ ብዘየጣዕሰካ መገዲ ኽትብድሎ የኽእለካ’ዩ። ጐይታና ነዚ ምስላን ትምህርትን’ዚ ዝሓደገልና ድማ፡ ብምስትውዓል ክንመርጽ፡ ነቲ ምርጫና ድማ ብዘየጣዕስና መገዲ ምእንቲ ኽንገብሮን ክንነብሮን ኢሉ’ዩ። ዓመት መጸ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ኽንመሃርን ርእስና ኽንፍትሸሉን ኢላ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ቐዋሚ ሳምንትን ትምህርትን ዝሰርዓትሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ።
እግዚኣብሔር’ውን ነቲ ጽቡቕ ኰነ ነቲ ሕማቕ ምርጫና፡ ብምልኣት ክንገብሮን ክንነብሮን’ዩ ዚደልይ። ዋላ’ኳ በቲ ልዑል ሕያውነቱ ተደሪኹ ጽቡቕ ምርጫ ኸነልዕል ብመንፈሱ፡ ብቓሉ፡ ብልኡኻቱ ወርትግ ዚጋደልና እንተ ዀነ፡ ነቲ ፈቲና ዝመረጽናዮ ምርጫና ግና ኸይተገበዝና ኽንገብሮ’ዩ ዚደልይ። ካብ ብኽልተ ልቢ ኣብ መንጎ ሕያውነትን ሕሰምን እናተላኻዕና እንነብር፡ ብሓደ ኣፊቱ ኣቦኡ ብዘፍለጠ ውጹእ ሕሰም ክንነብር’ዩ ዚመርጽ። ካብ ቐባጻት ሰባት ንላዕሊ፡ ብግቡዛት ሰባት ብዝለዓለ ዝቝጥዓሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ስለዚ ኸኣ’ዩ ነቲ ሓዲግ ኰይኑ ዘሸገሮ ባርያኡ፦
“ዝሑል ወይ ምውቕ ዘይምዃንካ ግብርኻ እፈልጥ ኣለኹ፡ ብኻ ምዉቕ ወይ ዝሑል ምኾንካ!! ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቅ ኣይዝሑል ኢኻ’ሞ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ’የ።”
ብምባል ውዱእ ምርጫኡ ዘፍለጦ1። ፈጺሙ ከትከት ዚብል በረድ እንተ ዚኸውን፡ ካብ መጀመርታኡ’ውን ናብ ኣፉ ኣይመእተዎን። ብሰሪ’ቲ ሓዲግ ምርጫኻን ኣካይዳኻን ናብ ኣፍ ኣቲኻ ኸተብቅዕ ካብኡ ተተፊእኻ ምውጻእ ግን ዝኸፍአ ምርጫን ዕጫን’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ጐይታና ኣግህድ ኣቢሉ፡
“እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቕዱስ’ውን ኣዝዩ ይቀደስ፡ እንሆ ቐልጢፈ እመጽእ ኣለኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ ዓስበይ ምሳይ እዩ።” ብምባል ኣፍለጠና2። እምበኣር እዞም ድሮ ናብ ኣፉ ኣቲና ዘሎና ደቂ ቤተ ክርስቲያን፡ እንተ ነቲ ናብ ውሽጢ መንግስቱን ክብሩን ዜውሕጠና (ዜእትወና)፡ እንተ ነቲ ናብ ገሃነም ጡፍ ዜብለና ምርጫና፡ ኣዚና፡ ኣዚና፡ ኣ. . . ዚ . . . ና . . . ንግበሮን ንንበሮን። ከመይሲ እቲ ጻድቕ ፈራዲ ኸምኡ’ዩ ዚመርጽ!!
ብዛዕባ መን ኢና እንዛረብ ዘለና፧ መን’ዩ’ቲ ዅሉ ዚዝረበሉ ዘሎ ባርያ፧ እቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ጥራይዶ ይዀኑ፧ ወይስ ኵላትና ህዝበ ክርስቲያን’ውን ባሮቱ ኢና፧ ዚበዝሕ ጊዜ፡ ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ብዛዕባ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተጻሕፈን ዝተዘርበን ጌርና ኢና እንርድኦ። ነቲ ጌጋና ብዝበኣሰ ዜዕብዮ ድማ፡ መብዛሕትኦም ሰበኽቲ-ወንጌል ከምኡ ጌሮም ዜቕርብዎ ብምዃኖም’ዩ። ብርግጽ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ርእሲ’ቲ ኸም ኵሉ ሰብ ዘለዎም ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሓላፍነት፡ ዝዓበየን ዝበዝሐን ናይ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን መኽሊት ኣብ ዝባኖም ከም ዘሎ ዘይከሓድ’ዩ። ፈጺምና ኽንርስዖ ዘይግብኣና ሓቂ እንተ’ልዩ፡ ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ባርያ እግዚኣብሔር ዘይኰነ ሰብ ከም ዘየለ’ዩ። ምናልባት ነቲ “ባርያ” ዚብል ቃል ከይንፈትዎን ከይንመርጾን ንኽእል ንኸውን። ከምኡ ዚሰማዓና እንተ ዀይኑ፡ “ኣገልጋሊ፡ ሰራሕተኛ” ብዚብል ቃል ተኪእና ኽንሰምዖን ከነንብቦን ንኽእል ኢና። እዚ ጐይታ ዝመሃረሉ ዘመን፡ ዘመነ-ባርነት ስለ ዝነበረ’ዩ፡ ነቲ ህዝቢ ዚርድኦ ቓላት መሪጹ’ምበር እቲ ዝበለጸ ቓላት ስለ ዝዀነ ኣይነበረን። ሓንቲ ኽንርስዓን ክንክሕዳን ዘይግብኣና ሓቂ ግን፡ ነፍሲ ወከፍና ንፍቓድ ኣምላኽ ከነገልግል ናብዛ ዓለም’ዚኣ ብተልእኾ ዝመጻእና ሰባት ምዃንና’ዩ። ዋላ’ቲ ኣብ ውጹእ ክሕደትን ኣብ ዜሰክሕ ዓለማውነትን ዚነብር ዘሎ ሰብ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ኬገልግል ዝተፈጥረ ባርያ ኣምላኽ’ዩ። እቲ ፍልልዩ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ ነጻ ምርጫ መሰል ብዘይ ኣገባብ ተጠቒሙ፡ ዓለወኛ ዀይኑ ኪዅብልል ዝመረጸ ባርያ ምዃኑ ጥራሕ’ዩ። ናይ ኣምላኽ ባርያ ናይ ምዃን ፍሉይነቱ፡ ብምርጫኻ ፈቲኻ’ምበር፡ ብኣስገዳድ ዘይትነብሮ ምዃኑ’ዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣይትተዓደሎ ዀይኑ፡ ነቲ ንረብሓና ዝተዋህበና ነጻ ፍቓድ ንጥፍኣትና ኽንጥቀመሉ ምምራጽናዩ።
ኵላትና፡ ሰብኣይና ሰበይትና፡ ዓብይና ንእሽቶና ኣገልገልቱ እንተ ዄንና ደኣ፡ ኣበየናይ መድረኽን ብምንታይን ኢና ኸነገልግሎ፧ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ’ዩ። እዚ ሕቶ’ዚ ዓቐብ ዚዀነና፡ እግዚኣብሔር ኣብ መንፈሳዊ መድረኻትን ጒዳያት ጥራሕ ዚግልገል ጌርና ምርዳእና’ዩ። እቲ ሓቂ ኸምኡ እንተ ዚኸውን፡ ብናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኣካይዳ መሰረት፡ እግዚኣብሔር ኣብቲ ቅዳሴን ካልእ ምስጢራትን ዚፍጸመሉ ጊዜ ጥራሕ’ዩ ኺግልገል ማለት’ዩ። ምናልባት ኣብ ውሽጢ ሃገርና እነገልግለሉ ሰዓት ደዀን ቅሩብ ንውሕ ይብል ይኸውን’ምበር፡ እዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት እንነብር ኣገልገልትን ምእመናንን’ሞ፡ እታ ዝርከባ ናይ ሰንበት ንግሆ ኣገልግሎት’ኳ፡ ዳርጋ ናይ ተብተብ ዓይነት ኣገልግሎት’ያ። ካብቲ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ ንላዕሊ’ውን እቲ ብቐሊሉ ዘይርከብ ማሕበራዊ ምትእኽኻባቱ መሲጡና ኢና እንመጽእ። ብኸምዚ ዝበለ ሕሱር ዕላማ ኣብ ዝተኣኻኸበ ህዝቢ፡ እግዚኣብሔር ይግልገል ኣሎ ኽንብል ኣጸጋሚ’ዩ። ደሓን፡ ነቲ ናይ ልቢ ነገር ንኣምላኽ ሓዲግና፡ “ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ኢና ተኣኻኺብና” እንተ በልናኸ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጢ ሾብዓተ መዓልታትሲ ካብ ቁጽሪ ኣጻብዕና ንዚውሕዳ ሰዓታት ጥራሕ’ዩ ዚግልገል ማለት ድዩ፧ እቲ ዝተረፈ ዅሉ መዓልታትናን ንጥፈታትናንከ ደኣ መን ይግልገለሉ ኣሎ ማለት’ዩ፧
ግደ ሓቂ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኵሉ መንፈሳዊ ኣገልግሎታን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትናን ቦታናን ንኣምላኽ ብዘይ ምቍራጽ ከነገልግለሉ እንኽእል ጥበብን ሓይልን ክንሰንቀላ ዝቚመት ሰማያዊትን መንፈሳዊትን ትካል’ምበር፡ እግዚኣብሔር ኣብኣ ጥራይ ኪግልገለላ ዝቘመት ኣይኰነትን። ነዚ ሓቂ’ዚ ንምርዳእ፡ ብመኪናን ብእንዳ ነዳድንa ክንምስሎ ንኽእል ኢና። መኪና ኣብ ጐደናታት ከተሽከርክርን ከተገልግልን ዝተሰርሐት ጠቓሚት ተንቀሳቓሲት ኣቕሓ’ያ። ስርሓ ንኽትሰርሕ ዜድልያ ነዳድን ዘይትን ግና ኣብቲ’ንዳ ነዳዲ’ያ ትረኽቦ። በቲ ንሒደት ሰዓታት ኣብቲ’ንዳ ነዳዲ ደው ኢላ ዝሰነቐቶ ሓይሊ፡ ኣብ ጐደናታት ጽቡቕን ስሉጥን ኣገልግሎት ተበርክት። ክርስቲያንን ቤተ ክርስቲያን ድማ ከምዚ ናይ መኪናን መዓደሊ ነዳድን ዓይነት ዝምድና’ዩ ዘለዎም። እቲ ቐንዲ ንእግዚኣብሔር እነገልግለሉ ቦታ እቲ ማሕበራዊ ቦታታትን ዝምድናታትን ንጥፈታትን’ዩ። ብኸመይ ከም እነገልግል ጥበብን ፍልጠትን ጸጋን እንሰንቀሉ፡ ዝተበላሸወ ነገርና ፈቲሽና እነዐርየላ፡ ሓይልን ተልእኾን ተዓጢቕና እንወጸሉ ቦታና ግን ቤተ ክርስቲያን’ያ።
ኣብቲ ማሕበራዊ ሕይወት ደኣ ብምንታይ ኢና ኸነገልግሎ፧ ኣርእስትና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ እግዚኣብሔር ንእኡ እነገልግለሉ፡ ንነፍሲ ወከፍና ከከም ዓቕምና መክሊት ጸጋ ሂቡና’ዩ። እቲ ዝሃበና ጸጋ ድማ ሓደ ዓይነት ጥራይ ኣይኰነን። ንዅሉ ዚኸውን ብዙሕን በብዓይነቱን ጸጋታት ተዋሂቡና’ዩ። ጸጋ ኺበሃል ከሎ ሓደ ፍሉይ ኣቕሓ ኣይኰነን። ብኣምላኽ ዝተዋህበካ ብጽድቂ ዘጥረኻዮ ገንዘብን ንብረትን፡ ጸጋ’ዩ። ሃብቲ ኣእምሮ፡ ዓብዩ ጸጋ’ዩ፡ ሞያ፡ ጕልበት፡ ሓይሊ፡ ጥዕና፡ ወዘተ፡ ኵሉ ጸጋ’ዩ። መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምፍጻም ዝተዋህበና መንፈስ ኣምላኽ፡ ቃል ኣምላኽ ናይ ምስትምሃር ዓቕሚ፡ ናይ ምዝማር ድምጽን ክእለትን፡ ናይ ጕስነት ዓቕሚ፡ ትብዓት፡ ትግሃት ወዘት ናይ ኣምላኽ ውህበት ጸጋ’ዩ። ኵሉ ዓይነት ሰብኣዊ ዝምድናታት፡ ናይ መዋስብቲ፡ ናይ ወላድን ውሉድን፡ ናይ ዓጽመ ስጋ፡ ናይ ስራሕን ትምህርትን ኣገልግሎትን ዝምድናታትን፡ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮም ጸጋታትና’ዮም። ዘርዚርካ ኺውዳእ’ውን ኣይክእልን’ዩ። እቲ ዝዓበየ ጸጋና ግና፡ ኵሉ ተወራሲ ባህርያት ናይ እግዚኣብሔር ሒዝና ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጠርና ምዃንና’ዩ። ካብ ሰይጣንን ዓለምን ሰባትን ንዝተመሃርናዮ እኩይ ባህርያት ስለ ዝመረጽና እንተ ዘይኰይኑ፡ ኵሉቲ ናይ እግዚኣብሔር ተወራሲ ባህርያት ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጸጋና’ዩ። ስለዚ፡ ንዝወረደና በደል ብትዕግስቲ ኽንጻወር፡ ብምሕረት ይቕረ ኽንብል ከለና፡ ትዕግስቱን ምሕረቱን ኣብ ሰባትን ኣብ ምድርን ብምግላጽ ንእግዚኣብሔር ነገልግል ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ። ስለ ዝተዓገስናን ምሕረት ስለ ዝገበርናን ዘለኣለማዊ ሕይወትን ክብርን ዚፈድየና ምኽንያት ከኣ ንእኡ ስለ ዘገልገልናዮ’ምበር፡ ካብ ባዶ ተበጊሱ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ትዕግስትን ምሕረትን ተጸዩፍና፡ ብህውከትን ብቒምታን ክንመላለስ ከለና ኸኣ፡ በቲ ዘውረስና ባህርዩ ኣብ ክንዲ ነገልግሎ፡ ብናይ ሰይጣን ባህርይ ክንዋግኦን ግብሩ ኸነፍርሰሉን ስለ ዝመረጽና፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ናብ ገሃነም ደርብዮ ግቡእ ዓስብና ይህበና። ንርእስና ኽንነብር ስለ ዘይተፈጠርና፡ ኵሉ ግብርናን ባህርይናን ንእግዚኣብሔር ዜገልግል ወይ ከኣ ንእግዚኣብሔር ዚዋጋእ’ዩ። ኣብ ሓዳርና ንመጻምድትና እነርእዮ ፍቕሪ፡ ንእግዚኣብሔር ዚውፈይ ክቡር ኣገልግሎት’ዩ። ንጽጉማት ሰባት እንገብሮ ረድኤት’ውን፡ ንናይ እግዚኣብሔር ረዳእን መጋብን ባህርይ ምግልጋል’ዩ። ንሕሙማት፡ ሕዙናት፡ ዘኽታማት፡ መበለታት፡ ኣረጋውያን፡ ስደተኛታት እንገብሮ ግብሪ-ሕያውነትን ምጽንናዕን፡ ንእግዚኣብሔር በቲ ዘውረሰና ሰናይ ባህርዩ ነገልግሎ ኸም ዘሎና ዜረጋግጽ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ኣስራሕትና ብትግሃትን ቅንዕናን ሓቅን ከነገልግል ከለና፡ ነቶም ዝቘጸሩና ሰባት ወይ ትካል ዘይኰነስ ንጐይታ እግዚኣብሔር ነገልግል ከም ዘለና፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣቱም ግዙኣት (ሰራሕተኛታት)፡ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም (ኣስራሕትኩም) ዝዀኑ፡ ብገጽርአ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ፡ ብግሩህ ልቢ ንእግዚኣብሔር እናፈራህኩም ተኣዘዝዎም። ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ ፈሊጥኩም። እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም ካብ ልቢ ግበrርዎ፡ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም ትግዝእዎ ዘለኹም።” ቈሎ 3፡22-24(ኤፌ 6፡5-8)
እግዚኣብሔር ብኸመይን ብምንታይን ከም ዚግልገል፡ ካብዚ ቓል’ዚ ንላዕሊ ኺገልጾ ዚኽእል የልቦን። ነቲ ዜስርሓና ውልቀ ሰብ፡ ትካል ኰነ መንግስቲ ብቕንዕና፡ ብእሙንነት፡ ብትግሃት ምግልጋልና፡ ከም ናይ እግዚኣብሔር ኣገልግሎት ተቘጺሩ ኣብ ሰማያት ካብ ኢድ ጐይታ ዓስቢ ንቕበለሉ እንተ ዄንና፡ ንእግዚኣብሔር ዘይነገልግለሉ ጽላት ሕይወት ፈጺሙ የልቦን ማለት’ዩ። እቲ ጉልበትናን ሞያናን ነቲ ዜስርሓና ኣካል የገልግሎ፡ እቲ ቕንዕናና፡ እሙንነትና፡ ትግሃትና ድማ ንእግዚኣብሔር የገልግሎ ኸም ዘሎ ከቶ ኽንስሕቶ ኣይግባእን። ስለዚ እቲ ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ መዓልታት ዚሰርሕ ሰብ፡ ንእግዚኣብሔር’ውን ንሽዱሽተ ተኸታታሊ መዓልታት ከየቋረጸ ኣገልጊልዎ ኣሎ ማለት’ዩ። እቲ ንወለዱ ዜገልግል ንናይ እግዚኣብሔር ወላድነት የገልግል። ዋላ’ቲ ብቕድስና ኣብ መደቀሲ ኣሚን ምስ መዋስብቱ ንጹህ ግብረ-መውስቦ ዚፍጽም ሰብ’ውን፡ በቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ኣካላትን ቅዱስ ኪዳንን ንእግዚብሄር የገልግል ከም ዘሎ ኼስተውዕል ይግባእ። እግዚኣብሔር፡ ብጽድቅን ብቕድስናን ብዚግበር ኵሉ ማሕበራዊ ተግባርን፡ ዝምድናን ዝርርብን ብምልኣት’ዩ ዚግልገል። ነቶም ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ ኣብ የማኑ ኪዀኑ ዝፈረደሎም፡ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወቶም በቲ ናቱ ተግባርን ባህርይን ዘገልገልዎ ቅዱሳኑ፡ በየናይ ኣገልግሎቶም ከም ዝተገልገለን ከም ዝዓገበን ገሊጹሎም’ዩ። “ኣብላዕኩምኒ፡ ኣስተኹምኒ፡ ኣልበስኩምኒ፡ ኣዕቆብኩምኒ፡ በጻሕኩምኒ፡ ኣጸናናዕኹምኒ” እናበለ ኣብ ልዕሊኡ ዝፈጸምዎ ኣገልግሎት ኪዝርዝረሎም ምስ ጀመረ፡ እቶም ብጹኣን፡ “ኣበይ ርኢናካ፧ መዓስ ረኺብናኻ፧” እናበሉ፡ ንእኡ የገልግልዎ ኸም ዝነበሩ ዘይምፍላጦም ገለጹሉ። ንሱ ግና ንዝተገብረሉ ፍቕርን ኣገልግሎትን ዚርስዕ ገፋዒ ኣምላኽ ኣይኰነን3። ኣብ ምድሪ ዀይኖም ኣብ ሕይወት ሰባት ብኸመይ ከም ዘገልገልዎ፦“እቲ ኻብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ፡ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ብምባል ኣነጸረሎም4። ንሓደ ሰብ ብትዕግስቲ ኽትጾሮ ኸለኻ፡ ንኣምላኽ ኢኻ እትጾረሉ ዘለኻ። ስለዚ ኣብ ምጽኣቱ “ነቶም ዝበደሉኒ ብትዕግስተይ ዝጾርካለይ” ኢሉ ኺንእደካ’ዩ ማለት’ዩ። በዚ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን’ዚ ንዕለታዊ ሕይወትና ዘይንመርሕ እንተ ዄንና፡ እቲ ኣባና ዘሎ መልክዕ ኣምላኽ እናሃሰሰ፡ ኣሰር ሰይጣን ኣብ ሕይወትና እናደመቐ ኸይዱ፡ ልቡሰ-ስጋ (ስጋ ዝለበሱ) ኣጋንንቲ ዄንና ኢና ንተርፍ። ስለዚ ነቲ ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ ብዙሕ ዝዀነ ጸጋታትና፡ ብኸመይ ነቲ ወሃቢ ኣምላኽ ነገልግለሉ ኸም ዘለና መዓልታዊ ርእስና ኽንፍትሽ ግዴታና’ዩ። ነዚኣ ኽንገብር እንተ ዘይፈቐድና፡ ካብ ኣብ ኣምላኽ እንፍጽሞ ኣገልግሎት ኣብ ኣምላኽ እንፍጽሞ ግፍዕን በደልን ኪዓዝዝ’ዩ። ፈጺምና ኽንርስዖን ክንክሕዶን ዘይብልና ሓቂ እንተ’ልዩ፡ ኣብ ዘመን ሕይወትና ዚገጥመና ንኣምላኽ ከነገልግለሉ ዘይንኽእል፡ ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ነገር ከም ዘየለ’ዩ። እቲ ሕቶ ናይ ምፍታውን ዘይምፍታውን፡ ናይ ምፍላጥን ዘይምፍላጥን፡ ናይ ምስትውዓልን ዘይምስትውዓልን ጒዳይ ጥራሕ’ዩ። ንእግዚኣብሔር ኣብ ሰብ ኢና ነገልግሎ’ምበር፡ ንእኡ ደኣ ኣበይ ኽንረኽቦ፧ ከይንብል’ሞ ኣይጠምይ ኣይበልዕ፡ ከይንዕገሶን ከይንምሕሮን ኣይብድል፡ ከይንምልኣሉ ኣይጐድሎ። ስለዚዶ’ይኰነን ቅዱስ ጳውሎስ “ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን’ዩ” ዝብለና5። ብመዝሙር ሊቀ-መዘምራን ኣሳፍ’ውን፡ “. . . ኣነ ኻብ ገዛኻ ዝራብዓት፡ ካብ ደምበኻውን ዲቤላታት ኣይወስድን’የ። ምድርን ምልኣታን ናተይ’ያ’ሞ፡ እንተ ዝጠምይ’ኳ ኣይምነገርኩኻን። ኣነዶ ስጋ ዝራብዓት እበልዕ፧ ደም ዲቤላታትሲ እሰትይ’የ፧” ኢሉና’ሎ6። እታ ብባህርይና፡ ብግብርና፡ ብትሕዝቶታትና፡ ብዅነታትና፡ ብዝምድናታትና ንእኡ እነገልግለላ መገዲ ብንጹር ገሊጹልና፡ ብኣርኣያ ቕዱስ ወዱን ኵላቶም ቅዱሳኑን ድማ ብግልጺ ኣርእዩና’ዩ። ስለዚ ካብ ድቃስና ኻብ ዝተበራበርናላ ጊዜ ጀሚርና፡ ብዛዕባ’ቲ ብብርሃን መዓልትን ብጸልማት ለይትን ምስ ኵሉ ሰብ እንዋስኣሉ ንጥፈታትን ዝምድናታትን ብኸመይ ንእግዚኣብሔር ከም እነገልግሎ፡ ነቲ ዝሃበና ብዙሕ ዝዓይነቱ መኽሊት ጸጋታት ብኸመይ ኣሽሪፍና ኣብ መዓላኡ ብውጽኢታዊ መገዲ ኸም እንጥቀመሉ ኽንውጥን’ዩ ዚግባእ። “ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ብኸመይ’የ ብኣእምሮይ፡ ብልሳነይ፡ ብዅሉ ኣካላተይ፡ ብስርሓይ፡ ብግብረይ፡ ብትሕዝቶይ፡ ብጊዜይ ዘኽብሮ፧” ኢልና ኽንሓትት፡ ንመዓልትና ኣሕሊፍና ቕድሚ ምድቃስና’ውን፡ ጸብጻብ ኣገልግሎትና ኽንገብርን ሕይወትና ኽንምርምርን ይግብኣና። በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ጸጋ ንኣምላኽ ብምልኣት ኣገልጊልናዮ እንተ ዀንና፡ ክንገብሮ ዚግብኣና ዝገበርና ዘይንጠቅም ባሮት ምዃንና ኸይረሳዕና፡ ብትሕትና ነቲ ዘኽኣለናን ዘዐወተናን ኣምላኽ ከነመስግን ይግብኣና። ፍሹል መዓልቲ ውዒልና፡ በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ጸጋ ንኣምላኽን ንሰብን ክንብድል ንሰይጣን ከኣ ከነገልግልን ከነኽብርን ተካል መዓልቲ ኣሕሊፍና እንተ ዄንና ድማ፡ ብስቡር ልብን ብቕጥቁጥ መንፈስን ሓቀኛ ንስሓ ኽንኣትው ይግብኣና። እዚ ድማ ንምእመናንን ምእመናትን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ዚምልከት’ውን’ዩ። ነዚ ሓላፍነቶም’ዚ ዘየስተውዓሉን ዘይፈጸሙን ኣገልገልቲ፡ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ኬገልግልዎ ንዘርፈዱ ኣምላኽ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወቶም ከም ዘይሓልፍ ብምብዳል፡ ዋላ ነቲ ዕውት ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎቶም’ውን የፍርስዎ። ስለዚ ኣገልጋሊ ዀነ ተራ ምእመን፡ በዚ ነገር’ዚ ኣዝዩ ኺጥንቀቕ ይግብኦ።
እግዚኣብሔር ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኰነ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወቶም ብመንፈሳዊ ዀነ ብስጋዊ ጒዳያት ዘገልገልዎ ዅሎም፡ እንታይ ዝዓይነቱ ጻማን ክብርን ከም ዚህቦም፡ ነቶም ብዝሃቦም ጸጋ ዝበደልዎን ዘቃለልዎን ድማ እንታይ ዓይነት መስጣ ኸም ዝፈደዮም፡ ኣብቲ ንባብ ወንጌል ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ብምርጫኻ ክብሪ ኻብ ምጉንጻፍ፡ ዚበልጽ ልቦናን ጥበብን የልቦን። ብምርጫኻ ዘየባትኽ ስቓይን ውርደትን ካብ ምቕባል ዚኸፍእ ዕሽነትን ጥበራን ከኣ የልቦን። ስለዚ በቲ ዝተዋህበና ዓቕሚ ጸጋ ንእግዚኣብሔር ኣብ ምግልጋል እንተ ተጋህና ስለ ዜሕሸና፡ ጸሓይ ከይዓረበትና፡ ዓይኒ ኸይሓዘ ኸሎ ምርጫናን ኣካይዳናን ነጸብቕ። ንእግዚኣብሔር ሕያዎትን እሙናትን ባሮት ንዀነሉ። እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ዘይኰነስ ንኣና ምእንቲ ኼሕሸና ንርእስና ኢልና ንግበሮ። እንተ ብሞት ሓሊፍና እንተ ብሕይወት ጸኒሕና፡ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዱ ምስ ቈምና፡ “ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ፡ ኣብ ምድሪ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ’ሞ፡ (ኣብ ሰማያት) ኣብ ብዙሕ ክሸመካ’የ” ዚብል ዜሓጒስ ድምጺ ምስማዕና እምበር፡ “ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ” ዚብል ዜሰቅቕ ስምን፡ “ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት (ናብ ገሃነም) ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን (ንዘለኣለም) ኪኸውን’ዩ። ዚብል ፍርድን ከም ዘይንሰምዕ ርግጸኛታት ንኹን። እቶም ኣብ ማሕበራዊ ሕይወቶም ፈትዮምን ባህ ኢልዎምን ንክርስቶስ ዜገልገልዎ ዅሎም፡ ድሕሪ ምጽኣቱ ኣብታ ክርስቶስ ብኽብሪ ዚቕመጠላ መቕደስን ቅድስተ ቅዱሳንን ምስኡ ኪዀኑ ብእኡ’ውን ኪግልገሉ እዮም።
ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ሚያዝያ 1, 2013 ግዕዝ (11 ሚያዝያ 2021) - መበል 31 ሰንበት: ቊ.37 (፴፯) |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
2ጢሞ 2፡1-16 |
1ጴጥ 5፡1-12 |
ግብ 1፡6-9 |
ማቴ 25፡14-31 |
ዘባስልዮስ |
መዝ 40፡8-9 ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ ኣምላክየ። ወሕግከኒ በማዕከለ ክርሥየ። ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዐቢይ። ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ። ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ |
1ራእ 3፡15,16:2ራእ 22፡11,12:agas station:3እብ 6፡9,10 ፥ 4ማቴ 25፡40 5ግብ 17፡25:6መዝ 50፡9-13
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ