“ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። ንስካ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ” (ዘዳግም 6:4-5)።
“ኢየሱስ ነዚ መጀመርታ ተኣምራት’ዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱ’ውን ብእኡ ኣመኑ።” ዮሓ 2፡11።
እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ “ቃና” እትበሃል ናይ ኣውራጃ ገሊላ ዓዲ ዝተፈጸመ ተኣምራት፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚትርኽ’ዩ። ጐይታና ምስ ስድራ ቤቱን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተዓዲሙ’ዩ ኣብዚ መርዓ’ዚ ዝተረኽበ። ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ፍጻመታት ናይቲ ሕብረተሰብ ምስታፍ ፍጹም ሰብ ናይ ምዃኑን ናይ ትሕትናኡን ዓብዪ መርኣያ’ዩ።
“እቲ ብነብያት፡ ‘ናዝሬታዊ ኺበሃል’ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ናዝሬት ናብ እትበሃል ዓዲ መጺኡ ተቐመጠ።” ማቴ 2፡23።
እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ቅዱስ ዮሴፍን ቅድስቲ ድንግል ማርያምን፡ ብትእዛዝ ኣምላኽ ነቲ ህጻን ኢየሱስ ሒዞም ናብ ምድሪ ግብጺ ተሰዲዶም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ’ውን ብእተነግሮም ትእዛዝ ኣምላኽ ናብ ምድሪ እስራኤል፡ ናብ ኣውራጃ ገሊላ፡ ናዝሬት ናብ እትበሃል ዓዲ መጺኦም ከም እተቐመጡ ኣዘንትዩልና ኣሎ።
“ንጉስ ሄሮድስ ሰሚዑ ሰምበደ፡ ኵላ ኢየሩሳሌም’ውን ምስኡ [ሰምበደት]። ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍቲ ሕዝብን ኣኪቡ፡ “ክርስቶስ ኣበይ’ዩ ዚውለድ፧” ኢሉ ሓተቶም።” ማቴ 2፡3,4።
ሰላሳን ትሸዓተን ካብ ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣትላንታ ክልተ ድማ ካብ ቅድስት ማርያም ኮፕቲክ ቤተ ክርስቲያን ዝርከብዎም ብ8 መጋቢት 2009 (፳፱ የካቲት፳፻፩ ዓ.ም. ግእዝ)
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ