ፓትርያርክ ዘሃገረ ቡልጋርያ ቅዱስ ኣቡነ ማክሲም ኣብ መበል ንሚእትስ ክልተ ጐደል ዓመት ዕድሚኦም፡ ማለት ኣብ መበል 98 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 20 ክሳብ ሕዳር 26 ምኵራብ ይባሃል።ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ኣምላክ ፍጹም በህላዌሁ”(ብህልውንኡ ፍጹም ዝኾነ ኣምላኽ) ኢላ ቤተ ክርስትያና መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፡ ገጾም’ውን ከቶ ኣይሐፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፡ እግዚኣብሄር’ውን ሰምዖ፡ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ።” ዝበሎ፡ ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ምጽባይ ክብረት እምበር ውርደት ከምዘይብሉ፡ ምክንያቱ ጽጉማት ኣእውዮም ቅድሚ ሕጂ ዘየሕፈረ ኣምላኽ ህላውነቱ ኣይተለወጠን ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ርድኢት ኣብ እግዚኣብሄር ምውካል መዓልቲ መዓልቲ ንዕኡ ክንረክብ ሃረር ምባል ዘለዎ በረኸት ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ንልዕልና ሕግን ሓቅን ዝተሓሰመ ሰብ ቀንዲ መሳርሒኡ ሓይልን ሓሶትን ጥራይ እየን። ጎነጻዊ ሓይልን ሓሶትን ዝተዓጥቀ ሰብ ከኣ መወዳእትኡ ውድቀትን
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 13 ክሳብ ሕዳር 19 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር "ሎቱ ስብሐት ወሎቱ ኣኵቴት። ለዘቀደሳ ለሰንበት።” (ንሰንበት ንዝቀደሳ ንዕኡ ፍጹም ምስጋና ይግብኦ) ኢላ ቤተ ክርስትያን መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድርን፣ ኣብ ባሕርን መዓሙቚን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ” ዝበሎ፡ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ለዋህ፡ዕጉስ፡ ዝደለዮ ዘበለ ዝገብር፡ ዕብየቱን ከኣልነቱን እንዳዘከርና፡ ከም ምሕረቱ ኣብ ዕድሜና እዚ ዕለት ዝሃበና፡ ካብ ፍቃዱ ከይንወጽእ፡ እቲ ንሱ ኣዳልዩልና ዘሎ በረኸት ከይንስእን፡ ግዳይ ዘልኣለማዊ ሞት ከይንኸውን እዩ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ርድኢት ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዘይምፍጻም፡ዘስዕቦ ሞትን ናይ ዘልኣለም ስቓይን ከምኡውን ንሞት ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ።
ኣብዚ ዓለም ብዛዕባ ፍቕሪ ብዙሕ ተዘሪቡን ተጻሒፉን እዩ። ዝተፈላለየ ዓይነት ፍቕሪ ከም ዘሎ ድማ ዘየካትዕ ሓቂ እዩ። ገለ ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡-ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ፍቕሪ ሰብ፡ ፍቕሪ ዓለም፡ ፍቕሪ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ፍቕሪ ውሉድ፡
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 6 ክሳብ 13 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር “ኢተዘኪሮ ኣበሳ ዚኣነ” (በደልና ኣይትዘክሮ) ኢላ ቤተ ክርስትያና መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “አዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፡ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፡ ቀልጥፍ፡ ምሕረትካ ትቃባበለና።” ዝበሎ፡ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ለዋህ ፡ዕጉስ፡ ዝገበሮ ምሕረት እንዳዘከርና፡ ከም ምሕረትካ እምበር ከም ኣበሳና ኣይኹን፡ እዳበለት ምሕረት እግዚኣብሄር ክዝክሩ ትጽዋዓሉ ሰሙን እዩ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ሓቅታት ምሕረት እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ምርኣይ እዩ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ