ኣብዚ ዓለም ብዛዕባ ፍቕሪ ብዙሕ ተዘሪቡን ተጻሒፉን እዩ። ዝተፈላለየ ዓይነት ፍቕሪ ከም ዘሎ ድማ ዘየካትዕ ሓቂ እዩ። ገለ ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡-ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ፍቕሪ ሰብ፡ ፍቕሪ ዓለም፡ ፍቕሪ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ፍቕሪ ውሉድ፡
ፍቕሪ ኣሕዋት፡ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ፍቕሪ ሥልጣን …….. ወዘተ ኢልና ክንዝርዝሮ ንኽእል። ብመሠረት መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሔር ማለት ፍቕሪ ምዃኑ የነጽረልና። ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣብዚ ዓለም ክምህር ከሎ፡ ካብ ኦሪትን ነቢያትን እተን ዝዓበያ ትእዛዛት ‘’ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን፥ ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብዅሉ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ’’። እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እዚኣ እያ። እታ እትመስላ ኻልኣይታ ከኣ ‘’ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’’ እትብል እያ። ኩሎም ሕግን ትእዛዛትን ኣብዘን ክልተ ተጠርኒፎም ኣለዉ በለ። ማቴ 22፡38። እምበኣር እስከ ንሎሚ ነቲ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ቀንዲ ዕንቅፋትን ማሕንቖን ኮይኑና ዘሎ ‘’ፍቕሪ ዓለምን ዓለም እተፍቅሮም ሰባትን’’ ሕጽር ዝበለ ዝርዝር መብርሂ ከነቕርብ።
ፍቕሪ ዓለም እንታይ እዩ? ፡- ፍቕሪ ዓለም ክንብል ከሎና ንዓይ ይጥዓመኒ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ብሃብትኻ ምዕባይን ብምድራዊ ስስዐ ምዕዋርን ማለት እዩ። ናይ እምነት ኣቦታትና ከስተምህሩ ከለዉ ናይ ደቂ ሰብ ጸላእቲ ሠለስተ እዮም ይብሉ። ንሳቶም ድማ ሰይጣን፡ ሥጋን ዓለምን እዮም። ናይዞም ሰለስተ ሓሳብን ድሌትን ከኣ ካብ ሰማያዊ ምድራዊ ረብሓ፡ ካብ ዘለዓለማዊ ጊዚያዊ ሕይወት፡ ካብ ሓባራዊ ውልቃዊ ጠቕሞም ብምቕዳም ብቅንኢ ዝነብሩ እዮም። ምስቲ ክቡር ሓሳብ ኣምላኽን ልዕል ዝበለ መደቡን ድማ ፍጹም ዘይሰማምዑ መጻርርቲ እዮም። ስለዚ እምበኣር ኣብ ፍቕሪ ዓለም ምእታው ማለት፡ ነታ ጸባብ መገዲ ኣምላኽ ገዲፍና በታ ገፋሕ መገዲ ኃጢኣት ምጉዓዝ፡ ንኹሉ ድሌት ሥጋ ምፍጻም፡ ከም ሰይጣን ብትዕቢትን ሓሶትን ተወጢርካ ምንባር ማለት እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ከኣ ንኣምልኾ ጣኦትን ስራሕ ጠንቆልትን ተቐቢልካ ብክሕደት ምምልላስ ምስ ፍቕሪ ዓለም ይጠቓለል። ብዛዕባ እዚ ሓዋርያ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ ‘’ኣቱም ከሓድቲ ንዓለም ምፍቃር ንኣምላኽ ምጽላእ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እቲ ዓርኪ ዓለም ኪኸውን ዝደሊ ሰብ ጸላእ ኣምላኽ ይኸውን’’ ይብል። እምበኣር ከምቲ ኣብ ኣርእስትና ታፈቅር ዓለም ለዘኣፍቀራ! ማለት ዓለም ንዘፍቀራ እያ ተፍቅር ዝብል ተጻሒፉ ዘሎ፡ ምስ ዓለም ፍቕርን ዕርክነትን ዝሓዘ ሰብ፡ ምስ ኣምላኽ ኣብ ጽልኢ ኣትዩ ከምዘሎ ከስተውዕል ይግባእ። ያዕ 4፡4
ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ዝምልከት ብዙሕ ምኽርን ጠቓሚ ትምህርትን ሓዲጉልና እዩ። ካብቲ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ተጻሒፉ ዘሎ ገለ ንምጥቃስ ‘’ዓለም እንተ ጸልአትኩም ቅድሚኹም ንዓይ ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ንስኻትኩም ካብ ዓለም እንተ ትኾኑስ ዓለም ከምናታ ምፈተወትኩም ነይራ። ንስኻትኩም ናይ ዓለም ኣይኮንኩምን፡ ስለዚ ኸኣ እያ ዓለም ትጸልኣኩም ዘላ’’ ዝብል ግሩም ማዕዳ ሂቡና ኣሎ። ዮሓ 15፡18። ካብዚ መንፈሳዊ ዕላማ’ዚ ተበጊስና ከኣ ንዓለምን ኣብዚ ዓለም ንዘሎ ኩሉ ነገራትን ሓላፊ ብምዃኑ፡ ንዕለታዊ ስራሕና ብዓይኒ ሰማያዊ እምነት ጠሚትና ንኣምላኽ ባህ ዘብልን ንሰባት ዝሃንጽን ቁም ነገር ክንሰርሕ ሠናይ እዩ። ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ደቂ ሰባት እንተ ተመልከትና እቶም ንዓለም ዘፍቀሩን ምስ ዓለም ዝዓንደሩን ኣብ መወዳእታ ብዙሕ ተጎዲኦም እዮም። ከምቲ ኣቦታትና ክምስሉ ‘’ዓለም ኳና ዓሻ ይኣምና!’’ ዝብሉ፡ እዛ ብልጭልጭን ጫውጫውን ዝበዝሓ ጊዝያዊት ዓለም ከም ውሕጅ እናስሓቐትን እዋናዊ ጣዕሚ እናምጽአትን ንኽንደይ ዘይጽኑዓት ሰባት ኣታሊላ ወሲዳቶም እያ። ነቶም ከም ፍቓዳ ዘይነብሩ ናይ እግዚኣብሔር ኣገልገልቲ ድማ ብከበድቲ ፈተናታት ተሸግሮም እያ። እቶም ቅዱሳን ግና ዓለምን ኩሉ ክብራን ንዓኣቶም ዘይትበቅዕ ስለ ዝኾነት ኣብ ምድረ በዳን፥ ኣብ እምባታትን ኣብ በዓትታትን፥ ኣብ ጎዳጉዲ ምድርን ኮለል በሉ። ዕብ 12፡38
ፍቕሪ ዓለም ብኸመይ ይጅምር? ናይ ኣምላኽ ሰባት ብምስትውዓል ከም ዝገልጽዎ እቲ ዝበዝሐ ኃጢኣት፡ ዓይንና ብዝርእዮን እዝንና ብዝሰምዖን እዩ ዝመጽእ። ነዚ ብዝምልከት ብርሃን ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ሓዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ’ቲ ሓጋዚኡ ዝነበረ ሰብ ‘’ዴማስ ነዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝፈተዋ ሓዲጉኒ ናብ ተሰሎንቄ ከይዱ እዩ’’ ክብል ንጢሞቴዎስ ገለጸሉ። እወ ልቢ ዴማስ ብፍቕሪ ዓለም ክትማረኽ ዝኸኣለት ብዕዮ ጎይታ ኣብ ተሰሎንቔ ክመላለስ ከሎ ብዙሕ ይርእን ይሰምዕን ስለ ዝነበረ ብፍትወት ሥጋን ምድራዊ ረብሓን ተታሊሉ ናብ ዓለም ወደቐ። ብሥራት ቅዱስ ወንጌል ከይሰብኽ ድማ ‘’ናብቲ ድኹምን ድኻን ኣተሓሳስባ ዓለም’’ ጠሓለ። እዚ ከኣ ንዓና መምሃርን መለብምን ክኾነና ዘይግብኦ ኣይኮነን። ስለዚ እምበኣር ሰይጣን ተረቂቑ ኣብ ልብና ዓለማዊ ሓሳባት ከየእቱ እሞ ኣብ ሕይወትና መሪር ሡር በቝሉ ከየጨንቐና ንብዙሓት ከኣ ከየርክስ ክንጥንቀቕ ኣገዳሲ እዩ። 2 ጢሞ 4፡10።
ብተወሳኺ ከኣ ፍቕሪ ዓለም ኣብ ኣእምሮና ክሓድር ዝኽእል ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ትእዛዛት በብሓደ ከነፍርሶ ምስ ጀመርና እዩ። ነዚ መበገሲ ዝኾኑና ድማ ኣንነት፡ ትዕቢትን ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ሓሳባትን ሒዝና ካብ ሕጊ እግዚኣብሔር ንወጽእ እሞ ከም ድሌትናን ፍቓድ ዓለምን ምንባር ንጅምር። ኣቦና ኣዳም ኣብ ፍጹም ሰላም ኮይኑ በረኸት ገነት እናበልዐ ከሎ፡ ማዕረ ኣምላኽ ኽትኾኑ ኢኹም ዝብል ናይ ተመን መደናገሪ ሓሳብ ኣብ ልቢ ሔዋን ስለ ዝኣተወ ኣብ ኃጢኣት ወደቑ። ካብ ፍቕሪ ኣምላኾም ከኣ ረሓቑ። እቲ ኣብ ውሽጢ ይሁዳ ኣስቆረታዊ ሰይጣን ዘቐመጦ ዓለማዊ ሓሳባት እንተ ኾነውን ብስስዕቲ ገንዘብ ንመምህሩ ከም ዝሸጦ ንዝክር ኢና። መወዳእታኡ ግና ናብ ውድቀትን ሞትን ከም ዘብጽሖ ኵላትና ንስሕቶ ኣይመስለናን። ካብኡ ንደሓርውን ዝተፈላለዩ ሰባት ብፍቕሪ ኣምላኽ ጀሚሮም ብፍቕሪ ዓለም ክውድኡ፡ ቀዳሞት ዝነበሩ ዳሕረዎት ክኾኑ፡ ካብ ሓቀኛ እምነት ኣብ ክሕደት ክበጽሑ በብእዋኑ ተራእዮም እዮም።
ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ዓለምን ዘሎ ፍልልይ፡- ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ ፍልልይ ብዝቐለለ መገዲ ምእንቲ ክርድኣና፡ ነቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ‘’ንኽልተ ጎይቶት ኪግዛእ ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን፥ ከመይ ነቲ ሓደ ኽጸልእ ነቲ ሓደ ኬፍቅር እዩ፥ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ኬኽብር ነቲ ሓደ ድማ ኬሕስር እዩ። እምበኣር ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም’’ ዝብል ጥቕሲ ደጋጊምና ምርኣይ የድሊ። ማቴ 6፡24። ብሓቂ ከኣ ፍቕሪ ኣምላኽ ምስ ፍቕሪ ዓለም ዘራኽብ የብሉን። ዓለም ንኸተርትን ቀተልትን ነጻ ሰዲዳ ንወሃቢ ሕይወትን ቅኑዓትን ሰባትን ሞት ከም ዝፈረደቶም ንፈልጥ ኢና። ከምኡውን ኣብ ምኽሪ ዓለም እንተ ዘይሰሚርካ ከም በደለኛ ማእሰርትን ስደትን ዘይተርፍ መቕጻዕቲ ኣብ ቅኑዓት ሰባት ክወርድ ግድን እዩ። ንኣብነት ንጻድቕ ዮሴፍ ሰበይቲ ጎይትኡ ምሳይ ደቅስ ኢላ ብፍትወት ዓለም ምስ ፈተነቶ ‘’ከመይ ገይረኸ እዚ ዓቢይ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ኃጢኣትን ክገብር እኽእል’’ ኢሉ ስለ ዝኣበየ ናብ ማእሰርቲ ተወስደ። ዘፍ 39፡9።
ንኣምላኽ ምፍቃር ማለት ግና ትእዛዛቱ ምሕላው ማለት እዩ። ትእዛዛቱ ኸኣ ከቢድ ኣይኮነን። ዝኾነ ሰብ ምስቲ ኣጸቢቑ ዝፈትዎ ነገር ብዙሕ ጊዜ ከሕልፍ እዩ ዝደሊ። ካብቲ እነፍቅሮ ሰብ ድማ ክንፍለን ክንርሕቕን ኣይንደልን ኢና። ስለዚ እምበኣር ብምሉእ ልብና ንእግዚኣብሔር ነፍቕሮ እንተ ኾንና፡ ብምሉእ ልብና ከኣ ንዓለም ከነፍቅራ ኣይንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ፍቕሪ ምስ ኣምላኽ፡ ጽልኢ ምስ ዓለም ስለ ዝኾነ። ፍቕሪ ምስ ዓለም ከኣ፡ ጽልኢ ምስ ኣምላኽ እዩ። እዚ ክንብል ከሎና ግና ኽፉእን ጽቡቕን፥ ሓቅን ሓሶትን ጽድቅን ኃጢኣትን ብግቡእ ተረዲእና ብቅኑዕ እምነት ንኽንጓዓዝ ደኣ እምበር ንዓለም ክንረግምን ክንኵንን ማለትና ኣይኮነን። ኢየሱስ ክርስቶስውን ናብ ኣቦኡ ክጽሊ ከሎ ‘’ካብቲ ክፉእ ክትሕልዎም እምበር ካብ ዓለም ክትወስዶም ኣይኮንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ናይ ዓለም ዘይኮንኩ ንሳቶምውን ናይ ዓለም ኣይኮኑን’’ ኢሉ ለመነ። ዮሓ 17፡15
እምበኣርከስ ሎሚ እታ ንዓለም እንስዕረላ ዓወት እምነትና እያ። እምነት ማለት ከኣ ብተስፋ ዝጥምቱ መንፈሳውያን ኣዕይንቲ ጥራይ ዘይኮነስ ብጽንዓት ዝጎዓዙ ቅዱሳት ኣእጋር ከም ዘለዋ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እሞኸ ደኣ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ፍቕሪ ኣምላኽ ዲዩ ወይስ ፍቕሪ ዓለም እዩ ነጊሡ ዘሎ? ‘’ዓለምን እቲ ኹሉ ፍትወታን ሓላፋይ እዩ፥ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለዓለም ይነብር’’ ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ ኣብ ዓለም እናነበርካ ከም ፍቓድ ዓለም ዘይምንባር ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘእቱ ስራሕ ጽድቂ እዩ። ስለዚ እምበኣር ብሓልዮት ናብራን ፍቕሪ ዓለምን ከይተወሓጥና ኣእምሮና ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ መንፈሳዊ ረብሓ የቕልብ። ንሰብከ ኣብዚ ዓለም ብዅሉ ረቢሑስ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ? ብዝተረፈስ ንሕና ናይ ኣምላኽ ከም ዝኾንና ብዘላ ዓለም ከኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ ክፉእ ከምዘላ ንፈልጥ ኢና። 1ዮሓ 5፡19
ከም ኵሎም ቅዱሳን ብፍቕሪ ኣምላኽ ክንነብር ጸጋ የብዝሓልና!
ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ