ቃጭል ኣልዒለ ብልዑልን ጥዑምን ዜማ “ጻኡ ንኡሰ ክርስቲያን” (ሓደሽቲ ኣመንቲ ዘበልኩም ውጹ!) ኢለ ኣብ ፍርቂ ቅዳሴ፡ ይእውጀሉ
ካብዚ ዝርርብ እታ ሳምራዊት ሰበይትን ጐይታና ኢየሱስን፡ ካብዚ ሎሚ ኣብ ቅዳሴ ዝተነበበልና ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 4 እንተኣስተውዒልና ፡ምድሪ ሰማርያ ኣብ መንጎ ምድርታት ይሁዳን ገሊላን’ዩ ዝርከብ ። ስለዚ ክርስቶስ ይኹን ካልእ ሰብ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ክኸይድ ብሰማርያ ኣቢሉ ክሓልፍ ግድን’ዩ። እንተኾነ ንክርስቶስ ብእኡ ምሕላፍ ግድን ዝኾኖ በዚ ዝተጠቕሰ ጂኦግራፊያዊ ምኽንያት ጥራይ ዘይኮነ ሓደ ካልእ መለኮታዊ ምኽንያት ነበሮ።
መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእ፡ ካብ ኣቦኦም ኣቶ መባእ ቶምቦሳ፡ ኣዲኦም ወ/ሮ ቅዱሳን ልጃም ብ1938 ዓ.ም. ኣብ በራቒት ንኡስ ዞባ ቆሓይን ዞባ ደቡብ ተወልዱ። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኮኑ፡
“ጅጎ” ዝበሃል ኣምላኽ ከምዘሎ፡ ሰሚዐን ኣንቢበን ኣይፈልጥን’የ። “ኣባ ጅጎ፡ መብልዒ ጐጎ፡ ማይ ጃሕ ኣብሎ” ክንብል ግን ይዝከረኒ።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥሪ 11 ክሳብ ጾመ ነነዌ ዘሎ ጊዜ “ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ማለት ካብ ጥሪ 26 ክሳብ ለካቲት 2 ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ተወልደ ኢየሱስ በቤተ ልሔም ዘይሁዳ (ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ተወልደ።) እዚ ከኣ ሕጊ ዝሰርዔን ዝማሃረን፡በረከት ናይ ስጋን ነፍስን ከካፍለና ከምኡውን ነቲ ስራሕ ሰይጣን ከፍርስ እቲ ንደቂ ሰባት ዝፈጠረ አምላክ ኣማልክቲ ጐይታ ኣብ ቤተ ልሔም ይሁዳ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ስጋ ምግላጹ ንምዝካር ዝተሰርዔ ዕለት እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፣ ጽድቁ አብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለጸ። ሳህሉን እምነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ፣ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ንምድሓን ኣምላኽና ረአየ።” (መዝ 98፡ 2-3) ሎሚ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት ብዝብል ናይ ኣዴና ሃና ኣብነት ብምግባር ነዚ ንኣትዎ ዘሎና ጾም ነነዌ ኣብ ህይወትና ከመይ ከነተግብሮ ከም ዘሎና፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
“ኣብ ቀራና ጎደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታትን እቲ ጽቡቕ ጎደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብኣኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም’’ (ኤር 6፡16) ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻይደ ጉባኤ ካብ ትጽቢት
እቲ ዘገርም ቁጽሪ ዘየብሎም ተቓወምቲ ትውፊት ኢና ዝብሉ ምዕራባውያን፥ ዝጠቕስዎ ጥቅሲ፥ ነቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ንደቂ ቆረንቶስ ክጽሕፈሎም ከሎ ኣሕዋተየ፥ ንጥቕሚ እቲ ሓደ፥ ንጒድኣት እቲ ኻልእ ኢልኩም ከይትንፍሑ፥
“ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን፡ ብጥበብ: ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።” ሉቃ 4፡52። ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥሪ 11 ክሳብ ጾመ ነነዌ ዘሎ ጊዜ “ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ማለት ካብ ጥሪ 19 ክሳብ ጥሪ 25 ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ እሙነ ኮነ ልደቱ ለመድኃኒነ ክርስቶስ። እምሰማያት ወረደ ወእመላእክት ተአኵተ፡ ወእማርያም ተወልደ።”ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እሙን ኮነ፡ካብ ሰማይ ወረደ፡ ብመላእክቲ ተመስገነ፡ ካብ ማርያም ተወልደ።” ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፡ ንሱ’ውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።” መዝ 118፡27።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ