“ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም። ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ’ኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን’ሞ፡ ኣነ ኸም’ቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍ’ውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ።>> 1ቈረ 3፡9-11
ናብ ምእመናን ሕዝበ ክርስቲያን፡
ብሩኽ በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና። ቀጺልና ንጥሪ/January 30-31/ 2010 (ጥሪ ፳፪ - ፳፫ 2002 ዓ.ም. ግእዝ) ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ እነብዕለሉ ዓመታዊ ብዓልና ተኻፈልቲ ናይ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።
“ፍልሰት መንእሰያት ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን፡- ጠንቁን ሳዕቤናቱን” ዝብል መጽናዕታዊ ሓሳብ ዱብ ኢሉንስ፡ ሓፍ ምባሉ ክሳዕ ዝስእን ከኣ ነዚ ረዚን ሓሳብ ተሰኪመዮ እዘውር ኣለኹ። እቶም ትማል ምሳና ዝነበሩ እሞ፡ ሎሚ ግን ኣብቲ ካልእ ደምበ ግዒዞም ዘለዉ መጠን-ኣልቦ መንእሰያት፡ ምኽንያት መጥፊኢኦም ኮን እንታይ ኔሩ ይኸውን፡ ንሶም ስለዝበደሉ ጥራይ ድዩ፡ ወይስ ንሕና’ውን በዲልና ኢና ዝብል ወጣሪ ሕቶ ድማ እየ ንነብሰይ ዝሓታ ዘለኹ። እታ ዝወለደት ቤተ ክርስቲያን ከ ኣብ ክንዲ ንምእካብ እትጽዕርሲ፡ ንምስጓግን ንምብታንን እትተግህ ብሓቂ ካብ ልባ ዶ ኾን ትኸውን?! ዝብል ድማ አስዒበ አስተንትን። ብሓቂ ስምዒታዊ ዘይኮነስ ወድዓዊ ገምጋም የድልየና’ሎ!!
“ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።” ዮሓ 6፡54።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ካብቲ ናይ ጐይታና ዝረቐቐን ዝኸበደን፡ ግን ከኣ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ትምህርቲ ዝተዋህበሉ ናይ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ ዝተወስደ’ዩ። እዚ ንሎሚ ኸነንብቦን ክንመሃረሉን ዝተመደበ ኽፍሊ፡ ናይዚ ምዕራፍ፡ ዚበዝሕ ክፋሉ ብዛዕባ’ቲ ነዚ ኣስተምህሮ’ዚ ዝሃብዎ መልሰ ግብሪ ዚገልጽ’ዩ። ኣብ ሕይወት ወሳኒ ተራ ዚህልዎ ድማ ዓይነት ናይቲ ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ዓይነት ናይቲ ንእኡ ዝተዋህበ መልሰ ግብሪ’ውን’ዩ። ሕይወት ዚህብ መልእኽቲ፡ ብሰሪ መልሰ-ግብሪ ናይቲ ሰማዒ፡ ሞት ኪወልድ ይኽእል’ዩ። መጽሓፍ ቅዱስና ነቲ ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ነቲ መልሰ ግብሪ’ውን ዝጸሓፈሉ ምኽንያትን ናይ መልሰ ግብርና ግደ ምእንቲ ኽንፈልጦን ከነስተውዕሎን ኢሉ’ዩ።
![]()
ጸሓፊ፡ ብመሠረት ቆሎሴ 4፡14 እቲ ሓኪም ዝነበረ፡ ካብ ወገን ኣሕዛብ ዝዀነ ክርስቲያን ግሪኻዊ ወንጌልን ግብረ ሓዋርያትን ዝጸሓፈ ሉቃስ ዝተባህለ መሰነይታ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝነበረ እዩ።
በዓል-ልደት ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ብርሃን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል ተኸቢሩ። እቲ በዓል ረብዕ ምሸት 6 ጥሪ 2010 ዓ.ም ብዋዜማ ጀሚሩ ናብ ረቡዕ ዘውግሕ ለይቲ ድማ ብስርዓተ ቅዳሴ ተዛዚሙ። ኣብዚ ክቡር በዓል ልደት'ዚ: ብርክት ዝበሉ ብባህላዊ ልብሲ ዘጌጹ ምእመናን ብምርካቦም ድማ ንበዓል-ልደት' ተወሳኺ ግርማ ሂብዎ።

“ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ‘ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና’፡ እናበሉ ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ኣቱም ጕዱላት እምነት! ከመይከ እትፈርሁ፧’ በሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገንሖም። ዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ።” ማቴ 8፡26።
ሎሚ 1 መስከረም 2001 ግእዝ (መስከረም 11, 2008) በዓል ቅዱስ ዮሓንስ እነብዕሎ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ፍልይ ብዝበለ ኣበዓዕላ እዩ።
ዳግማይ ትንሣኤ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ኣብ ሰሜን ኣሜርካ።
እንኮ ልሳን ቤተክርስትያን ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን መበል ሓምሳ (50) ዓመታ፡ ማለት ወርቃዊ-ኢዮቤልዩ ካብ 1951 ክሳብ 2001 ዓ.ም (1944 - 1994 ዓ.ም ግእዝ) ከተብዕል ኣብ ምቅርራብ እንከላ ብመስከረም 2001 ዓ.ም.ፈ (1994 ዓ.ም ግእዝ) ተዓጽያ።
ኣብ 1850 ዓ.ም ዝተኣታተወ “ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ ኣዳም ዝተመሓለላፈ ውርሻ ኃጢኣት የብላን” ዚብል ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እምነት፣ ኣብ መንጎ ኦርቶዶክስን ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ካቶሊክን ዝተፈጥረ ናይ እምነት ፍልልይ መዕለቢ ዘይተረኽበሉ ተንጠልጢሉ ዘሎ ጸገም እዩ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ